መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
ሓደ ጸረ-ማሕበረሰብ ዝነበረ ፈታው ፓንክ ሮክ ዚበሃል ዓይነት ሙዚቃ፡ ንሰባት ዜፍቅርን ዚሓልን ንኪኸውን ጽልዋ ዝገበረሉ እንታይ እዩ፧ ሓደ ኣብ ሜክሲኮ ዚነብር ሰብኣይ፡ ርኹስ ኣነባብራ ኺሓድግ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ሓደ ኣብ ጃፓን ሓያል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዝነበረ ሰብ፡ ንቕድድም ብሽክለታ ሓዲጉ፡ ንኣምላኽ ኬገልግል ዝመረጸ ስለምንታይ እዩ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ንርአ።
“ዘይእሩምን ዕቡይን ቍጡዕን እየ ነይረ።”—ደኒስ ኦባይርን
ዓመተ ልደት፦ 1958
መበቈል ሃገር፦ ዓዲ እንግሊዝ
ታሪኽ፦ ጸረ-ማሕበረሰብ ዝዀነ ፈታው ፓንክ ሮክ
ሕሉፍ ህይወተይ፦ ብኣቦይ ኣይርላንዳዊ ክኸውን ከለኹ፡ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣይርላንድ እየ ዓብየ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ናብ ቤተ-ክርስትያን ምኻድ ዘይፍተወኒ እኳ እንተ ነበረ፡ በይነይ እኸይድ ነበርኩ። ጽምኢ መንፈሳዊ ነገራት ነበረኒ። ነታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትበሃል ጸሎት ኣዘውቲረ እጽሊ ነይረ እየ፣ ምሸት ኣብ ዓራተይ በጥ ኢለ ብዛዕባ ትርጕማ ኽሓስብ እውን ይዝከረኒ። ነታ ጸሎት ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ከፋፊለ፡ ነፍሲ ወከፍ ክፋል እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ እሓስብ ነበርኩ።
ኣብ መፋርቕ ዕድመ ዀተቴ ኸለኹ፡ ምስ ምንቅስቓስ ራስተፈርያውያን ሓበርኩ። ኣብ ከም ማሕበር ጸረ-ናዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ እውን ተጸምበርኩ። ኰይኑ ግን፡ ፈታው እቲ ፓንክ ሮክ ዚበሃል መንፈስ ዕልወት ዜንጸባርቕ ዓይነት ሙዚቃ ብምዃነይ፡ ኣብቲ ምንቅስቓስ ኣጸቢቐ እሳተፍ ነበርኩ። ሓሽሽ እወስድ፡ ብፍላይ ከኣ ማሪዋና መዓልታዊ አትክኽ ነበርኩ። ዋላ ሓንቲ ዘይግድሰኒ ስለ ዝነበርኩ፡ ብዙሕ እሰቲ፡ ንህይወተይ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ነገራት እውን እገብር ነበርኩ፣ ንኻልኦት ከኣ ሓልዮት ኣይነበረንን። ጸረ-ማሕበረሰብ ስለ ዝነበረኩ ኸኣ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዀይኑ ምስ ዚስምዓኒ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምስ ሰባት ፈጺመ ኣይዘራረብን እየ ነይረ። ስእሊ ኽሰኣል እውን ኣይደልን እየ ነይረ። ንድሕሪት ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ዘይእሩምን ዕቡይን ቍጡዕን እየ ነይረ ኽብል እኽእል እየ። ንዝቐርቦ ሰብ ጥራይ እየ ሕያዋይን ለጋስን ነይረ።
ዳርጋ ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ከሕድር ጀመርኩ። ሓደ ሓሽሽ ዚሸይጥ ዓርከይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ ጀመረ፣ ምስኡ ኸኣ ብዛዕባ ሃይማኖትን ብዛዕባ ቤተ-ክርስትያንን ሰይጣን ኣብ ዓለም ብዛዕባ ዘለዎ ግደን ነዊሕ ምይይጥ ገበርና። መጽሓፍ ቅዱስ ዓዲገ ብብሕተይ ኬጽንዕ ጀመርኩ። ኣነን ዓርከይን ንእተወሰነ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ እናንበብና፡ እንታይ ከም እተመሃርና ንመያየጥ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ሓደ መደምደምታ ንበጽሕ ነበርና። ንሓያሎ ኣዋርሕ ከኣ ከምኡ ገበርና።
ካብቲ ዝገበርናዮ መጽናዕቲ ድማ፡ ኣብ ዘመን መወዳእታ ንነብር ከም ዘለና፡ ክርስትያናት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ኸም ዘለዎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ እንተላይ ኣብ ፖለቲካ ኢዶም ኬእትዉ ኸም ዘይብሎም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጽቡቕ ስነ-ምግባራዊ መምርሒ ኸም ዚህብ ደምደምና። መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኸም ዝዀነን ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዘላን ብንጹር ክንርዳእ ከኣልና። ግናኸ እታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኣየነይቲ ዀን ትኸውን፧ ብዛዕባ እተን ምልኩዕ ህንጻታትን ጽምብላትን ዘለወንን ኣብ ፖለቲካ ዚካፈላን ዓበይቲ ሃይማኖታት ሓሰብና፣ የሱስ ግን ካብኡ እተፈልየ ምዃኑ ኣስተብሃልና። ኣምላኽ ከም ዘይጥቀመለን ስለ ዝፈለጥና፡ ነተን ዝነኣሳ ሃይማኖታት ክንምርምር ወሰንና።
ምስ ሰዓብቲ እተን ሃይማኖታት እናተራኸብና፡ እተፈላለየ ሕቶታት ንሓትቶም ነበርና። ብዛዕባ እቲ እንሓቶ ዝነበርና ነፍሲ ወከፍ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ንፈልጥ ስለ ዝነበርና፡ እቲ ዚህቡና መልሲ ምስ ቃል ኣምላኽ ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ ብቐሊሉ ኸነለሊ ንኽእል ኔርና ኢና። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ምይይጥ፡ ‘እዞም ሰባት እዚኣቶም ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ዚውክሉ እንተ ዀይኖም፡ በጃኻ ምስኦም እንደገና ንኽራኸብ ባህጊ ኣሕድረለይ’ ኢለ ወትሩ ናብ ኣምላኽ እጽሊ ነበርኩ። ዋላ እኳ ንሓያሎ ኣዋርሕ ከምዚ ዓይነት ምይይጥ እንተ ገበርና፡ ንሕቶታትና ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምላሽ ኪህብ ዚኽእል ጕጅለ ኣይረኸብኩን፣ ምሳታቶም እንደገና ንኽራኸብ እውን ባህጊ ኣይሓደረንን።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣነን ዓርከይን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብና። ነቲ ወትሩ እንሓትቶ ሕቶታት ሓተትናዮም፣ ንሳቶም ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምላሽ ሃቡና። ልክዕ ከምቲ ኣቐዲምና ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተረዳእናዮ እዮም መሊሶምልና። ስለዚ ኸኣ፡ ነቲ ገና ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ዘይረኸብናሉ ዝነበርና ሕቶታት ሓተትናዮም፣ ሓደ ኻብኡ ኣምላኽ ብዛዕባ ምትካኽን ምውሳድ ሓሽሽን እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ ዚብል እዩ ነይሩ። ነዚ እውን ካብ ቃል ኣምላኽ ምላሽ ሃቡና። ናብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ክንከይድ ከኣ ተሰማማዕና።
ናብ ኣኼባ ምኻድ፡ ንዓይ ቀሊል ኣይነበረን። ጸረ-ማሕበረሰብ ስለ ዝነበርኩ፡ እቶም ኣብቲ ኣኼባታት ዝነበሩ ተቐረብትን ጽቡቕ ኣከዳድና ዘለዎምን ሰባት ኪቐርቡኒ ኣይደለኹን። ገሊኦም ሕማቕ ድራኸ ኸም ዘለዎም ስለ ዝሓሰብኩ ድማ፡ ናብ ኣኼባታት ምኻድ ኣቋረጽኩ። ኰይኑ ግን፡ ከምቲ ዅሉ ግዜ ዝገብሮ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ዚውክሉ እንተ ዀይኖም ምስኦም እንደገና ንኽራኸብ ባህጊ ንኼሕድረለይ ናብ ኣምላኽ ጸለኹ፣ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ከኣ ሓያል ባህጊ ሓደረኒ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ሓሽሽ ምውሳድ ከቋርጽ ከም ዘሎኒ ምስ ፈለጥኩ፡ ብኡንብኡ ሓደግክዎ። ሽጋራ ግን ከበደኒ። ብተደጋጋሚ ኸቋርጾ እኳ እንተ ፈተንኩ፡ ኣይተዓወትኩን። ካልኦት፡ ምትካኽ ሽጋራ ብቐሊሉ ኸም ዝሓደግዎ ምስ ሰማዕኩ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ናብ ኣምላኽ ጸለኹ። ድሕሪኡ፡ ብሓገዝ የሆዋ፡ ምትካኽ ሽጋራ ሓደግክዎ። ንየሆዋ ብቕንዕናን ብግልጽን ምዝራብ ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ምዃኑ ተማሂረ እየ።
ኣብ ኣከዳድናይን ኣመለኻኽዓይን እውን ዓብዪ ለውጢ ገበርኩ። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንፈለማ እዋን ክካፈል ከለኹ፡ ጸጕረይ ሰማያዊ ሕብሪ እተለኽየ ወንጫር እዩ ነይሩ። ጸኒሐ ኸኣ ሽሮዋይ ሕብሪ ለኸኽዎ። ጅንስን ጭርሖ ዘለዎ ኻብ ቈርበት እተሰርሐ ጃኬትን እኽደን ነበርኩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሕያውነት ኬረድኡኒ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ትርኢተይ ክቕይር ኣየደለኹን። ኣብ መወዳእታ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 2:15-17 ዘሎ፡ “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን” ዚብል ጥቕሲ ሓሰብኩ። ትርኢተይ ነዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዝፈቱ ዜርኢ ምዃኑ፡ ንኣምላኽ ፍቕሪ ኸም ዘሎኒ ኸርኢ እንተ ዀይነ ድማ፡ ነዚ ኽልውጦ ኸም ዘሎኒ ደምደምኩ። ከምኡ ድማ ገበርኩ።
ድሕሪ ግዜ፡ ኣብ ኣኼባታት ክእከብ ዚደልዩ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ከም ዘይኰኑ ኣስተብሃልኩ። ካብ እብራውያን 10:24, 25 ኣምላኽ እውን ከምኡ ኽገብር ከም ዚደልየኒ ተገንዘብኩ። ናብ ኵሉ ኣኼባታት ክኸይድን ንዅሎም ሰባት ኣጸቢቐ ኽፈልጦምን ምስ ጀመርኩ፡ ንየሆዋ ዝገበርክዎ ወፈያ ምእንቲ ኸርኢ ንኽጥመቕ ወሰንኩ።
ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ እቲ የሆዋ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ንኽንምስርት ዝፈቐደሉ መገዲ ንልበይ ተንኪፍዎ እዩ። ርሕራሐኡን ሓልዮቱን፡ ንዕኡ ንኽመስሎን ኣብ ህይወተይ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ከም ኣርኣያ ገይረ ንኽወስዶን ደሪኹኒ እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:21) ክርስትያናዊ ባህርያት ንኸማዕብል ጻዕሪ ኽገብር እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ናይ ገዛእ ርእሰይ ባህርያት ግን ኪህልወኒ ኸም ዚኽእል ፈሊጠ እየ። ፈቃርን ሓላዪን ንክኸውን ጽዒረ እየ። ንብዓልቲ ቤተይን ንወደይን ብክርስትያናዊ መገዲ ንኽሕዞም እውን እጽዕር እየ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ሓቂ ንዘለዉ ኣሕዋተይን ኣሓተይን እውን ብዙሕ እሓልየሎም እየ። ንክርስቶስ ምስዓበይ፡ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ንክኽበር፡ ንርእሰይ ግቡእ ኣኽብሮት ንኺህልወኒ፡ ንኻልኦት ድማ ንኸፍቅር ሓጊዙኒ እዩ።
“ኣኽቢሮም እዮም ሒዞምኒ።”—ጓዳሉፐ ቢልያሬያል
ዓመተ ልደት፦ 1964
መበቈል ሃገር፦ መክሲኮ
ታሪኽ፦ ርኹስ ኣነባብራ ዚነብር
ሕሉፍ ህይወተይ፦ ምስቶም ሽዱሽተ ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ ብድኽነት ኣብ እተጠቕዐ ኸባቢ ሄርሞሲዮ፡ ሶኖራ፡ መክሲኮ እየ ዓብየ። ኣቦይ ገና ሕጻን ከለኹ ስለ ዝሞተ፡ ኣደይ ንዅላትና ንኽትከናኸን ኣበርቲዓ ኽትዓዪ ነበራ። ንመዐደጊ ሳእኒ ዚኸውን ገንዘብ ስለ ዘይነበረና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጥራይ እግረይ እየ ዝኸይድ ነይረ። ገና ቘልዓ ከለኹ፡ ንስድራ ቤተይ ምእንቲ ኽድግፍ ክሰርሕ ጀመርኩ። ከምተን ካልኦት ስድራ ቤታት፡ ተጨቓጪቕና ብሓንሳእ ንነብር ነበርና።
ኣዴና ብዙሕ ግዜ ኣብ ገዛ ትጸንሕ ስለ ዘይነበረት፡ ንዓና ንደቃ ኽትከላኸለልና ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ወዲ 6 ዓመት ከለኹ፡ ብሓደ ወዲ 15 ዓመት ብጾታዊ መገዲ ተዓመጽኩ። እዚ ኸኣ ንነዊሕ እዋን ቀጸለ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብጾታ ዝመጸ ኽደናገር ጀመርኩ። ብኣወዳት ዝማረኽ ምዃነይ ንቡር ከም ዝዀነ ሓሰብኩ። ንሓካይምን ንኣቕሽሽትን ኪሕግዙኒ እንተ ሓተትክዎም ድማ፡ ምንም ጸገም ከም ዘይብለይን ንቡር ስምዒት ከም ዝዀነን ነገሩኒ።
ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ከም ሶዶማዊ ዀይነ ብግህዶ ኽመላለስ ወሰንኩ። ን11 ዓመት ከኣ ሶዶማዊ ዀይነ ምስ እተፈላለዩ ሰብኡት እነብር ነበርኩ። ድሕሪ ግዜ፡ ስልጠና ምምሻጥ ጸጕሪ ምስ ወሰድኩ፡ ናይ ባዕለይ ሳሎን ቍንጅና ኸፈትኩ። ኰይኑ ግን፡ ሕጉስ ኣይነበርኩን። ህይወተይ ብመከራን ብጥልመትን ዝመልአ ነበረ። ኣነባብራይ ጌጋ ምዃኑ ይርድኣኒ ነበረ። ንርእሰይ ከኣ፡ ‘ጥዑያትን ዚረብሑን ሰባት ይህልዉዶ ይዀኑ፧’ ኢለ እሓትት ነበርኩ።
ብዛዕባ ሓብተይ ሓሰብኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምጽናዓ፡ ተጠሚቓ ነይራ። እተማህረቶ ዘበለ ትነግረኒ እኳ እንተ ነበረት፡ ነቲ እትብሎ ኣየቕልበሉን እየ ነይረ። ኰይኑ ግን፡ ጽቡቕ ህይወትን ሓዳርን ስለ ዝነበራ፡ አድንቓ እየ ነይረ። ንሳን ብዓል ቤታን ንሓድሕዶም ከም ዚፋቐሩን ከም ዚከባበሩን ክርኢ እኽእል ነይረ እየ። ንሓድሕዶም ይተሓላለዩ ነበሩ። ድሕሪ ግዜ፡ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓለይ ጀመረት። ኣብ ፈለማ፡ ከጽንዕ ከለኹ ብዙሕ ተገዳስነት ኣይነበረንን። ድሕሪኡ ግን፡ እዚ ዅነታት እዚ ተለወጠ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ኣኼባታቶም ንኽመጽእ ዓደሙኒ እሞ፡ ናብኡ ኸድኩ። ቅድሚኡ ርእየዮ ዘይፈልጥ ነገር እዩ ኣጋጢሙኒ። መብዛሕትኦም ሰባት መላገጺ ይገብሩኒ እኳ እንተ ነበሩ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ከምኡ ኣይገበሩን። ብለውሃት ሰላም በሉኒ፡ ብኣኽብሮት ድማ ሓዙኒ። በዚ ልበይ ተተንከፈ።
ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ ምስ ተኻፈልኩ እሞ ኸኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝያዳ መሰጡኒ። ኵሎም እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ከም ሓብተይ ሓቀኛታትን ንጹሃትን ከም ዝዀኑ ረኣኹ። እቶም ንነዊሕ እዋን ክረኽቦም ዝምነ ዝነበርኩ ጥዑያትን ዝረብሑን ሰባት እዚኣቶም እንተ ዀይኖም ሓሰብኩ። እቲ ዘለዎም ፍቕርን ሓድነትን ኰነ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሕቶ ምላሽ ንምሃብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚጥቀሙሉ መገዲ ኣደነቐኒ። ጥዑያት ንኪዀኑ ዝሓገዞም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነ ተገንዘብኩ። ከማታቶም ንክኸውን፡ ብዙሕ ለውጢ ኽገብር ከም ዘሎኒ ድማ ፈለጥኩ።
ከም ሰበይቲ ዀይነ እነብር ስለ ዝነበርኩ፡ መሰረታዊ ለውጢ ኽገብር ነበረኒ። ኣዘራርባይ፡ ባህርየይ፡ ኣከዳድናይ፡ ኣመሻሽጣይ፡ ኣዕሩኸይ ክቕይር ነበረኒ። ናይ ቀደም ፈተውተይ የላግጹለይ፡ “ስለምንታይ ኢኻ እዚ እትገብር፧ ጽቡቕ ኢኻ ዘለኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተጽንዕ። ዘድልየካ ዘበለ ዅሉ ኣሎካ” ድማ ይብሉኒ ነበሩ። ብፍላይ ነቲ ርኹስ ኣነባብራይ ምቕያር ኣዝዩ ኸቢዱኒ ነበረ።
ኰይኑ ግን፡ እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:9-11 ዚርከብ፡ “ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሓቱ፤ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ . . . ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ . . . ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም” ዚብል ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ልበይ ስለ ዝተንከፈኒ፡ ዓብዪ ለውጢ ኽገብር ከም ዝኽእል ፈለጥኩ። ብግዜ ጥንቲ፡ የሆዋ ንሰባት፡ ለውጢ ንኺገብሩ ሓጊዝዎም እዩ፣ ንዓይ እውን ሓጊዙኒ እዩ። ኣነባብራይ ኬዐሪ ሓያሎ ዓመታት እኳ እንተ ወሰደለይ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሃቡኒ መምርሕን ዘርኣዩኒ ፍቕርን ግን ኣዝዩ ጠቒሙኒ እዩ።
ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ሎሚ፡ ንቡር ህይወት እየ ዝመርሕ። ሓዳር ገይረ እየ፣ ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ድማ ንወድና ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺመላለስ ንምህሮ ኣሎና። ናይ ሕጂ ህይወተይ ካብቲ ሕሉፍ ህይወተይ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ፣ ብዙሕ መንፈሳዊ ጥቕምታትን ሓላፍነታትን ድማ ረኺበ ኣለኹ። ሽማግለ ጉባኤ ዀይነ አገልግል ኣለኹ፣ ንብዙሓት ሰባት ድማ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ንኺፈልጡ ኽሕግዝ ክኢለ እየ። ኣደይ በቲ ኣብ ህይወተይ ዝገበርክዎ ለውጢ ኣዝያ ስለ እተሓጐሰት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዓ እተጠምቀት ክርስትያን ኰነት። ርኹስ ኣነባብራ ዝነበራ ሓብተይ እውን ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ኣላ።
ገለ ኻብቶም ነቲ ሕሉፍ ህይወተይ ዚፈልጡ ሰባት፡ ዝሓሸ ለውጢ ኸም ዝገበርኩ ተገንዚቦም እዮም። ከምዚ ዓይነት ለውጢ ንኽገብር እንታይ ከም ዝሓገዘኒ ኸኣ እፈልጥ እየ። ቀደም ምኽሪ ኽኢላታት ንኽረክብ እጽዕር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንሳቶም ግን ሕማቕ ምኽሪ ጥራይ እዮም ሂቦምኒ። የሆዋ ግን ብሓቂ ሓጊዙኒ እዩ። ዘይረብሕ ከም ዝዀንኩ ዀይኑ ይስምዓኒ እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ግን ንዓይ ዕሽሽ ከይበለ ብፍቕርን ብትዕግስትን ተኸናኺኑኒ እዩ። እቲ ዜደንቕን መስተውዓልን ፈቃርን ኣምላኽ፡ ንዓይ ከም ዜስተብህለለይን ዝሓሸ ህይወት ክመርሕ ከም ዚደልየንን ምፍላጠይ እዚ ዅሉ ለውጢ ንኽገብር ኣኽኢሉኒ እዩ።
“ዕግበት ኣይረኸብኩን፡ ጽምዋን ባዶነትን እውን ተሰምዓኒ።”—ካዙሂሮ ኩኒሞቺ
ዓመተ ልደት፦ 1951
መበቈል ሃገር፦ ጃፓን
ታሪኽ፦ ሓያል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ
ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብ ኣውራጃ ሺዙኦካ፡ ጃፓን፡ ኣብ እትርከብ ጸጥታ ዝሰፈና ንእሽቶ ወደባዊት ከተማ እየ ዓብየ፣ እታ ሸሞንተ ኣባላት ዝነበርዋ ስድራና ኸኣ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ቤት ትነብር ነበረት። ኣቦይ እንዳ ብሽክለታ ነበሮ። ገና ቘልዓ ኸለኹ፡ ቅድድም ብሽክለታ ናብ ዚግበረሉ ቦታ ይወስደኒ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ጸወታ ድሌት ኣሕደርኩ። ኣቦይ ከኣ፡ ኣነ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ምእንቲ ክኸውን፡ መደብ ኬውጽኣለይ ጀመረ። ገና ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኸለኹ፡ ብትግሃት ኬሰልጥነኒ ጀመረ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብ ዓዓመት ኣብ ዚግበር ሃገራዊ ኣትለቲካዊ ውድድር ሰለስተ ሳዕ ብተኸታታሊ ሰዓርኩ። ናብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ምእታው ዕድል እኳ እንተ ረኸብኩ፡ ብቐጥታ ናብ ቤት ትምህርቲ ቕድድም ብሽክለታ ኽኣቱ ወሰንኩ። ወዲ 19 ዓመት ምስ ኰንኩ ኸኣ፡ ቅድድም ብሽክለታ ኸም ሞያይ ገይረ ሓዝክዎ።
ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ጃፓን ካብ ኵሎም ዝበለጽኩ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ንክኸውን ሸቶ ነበረኒ። ስድራ ቤተይ ውሑስን ርግኣት ዘለዎን ህይወት ምእንቲ ኺህልዎም፡ ብዙሕ ገንዘብ ክረክብ መደብኩ። ስልጠናይ ብትግሃት ተኸታተልኩ። ስልጠና ወይ ውድድር ኪኸብደኒ ኸሎ፡ ብሽክለታ ኽቀዳደም ከም እተፈጠርኩን ስነይ ነኺሰ ክቕጽል ከም ዘሎንን ንርእሰይ ብተደጋጋሚ አእምና ነበርኩ። ከምኡ ድማ ገበርኩ። ስለዚ ኸኣ፡ ጻማ ጻዕረይ ክረክብ ጀመርኩ። ኣብ መጀመርታ ዓመት፡ ካብቶም ጀመርቲ ተቐዳደምቲ ቐዳማይ ወጻእኩ። ኣብ ካልኣይ ዓመት፡ ብሉጽ ተቐዳዳማይ ጃፓን ኣብ ዚፍለየሉ ቕድድም ክኣቱ ኸኣልኩ። ኣብቲ ውድድር እቲ፡ ሽዱሽተ ሳዕ ካልኣይ ወጻእኩ።
ሓደ ኻብቶም ብሉጻት ተቐዳደምቲ ብምንባረይ፡ በቲ ቶካይ ዚበሃል ኣብ ጃፓን ዚርከብ ቦታ፡ ድልዱላት ኣእጋር ቶካይ ተባሂለ ተጸዋዕኩ። ሓያል ናይ ውድድር መንፈስ ነበረኒ። ድሕሪ ግዜ፡ ኣብ ቅድድም ዘየናሕሲ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣዝየ እፍራህ ነበርኩ። ብዙሕ ኣታዊ ስለ ዝነበረኒ፡ ባህ ዝበለኒ ዘበለ ኽዕድግ ከኣልኩ። ንመወሳወሲ ኣካላት ዚኸውን ክፍሊ ዘለዎ ቤት ዓደግኩ፣ ነቲ ኽፍሊ ድማ ብብሉጽ ኣቝሑ ምውስዋስ ኣካላት መላእክዎ። ቤት ኬዐድግ ዚኽእል ገንዘብ ኣውጺአ፡ ናይ ወጻኢ ማኪና ዓደግኩ። ገንዘባዊ ውሕስነት ምእንቲ ኽረክብ፡ ንገንዘበይ ኣብ ዘይንቀሳቐስ ንብረትን ኣብ ዕዳጋ ኣክስዮንን ኣውፈርኩዎ።
ኰይኑ ግን፡ ዕግበት ኣይረኸብኩን፡ ጽምዋን ባዶነትን እውን ተሰምዓኒ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዓል ሓዳርን ኣቦ ቘልዑን እኳ እንተ ነበርኩ፡ ዓቕሊ ግን ኣይነበረንን። ንሰበይተይን ንደቀይን ብጢጥ ቅሚጥ እቋየቖም ነበርኩ። በዚ ተሸቝሪሮም ከኣ፡ ከይቍጥዖም እናፈርሁ ገጽ ገጸይ ይጥምቱ ነበሩ።
ድሕሪ ግዜ ግን፡ ሰበይተይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። እዚ ኸኣ ብዙሕ ለውጥታት ኣምጽአ። ናብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትከይድ ከም እትደሊ ምስ ነገረትኒ፡ ብስድራ ቤት ሓቢርና ኽንከይድ ወሰንኩ። ሓደ ሽማግለ ናብ ቤተይ መጺኡ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጀመረኒ ምሸት ኣይርስዓን እየ። እቲ እተመሃርክዎ ነገር፡ ሓያል ጦብላሕታ ኣሕደረለይ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ኤፌሶን 5:5 ምስ ኣንበብኩ ዝሓደረኒ ስምዒት ፈጺመ ኣይርስዖን እየ። እታ ጥቕሲ፡ “ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ ትፈልጡ አሎኹም” ትብል። ቅድድም ብሽክለታ ምስ ውርርድ ከም ዚተሓሓዝን ናይ ስስዐ መንፈስ ከም ዜተባብዕን ተገንዘብኩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሕልናይ ኪርብሸኒ ጀመረ። ንየሆዋ ኣምላኽ ከሐጕሶ እንተ ዀይነ፡ ቅድድም ብሽክለታ ኸቋርጽ ከም ዘሎኒ ተሰምዓኒ። እዚ ግን ቀሊል ውሳነ ኣይነበረን።
ኣብታ ቕድሚኣ ዝነበረት ዓመት ብዝረኸብክዎ ውጽኢት፡ ኣመና ስለ ዝዓገብኩ፡ ዝያዳ ንኽዕወት ሃንቀው ኢለ ነበርኩ። ኰይኑ ግን፡ ካብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣእምሮኣዊ ሰላምን ህድኣትን እረክብ ነበርኩ፣ እዚ ኸኣ፡ ካብቲ ኣብ ቅድድም ዝነበረኒ መንፈስ እተፈልየ እዩ ነይሩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምጅማረይ ሰለስተ ሳዕ ጥራይ እኳ እንተ ተቐዳደምኩ፡ ንቕድድም ብሽክለታ ግን ካብ ልበይ ምሉእ ብምሉእ ኣየውጻእክዎን ነይረ። ንስድራ ቤተይ ብኸመይ ክኣልዮም ከም ዝኽእል እውን ሓርቢቱኒ ነይሩ። ኣይናብዚ ኣይናብቲ ሓዲግ ብምዃነይ፡ ተዓኒደ ተረፍኩ፣ ቤተሰበይ እውን ብሰንኪ እቲ ሓድሽ እምነተይ ኬሸግሩኒ ጀመሩ። ኣቦይ ብዙሕ ጐሃየ። ኣመና ስለ እተጨነቕኩ፡ ነድሪ ኸስዐ ኣጋጠመኒ።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጻሊ እገብርን ናብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዘውቲረ እኸይድን ምንባረይ፡ ነቲ ጽንኩር እዋን ክሓልፎ ሓጊዙኒ እዩ። በብቝሩብ እምነተይ ደልደለት። ንየሆዋ፡ ጸሎተይ ኪሰምዓንን ኣብኡ ንኽኣምን ኪሕግዘንን ለመንክዎ። ሰበይተይ፡ ሕጉስቲ ንኽትከውን ግድን ኣብ ዓብዪ ቤት ክትነብር ከም ዘይብላ ምስ ነገረትኒ፡ ጭንቀተይ ተቓለለለይ። ቀስ ኢለ ኸኣ ዕቤት ገበርኩ።
ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ እቲ ኣብ ማቴዎስ 6:33 ዚርከብ ቃላት የሱስ ሓቂ ምዃኑ ፈሊጠ እየ። የሱስ፡ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ኢሉ እዩ። እቲ የሱስ “እዚ ዅሉ” ኢሉ ዝጠቐሶ ነገራት፡ ማለት ኣብ ህይወት ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት፡ ስኢንና ኣይንፈልጥን ኢና። ሕጂ ዝረኽቦ ኣታዊ ኻብቲ ተቐዳዳማይ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ዝነበረኒ ኣታዊ ሓደ ኻብ ሰላሳ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት ንዓይን ንስድራ ቤተይን ዋላ ሓንቲ ጐዲሉና ኣይፈልጥን እዩ።
ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ኣመንቲ ምስ ዝዀኑ ብጾተይ ክዓዪ ወይ ከምልኽ ከለኹ፡ ቅድሚ ሕጂ ረኺበዮ ዘይፈልጥ ሓጐስን ዕግበትን እየ ዝረክብ። መዓልትታት ከይተፈለጠኒ በሪሩ እዩ ዚሓልፍ። ናብራ ስድራ ቤተይ እውን ኣጸቢቑ ተመሓይሹ እዩ። ሰለስተ ደቀይን ኣንስቶምን፡ ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግሉ ኣለዉ።