መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
ሕርሻ ትንባኾ ዝነበሮ ሓረስታይ፡ ስራሑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣጸቢቑ ዚኣምነሉ ዝነበረ ሃይማኖቱ ኪቕይር ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዝነበራ ሰበይቲ፡ ካብ ወልፋ ንኽትላቐቕ ሓይሊ ዝረኸበት ብኸመይ እያ፧ ነቲ እዞም ክልተ ሰባት እዚኣቶም ዝሃብዎ ሓሳባት ኣንብቦ።
‘ክፍሊ እዚ ዓብዪ ስድራ ቤት ኪኸውን ምኽኣለይ፡ የሐጕሰኒ እዩ።’—ዲኖ ዓሊ
ዓመተ ልደት፦ 1949
መበቈል ሃገር፦ ኣውስትራልያ
ታሪኽ፦ ሕርሻ ትንባኾ ዝነበሮ ሓረስታይ
ሕሉፍ ህይወተይ፦ ወለደይ ብ1939 ካብ ኣልባንያ ናብ ሓንቲ ማሪባ እትብሃል ኣብ ኲንስላንድ ኣውስትራልያ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ገዓዙ። ሓያሎ ሰርብያውያንን ቦዝንያውያንን ኢጣልያውያንን ግሪኻውያንን ካልኦት ዜጋታትን እውን ክብርታቶምን ልምድታቶምን ባህሎምን ሒዞም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ይነብሩ እዮም። ማሪባ ሕርሻ ትንባኾ ዝነበራ ቦታ እያ ነይራ፣ ወለደይ እውን ትንባኾ ኺተኽሉ ጀመሩ።
ወለደይ ናብዚ ቦታ እዚ ምስ ገዓዙ፡ ዓባይ ሓብተይን ክልተ ኣሕዋተይን ተወልዱ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣነ ተወለድኩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ወዲ ሓደ ዓመት ከለኹ፡ ኣቦይ ብሕማም ልቢ ሞተ። ኣደይ እንደገና ተመርዓወት፡ ኣርባዕተ ቘልዑ ኸኣ ወለደት። ኵላትና በቲ ሰብኣይ ኣደይ ዜካይዶ ሕርሻ ትንባኾ ኢና ዓቢና።
ኣብ ዕድመ ኾተቴ ምስ በጻሕኹ፡ ካብ ገዛ ወጻእኩ። ኣብ መጀመርታ 20ታት ምስ በጻሕኹ ድማ ንሰበይተይ ሳይሚ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝነበረ መስጊድ ተመርዓኹዋ፣ ሽዑ ኽልቴና ኣስላም ኢና ኔርና። ኵሎም ኣዝማደይ እውን ኣስላም እዮም ነይሮም። ቍርኣንን ብዛዕባ ታሪኽ ነብዪ መሓመድ ዝሓዘ መጽሓፍን ኣንቢበ እየ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣንቢበ እየ። ቍርኣን ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ነብያት ይገልጽ እዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባበይ ከኣ እዞም ነብያት እዚኣቶም ኣበየናይ እዋን ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ንኽርዳእ ሓጊዙኒ እዩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ገዛይ ይመጹ፡ ኣዘውቲሮም ድማ መጽሔታትን መጻሕፍትን ይገድፉለይ ነበሩ፣ ኣነን ሳይሚን ከኣ ነንብቦ ነበርና። እተፈላለየ ሃይማኖታዊ ኣርእስትታት ኣበጊስና ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንመያየጥ ትዝ ይብለኒ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሕቶታተይ ዚምልሱለይ ዝነበሩ ኻብ ርእሶም ዘይኰነስ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ናይ ሓቂ ጦብላሕታ ኣሕደረለይ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺመርሑለይ ይሓቱኒ፡ ኣብ ኣኼባታቶም ኪእከብ እውን ይዕድሙኒ እኳ እንተ ነበሩ፡ ወትሩ እኣብዮም ነበርኩ። ኣብ ህይወተይ ቀዳማይ ቦታ ዚህቦ ዝነበርኩ ነገር፡ ናይ ገዛእ ርእሰይ ሕርሻ ኣጥርየ፡ ዓብዪ ስድራ ቤት ምምስራት እዩ ነይሩ። ሕርሻ እኳ እንተ ዘየጥረኹ፡ ኣቦ ሓሙሽተ ቘልዑ ክኸውን ክኢለ እየ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድሕሪ ምርኻበይ፡ ንትሽዓተ ዓመት ዚኣክል ሃይማኖተይ ኣይቀየርኩን ነይረ። ይኹን እምበር፡ ንዅሉ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቕበሎን አንብቦን ነይረ እየ። ኣነን ሳይሚን ሰንበት ሰንበት ነዚ ጽሑፋት እዚ ነንብቦ ነበርና። ነቲ ንሓያሎ ዓመታት እተቐበልናዮ መጽሔታት ኣቐሚጥናዮ ኢና። ገሊኣቶም ነቲ ኣብ ልበይ እተተኽለ እምነት ኪፍትንዎ ኸለዉ፡ እቲ መጽሔታት እቲ ኣዝዩ ይሕግዘኒ ነበረ።
ንኣብነት፡ ሓደ ወንጌላዊ ሰባኺ ንየሱስ ከም መድሓንየይ ገይረ ኪቕበሎ ጸቕጢ ይገብረለይ ነበረ። እዚ ወንጌላዊ እዚ፡ ንሓው ሳይሚን ንሓደ ኻብ ኣሕዋተይን ንኺስዕብዎ ኣእሚንዎም ነይሩ እዩ። ድሕርዚ፡ እተፈላለየ ሃይማኖታት ዚስዕቡ ዝነበሩ ዚፈልጡኒ ሰባት ሃይማኖቶም ንኽስዕብ ኬእምኑኒ ሒዅ ኪብሉ ጀመሩ። ገሊኣቶም ከኣ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜጸልም ጽሑፋት ሃቡኒ። ነቶም ነቐፍቲ ብዛዕባ እቲ ዚምህርዎ ሰረተ ትምህርቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኬረድኡኒ እኳ እንተ ሓተትክዎም፡ ኪምልሱለይ ኣይክኣሉን።
ኵሉ እዚ ኣጋጣሚታት እዚ፡ በቲ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኣከብክዎ ጽሑፋት ተጠቒመ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣዕሚቘ ንክዅዕቶን ዝያዳ ምርምር ንኽገብርን ሓጊዙኒ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ ነቲ እተመሃርክዎ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኸውዕሎ ስጕምቲ ኽወስድ ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ።
ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ዘይነበረኒ፡ ኣብ ኣኼባታቶም ክእከብ ግና ጀሚረ ነይረ እየ። ኣብ ፈለማ ፈሪሀን ሓፊረን እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣብቲ ኣኼባታት ሓያሎ ተቐረብቲ ሰባት ረኺበ እየ፡ ነቲ ትምህርቲ ድማ ፈተኽዎ። ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ወሰንኩ፡ ብ1981 ከኣ ርእሰይ ከም ዝወፈኹ ንኸርኢ ተጠመቕኩ።
ብዓልቲ ቤተይ ተታሊለ ኸይከውን ሓድሓደ ግዜ ስክፍታኣ ትገልጽ እኳ እንተ ነበረት፡ ንውሳነይ ኣይተቓወመቶን። ኣብ ጥምቀተይ እኳ ተረኺባ ነይራ እያ። ነቲ እተመሃርክዎ ኣብ ሓቂ እተመስረተ ሓያሎ ትምህርትታት፡ ወትሩ እነግራ ነበርኩ። ምስ ተጠመቕኩ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ፡ ካብ ዕረፍቲ ናብ ቤትና እናተመለስና ኸለና፡ ሳይሚ ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውን ከም እትደሊ ነገረትኒ። እዚ ምስ ሰማዕኩ ኣዝዩ ደንጸወኒ። ሳይሚ ብ1982 ተጠምቀት።
ኣብ ናብራና ዜድሊ ለውጢ ምግባር ቀሊል ኣይነበረን። ትንባኾ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዚጋጮ፡ ትንባኾ ምትካል ገዲፈዮ እየ። (2 ቈረንቶስ 7:1፣ ያእቆብ 2:8) ስሩዕ እቶት ዚርከቦ ቕቡል ስራሕ ንምርካብ እተወሰነ ግዜ ወሲዱልና እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሓያሎ ዓመታት ዚኣክል ገለ ኻብ ኣዝማድና ኣይበጽሑናን ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ብመሰረት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምልላስ ፍቕርና ኸነርእዮም ንጽዕር ነበርና። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ዚፈላልየና ዝነበረ ጋግ ስለ ዘልገሰ፡ ሕጂ እቶም ናይ ቀረባ ኣዝማድና ይቐርቡና እዮም።
ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ንሕንከይ ከሰንፎ፡ ነቲ ዜጨንቕ ቍጠባዊ ቕልውላው ክሰግሮ፡ ወይ ከኣ ነቲ ኻብ ስድራ ቤት ዚመጽእ ተቓውሞ ኽዋጽኣሉ፡ ኰታስ ብእተፈላለየ ፈተናታት ክሓልፍ ምኽኣለይ፡ ብዛዕባ ትዕግስቲ የሆዋ ኣምላኽ ምሂሩኒ እዩ። ንኣብነት፡ ሕጂ ናይ ጉባኤ ሽማግለ ዀይነ ስለ ዘገልግል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መድረኽ ኰይነ እምህር እየ። ካብ ፍርሂ እተላዕለ ወታእታእ ስለ ዚብል፡ እዚ ኽሳዕ ሕጂ በዳሂ ይዀነኒ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣዘውቲረ ብምጽላይን ብሓገዝ የሆዋን፡ ነዚ ፍሉይ ሓላፍነት እዚ ኽስከሞ ኽኢለ እየ።
ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ዝያዳ ተቐራረብና፣ እቲ ሕጂ ኣብ መንጎና ዘሎ ሓድነት ድማ ብዋጋ ዚሽነን ኣይኰነን። ኣብ ኣተዓባብያ ደቅና ጕድለታት እኳ እንተ ነበረና፡ ነቲ እተመሃርናዮ ናይ ሓቂ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንደቅና ኽንሰርጸሎም ዚከኣለና ጽዒርና ኢና። (ዘዳግም 6:6-9) ኣብዚ ግዜ እዚ፡ እቲ ዓቢ ወደይን ብዓልቲ ቤቱን ሚስዮናውያን ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።
ብስድራ ቤትና ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንእከብ ድሕሪ ምጅማርና፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ዘጋጠመ ዅነታት ትዝ ይብለኒ። ንማኪናይ ደው ኣቢለ፡ ናብቶም ኣብ ኣዳራሽ ተኣኪቦም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጠመትኩ። ንስድራ ቤተይ፡ “እንታይ ትርእዩ ኣሎኹም፧” ኢለ ሓተትክዎም። ኣብቲ ኣዳራሽ፡ እተፈላለየ ባህልን ድሕረ ባይታን ቋንቋን ዝነበሮም፡ ኣልባንያውያንን ኣቦርጅናውያንን ኣውስራልያውያንን ክርኦሽያውያንን ተኣኪቦም ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ተሓዋዊሶም ሓጐሶም ይገልጹ ነበሩ። ክፍሊ እዚ ኣብ ኣውስትራልያ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከብ ብመንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ዝቘመ ዓብዪ ስድራ ቤት ክኸውን ምኽኣለይ የሐጕሰኒ እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:9።
‘ሓብተይ ኣይተሓለለትን።’—የለና ቭላዲሚሮቭና ስዮሚና
ዓመተ ልደት፦ 1952
መበቈል ሃገር፦ ሩስያ
ታሪኽ፦ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዝነበራ፡ ርእሰ ቕትለት ዝፈተነት
ሕሉፍ ህይወተይ፦ ጥቓ ሞስኮ ኣብ እትርከብ ግራስናጎርስክ ኣብ እትብሃል ንእሽቶን ሰላማዊትን ከተማ እየ ተወሊደ። ወለደይ መምህራን እዮም ነይሮም። ንፍዕቲ ተምሃሪት ነበርኩ፡ ትምህርቲ ሙዚቃ ኸኣ ተመሃርኩ። ብሩህ መጻኢ ድማ ነበረኒ።
ምስ ተመርዓኹ፡ ምስ ሰብኣየይ ናብቲ ጸርፍን መስተን ሽጋራን እተለምደሉ ኸባቢ ገዓዝና። ዋላ እኳ ኣብቲ ግዜ እቲ እንተ ዘይተፈለጠኒ፡ እቲ ኸባቢ ሕማቕ ጽልዋ ኣሕዲሩለይ እዩ። ኣብ ፈለማ፡ ክደርፍን ጊታር ክወቅዕን ኢለ ጥራይ እየ ናብ ፓርቲታት ዝኸይድ ነይረ። ይኹን እምበር፡ ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ምሳታቶም ሽጋራ ኸትክኽን መሰተ ኽሰትን ይዕድሙኒ ነበሩ። ነዊሕ ከይጸናሕኹ ድማ ውልፍቲ መስተ ዀንኩ።
እቲ ወልፊ ንህይወተይ ኬበላሽዎ ጀመረ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ወደቕኩ፡ ናይ ምግቢ ሸውሃተይ ድማ ተዓጽወ። ሞት ተመነኹ፡ ርእሰ ቕትለት ክፍጽም ከኣ ፈተንኩ። ርእሰይ ዘይምቕታለይ የሐጕሰኒ እዩ።
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓብተይ ኣዘውቲራ ትበጽሓኒ ነበረት። ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝነበረት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘኒ ኸም ዚኽእል፡ ክትገልጸለይ ትጽዕር ነበረት። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ስለ ዘይነበረኒ፡ ኣብ ፈለማ ገጽ ከላእኽዋ። ንሳ ግና ኣይተሓለለትን። ብዙሕ ትዕግስትን ፍቕርን ስለ ዘርኣየትኒ፡ ኣብ መወዳእታ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ተሰማማዕኩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ፡ መስተ ኽገድፍ ቈራጽነት ገበርኩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣቢሉ፡ ሓደ ሰትዩ ዝነበረ ጐረቤተይ ቀጥቂጡ፡ ማህሰይቲ ኣውረደለይ። ኣጸቢቐ ስለ እተጐዳእኹ፡ ኣብ ሆስፒታል ደቀስኩ። ኣርባዕተ ኻብ መሰንገለይ ተሰብረ፡ ረቲና ሓንቲ ዓይነይ ከኣ ተጐድአ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሆስፒታል ምድቃሰይ ነቲ ብሰንኪ መስተ ብምቍራጸይ ዝመጸ ሳዕቤናት ንኽዋጽኣሉ ሓጊዙኒ እዩ።
ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣዘውቲረ እጽሊ ነበርኩ። እቲ፡ “ካብ መዓሙቝ ጕድጓድ፡ ዎ እግዚኣብሄር [የሆዋ፡ NW]፡ ስምካ ጸዋዕኩ። ድምጸይ ሰሚዕካ፡ ካብ እህህታይን ጭርሓይን እዝንኻ ኣይትሕብኣዮ” ዚብል ኣብ ድጕዓ ኤርምያስ 3:55, 56 ዚርከብ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዓብዪ ምጽንናዕ እዩ ዀይኑኒ።
የሆዋ ጸሎተይ ከም ዝሰምዐ፡ ብሓቂ እኣምን እየ። ናብ ዝሓለፈ ናብራይ ምእንቲ ኸይምለስ፡ ሓይሊ ሂቡኒ እዩ። ንኽሰቲ እተፈተንኩሉ እዋናት እኳ እንተ ነበረ፡ በቲ ፈተነ እቲ ዘይምውዳቐይ የሐጕሰኒ እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ከለኹ፡ ንብዓል ቤተይ ኣብቲ ኸም ርእሲ ስድራ ቤት መጠን ዘለዎ ግደ፡ ክድግፎ ኸም ዘለኒ ተመሃርኩ። (1 ጴጥሮስ 3:1, 2) ንብዓል ቤተይ ከም ድላየይ እእዝዞ ስለ ዝነበርኩ፡ እዚ ለውጢ እዚ ምግባር፡ ንዓይ ቀሊል ኣይነበረን። የሆዋ ኺሕግዘኒ ድማ እጽሊ ነበርኩ። ንኽልወጥ ግዜ እኳ እንተ ወሰደለይ፡ በብቝሩብ ስለ እተመሓየሽኩ፡ ሕጂ ንብዓል ቤተይ ብዝያዳ እየ ዝድግፎ።
ብዓል ቤተይ እዚ ለውጥታት እዚ ምስ ረኣየ፡ ተገሪሙ እዩ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ኣይነበሮን። ሽጋራ ምትካኽ ከቋርጽ ምስ ወሰንኩ ግና፡ “ሽጋራ ምትካኽ እንተ ኣቋሪጽኪ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ክጅምር እየ” በለኒ። ክልቴና ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ሽጋራ ምትካኽ ኣቋረጽና።
ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ብዓል ቤተይ ቃሉ ሓልዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ። ሕጂ ሓቢርና መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ፡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ነስተንትን፡ ነቲ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኸኣ ንጽዕር ኣሎና።
ኣብ ርእሲ እቲ ብብሕተይ ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፡ ኣብ ናብራ ስድራ ቤትና እተራእየ ለውጢ፡ ብቓላት ዚግለጽ ኣይኰነን። የሆዋ ናብኡ ስለ ዝሰሓበኒ፡ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። (ዮሃንስ 6:44) ነታ ኸይተሓለለት ዝጸዓረትለይ ሓብተይ እውን ኣዝየ እየ ዘመስግና። በዚ ኸምዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ብሓቂ ኸም ዚቕይር ባዕለይ ተመከርክዎ።
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ስጕምቲ ኺወስድ ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ሓብተይ ብዙሕ ትዕግስትን ፍቕርን ስለ ዘርኣየትኒ፡ ኣብ መወዳእታ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ተሰማማዕኩ