ትፈልጥዶ፧
ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ሰባት፡ ብሓቂዶ ኣብ እዋን ቀብሪ ሻምብቆ ወይ እምብልታ ይነፍሑ ነይሮም እዮም፧
▪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እዋን በዓላት እምብልታ ይንፋሕ ከም ዝነበረ ይገልጽ እዩ። (1 ነገስት 1:40፣ ኢሳይያስ 5:12፣ 30:29) ብዘይካዚ፡ ኣብ እዋን ቀብሪ እውን እምብልታ ይንፋሕ ከም ዝነበረ ይገልጽ እዩ። ምስ ቀብሪ ብዚተሓሓዝ እተጠቐሰ መሳርሒ ሙዚቃ፡ እምብልታ ጥራይ እዩ። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ፡ ሓደ ኣይሁዳዊ መራሒ ናብ የሱስ ከይዱ፡ ነታ ኽትመውት ቀሪባ ዝነበረት ጓሉ ኼሕውየሉ ኸም ዝሓተቶ ተገሊጹ ኣሎ። የሱስ ኣብ ቤት እቲ መራሒ ምስ በጽሐ ግና፡ እታ ጓል ስለ ዝሞተት፡ “ነፋሕቲ እምብልታን ዋይዋይ ዚብሉ ሰብን” ረኣየ።—ማቴዎስ 9:18, 23።
እቲ ነዚ ጸብጻብ እዚ ዝመዝገበ ማቴዎስ፡ ልክዕ ድዩ ነይሩ፧ ዊልያም ባርክለይ እተባህለ ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ መብዛሕትኡ እታ ጥንታዊት ዓለም፡ ማለት ኣብ ሮሜ፡ ኣብ ግሪኽ፡ ኣብ ፊንቄ፡ ኣብ ኣሶር ኰነ ኣብ ፍልስጥኤም፡ ምንፋሕ እምብልታ ምስ ሞትን ምስ ሓዘንን ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ እዩ ነይሩ” በለ። ብመሰረት ታልሙድ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ሓደ ሰበይቱ ዝሞተቶ ኣዝዩ ድኻ ኣይሁዳዊ እውን ከይተረፈ፡ ክልተ ነፋሕቲ እምብልታን ሓንቲ መልቀሲትን ቈጺሩ ነታ ዝሞተት ሰበይቱ ኼልቅሰላ ልሙድ እዩ ነይረ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ጸሓፍ ታሪኽ ፍላቭየስ ጆሰፈስ ከም ዝመዝገቦ፡ ሮማውያን ብ67 ድ.ክ. ነታ ኣብ ገሊላ እትርከብ ጆታፓታ ወሪሮም፡ ኣብ ልዕሊ ተቐማጦኣ ጃምላዊ ቕትለት ከም ዝፈጸሙ፡ ኣብ የሩሳሌም ምስ ተወርየ፡ “መብዛሕትኦም ሓዘንተኛታት ኣብ ቀብሮም ዘሰንይዎም ነፋሕቲ እምብልታ ቘጺሮም እዮም።”
እቶም ምስ የሱስ እተሰቕሉ ገበርቲ እከይ፡ ገበኖም እንታይ እዩ ነይሩ፧
▪ መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ገበርቲ እከይ እዚኣቶም፡ ከተርቲ እዩ ዚብሎም። (ማቴዎስ 27:38፣ ማርቆስ 15:27) ገሊኡም መዝገበ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ንሓደ ዓይነት ገበን ካብቲ ኻልእ ንምፍላይ እተፈላለየ ቓላት ከም ዚጥቀም ይሕብር። እታ ክሌፕቲስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ንሓደ ንኸይተሓዝ ኢሉ ተግባራቱ ብሕቡእ ዚፍጽም ሰራቒ ንምምልካት እያ እትውዕል። እዛ ቓል እዚኣ፡ ነቲ ኻብ ሳጹን ደቀ መዛሙርቲ ብሕቡእ ዚሰርቕ ዝነበረ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ንምምልካት ውዒላ ኣላ። (ዮሃንስ 12:6) እታ ሊስቲስ እትብል ቃል ግና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ብዓመጽ ዚዝርፍ ሰብ እያ እተመልክት ነይራ፣ ብዘይካዚ፡ ንሓደ መንግስቲ ንምግምጣል ዚለዓዓል ዓለወኛ ወይ ደባይ ተዋጋኣይ ንምምልካት እውን ትውዕል ነይራ እያ። እቶም ምስ የሱስ ተሰቒሎም ዝነበሩ ሰባት፡ ከምዚ ዓይነት ሰባት እዮም ነይሮም። አረ፡ ሓዲኦምሲ፡ “ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዚግብኣና ተፈዴና” ኸም ዝበለ ተመዝጊቡ ኣሎ። (ሉቃስ 23:41) እዚ ኸኣ፡ ክልቲኦም ካብ ስርቂ ንላዕሊ፡ ገበን ከም ዝፈጸሙ ዚሕብር እዩ ነይሩ።
በርባን እውን ከምቶም ክልተ ኸተርቲ፡ ሊስቲስ ተባሂሉ ኣሎ። (ዮሃንስ 18:40) ሉቃስ 23:19፡ ብዛዕባ በርባን፡ “ብምብዓድ ከተማን ብምቕታል ነፍስን ተአሲሩ ዝነበረ እዩ” ስለ እትብል፡ በርባን ሰራቒ ጥራይ ከም ዘይነበረ ንጹር እዩ።
ስለዚ እምበኣር፡ እቶም ምስ የሱስ እተሰቕሉ ገበርቲ እከይ፡ ሰረቕቲ እኳ እንተ ነበሩ፡ ብናዕቢ ወይ ብቕትለት እውን ከይተረፈ ተሓተትቲ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ጕዳዮም እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ጶንጥዮስ ጲላጦስ፡ ብስቕለት ኪቕተሉ ኸም ዚግባእ እዩ ፈሪዱ።