ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/2 ገጽ 15
  • “ኣነስ ከቶ ኣይክርስዓኩምን እየ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣነስ ከቶ ኣይክርስዓኩምን እየ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ርሕራሐ ኣምላኽና”
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • የሆዋ— ብለውሃት ዝድንግጽ ኣቦና
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ፍቕሪ ኣደ ይገሃድ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/2 ገጽ 15

ንኣምላኽ ቅረቦ

“ኣነስ ከቶ ኣይክርስዓኩምን እየ”

የሆዋ ንህዝቡ ብሓቂዶ ይሓልየሎም እዩ፧ ዚሓልየሎም እንተ ዀይኑ፡ ክሳዕ ክንደይ እዩ ዚሓልየሎም፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ንኽንፈልጥ፡ ሓሳባት ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ኣሎና። የሆዋ ብዛዕባ ስምዒቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። ነተን ኣብ ኢሳይያስ 49:15 ዚርከባ ቓላት እስከ ንመርምረን።

የሆዋ ብዛዕባ ህዝቡ ዘለዎ ስምዒት ክሳዕ ክንደይ ዓሚቝ ምዃኑ ንምብራህ፡ ብኢሳይያስ ኣቢሉ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዚትንክፍ ኣብነታት ተጠቒሙ ኣሎ። ነዚ ድማ፡ “ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ፡ ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከአላ እዩ፧” ዚብል ዜመራምር ሕቶ ብምሕታት እዩ ጀሚርዎ። ብላዕለ ላዕሉ ኺርአ ኸሎ፡ መልሲ እዚ ሕቶ እዚ ንጹር እዩ ዚመስል። ሓንቲ እተጥቡ ኣደ፡ ከመይ ገይራ እያ እሞ ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዖ፧ ውሉዳ ለይትን መዓልትን ኣብኣ እዩ ዚምርኰስ፡ ቈላሕታ ኼድልዮ ኸሎ ኸኣ ይሕብራ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ የሆዋ ዘበገሶ ሕቶ፡ ካልእ ሓሳባት እውን ሒዙ ኣሎ።

ሓንቲ ኣደ ንውሉዳ እተጥቡን ንዅሉ ዜድልዮ ነገራት እትሓልየሉን ስለምንታይ እያ፧ ምእንቲ ኽትእብዶ ጥራይ ድዩ፧ ኣይኰነን። ኣደ፡ “ንፍረ ኸርሳ” ብባህርያ ትርሕርሓሉ እያ። እታ ኣብዚ “ራሕርሐ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ግሲ፡ “መሓረ” ተባሂላ እውን ትትርጐም እያ። (ዘጸኣት 33:19፣ ኢሳይያስ 54:10) እዛ ናይ እብራይስጢ ቓል እዚኣ፡ ንሓደ ምስኪን ወይ ተኣፋፊ ፍጡር ምርሕራሕ ዚብል ሓሳብ ከተመሓላልፍ ትኽእል እያ። ኣደ ንሓደ ዚጠቡ ውሉዳ እተርእዮ ርሕራሐ፡ ሓደ ኻብቲ ኽንግምቶ እንኽእል ኣዝዩ ሓያል ስምዒት እዩ።

እቲ ዜሕዝን ግና፡ ነቲ ንኺጠቡ ሃረር ዚብል ውሉደን ዚርሕርሓሉ ዅለን ኣዴታት ኣይኰናን። የሆዋ፡ “ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ” ኢሉ ኣሎ። ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ሓያሎ ሰብኡትን ኣንስትን ዘይእሙናት፡ “ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም” እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ሓድሓደ ግዜ፡ ብዛዕባ እተን ንናጽላ ውሉደን ዕሽሽ ዚብላ፡ ዚሃስያ፡ ወይ ዚጥንጥና ኣዴታት ኪዝረብ ንሰምዕ ኢና። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ ብዛዕባ ኢሳይያስ 49:15፡ “ኣዴታት ሓጥኣን ስለ ዝዀና ፍቕረን ሓድሓደ ግዜ ብሕሰም ይስነፍ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዝዓዘዘ ሰብኣዊ ፍቕሪ እውን ከይተረፈ ኺጠፍእ ይኽእል እዩ” ብምባል ገለጸ።

የሆዋ፡ “ኣነስ ከቶ ኣይክርስዓኩምን እየ” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ትርጕም 1990) ሕጂ፡ ንትርጕም እቲ ኣብ ኢሳይያስ 49:15 ተመዝጊቡ ዘሎ የሆዋ ዘበገሶ ሕቶ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። ኣብዚ የሆዋ ኻብ ሓንቲ ዘይፍጽምቲ ኣደ ንላዕሊ ኸም ዚርሕርሕ እዩ ዚገልጽ ዘሎ። ከምተን ነቲ መስኪን ናጽላአን ዘይርሕርሓ፡ ዘይፍጹማት ኣዴታት ስለ ዘይኰነ፡ ንኣምለኽቱ ዜድልዮም ነገራት ብምምላእ ኪርሕርሓሎም ደኣ እምበር ፈጺሙ ኣይክርስዖምን እዩ። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መወከሲ፡ ብዛዕባ ኢሳይያስ 49:15፡ “እዛ ጥቕሲ እዚኣ እታ ዝሓየለት እያ እኳ እንተ ዘይበልና፡ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝገልጻ ዝሓየላ መግለጺታት እያ” በለ።

ብዛዕባ ‘ርሕራሐ ኣምላኽና’ ኽንመሃርሲ ዜጸናንዕዶ ኣይኰነን፧ (ሉቃስ 1:78) ናብ የሆዋ ብኸመይ ክትቀርብ ከም እትኽእል ስለምንታይ ዘይትመሃር፧ እዚ ፈቃር ኣምላኽ እዚ ንኣምለኽቱ፡ “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ዚብል መረጋገጺ ሂብዎም ኣሎ።—እብራውያን 13:5።

ንለካቲት ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦

◼ ኢሳይያስ 43-62

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ