ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/2 ገጽ 8-9
  • ኣርማጌዶን ዚመጽእ መዓስ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣርማጌዶን ዚመጽእ መዓስ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕጂ ዚፍጸም ዘሎ ትንቢታት
  • ኣብ ቀረባ ግዜ ዚፍጸም ትንቢታት
  • ንዓኻ ብኸመይ ይጸልወካ፧
  • እዛ ዓለም እዚኣ እትጠፍእ ብኸመይ እያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • መንግስቲ ኣምላኽ ቈይማ ኣላ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • መንግስቲ ኣምላኽ ንጸላእታ ተጥፍኦም
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ራእይ—ንጸላእቲ ኣምላኽ ዘለዎ ትርጉም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/2 ገጽ 8-9

ኣርማጌዶን ዚመጽእ መዓስ እዩ፧

“እንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ፡ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ፡ . . . ደው ኢሎም ርኤኹ። . . . እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም።”​—ራእይ 7:9, 14።

ውግእ ኣርማጌዶን ዚጅመረሉ መድረኽ ተዳልዩ ኣሎ። ብኸመይ፧

ኣብ መላእ ዓለም ንየሆዋ ዜገልግሉን በቲ ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ዚምርሑን ህዝቢ ኣለዉ። ብሓገዝ ኣምላኽ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ዝመጹ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ህዝቢ፡ ሓድነትን ፍቕርን ዘለዎ ሕውነት ንምምስራት ይእከቡ ኣለዉ። እዚ ሕውነት እዚ፡ ኣብ ማእከል ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ ዘሎ።—ዮሃንስ 13:35።

ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ ሰይጣን ንሰራዊቱ ኣኪቡ ኣብ ልዕሊ እዞም ሰላማውያንን መከላኸሊ ዘይብሎምን ዚመስሉ ህዝቢ፡ ዝበርትዐ መጥቃዕቱ ኺፍኑ እዩ። (ህዝቅኤል 38:8-12፣ ራእይ 16:13, 14, 16) ብዛዕባ እዚ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ውግእ ኣርማጌዶን መዓስ ከም ዚመጽእ ንኽንፈልጥ ኪሕግዘና ዚኽእል ፍሉይ ፍጻመታት ከም ዚህሉ ይገልጽ እዩ። መብዛሕትኡ ኻብቲ እተነግረ ፍጻመታት፡ ሎሚ ይፍጸም ኣሎ።

ሕጂ ዚፍጸም ዘሎ ትንቢታት

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ “መደምደምታ ስርዓት ዓለም” ምቕራቡ፡ ብኸመይ ኪፈልጡ ኸም ዚኽእሉ ንጐይታኦም ሓቲቶምዎ ነይሮም እዮም። (ማቴዎስ 24:3፡ NW) የሱስ ከኣ፡ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺለዓል እዩ፣ ኣብ በቦታኡ ኸኣ ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ” ብምባል መለሰሎም። ኣስዒቡ ድማ፡ “እዚ ዅሉ፡ መጀመርታ ቕልውላው እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:7, 8) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቲ የሱስ እተዛረበሉ እዋን፡ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ፣ “ክፉእ ዘመን” ከም ዚኸውን ድማ ገለጸ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) እዚ ትንቢታት እዚ ኣብዚ ግዜና ዚፍጸም ዘሎዶ ኣይመስለካን፧

እዚ እዋን እዚ፡ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዋን ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንጥፈታቶም ኣብ ምድሪ ዘካይዱሉ “ቕሩብ ዘመን” ኪህሉ ምዃኑ ኣብ እተነበዮ ትንቢት፡ ምኽንያቱ እንታይ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሰይጣን “ብርቱዕ ቍጥዓ” ኸም ዜርኢ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 12:7-12) ሎሚ፡ ኣብ ሓደ ኸባቢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ሰባት መንፈስ ቍጥዓን ዓመጻን ኬንጸባርቑ ተዓዚብካዶ፧

የሱስ፡ “እዚ ወንጌል መንግስቲ [ኣምላኽ] ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ብምባል ኣብዚ ኣሸጋሪ እዋን እዚ ሰፊሕ ዕዮ ኸም ዚፍጸም እውን ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ሎሚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 235 ሃገራት፡ ብልዕሊ 500 ቛንቋታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኣለዉ። እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረታ ኽልተ መጽሔታቶም፡ ማለት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ብብዝሒ ብምዝርጋሐን ቀዳማይ ቦታ ሒዘን ኣለዋ። ብዘይካዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጽሓፍ ቅዱስ ብልዕሊ 100 ቛንቋታት ተርጒሞምዎ ኣለዉ። እቲ ዕዮ ዚዕየ ብወለንታ ኪኸውን ከሎ፡ ብወለንታ ብዚውፈ ወፈያታት ድማ እዩ ዚምወል። እዚ ሰፊሕ ወፍሪ ስብከት እዚ፡ መፈጸምታ ትንቢት የሱስዶ ኣይኰነን፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ብቐጥታ ናብ ውግእ ኣርማጌዶን ዚመርሕ ፍጻመታት እውን ከይተረፈ ይገልጽ እዩ። ንሰለስተ ኻብቲ ብሕጂ ዚፍጸም ከምዚ ዝኣመሰለ ትንቢታት እስከ ንርአ።

ኣብ ቀረባ ግዜ ዚፍጸም ትንቢታት

ትንቢት 1። መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንግስትታት፡ “ሰላምን ደሓንን” ዚብል ፍሉይ ኣዋጅ ኪእውጃ ምዃነን ይገልጽ እዩ። እተን ነዚ ኣዋጅ እዚ ዘውጽኣ መንግስትታት፡ ዓበይቲ ጸገማት ኪፈትሓ ዚኽእላ ዀይኑ ይስምዐን ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ደድሕሪ እዚ ኣዋጅ እዚ፡ ሰላም ዘይኰነስ፡ ህውከት ዘለዎ ፍጻመታት እዩ ኺርአ።—1 ተሰሎንቄ 5:1-3።

ትንቢት 2። ቀጺሉ፡ እተፈላለያ መንግስትታት ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታውያን ውድባት ዓለም ኪለዓላ እየን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዘን መንግስትታት እዚኣተን ብኣራዊት ተመሲለን ኣለዋ፣ እተን ናይ ዓለም ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ከኣ ብሓንቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣራዊት እተወጥሐት ሰበይቲ ተመሲለን ኣለዋ። (ራእይ 17:3, 15-18) እቲ ምሳልያዊ ኣራዊት፡ ነተን ንኣምላኽ ከም ዚውክላ ኣምሲለን ዚዛረባ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ብምጥፋእ፡ ከይተፈለጦ ፍቓድ ኣምላኽ ኪፍጽም እዩ።

ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ ድራማ እቲ፡ ከምዚ ብምባል ብተምሳል ገሊጽዎ ኣሎ፦ “እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬማስንዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊውን ኬንድድዋ እዮም። ማለት፡ ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ኺገብሩ . . . ኣብ ልቦም ኣእትዩ አሎ።”—ራእይ 17:16, 17።

ትንቢት 3። ሰይጣን ደድሕሪ ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ ንመንግስትታት ኣብ ልዕሊ እቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ዜምልኹ ህዝቢ ኬኽትተን እዩ።—ራእይ 7:14፣ ማቴዎስ 24:21።

ንዓኻ ብኸመይ ይጸልወካ፧

ቅድሚ ሕጂ መጽሓፍ ቅዱስ ብዕምቈት ንምጽናዕ ኣጋጣሚ እንተ ዘይረኺብካ፡ እቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ትንቢት ከም ዚፍጸም ምእማኑ የሸግረካ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ኵሉ እቲ ትንቢት ከም ዚፍጸም፡ እዚ ኸኣ ኣብዚ ቐረባ እዋን ምዃኑ ኸም እንተኣማመን ዚገብረና ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። እቲ ዛጊት እተፈጸመ ሓያሎ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ውሕስነት ይህብ።a

ስለዚ እምበኣር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቲ ኣብታ “ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ዚግበር ውግእ ኣዝዩ ኸም ዝቐረበ ዜእምኖም ምኽንያት እንታይ ምዃኑን በቲ ውግእ እቲ ስለምንታይ ክትፈርህ ከም ዘይብልካን ንምፍላጥ፡ ግዜ መዲብካ ዘይትምርምር፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ምስቶም የሆዋ ኣምላኽ ዜዕቍቦም ህዝቢ ንምዃን እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኼመያይጡኻ፡ ቅረቦም። (ራእይ 16:14) እቲ ትምህርቲ እቲ፡ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎካ ኣርኣእያ ኪቕይሮ ይኽእል እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተፈጸመ ዚገልጽ መርትዖ ኽትርኢ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 2ን ኣብ ምዕራፍ 9ን ርአ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚዓይዎ ዕዮ፡ መፈጸምታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስዶ ኣይኰነን፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ