ዓንቀጽ መጽናዕቲ 28
መንግስቲ ኣምላኽ ቈይማ ኣላ!
“መንግስቲ ዓለም ናይ ጐይታናን ናይቲ ክርስቶሱን ኰይና እያ።”—ራእ. 11:15።
መዝሙር 22 መንግስትኻ ቘይማ—“ትምጻእ” ኢልና ንልምን
መላለዪa
1. ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል፧ ስለምንታይከ፧
ኵነታት ዓለም ክትዕዘብ ከለኻ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ የጸግመካዶ፧ ኣብ መንጎ ስድራ ቤት ዘሎ ርክባት ይልሕልሕ እዩ ዘሎ። ሰባት ብሓፈሻኡ ብዝያዳ ዓመጽትን ፈተውቲ ርእሶምን ተባኣስትን ይዀኑ ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣይኣምንዎምን እዮም። ብኣንጻሩ ግና፡ እዚ ዅነታት እዚ ሰናይ ግዜ ኸም ዚመጽእ ኬእምነካ ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሰባት ልክዕ ከምቲ ብትንቢት ብዛዕባ “ዳሕሮት መዓልትታት” ተነጊሩ ዝነበረ እዮም ኰይኖም ዘለዉ። (2 ጢሞ. 3:1-5) ሓደ ቕኑዕ ሰብ፡ እዚ ትንቢት እዚ ይፍጸም ከም ዘሎ ኪኽሕድ ኣይክእልን እዩ። እዚ ድማ ክርስቶስ የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ይገዝእ ከም ዘሎ ዜርኢ መርትዖ እዩ። እዚ ግና ካብቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እተነግረ ሓያሎ ትንቢታት ሓደ ጥራይ እዩ። ነቲ ኣብ ቀረባ ዓመታት እተፈጸመ ኻልእ ትንቢታት እውን እንተ መርሚርናዮ፡ እምነትና ኽትድልድል እያ።
ከምቲ እተቘራረጸ ስእሊ ኺገጣጠም ከሎ ምሉእ ስእሊ ዚህበና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚርከብ መጽሓፍ ዳንኤልን መጽሓፍ ራእይን ዘሎ ትንቢታት ብሓደ ኺገጣጠም ከሎ ኸኣ ኣብ ናይ የሆዋ ሰሌዳ ግዜ ኣበይ ከም ዘለና ንጹር ስእሊ ይህበና (ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ)
2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ ስለምንታይከ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ሓሳብ ሃበላ።)
2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ (1) መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ ከም ዝቘመት ከነስተውዕል ዚሕግዘና ትንቢት፡ (2) የሱስ ብዘይርአ መገዲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኸም ዘሎ ኽንግንዘብ ዚሕግዘና ትንቢታት፡ (3) ጸላእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚጠፍኡ ዚሕብር ትንቢታት ክንምርምር ኢና። ከምቲ እተቘራረጸ ስእሊ ኺገጣጠም ከሎ ምሉእ ስእሊ ዚህበና፡ እዚ ትንቢታት እዚ ብሓደ ኺገጣጠም ከሎ እውን ኣብ ናይ የሆዋ ሰሌዳ ግዜ ኣበይ ከም ዘለና ንጹር ስእሊ ይህበና እዩ።
መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ ከም ዝቘመት ብኸመይ ንፈልጥ፧
3. እቲ ኣብ ዳንኤል 7:13, 14 ዚርከብ ትንቢት ብዛዕባ እቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ መረጋገጺ እዩ ዚህበና፧
3 እቲ ኣብ ዳንኤል 7:13, 14 ዚርከብ ትንቢት፡ ክርስቶስ የሱስ ብሉጽ ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚኸውን የረጋግጸልና። ኣብቲ ትንቢት ከኣ፡ ኵሎም ኣህዛብ ተሓጒሶም ከም ‘ዜገልግልዎ፡’ ብኻልእ ገዛኢ እውን ከቶ ኸም ዘይትካእ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ኣብ ዚርከብ ካልእ ትንቢት ከኣ፡ የሱስ ኣብቲ ኣብ መወዳእታ እቲ ብትንቢት እተገልጸ ሸውዓተ ግዜያት፡ መንግስቲ ኸም ዚውሃቦ ተገሊጹ ኣሎ። እሞ ደኣ እዚ ዜሐጕስ ፍጻመ መዓስ ከም ዝዀነ ኽንፈልጥ ንኽእል ዲና፧
4. ዳንኤል 4:10-17 ናብታ ክርስቶስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚዀነላ ዓመት ብኸመይ ከም እትመርሓና ግለጽ። (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)
4 ዳንኤል 4:10-17 ኣንብብ። እቲ “ሸውዓተ ግዜያት” ን2,520 ዓመት እዩ ዜመልክት። እቲ እዋን እቲ፡ ኣብ 607 ቅ.ክ. እዩ ጀሚሩ። በታ ዓመት እቲኣ ባቢሎናውያን ነቲ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበረ ዝፋን ዚቕመጥ ናይ መወዳእታ ንጉስ ኣልገስዎ። እቲ ሸውዓተ ግዜያት ብ1914 ድ.ክ. እዩ ኣብቂዑ። በታ ዓመት እቲኣ ኸኣ የሆዋ ነቲ “ሕጋዊ መሰል ዘለዎ” የሱስ፡ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ገበሮ።b—ህዝ. 21:25-27።
5. ካብቲ ብዛዕባ እቲ “ሸውዓተ ግዜያት” እተነግረ ትንቢት ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧
5 እዚ ትንቢት እዚ ብኸመይ ይጠቕመና፧ ብዛዕባ እቲ “ሸውዓተ ግዜያት” ክንፈልጥ ምኽኣልና፡ የሆዋ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት ኣብ ልክዕ ግዜኡ ኸም ዚፍጽሞ የረጋግጸልና እዩ። የሆዋ ኸምቲ ብዛዕባ ምቛም እታ መንግስቲ ውሱን ግዜ ዝመደበ፡ ካልእ ትንቢታት እውን ብመሰረት ሰሌዳ ግዜኡ ኸም ዚፍጸም ኬረጋግጽ እዩ። እወ፡ መዓልቲ የሆዋ ‘ኣይክትድንጕን እያ!’—ኣን. 2:3።
ክርስቶስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኸም ዘሎ ብኸመይ ንግንዘብ፧
6. (ሀ) ክርስቶስ ብዘይርአ መገዲ ኣብ ሰማይ ይገዝእ ከም ዘሎ ዚሕብር እንታይ ዚርአ መርትዖ ኣሎ፧ (ለ) ኣብ ራእይ 6:2-8 ዚርከብ ትንቢት ነዚ መርትዖ እዚ ብኸመይ የረጋግጾ፧
6 የሱስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ገሊኡ ፍጻመታት ዓለም፡ ንሱ ኣብ ሰማይ ኪገዝእ ከም ዝጀመረ ንሰዓብቱ ኸም ዚሕብሮም ተነብዩ ነይሩ እዩ። ገለ ኻብቲ ኣብቲ ትንቢቱ ዝጠቐሶ ነገራት ውግእን ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪጥቀስ ይከኣል። “ኣብ በቦታኡ” ለበዳ ወይ ሕማም ከም ዚኸውን እውን ተነብዩ ነይሩ እዩ፣ ለበዳ ኮቪድ-19 ሓደ ናይ ቀረባ ግዜ ኣብነት እዩ። እዚ ፍጻመታት እዚ ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ምልክት” እቲ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ተባሂሉ እተጸውዐ እዩ። (ማቴ. 24:3, 7፣ ሉቃ. 21:7, 10, 11) የሱስ ካብቲ ናብ ሰማይ ዝኸደሉ ልዕሊ 60 ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ንሃዋርያ ዮሃንስ እዚ ፍጻመታት እዚ ኸም ዚኸውን ተወሳኺ መረጋገጺ ሂብዎ እዩ። (ራእይ 6:2-8 ኣንብብ።) ኵሉ እዚ ፍጻመታት እዚ፡ ካብቲ የሱስ ብ1914 ስልጣን መንግስቱ ዝሓዘሉ ግዜ ኣትሒዙ ይኸውን ኣሎ።
7. የሱስ ኪገዝእ ምስ ጀመረ ንምድሪ ወይለኺ እተባህለላ ስለምንታይ እዩ፧
7 የሱስ ንጉስ ምስ ኰነ፡ ኵነታት ዓለም ዝኸፍአ ስለምንታይ እዩ፧ ራእይ 6:2 ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ትነግረና። የሱስ ዘውዲ ደፊኡ ሓድሽ ንጉስ ምስ ኰነ ዝፈጸሞ ቐዳማይ ተልእኾ፡ ውግእ እዩ ነይሩ። ምስ መንከ እዩ ተዋጊኡ፧ ምስ ድያብሎስን ኣጋንንቱን እዩ ተዋጊኡ። ብመሰረት ራእይ ምዕራፍ 12፡ ኣብቲ ውግእ ሰይጣን ተሳዕረ፣ ንሱን ኣጋንንቱን እውን ናብ ምድሪ ተደርበዩ። ሰይጣን በዚ ስለ እተቘጥዐ፡ ንቝጥዓኡ ኣብ ደቂ ሰብ እዩ ኼውጽኦ ጀሚሩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ንምድሪ ‘ወይለኺ’ እተባህለላ።—ራእ. 12:7-12።
ብሕማቕ ዜና ኣይንሕጐስን ኢና፣ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም ክንርኢ ኸለና ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ቈይማ ምህላዋ እምነትና የደልድለልና እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)
8. ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም ምርኣይና ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧
8 እዚ ትንቢታት እዚ ብኸመይ ይጠቕመና፧ ፍጻመታት ዓለምን ኣብ ጠባይ ሰባት ዚርአ ጕሉሕ ለውጥታትን፡ የሱስ ከም ዝነገሰ ኸነስተውዕል ይሕግዘና እዩ። ስለዚ፡ ሰባት ፈተውቲ ርእሶምን ሕሱማትን ኪዀኑ ኽንርኢ ኸለና ኣብ ክንዲ እንበሳጮ፡ ብተግባሮም ኣቢሎም ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ይፍጽሙ ኸም ዘለዉ ንዝክር ኢና። መንግስቲ ኣምላኽ ቘይማ እያ ዘላ! (መዝ. 37:1) ኣርማጌዶን እናቐረበት ብዝኸደት መጠን እውን፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ጭንቂ እናወሰኸ ኪኸይድ ኢና እንጽበ። (ማር. 13:8፣ 2 ጢሞ. 3:13) እሞ ደኣ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ነዚ ነውጺ ዝመልኦ ግዜ ኽንርድኦ ብምሕጋዙስ ኣይነመስግኖንዶ፧
ጸላእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ እዮም ዚጠፍኡ፧
9. ኣብ ዳንኤል 2:28, 31-35 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት ነቲ ናይ መወዳእታ ሓይሊ ዓለም ብኸመይ ይገልጾ፧ እቲ ሓይሊ ዓለም እቲኸ መዓስ እዩ ቘይሙ፧
9 ዳንኤል 2:28, 31-35 ኣንብብ። እዚ ትንቢት እዚ፡ ሎሚ ኺፍጸም ንርኢ ኣለና። ሕልሚ ነቡካድነጻር “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡” ማለት ግዝኣት ክርስቶስ ምስ ጀመረ ብዛዕባ ዚኸውን ነገራት እዩ ዚሕብር። እቲ ‘ብኣእጋር ሓጺንን ካይላን’ እተመሰለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ መወዳእታ ሓይሊ ዓለም ምስ ምድራውያን ጸላእቲ የሱስ እዩ ዚጽብጸብ። እዚ ሓይሊ ዓለም እዚ ሕጂ ይገዝእ ኣሎ። ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኪዳን ኣንግሎ-ኣመሪካ ዚብሃል ፍሉይ ሽርክነት ምስ ገበራ እዩ እዚ ሓይሊ ዓለም እዚ ቘይሙ። እቲ ኣብ ሕልሚ ነቡካድነጻር እተራእየ ምስሊ፡ ነዚ ሓይሊ ዓለም እዚ ኻብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ መንግስትታት ዚፈልዮ እንተ ወሓደ ኽልተ ነገራት ብትንቢት ሓቢሩና ኣሎ።
10. (ሀ) ትንቢት ዳንኤል ንኺዳን ኣንግሎ-ኣመሪካ ብልክዕ ዚገልጾ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ካብ ምንታይ ሓደጋ ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧ (“ካብቲ ኻይላ ተጠንቀቕ!” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)
10 ቀዳማይ፡ ኪዳን ኣንግሎ-ኣመሪካ ዘይከምቶም ኣብቲ ራእይ ኣቐዲምካ እተጠቕሱ ሓይልታት ዓለም ምሉእ ብምሉእ ብሓደ ዓይነት ብረት፡ ንኣብነት፡ ምሉእ ብምሉእ ወርቂ ወይ ብሩር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሕውስዋስ ሓጺንን ካይላን ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። እቲ ኻይላ ን“ዘርኢ ሰብ” ወይ ንተራ ሰባት የመልክት። (ዳን. 2:43፡ እ.ጽ.) ሎሚ ብንጹር ይርአ ኸም ዘሎ፡ ተራ ሰባት ኣብ ምርጫታትን ወፈራታትን ሰብኣዊ መሰላትን ህዝባዊ ተቓውሞታትን ማሕበራት ሸቃሎን ዘለዎም ጽልዋ፡ ነቲ እዚ ሓይሊ ዓለም እዚ ንፖሊሲታቱ ኣብ ምትግባር ዘለዎ ኽእለት የዳኽሞ እዩ።
11. ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ይገዝእ ምህላዉ ኣብ ግዜ መወዳእታ ንነብር ከም ዘለና እምነትና ዜደልድለልና ብኸመይ እዩ፧
11 ካልኣይ፡ ኣንግሎ-ኣመሪካ ብኣእጋር እቲ ዓብዪ ምስሊ ስለ እተመሰለ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት እተነግረሉ ናይ መወዳእታ ሓይሊ ዓለም እዩ። ንዕኡ ዚትክኦ ኻልእ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣይኪህሉን እዩ። የግዳስ፡ ኣብ ኣርማጌዶን መንግስቲ ኣምላኽ ንዕኡን ንዅሎም ሰብኣውያን መንግስትታትን ምስ ሓምሸሸቶም ብቕልጡፍ ኪጠፍእ እዩ።c—ራእ. 16:13, 14, 16፣ 19:19, 20።
12. ኣብ ትንቢት ዳንኤል መጸናንዕን ተስፋን ዚህብ እንታይ ተወሳኺ መርትዖ ኢና እንረክብ፧
12 እዚ ትንቢት እዚ ብኸመይ ይጠቕመና፧ ትንቢት ዳንኤል፡ ኣብ ግዜ መወዳእታ ንነብር ከም ዘለና ተወሳኺ መርትዖ ይህበና እዩ። ዳንኤል ኣስታት 2,500 ዓመት ይገብር፡ ድሕሪ ባቢሎን ኣርባዕተ ሓይልታት ዓለም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ ዓብዪ ጽልዋ ኸም ዚህልዎም ተነብዩ ነይሩ እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ፡ ካብዚኣቶም እቲ ናይ መወዳእታ ኸም ዚኸውን ገሊጹ ነይሩ እዩ። እዚ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ እዋን ንዅሉ ኣሰር ሰብኣዊ ግዝኣት ደምሲሳ ንምድሪ ምሉእ ብምሉእ ከም እትቈጻጸራ ስለ ዚሕብር፡ መጸናንዕን ተስፋን ይህበና እዩ።—ዳን. 2:44።
13. እቶም ኣብ ራእይ 17:9-12 ተጠቒሶም ዘለዉ ‘ሻምናይ’ ንጉስን “ዓሰርተ ነገስታት”ን ንመን የመልክቱ፧ እዚ ትንቢት እዚኸ ብኸመይ ይፍጸም ኣሎ፧
13 ራእይ 17:9-12 ኣንብብ። እቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝሰዓበ ጥፍኣት፡ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ናብ እተነግረ ኻልእ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እውን መሪሑ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ መራሕቲ ዓለም ኣብ ዓለም ሰላም ኬስፍኑ ደለዩ። ስለዚ፡ ኣብ ጥሪ 1920 እተኣሳሰራ መንግስትታት ዚብሃል ውድብ ኣቘሙ፣ እዚ ድማ ኣብ ጥቅምቲ 1945 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተተክአ። እዚ ውድብ እዚ “ሻምናዮም፡” ማለት ሻምናይ ንጉስ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ሓይሊ ዓለም ኣይኰነን። ብርታዐን ጽልዋን ካብቶም ዚድግፍዎ ፖለቲካውያን ሓይልታት እዩ ዚረክብ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ሓይልታት እዚኦም ብምሳልያዊ መገዲ “ዓሰርተ ነገስታት” ኢሉ ይጽውዖም።
14-15. (ሀ) ራእይ 17:3-5 ብዛዕባ “ዓባይ ባቢሎን” እንታይ ይገልጽ፧ (ለ) እቲ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝነበራ ደገፍ እንታይ ይኸውን ኣሎ፧
14 ራእይ 17:3-5 ኣንብብ። ሃዋርያ ዮሃንስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ንናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እተመልክት “ዓባይ ባቢሎን” እትብሃል ኣመንዝራ ብራእይ ረኣየ። ኣብቲ ራእይ እቲ እንታይ እዩ ተገሊጹ፧ ውድባት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ካብ ጥንቲ ኣትሒዘን ምስ ፖለቲካውያን ሓይልታት ይተሓባበራን ይባርኻኦምን እየን። ኣብ ቀረባ ግዜ ግና፡ የሆዋ “ሓሳቡ ኺገብሩ” ኢሉ ኣብ ልቢ ፖለቲካውያን ሓይልታት ሓደ ሓሳብ ኬእቱ እዩ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኪኸውን እዩ፧ እቶም ፖለቲካውያን ሓይልታት፡ ማለት እቶም “ዓሰርተ ነገስታት” ንውድባት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪግልበጥወንን ኬጥፍእወንን እዮም።—ራእ. 17:1, 2, 16, 17።
15 መወዳእታ ዓባይ ባቢሎን ከም ዝቐረበ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ማያት እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስ ንጥንታዊት ከተማ ባቢሎን ብኸፊል መከላኸሊኣ ኸም ዝነበረ ኽንዝክር ኣሎና። መጽሓፍ ራእይ ከኣ ንሚልዮናት ደገፍቲ ዓባይ ባቢሎን ምስቲ ኸም መከላኸሊ ዝዀነ “ማያት” ኣመሳሲልዎም ኣሎ። (ራእ. 17:15) እንተዀነ ግና፡ እቲ ማያት ከም ‘ዚነጽፍ’ እውን ይገልጽ እዩ፣ እዚ ድማ እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብዙሓት ደገፍታ ኸም እትስእን ይሕብር። (ራእ. 16:12) ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ጠንጢኖም ኣብ ካልእ መልሲ የናድዩ ስለ ዘለዉ፡ እዚ ትንቢት እዚ ይፍጸም ኣሎ።
16. ብዛዕባ ምቛም ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መወዳእታ ዓባይ ባቢሎንን እተነግረ ትንቢታት ክንርዳእ ምኽኣልና ብኸመይ ይጠቕመና፧
16 እዚ ትንቢታት እዚ ብኸመይ ይጠቕመና፧ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምቛሙን ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚውሃብ ደገፍ እናኣንቈልቈለ ምኻዱን ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ተወሳኺ መርትዖ ይዀነና እዩ። እቲ ባቢሎን ካብቲ ምሳልያዊ ማያት እትረኽቦ ደገፍ ይነጽፍ እኳ እንተሎ፡ መወዳእታ ውድባት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ግና ብኻልእ መገዲ እዩ ዚመጽእ። ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ፡ የሆዋ “ሓሳቡ ኺገብሩ” ኢሉ ኣብ ልቢ እቶም “ዓሰርተ ነገስታት፡” ማለት ኣብ ልቢ እቶም ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዚድግፉ ፖለቲካውያን ሓይልታት ሓደ ሓሳብ ኬእቱ እዩ። እዞም ኣህዛብ እዚኦም ከኣ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ብሃንደበት ኬጥፍእዋ እዮም፣ እዚ ድማ ንዓለም ድንገት እዩ ኪዀና።d (ራእ. 18:8-10) ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን ንዓለም ኬናውጻ እዩ፣ ጸገማት እውን የስዕብ ይኸውን። ህዝቢ ኣምላኽ ግና በዚ ዚሕጐሱሉ እንተ ወሓደ ኽልተ ምኽንያት ኣለዎም። እዛ ኻብ ጥንቲ ዝጸንሐት ጸላኢት የሆዋ ኣምላኽ ንዘለኣለም ክትድምሰስ እያ፣ ካብዚ እኩይ ስርዓት እንድሕነሉ እዋን እውን ኪቐርብ እዩ።—ሉቃ. 21:28።
ብዛዕባ መጻኢ እምንቶ ይሃሉኻ
17-18. (ሀ) ከመይ ጌርና ኢና ብቐጻሊ እምነትና ኸነደልድል እንኽእል፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧
17 ዳንኤል “ናይ ሓቂ ፍልጠት . . . ኪበዝሕ እዩ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ብልክዕ ድማ ከምኡ እዩ ዀይኑ! ነቲ ብዛዕባ ግዜና ዚምልከት ትንቢታት ክንርድኦ ኽኢልና ኣለና። (ዳን. 12:4, 9, 10) እዚ ትንቢታት እዚ ብልክዕ ይፍጸም ምህላዉ ኸኣ፡ ነቲ ንየሆዋን ንቓሉን ዘሎና ኣኽብሮት የዕዝዞ እዩ። (ኢሳ. 46:10፣ 55:11) እምበኣር፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብትግሃት ብምጽናዕን ሰባት ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ኪምስርቱ ብምሕጋዝን፡ ብቐጻሊ እምነትካ ኣደልድል። የሆዋ ንዅሎም እቶም ኣብኡ ዚውከሉ ይሕልዎም እዩ፣ “ቀጻሊ ሰላም” እውን ኪህቦም እዩ።—ኢሳ. 26:3።
18 ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ኣብቲ ኣብ ግዜ መወዳእታ ብዛዕባ እትህሉ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተነግረ ትንቢታት ከነተኵር ኢና። ሽዑ ኸም እንምሃሮ፡ እዚ ትንቢታት እዚ ምስቲ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት እተነግረ ሓፈሻዊ ትንቢታት ብልክዕ ይገጥም እዩ። እቲ ንጉስ ዀይኑ ዚገዝእ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ እውን ነቶም እሙናት ሰዓብቱ ይመርሖም ከም ዘሎ ተወሳኺ መርትዖ ኽንርኢ ኢና።
መዝሙር 61 ኣቱም መሰኻኽሩ፡ ኪዱ ሰጕሙ!
a ኣብ ታሪኽ ኣብ ኣዝዩ ልቢ ዚሰልብ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። ከምቲ ኣብ ሓያሎ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እተነግረ መንግስቲ ኣምላኽ ቈይማ ኣላ። ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነት ምእንቲ ኸነደልድል፡ ሕጅን ኣብ መጻእን ድማ ብህድኣትን ብምትእምማንን ምእንቲ ኽንመላለስ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንገለ ኻብዚ ትንቢታት እዚ ኽትምርምሮ እያ።
b ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ትምህርቲ 32፡ ነጥቢ 4 ርአ፣ ብ1914 መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ጀሚራ ዘርእስታ ቪድዮ ድማ ኣብ jw.org ርአ።
c ብዛዕባ ትንቢት ዳንኤል ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ናይ 15 ሰነ 2012 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 14-19 ርአ።
d ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚኸውን ነገራት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 21 ርአ።