ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/9 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንግስቲ ኣምላኽ ቈይማ ኣላ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ቅኑዕ ታሪኽ፡ ዜተኣማምን ትንቢት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ካብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ተምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ንትንቢታት ህዝቅኤል ብኸመይ ትርድኦ፧
    ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/9 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ኣብ ደብረ ዘይቲ ምስ ገሊኦም ደቀ መዛሙርቱ ኺዘራረብ ከሎ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብዚ ግዜና ዚርአ ፍጻመታት ዚገልጽ ስለምንታይ እዩ፧—ሉቃስ 21:10, 11።

ኣብ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዙሕ ዝርዝራዊ ትንቢታት ኣሎ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዛዕባ መጻኢ ብዝርዝር ኪንበ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ ፍጻመ ትንቢታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዜእምን መርትዖ እዩ ዜቕርብ።—እያሱ 23:14፣ 2 ጴጥሮስ 1:20, 21 ኣንብብ።

ድሮ ፍጻመኡ ዝረኸበ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣምላኽ ንኽንኣምን ድልዱል መሰረት እዩ ዝዀነና። (እብራውያን 11:1) ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ዝሓሸ መጻኢ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጸም ምትእምማን የሕድረልና። ስለዚ እምበኣር፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ርግጽ ዝዀነ ተስፋ እዩ ዚህበና።—መዝሙር 37:29፣ ሮሜ 15:4 ኣንብብ።

ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ገሊኡ ትንቢታት፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ስጕምቲ ንኺወስዱ ዜጠንቅቕ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እተወሰነ ትንቢታት ኪፍጸም ምስ ረኣዩ፡ ካብ የሩሳሌም ወጹ። መብዛሕትኦም ተቐማጦ ኸተማ የሩሳሌም ንየሱስ ስለ ዝነጸግዎ እታ ኸተማ ኽትጠፍእ ከላ፡ ክርስትያናት ግና ካብኡ ርሒቖም ኣብ ደሓን ዝዀነ ቦታ ነበሩ።—ሉቃስ 21:20-22 ኣንብብ።

ፍጻመኡ ዝረኸበ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታትን ምምሕዳራትን ከተጥፍአን ምዃና ዜርኢ እዩ። (ዳንኤል 2:44፣ ሉቃስ 21:31) ስለዚ እምበኣር፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ስምረት እቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኺረክብ፡ ውዓል ሕደር ከይበለ ስጕምቲ ኺወስድ ኣለዎ።—ሉቃስ 21:34-36 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 2 ርአ።

ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ