መጽሓፍ ቅዱስ—ቅኑዕ ታሪኽ፡ ዜተኣማምን ትንቢት
መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኻዊ ልክዕነቱ ዝሓለወ ምዃኑ ዜረጋግጽ መርትዖ እንታይ እዩ፧ እንታይ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ እቲ ብዛዕባ መጻኢ ዚገልጽ ትንቢታት እውን ከም ዚፍጸም ንኽንተኣማመን ዚሕግዘና፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ኣብታ ዘ ባይብል—ኣኲሬት ሂስትሪ፡ ሪላያብል ፕሮፌሲ (መጽሓፍ ቅዱስ—ቅኑዕ ታሪኽ፡ ዜተኣማምን ትንቢት) ዘርእስታ ቪድዮ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። እዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ሳልሳይ ክፋል እታ ዘ ባይብል—ኤ ቡክ ኦቭ ፋክት ኤንድ ፕሮፌሲ (መጽሓፍ ቅዱስ—መጽሓፍ ሓቅን ትንቢትን) ዘርእስታ ዲቪዲ እያ። ነዛ ቪድዮ እዚኣ ምስ ረኣኻያ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእልዶ፧
(1) ምንጪ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትውክልቲ ዚግበሮ ሓበሬታ መን እዩ፧ (ዳን. 2:28) (2) መጽሓፍ ቅዱስ ንጥንታዊት ግብጺ ብትኽክል ዚገልጻ ብኸመይ እዩ፡ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 19:3, 4 ዚርከብ ኣምላኽ እተነበዮ ትንቢትከ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧ (3) እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣሶራውያን፡ ነገስታቶም፡ ከምኡውን ብዛዕባ መወዳእታ ኣሶር ዝገለጾ ነገር ብስነ-ጥንቲ እተረጋገጸ ብኸመይ እዩ፧ (ናሆ. 3:1, 7, 13) (4) ቅኑዕ ኰይኑ እተረኽበ ብዛዕባ ባቢሎን እተነግረ ትንቢት ኣየናይ እዩ፧ (ኤር. 20:4፣ 50:38፣ 51:30) (5) ንሜዶንን ፋርስን ዚምልከት ፍጻሜኡ ዝረኸበ ትንቢት ኣየናይ እዩ፧ (ኢሳ. 44:28) (6) ንግሪኽ ዚምልከት ኣብ ዳንኤል 7:6፣ 8:5, 8 ዚርከብ ትንቢት ብኸመይ ፍጻሜኡ ረኺቡ፧ (7) ሮሜ ሓይሊ ዓለም ምስ ኰነት፡ ዳንኤል 7:7 ፍጻሜኣ ዝረኸበት ብኸመይ እያ፧ (8) ኣየኖት ቄሳራት እዮም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ፧ (9) ኣብ ግዝኣት ኔሮ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ኣጋጢምዎም፧ (10) እቲ ኣብ ራእይ 13:11፣ 17:10 ዚርከብ ትንቢታት እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧ (11) እቲ ሻምናይ ንጉስ መን እዩ፧ (12) ንሓቅነት መክብብ 8:9 ዜረጋግጽ ኣየናይ ኣብቲ ቪድዮ ዚርአ ትርኢት እዩ፧ (13) ኣብ መጻኢ ኺፍጸም ብሃንቀውታ እትጽበዮ ትንቢታት ኣየናይ እዩ፧ (14) መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ንኻልኦት ንምእማን ነዛ ቪድዮ እዚኣ ብኸመይ ክትጥቀመላ ትኽእል፧