ካብታ ዘ ባይብል—ኣኲሬት ሂስትሪ: ሪላያብል ፕሮፌሲ ዘርእስታ ቪድዮ ትምህርቲ ምውሳድ
ነዛ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ምስ ረኣኻ: ነዚ ሕቶታት እዚ ክትምልሶዶ ትኽእል፧ (1) ምንጪ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትውክልቲ ዝግበሮ ሓበሬታ መን ኢዩ፧ (ዳን. 2:28) (2) መጽሓፍ ቅዱስ ንጥንታዊት ግብጺ ብትኽክል ዝገልጻ ብኸመይ ኢዩ: እቲ ኣብ ኢሳይያስ 19:3, 4 ዝርከብ ኣምላኽ እተነበዮ ትንቢትከ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ብኸመይ ኢዩ፧ (3) እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣሶራውያን: ነገስታቶም: ከምኡውን ብዛዕባ መወዳእታ ኣሶር ዝገለጾ ነገር ብስነ-ጥንቲ እተረጋገጸ ብኸመይ ኢዩ፧ (ናሆ. 3:1, 7, 13) (4) ቅኑዕ ኰይኑ እተረኽበ ብዛዕባ ባቢሎን እተነግረ ትንቢት ኣየናይ ኢዩ፧ (5) ሜዶንን ፋርስን ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ጽልዋ ነበረን፧ (6) ዳንኤል 8:5, 8 ብኸመይ ኢያ ፍጻሜኣ ዝረኸበት: እዚ ትንቢት እዚኸ ቅድሚ ክንደይ እዋን ኢዩ እተነግረ፧ (7) ሮሜ ክትገዝእ ኸላ: የሱስ ሓቀኛ መሲህ ምዃኑ ብኸመይ ኢዩ ዘርኣየ፧ (8) እቶም ብትንቢት ኣብ ራእይ 13:11 ከምኡውን 17:11 ተጠቒሶም ዘለዉ ኣየኖት ዘመናውያን ፖለቲካውያን ሓይልታት ኢዮም፧ (9) ሓቅነት ናይ መክብብ 8:9 ዘረጋግጽ እንታይ ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ እተራእየ ፍጻመ ኢዩ፧ (10) ትሕዝቶ ናይዛ ቪድዮ እዚኣ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ኣብ እተማባጽዖ ነገራት ዘሎካ እምነት ብኸመይ ኣደልዲልዎ፧ (11) መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ንኻልኦት ንምእማን ነዛ መሳርሒት እዚኣ ብኸመይ ክትጥቀመላ ትኽእል፧