ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/6 ገጽ 7-8
  • ንድኻታት ዚኸውን ብስራት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንድኻታት ዚኸውን ብስራት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ብስራት እንታይ እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ድኽነት ንምጥፋእ ዚግበር ጻዕሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣብነት የሱስ ስዓብ ንድኻታት ከኣ ሕለየሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ድኽነት ዘይብላ ዓለም ቀሪባ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/6 ገጽ 7-8

ንድኻታት ዚኸውን ብስራት

ቃል ኣምላኽ፡ “ድኻስ ንሓዋሩ ኣይኪርሳዕን እዩ” ኢሉ የረጋግጸልና። (መዝሙር 9:18) ብዛዕባ ፈጣሪና ኺገልጽ ከሎ እውን፡ “ኢድካ ትኸፍት እሞ፡ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ” ይብል። (መዝሙር 145:16) ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ተስፋ፡ ትምኒት ጥራይ ኣይኰነን። እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ ድኽነት ንምጥፋእ ዜድሊ መሰናድዎ ኺገብር ይኽእል እዩ። እሞኸ ድኻታት እንታይ እዩ ዜድልዮም፧

ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ክኢላ ስነ-ቚጠባ፡ ንድኻታት ሃገራት፡ “ለጋስ ውልቀ-መላኺ” ኸም ዜድልየን ገሊጻ ነበረት። እዚ ሓሳብ እዚ፡ ድኽነት ንምጥፋእ፡ ሓያልን ሕያዋይን መራሒ ኸም ዜድሊ ዚእምት እዩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ጠንቂ ኽቱር ድኽነት፡ ብደረጃ ዓለምለኸ ዚርአ ዘይማዕርነት ስለ ዝዀነ፡ እቲ ንድኽነት ዜጥፍኦ ኣካል፡ መራሒ ዓለም ኪኸውን ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ጠንቂ ድኽነት ዝዀነ ስስዐ ዝመልኦ ባህርይ ደቂ ሰብ ኬወግዶ ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ፍጹም መራሒ ግን ኣበይ እዩ ኺርከብ ዚከኣል፧

ኣምላኽ ንየሱስ፡ ንድኻታት ዚኸውን ብስራት ኪነግር ለኣኾ። የሱስ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መዝነት ብዚምልከት ኬንብብ ኣብ ዝተንስኣሉ እዋን፡ “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ” በለ።​—ሉቃስ 4:16-18።

እቲ ብስራት እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንየሱስ ንጉስ ኪኸውን ሸይምዎ እዩ። እዚ ኸኣ ብሓቂ ብስራት እዩ። የሱስ ንድኽነት ኬጥፍኦ ዚኽእል ፍጹም ገዛኢ እዩ፣ ከመይሲ፡ (1) ንዅሎም ደቂ ሰብ ኪገዝኦም እዩ፡ ስጕምቲ ንኺወስድ ዜድልዮ ሓይሊ ኸኣ ኣለዎ፣ (2) ንድኻታት ይድንግጸሎም፡ ሰዓብቱ ኸምኡ ንኺገብሩ እውን ይምህሮም እዩ፣ (3) ነቲ ጠንቂ ድኽነት ዝዀነ፡ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምድላይ ሓጥእ ዝንባለና ኼወግዶ ይኽእል እዩ። ነዚ ሰለስተ መዳያት እቲ ብስራት እስከ ንመርምሮ።

1. የሱስ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ስልጣን ኣለዎ፦ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ የሱስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ፡ ግዝኣት . . . ንእኡ ተዋህቦ” ይብል። (ዳንኤል 7:14) ኵሎም ደቂ ሰብ ብሓንቲ መንግስቲ ኺመሓደሩ ዘለዎ ጥቕሚ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ብምኽንያት ጸጋታት ምድሪ ዚለዓል ግጭትን ውግእን ኣይኪህሉን እዩ። ኵሉ ሰብ ብማዕረ ኺጥቀም እዩ። የሱስ፡ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ” ብምባል፡ ሓያል መራሒ ዓለም ከም ዚኸውን ገሊጹ ነይሩ እዩ።—ማቴዎስ 28:18።

2. የሱስ ንድኻታት ይድንግጸሎም እዩ፦ የሱስ ኣብ ብምሉኡ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ንድኻታት ይድንግጸሎም ነበረ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ንብምሉኡ ገንዘባ ኣብ ሕክምና ዝወድኣቶ ሰበይቲ፡ ክትሓዊ ደልያ ንኽዳን የሱስ ተንከየት። ካብ 12 ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ይብላ ስለ ዝነበረ፡ ዋሕዲ ደም ኣጋጢምዋ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ዝተንከየቶ ዘበለ ሰብ ይረክስ ነበረ። የሱስ ግን ለውሃላ። “ጓለየ፡ እምነትኪ ኣድሐነትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዐዪ” በላ።​—ማርቆስ 5:25-34።

ሰባት ንትምህርትታት የሱስ ምስ ተማህሩ ኣተሓሳስባኦም ስለ ዚቕየር፡ ንሳቶም እውን ከም የሱስ ብርሕራሐ ኺመላለሱ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ የሱስ ንሓደ ንኣምላኽ ብኸመይ ኬሐጕሶ ኸም ዚኽእል ዝሓተቶ ሰብኣይ፡ እንታይ ኢሉ ኸም ዝመለሰሉ እስከ ንርአ። እቲ ሰብኣይ፡ ኣምላኽ ንብጻይና ኸነፍቅር ከም ዘሎና ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ንየሱስ፡ “ብጻየይከ መን እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ።

የሱስ ኪምልሰሉ ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኪኸይድ ከሎ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐ እሞ፡ “ዳርጋ ምዉት ገይሮም” ዝገደፍዎ ሰብኣይ ዚገልጽ ህቡብ ምሳሌ ተዛረበ። ሓደ ኻህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ፡ ነቲ ሰብኣይ ርእይዎ ሓለፈ። ሓደ ሌዋዊ እውን ከምኡ ገበረ። “ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፡ ምስ ረአዮ ኸኣ ደንገጸሉ።” ናብኡ ቐሪቡ ኣቝሳሉ ሰፈፈሉ፡ ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሰዶ፡ ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ገንዘብ ከፊሉ ኸኣ፡ ነቲ ዝቘሰለ ሰብኣይ ኪከናኸኖ ነገሮ። ድሕሪኡ፡ የሱስ ነቲ ዝሓተቶ ሰብኣይ፡ “ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “እቲ ምሕረት ዝገበረሉ” ኢሉ መለሰ። ሽዑ የሱስ፡ “ንስኻውን ከምኡ ግበር” በሎ።​—ሉቃስ 10:25-37።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚዀኑ ሰባት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርትታት የሱስ ስለ ዚመሃሩ፡ ንእተሸገሩ ብዛዕባ ምሕጋዝ ዝነበሮም ኣረኣእያ ይቕየር እዩ። ንኣብነት፡ ዊመን ኢን ሶቭየት ፕሪዝንስ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝጸሓፈት ላትቭያዊት ደራሲት፡ ኣብ መፋርቕ 1960ታት ኣብ ፖትማ ኣብ ዚርከብ መዳጐኒ ደምበ ሓሚማ ብዛዕባ ዝነበረትሉ እዋን ጽሒፋ ነበረት። “ሓሚመ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ [ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ተጊሀን ይኣልያኒ ነበራ። ካብኡ ዝሓሸ ኽንክን ኣይምረኸብኩን ነይረ” በለት። ወሲኻ ኸኣ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሃይማኖት ወይ ዜግነት ብዘየገድስ፡ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ዘለዎም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም” በለት።

ኣብ ኣንኮን፡ ኤኳዶር ዚነብሩ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሰንኪ ቝጠባዊ ቕልውላው፡ ስራሖም ኰነ ኣታዊኦም ምስ ኣቋረጸ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾቶም ንዕኦም ንምሕጋዝ ዜኽእል ገንዘብ ኪረኽቡ ወሰኑ፣ ነቶም ለይቲ ዓሳ ኺገፉ ሓዲሮም ናብ ቤቶም ዚምለሱ ገፈፍቲ ዓሳ ምግቢ ኺሸጡ ኸኣ ጀመሩ። (ኣብ የማን ዘላ ስእሊ ርአ።) ኵሎም ኣባላት እታ ጉባኤ፡ እንተላይ ቈልዑ ብሓባር ሰርሑ። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ንግሆ ስለ ዚመጹ፡ እቲ ምግቢ ቕድሚኡ ተዳልዩ ምእንቲ ኺጸንሕ፡ ኣቐዲሞም ሰዓት ሓደ ስራሕ ይጅምሩ ነበሩ። ነቲ እተረኽበ ገንዘብ ከኣ፡ ከከም ዜድሊ ይመቓቕልዎ ነበሩ።

እዚ ተመክሮታት እዚ፡ ኣብነትን ትምህርትን የሱስ፡ ነቲ ሰባት ብዛዕባ ንእተሸገሩ ምሕጋዝ ዘለዎም ኣረኣእያ ኪቕይሮ ኸም ዚኽእል ዚሕብር እዩ።

3. የሱስ ንባህርይ ደቂ ሰብ ናይ ምቕያር ሓይሊ ኣለዎ፦ ሰባት ብቐዳምነት ብዛዕባ ጥቕሚ ርእሶም ናይ ምሕሳብ ዝንባለ ኸም ዘለዎም፡ ኣሉ ዘይበሃል ሓቂ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዝንባለ እዚ፡ ሓጢኣት ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን እንተ ዀነ፡ “እምብኣርሲ ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒ፡ ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። ወሲኹ እውን፡ “ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧ ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ” ኢሉ እዩ። (ሮሜ 7:21-25) ጳውሎስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ኣምላኽ ብየሱስ ኣቢሉ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ኻብቲ ዝወረስዎ ሓጥእ ዝንባለታት ብኸመይ ከም ዜድሕኖም እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ሓደ ኻብቲ ሓጥእ ዝንባለታት ከኣ፡ እቲ ጠንቂ ድኽነት ዝዀነ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ምትኳር እዩ። እሞኸ ኣምላኽ ንሰባት ዜድሕኖም ብኸመይ እዩ፧

የሱስ ምስ ተጠምቀ ቝሩብ ጸኒሑ፡ ዮሃንስ መጥምቕ ንየሱስ ኬላልዮ ኸሎ፡ “እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” በለ። (ዮሃንስ 1:29) ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ምድሪ በቶም ካብ ሓጢኣት ናጻ ዝዀኑን ጥቕሚ ርእሶም ዘይደልዩን ሰባት ክትምላእ እያ። (ኢሳይያስ 11:9) እወ፡ የሱስ ንጠንቂ ድኽነት ኬጥፍኦ እዩ።

ብዛዕባ እቲ ዅሉ ሰብ ዜድልዮ ዘበለ ዚረኽበሉ ግዜ ኽንሓስብ ከለና፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ባህ ዚብለና! ቃል ኣምላኽ፡ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ፡ ዜፍርሆም ከኣ የልቦን” ይብል። (ሚክያስ 4:4) እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ነቲ ዅሉ ሰብ ዜዕግብ ስራሕን ርግኣትን ዚረኽበሉ፡ ንየሆዋ እናወደሰ ኸኣ ኣብታ ድኽነት ዘይህልወላ ዓለም ዚነብረሉ ግዜ ብዜደንቕ መገዲ እየን ዚገልጻኦ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ