ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/10 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ድኽነት ንምጥፋእ ዚግበር ጻዕሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንድኻታት ዚኸውን ብስራት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ድኽነት
    ንቕሑ!—2015
  • ንድኽነት ነባሪ ፍታሕ ምርካብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/10 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ድኽነት ዘይህልወላ ዓለም ክትመጽእ ትኽእል ድያ፧

ሓንቲ ሰበይቲ ምግቢ ዘይብሉ ሸሓኒ ኣብ ኢዳ ሒዛ ንሓንቲ ንእሽቶ ጓል ሓቚፋታ ኸላ

ኣምላኽ፡ ድኽነት ዘይህልወላ ዓለም ዜምጽእ ብኸመይ እዩ፧ ማቴዎስ 6:9, 10።

በብዓመቱ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብሰንኪ ኽቱር ድኽነት ዚመጽእ ጕድለት ኣመጋግባን ሕማምን ይሞቱ እዮም። ገሊኡ ኽፋላት ዓለምና ብልጽግና ዘለዎ እኳ እንተዀነ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ግና ገና ኣብ ክቱር ድኽነት እዮም ዚነብሩ ዘለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ድኽነት ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሽግር ደቂ ሰብ ከም ዝዀነ እዩ ዚሕብረና።—ዮሃንስ 12:8 ኣንብብ።

ሓንቲ ዓለምለኻዊት መንግስቲ ምስ እትህሉ እዩ ድኽነት ኪጠፍእ ዚኽእል። ከምዚኣ ዝኣመሰለት መንግስቲ፡ ጸጋታት ዓለምና ንዅሉ ሰብ ብማዕረ ኸተመቓርሕን ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ድኽነት ዝዀነ ውግእ ከም ዜኽትምን ክትገብር እትኽእል ክትከውን ኣለዋ። ኣምላኽ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ዓለምለኻዊት መንግስቲ ኬምጽእ ምዃኑ ኣተስፍዩና ኣሎ።—ዳንኤል 2:44 ኣንብብ።

ድኽነት ኬጥፍእ ዚኽእል መን እዩ፧

ኣምላኽ ንወዱ የሱስ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ደቂ ሰብ ኪገዝእ ሸይምዎ ኣሎ። (መዝሙር 2:4-8) የሱስ ንድኻታት ኬናግፎም፡ ንግፍዕን ዓመጽን ከኣ ኬወግዶ እዩ።—መዝሙር 72:8, 12-14።

የሱስ፡ ብትንቢት እተነግረሉ “መስፍን ሰላም” ከም ምዃኑ መጠን፡ ዓለምለኻዊ ሰላምን ደሓንን ኬስፍን እዩ። ሽዑ ዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት፡ ኣብ ገዛእ ቤቶም ኪነብሩን ዜዕግብ ስራሕ ኪሰርሑን ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ኺረኽቡን እዮም።—ኢሳይያስ 9:6, 7፣ 65:21-23 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 8 ርአ

ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ