ከም ቤትካ ምንባር ብኸመይ ኪግበር ይከኣል፧
“ሳእንኻ ማዕረ እግርኻ” ኺበሃል ሰሚዕካ ትፈልጥ ትኸውን። ሳእንኻ ኣመና ዚገፍሓካ ወይ ዚጸብበካ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ምኻድ የሸግረካ፡ ምናልባት እውን ትዕንቀፍ ትኸውን፣ ወይ ከኣ እግርኻ ስለ ዜቝስለካ፡ ብዙሕ ትሽገር ትኸውን።
እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብ ናብራ እውን ይዓዪ እዩ። ወጻኢኻ ምስ ኣታዊኻ ዘይመጣጠን እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ጸገም ኢኻ እትኣቱ። ስለዚ፡ ወጻኢኻ ኻብ ኣታዊኻ ንላዕሊ ኸይከውን ክትጥንቀቕ ኣሎካ።
እዚ መሰረታዊ ሓሳብ እዚ ቐሊል ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ግብሪ ምውዓሉን ካብኡ ጥቕሚ ምርካብን ግን ቀሊል ኣይኰነን። ሰባት ነዚ እንተ ስዒቦም፡ ምስ ገንዘብ ካብ ዚተሓሓዝ ብዙሕ ጸገማት ኪስተሩ ይኽእሉ እዮም። ብኸመይ ከምኡ ኺግበር ይከኣል፧ ብሓቂ ግብራዊ ዚኸውን መምርሒታት ኣበይ ኪርከብ ይከኣል፧ ኣብዚ መዳይ እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሓጋዚ ሓበሬታ ይህብ እዩ። ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህበና ምኽሪ እስከ ኣሕጽር ኣቢልና ንርአ።
ሓጋዚ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገንዘብካ ብግቡእ ንኸተካውን ዜኽእለካ ሓያሎ ግብራዊ ስርዓታት ሒዙ ኣሎ። ቀጺልና፡ ገለ ኻብኡ ኽንምርምር ኢና። እዚ ስርዓታት እዚ፡ ከም ቤትካ ንኽትነብር ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ርአ።
መደብ ወይ ባጀት ይሃሉኻ። ገንዘብካ ብግቡእ ንምክዋን፡ ኣታዊኻን ወጻኢኻን ክንደይ ምዃኑ ኽትፈልጥ ኣሎካ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሃቐና እቲ ትጉህ ብርግጽ ናብ ረብሓ የብጽሕ፡ እቲ ዚህወኽ ዘበለ ግና ናብ ስእነት ጥራይ ይህወኽ” ይብል። (ምሳሌ 21:5) ገሊኦም ወጻኢታቶም ንምቍጽጻር ብእተፈላለየ ጶስጣታት ይጥቀሙ እዮም። ነፍሲ ወከፍ ጶስጣ፡ ከም “ምግቢ፡” “ክራይ፡” ወይ “ክዳን” ዝኣመሰለ ወጻኢታት ትውክል። እትጥቀመሉ ሜላ፡ እዚ ቐሊል ሜላ ይኹን ወይ ካልእ ዝሓሸ ሜላ፡ ገንዘብካ ኣበይ ከም እተውጽኦ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ወትሩ ንኣድለይቲ ነገራት ደኣ እምበር፡ ንኣቕሑ ምሾት ቀዳምነት ኣይትሃብ።
ኣይትቕናእ። ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት፡ በቶም ኣብተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ዚነብሩ ሰባት ይቐንኡ እዮም። ብደረጃ ውልቀ-ሰብ እውን፡ ብዙሓት ሰባት ብንብረት እቲ ጐረቤቶም ዚንየተሉ ነገር ይቐንኡ እዮም። እዚ ኸም መጻወድያ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምናልባት እቲ ጐረቤት እውን፡ ልዕሊ ዓቕሙ ይነብር ይህሉ ይኸውን። ስለምንታይ ደድሕሪ ዓሻ ኼድካ፡ ኣብ ጸገም እትኣቱ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ስሱዕ ሰብ ቀልጢፉ ኺህብትም ይደሊ፥ ሽጋር መኣዝ ከም ዜርክቦ ግና ኣይፈልጥን” ኢሉ የጠንቅቕ።—ምሳሌ 28:22፡ ትርጕም 1990።
ናብራኻ ቐሊል ግበሮ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ ዓይኖም “ጥዕይቲ” ኺገብሩ ምዒድዎም እዩ። (ማቴዎስ 6:22) ዘይዓቕምኻ ላዕለ ላዕሊ ትጥምት እንተ ዄንካ፡ ናብ ጸገም ኪመርሓካ ይኽእል እዩ። ብመሰረት ሓደ ኣብ እስያ ዚርከብ ባንክ፡ ዳርጋ ሓደ ሲሶ ህዝቢ ፊሊፒንስን ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ህንድን፡ ካብቲ ናይ እስያ መስመር ድኽነት ንታሕቲ እዮም ዚነብሩ፣ ማለት ኣታዊኦም ኣብ መዓልቲ ትሕቲ 1.35 ዶላር ኣመሪካ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ መሰረታዊ ነገራት እንተ ኣተኰሩ ይሓይሽ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሃብታማት ሃገራት ዚነብሩ እውን ከይተረፈ፡ በዚ ስርዓት እዚ እንተ ተጠቒሞም፡ ካብ ጸገም ኪስተሩ ይኽእሉ እዮም።
በቲ ብሓቂ ዜድልየካ ነገራት ዕገብ። እዚ ምስቲ ንናብራኻ ቐሊል ክትገብሮ እተዋህበ ምኽሪ ዚተሓሓዝ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 6:8፡ “ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ፡ ንሱ ይእከለና” ኢሉ ይምዕደና እዩ። ገለ ኻብቶም ኣብ ዓለም ልዕሊ ዅሉ ሕጉሳት ዝዀኑ ሰባት፡ ሒደት ገንዘብ እዩ ዘለዎም። ኰይኑ ግን፡ በታ ዘላቶም ይዓግቡ እዮም፣ እታ ዘላቶም ተባሂላ ዘላ ድማ ንስጋዊ ጥሪቶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንፍቕሪ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን እውን ተጠቓልል እያ።—ምሳሌ 15:17።
ዘየድሊ ዕዳ ኣይትተዓደ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “ንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፡ ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ” ዚብል ምስላ ኣብ ባይታ ኣይወድቕን እዩ። (ምሳሌ 22:7) ሓድሓደ ግዜ፡ ክንዕደ ንግደድ እኳ እንተ ዀንና፡ እቶም ቃሕ ዝበሎም ነገር ንኺዕድጉ ኢሎም ዘየድሊ ዕዳ ዚዕደዩ ግን፡ ሰፍ ዘይብል ጾር እዮም ዚስከሙ። ብፍላይ ክረዲት ካርድ ዚበሃል መለቅሒ ዚጥቀሙ ሰባት፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ይኣትዉ እዮም። ብዛዕባ እዚ መጽሔት ታይም ኣብ ዝሃበቶ ሓሳብ፡ “ኣብ ኢድና [ክረዲት] ካርድ ምስ ሓዝና፡ ጠባይና ግርምቢጥ እዩ ዚኸውን” በለት። ኣብ ፊሊፒንስ ዚነብር ኤሪክ፡ “ክረዲት ካርድ ክጥቀም ከለኹ፡ ካብቲ ጥረ ገንዘብ ዝጥቀመሉ እዋን ንላዕሊ እየ ዝዓዳድግ። ሕሳብ እቲ ካርድ ክኸፍል ከለኹ ኸኣ፡ ካብ ባጀተይ ወጻኢ እዩ ዚዀነኒ” በለ። ስለዚ፡ ብልቓሕ ቅድሚ ምዕዳግካ፡ ብዙሕ ክትጥንቀቕ ኣሎካ።—2 ነገስት 4:1፣ ማቴዎስ 18:25።
ቅድሚ ምዕዳግካ፡ ገንዘብ ኣዋህልል። ቅድሚ ምዕዳግካ ገንዘብ ምውህላል ዚብልዎ ሓሳብ ድሑር እኳ እንተ መሰለ፡ ሓደ ኻብቲ ኻብ ገንዘባዊ ጸገም ክንስተረሉ እንኽእል ጥበባዊ መገዲ እዩ። ከምኡ ዚገብሩ ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን ኣይኣትዉን እዮም፣ ልዑል ወለድ ዘለዎ ልቓሕ ስለ ዘይልቅሑ ኸኣ፡ ንዝዕድግዎ ነገር ልዑል ዋጋ ኣይከፍሉን እዮም። ጻጸ ንመጻኢ ምእንቲ ኪዀኖ ኢሉ፡ ‘ምግቡ ብቐውዒ ስለ ዚእክብ፡’ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም “ጠቢብ” ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ።—ምሳሌ 6:6-8፣ 30:24, 25።
ካብ ካልኦት ተምሃር
ክሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሰባት ከም ቤቶም ኪነብሩ ይሕግዞምዶ ኣሎ፧ ነቲ ምኽሪ ብምስዓብ ንቝጠባዊ ጸገሞም ብዛዕባ ዝፈትሑ ሰባት ዚገልጽ ተመክሮታት እስከ ንርአ።
ኣቦ ኣርባዕተ ቘልዑ ዝዀነ ድዮስዳዶ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዘጋጠመ ቝጠባዊ ቕልውላው፡ ንስድራ ቤቱ ኺናቢ ኸም ዘሸገሮ ገለጸ። ኰይኑ ግን፡ ባጀት ምግባር ዘለዎ ጥቕሚ ይፈልጥ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንነፍሲ ወከፍ ዝረኽቦ ኣታዊ፡ ባጀት አውጽኣሉ እየ። ንገንዘበይ ኣበይ ከም ዘውዕሎ ዚሕብር ዝርዝር ከኣ ኣሎኒ” በለ። ዳኒሎ እውን ከምኡ እዩ ዚገብር። ዋላ እኳ ንሱን ሰበይቱን ዝነበሮም ንእሽቶ ንግዲ እንተ ኸሰረ፡ ተጠንቂቖም ባጀት ስለ ዜውጽኡ፡ ድራር ዕለቶም ይረኽቡ እዮም። ዳኒሎ ኸምዚ በለ፦ “ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣታዊናን ወጻኢናን ንፈልጦ ኢና። ኣብኡ ተመርኲስና ኸኣ፡ ክንደይ ከነውጽእ ከም ዘሎና ንውስን።”
ገሊኦም ሰባት ነቲ ዘውጽእዎ ባጀት ምእንቲ ኺስዕቡ፡ ወጻኢታቶም ኪንክዩ ኣድላዪ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ሰለስተ ቘልዑ እተዕቢ ሚርና ዝስማ መበለት፡ “ሕጂ፡ ኣነን ደቀይን ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ክንዲ እንኸይድ፡ ብእግርና ኢና እንኸይድ” በለት። ቀሊል ናብራ ምንባር ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ እውን ንደቃ ትምህሮም እያ። ከምዚ በለት፦ “ነቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 6:8-10 ዚርከብ ብዘሎና ኽንዓግብ ከም ዚግባእ ዚገልጽ ስርዓት ኣብ ግብሪ ብምውዓል ጽቡቕ ኣብነት ክኸውን እጽዕር እየ።”
ኣቦ ኽልተ ቘልዑ ዝዀነ ጀራልድ እውን ተመሳሳሊ እዩ ገይሩ። ከምዚ በለ፦ “ብስድራ ቤት ኴንና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እንገብረሉ እዋን፡ ኣቓልቦኦም ኣብቲ ዝያዳ ዜገድስ ጕዳይ፡ ማለት ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ብዛዕባ ዝገበሩ ክርስትያናት ዚገልጽ ተመክሮታት ነንብብ። ደቅና ብሓቂ ኣገዳሲ ዘይኰነ ነገራት ኪግበረሎም ስለ ዘይልምኑና፡ እቲ ምይይጥና ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩ እዩ።”
ጃኔት ኣብ ፊሊፒንስ እትነብር ዘይተመርዓወት ናይ ምሉእ ግዜ ወለንተኛ መምህር መጽሓፍ ቅዱስ እያ። ስራሕ ካብ እተቋርጽ ነዊሕ እኳ እንተ ዘይገበረት፡ ከም ቤታ ኽትነብር ክኢላ እያ። ከምዚ በለት፦ “ርእሰይ ብምግሳጽን መካወኒት ብምዃንን እየ ነዚ ዝገብሮ። ብኽቡር ዋጋ ናብ ዚሽየጠሉ ቦታ ዘይኰነስ፡ ብሕሱር ዋጋ ናብ ዚሽየጠሉ ቦታ እየ ዝኸይድ። ንሓደ ነገር ብሕሱር ክረኽቦ እናኸኣልኩ፡ ንምንታይ ክቡር ዝኸፍል፧ ብዘይ መደብ እውን ኣይዕድግን እየ።” ገንዘብ ምውህላል ጠቓሚ ምዃኑ ርእያቶ እያ። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ዝያዳ ገንዘብ እንተ ረኺበ፡ ዋላ እውን ሒደት ይኹን፡ ዘይተጸበኽዎ ነገር ኬጋጥመኒ ኸሎ ምእንቲ ኽጥቀመሉ፡ አቐምጦ እየ” በለት።
እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኤሪክ፡ ብዛዕባ ክረዲት ካርድ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ህጹጽ ኵነታት እንተ ዘይኰይኑ፡ ክረዲት ካርድ ከይጥቀም ወሲነ እየ” በለ። ድዮስዳዶ እውን ምስዚ ሓሳብ እዚ ይሰማማዕ እዩ፣ “ርእሰይ ምእንቲ ኽቈጻጸር፡ ንክረዲት ካርደይ ኣብ ቤት ጽሕፈተይ ሓዲገዮ እየ ዝኸይድ” በለ።
ከም ቤትካ ኽትነብር ትኽእል ኢኻ
ብዙሓት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐንዱ ኣብ መንፈሳዊ ጕዳያት ዘተኰረ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ስጋዊ ጕዳያት ኪሕግዘና ዚኽእል መምርሒ እውን ከም ዚህብ ብተመክሮ ይርእይዎ ኣለዉ። (ምሳሌ 2:6፣ ማቴዎስ 6:25-34) ንስኻ እውን ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተገልጸ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልካዮ፡ ካብቶም ነቲ ስርዓታት ብምስዓብ እተጠቕሙ ሰባት እውን እንተ ተማሂርካ፡ ከም ቤትካ ኽትነብር ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ካብቲ ሎሚ ንሚልዮናት ዜጋጥሞም ዘሎ ጸበባን ጭንቀትን ክትስተር ኢኻ።
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
‘ክንደይ ከነውጽእ ከም ዘሎና ንውስን ኢና’
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ክንዲ እንኸይድ፡ ብእግርና ኢና እንኸይድ”
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
‘ብዘይ መደብ ኣይዕድግን እየ’