ትፈልጥዶ፧
ሃዋርያ ጴጥሮስ ናብ ቆርኔሌዎስ ኪኸይድ ከይተነግሮ ኸሎ፡ ምስ ፈሓቝ ቈራብቲ ምቕማጡ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ይገልጸልና፧
▪ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ ጸብጻብ፡ ጴጥሮስ “ሓያሎ መዓልቲ ምስ ስምኦን፡ ፈሓቝ ቈራብቲ ኣብ ዮጴ” ኸም እተቐመጠን ቤት ስምኦን እውን “ኣብ ገምገም ባሕሪ” ኸም ዝነበረትን ይሕብር እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:43፣ 10:6) ኣይሁድ ንስራሕ ፈሓቝ ቈራብቲ ኸም ርኹስን እተናዕቀን ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። ኣብቲ ታልሙድ ዚበሃል ሕግን ስርዓትን ኣይሁድ ዝሓዘ ጽሑፍ፡ ፈሓቝቲ ቘራብቲ ትሕቲ ኣከብቲ ዒባ እዮም ተሰሪዖም ዘለዉ። ስምኦን ብምኽንያት ስራሑ ብቐጻሊ ምዉታት እንስሳታት ይትንክፍ ብምንባሩ፡ ብቐጻሊ ይረክስ ነይሩ እዩ። (ዘሌዋውያን 5:2፣ 11:39) ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዚገልጽ እተፈላለየ ምንጭታት ከም ዚሕብሮ፡ ስምኦን ንማይ ባሕሪ ኣብ ስራሑ ይጥቀመሉ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ምፍሓቝ ቈርበት “ጨናዊ መስርሕ” ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዚሰርሓሉ ቦታ ኣብ ወሰን ከተማ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።
ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስ ምስ ስምኦን ምቕማጥ ኣይኣበየን። እዚ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ነቶም ብኣይሁድ ከም ርኹሳት ዚረኣዩ ሰባት ምንዓቕ ሓዲግዎ ኸም ዝነበረ ኺሕብረና ይኽእል እዩ።—ማቴዎስ 9:11፣ ሉቃስ 7:36-50።
እተን፡ “ንስኻኳ በልካ” ዚብላ ቓላት የሱስ እንታይ ማለት እየን፧
▪ እቲ ቀያፋ ዝስሙ ሊቀ ኻህናት ኣይሁድ ንየሱስ፡ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ኺነግሮም ብግልጺ ምስ ሓተቶ፡ የሱስ፡ “ንስኻኳ በልካ” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴዎስ 26:63, 64) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧
የሱስ ካብታ ቀያፋ ዘቕረበሉ ሕቶ ይሃድም ኣይኰነን ነይሩ። እቲ “ንስኻኳ በልካ” ዚብል መግለጺ፡ ንሓቅነት እቲ ኣቐዲሙ እተዘርበ ሓሳብ ዜረጋግጽ ልሙድ ቍንቍኛ ኣይሁድ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኣብ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. እተጠርነፈ ታልሙድ የሩሳሌም ዚበሃል ሃይማኖታዊ ጽሑፍ ኣይሁድ፡ ሓደ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ብዛዕባ ሞት ሓደ ረቢ ወይ መምህር ኣይሁድ ምስ ተሓትተ፡ “ንስኻ በልካ” ኢሉ መለሰ። እዚ መልሲ ኸኣ፡ እቲ ረቢ ኸም ዝሞተ ዜረጋግጽ ከም ዝዀነ ጌርካ ተወስደ።
የሱስ ንስልጣን እቲ ሊቀ ኻህናት ስለ እተቐበሎ፡ ሓቂ ንኺዛረብ ኬምሕሎ ኸም ዚኽእል ተገንዚቡ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ስቕ እንተ ዚብል ነይሩ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ኸም ምኽሓድ ጌርካ ምተተርጐመ ነይሩ። ስለዚ፡ “ንስኻኳ በልካ” ኢሉ ነቲ ሊቀ ኻህናት ዝሃቦ መልሲ፡ ኣወንታዊ ምላሽ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ማርቆስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝጸሓፎ ጸብጻብ፡ የሱስ ካብ ቀያፋ ብዛዕባ መሲሕነቱ ቐጥታዊ ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ብትብዓት “ኣነ እየ” ኢሉ ኸም ዝመለሰ ተገሊጹ ኣሎ።—ማርቆስ 14:62፣ ብተወሳኺ ማቴዎስ 26:25፣ ማርቆስ 15:2 እውን ርአ።
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ፈዝ፡ ሞሮኮ፡ ዚርከብ መልፍዒ ቘራብቲ