ኣምላኽ፡ ፍቕሩ ንዓና የርኢ ኣሎ
“ጸጋውን ከምኡ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪገዝእ እዩ።”—ሮሜ 5:21።
1, 2. እንታይ ክልተ ዓይነት ውህበት እዩ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ፧ ኣየናይከ ይበልጽ፧
“ሮማውያን . . . ብድሕሪኦም ንዝመጹ ህዝቢ ዘውረስዎ ዝዓበየ ውርሻ፡ ሕጎምን ህይወት ብሕጊ ኺምራሕ ኣለዎ ዚብል ኣረኣእያኦምን እዩ።” (ዶ/ር ዴቪድ ጄይ. ዊልያምስ፡ ዩኒቨርሲቲ ሜልቦርን፡ ኣውስትራልያ) እዚ ጽቡቕ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ካብዚ ዝዓበየ ውርሻ ወይ ውህበት ግን ኣሎ። እዚ ውህበት እዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ብዘለዎ መገድን ብጽድቅን ንኽንመላለስ፡ ተስፋ ድሕነትን ዘለኣለማዊ ህይወትን ከኣ ንኺህልወና ዜኽእለና ኣምላኽ ዘዳለዎ መሰናድዎ እዩ።
2 ኣምላኽ ነዚ ውህበት እዚ ኽንረክብ እንኽእለሉ ሕጋዊ መሰናድዎ ገይሩ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 5 ብዛዕባ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብ ዝርዝር ሕግታት ጥራይ ኣየተኰረን። የግዳስ፡ “ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሀልወና” ብምባል ባህ ዜብል መረጋገጺ ሃበ። እቶም ውህበት ኣምላኽ እተቐበሉ ዘበሉ ንኣምላኽ ኬፍቅርዎ ይግባእ። ጳውሎስ እውን ከምኡ እዩ ገይሩ። “በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ።—ሮሜ 5:1, 5።
3. እንታይ ሕቶታት እዩ ዚለዓል፧
3 እዚ ፍቕራዊ ውህበት ኣድላዪ ዝነበረ ግን ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ነዚ ውህበት እዚ ብፍትሓዊ መገድን ብማዕረን ዝሃበ ብኸመይ እዩ፧ ሰባት ነዚ ውህበት ንምርካብ ብቑዓት ምእንቲ ኪዀኑ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧ ቀጺልና መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ንርከብ እሞ፡ እዚ ንፍቕሪ ኣምላኽ ከም ብኸመይ ዜጕልሕ ክንርኢ ኢና።
ፍቕሪ ኣምላኽ ኣንጻር ሓጢኣት ዝገበሮ ነገር
4, 5. (ሀ) የሆዋ በየናይ ብሉጽ መገዲ እዩ ፍቕሩ ኣርእዩና፧ (ለ) ንሮሜ 5:12 ንኽንርድኣ ኺሕግዘና ዚኽእል ብዛዕባ እንታይ ምፍላጥና እዩ፧
4 የሆዋ ንሰባት ኪሕግዞም ኢሉ፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ነቲ ሓደ ወዱ ልኢኽዎ እዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ” በለ። (ሮሜ 5:8) ብዛዕባ እቲ “ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና” ኢሉ ዝጠቐሶ ጭቡጥ ሓቂ እሞ ሕሰብ። ኵላትና ብኸመይ ሓጥኣን ከም ዝዀንና ኽንፈልጥ ኣሎና።
5 ጳውሎስ፡ “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ኢሉ ነቲ ጕዳይ ገሊጽዎ ኣሎ። (ሮሜ 5:12) ነዚ ኽንፈልጥ ዝኸኣልና፡ ኣምላኽ ነቲ ህይወት ደቂ ሰብ ብኸመይ ከም ዝጀመረ ዚገልጽ ጸብጻብ ተመዝጊቡ ኸም ዚጸንሕ ስለ ዝገበረ እዩ። የሆዋ፡ ኣዳምን ሄዋንን ንዚበሃሉ ኽልተ ሰባት ፈጠረ። ፈጣሪ ፍጹም እዩ፣ እቶም ቀዳሞት ወለድና ዝዀኑ ናይ መጀመርታ ሰባት እውን ፍጹማት እዮም ነይሮም። ኣምላኽ ሓደ መምርሒ ሃቦም፡ ነቲ መምርሒ እንተ ጥሒሶም ድማ፡ ከም ዚሞቱ ነገሮም። (ዘፍ. 2:17) ይኹን እምበር፡ ስለ እተበላሸዉ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ቅኑዕ መምርሒ ጠሓሱ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንኣምላኽ ወሃብ ሕጎምን ልዑላዊ ገዛኢኦምን ከይከውን ነጸግዎ።—ዘዳ. 32:4, 5።
6. (ሀ) ዘርኢ ኣዳም፡ ኣምላኽ ሕጊ ሙሴ ቕድሚ ምሃቡ ዀነ ብድሕሪኡ ኻብ ሞት ዘየምለጡ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ሓጢኣት ዜምጽኦ ሳዕቤን ምስ ምንታይ ከነመሳስሎ ንኽእል፧
6 ኣዳም ውሉዳት ዝወለደ ድሕሪ ምሕጣኡ ስለ ዝነበረ፡ ንዅሎም ደቁ ሓጢኣትን ሳዕቤናቱን ኣሕሊፉሎም እዩ። ዘርኢ ኣዳም ከም ኣቦኦም ነቲ መለኮታዊ ሕጊ ስለ ዘይጠሓሱ፡ በቲ ኣዳም ዝፈጸሞ ሓጢኣት ተኸሰስቲ ኣይነበሩን፣ ካልእ ሕጊ እውን ገና ኣይተዋህቦምን ነይሩ። (ዘፍ. 2:17) ኰይኑ ግን፡ ሓጢኣት ወሪሶም እዮም። ስለዚ ኸኣ፡ ክሳዕ እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ሓጥኣን ከም ዝዀኑ ብንጹር ዚሕብሮም ሕጊ ዝሃበሉ እዋን፡ ሓጢኣትን ሞትን ኣብ ልዕሊ ሰባት ሰልጢኑ ነበረ። (ሮሜ 5:13, 14 ኣንብብ።) ሓጢኣት ዜምጽኦ ሳዕቤን ንምብራህ፡ ብውርሲ ንዚመሓላለፍ ሕማም ከም ኣብነት ጌርና ኽንወስድ ንኽእል ኢና፣ ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕማም፡ ሄሞፊልያ ዚበሃል ነዝዒ ደም ዜስዕብ ሕማም ኪጥቀስ ይከኣል። ንኣብነት፡ እቲ ንዛር (ሃጸይ) ኒኮላስ ዳግማይን ንኣሌክሳንድራን ወዶም ዝነበረ ኣሌክሲ፡ ሄሞፊልያ ወሪሱ ኸም ዝነበረ ኣንቢብካ ትኸውን ኢኻ። ልክዕ እዩ፡ ገሊኦም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስድራ ቤት ዚውለዱ ውሉዳት ተሰከምቲ እቲ ሕማም ኪዀኑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ በቲ ሕማም ከይሳቐዩ ይኽእሉ እዮም። ሓጢኣት ግን ካብዚ እተፈልየ እዩ። እቲ ኻብ ኣዳም እተወርሰ ሓጢኣት ክትሃድመሉ ዘይከኣል ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ ዜሳቒ እዩ። ኵሉ ይወርሶ እዩ። ወትሩ ሞት እዩ ዜስዕብ። ናብ ኵሎም ውሉዳት ከኣ እዩ ዚሓልፍ። እሞኸ እዚ ሕማቕ ኵነታት እዚ ኺውገድ ይከኣልዶ፧
ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝገበሮ መሰናድዎ
7, 8. ክልተ ፍጹማት ሰባት እተመላለስሉ መገዲ ኣዝዩ እተፈላለየ ውጽኢት ዝነበሮ ብኸመይ እዩ፧
7 የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ ሰባት ካብቲ ዝወረስዎ ሓጢኣት ዚናገፉሉ መሰናድዎ ገይሩ እዩ። ጳውሎስ፡ እዚ መሰናድዎ እዚ እተገብረ፡ በቲ ዳሕራይ ኣዳም ተባሂሉ እተጸውዐ ፍጹም ሰብ ኣቢሉ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረ. 15:45) ኰይኑ ግን፡ እቶም ክልተ ፍጹማት ሰባት እተመላለስዎ መገዲ ኣዝዩ እተፈላለየ ውጽኢት እዩ ነይርዎ። ብኸመይ፧—ሮሜ 5:15, 16 ኣንብብ።
8 ጳውሎስ፡ “እቲ ውህበት ጸጋ ኽንድቲ ኣበሳ ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ። ነቲ ኣበሳ እቲ ዝፈጸመ ኣዳም ስለ ዝነበረ፡ ብፍትሓዊ መገዲ ተፈሪድዎ ሞይቱ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ኣዳም ጥራይ ኣይኰነን ሞይቱ። ከመይሲ፡ “ብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም።” እቲ ኣብ ልዕሊ ኣዳም እተወስደ ፍትሓዊ ብይን፡ ንዅሎም ዘርኡ፡ እንተላይ ንዓና ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ የሱስ ኬፍርዮ ዚኽእል ውጽኢት ግን፡ ኣንጻር እቲ ቐዳማይ ከም ዝዀነ ምፍላጥና ዜጸናንዕ እዩ። እቲ ውጽኢት እቲኸ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስ፡ “እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኵሉ ሰብ መጸ” ኢሉ ጠቒሱ ኣሎ።—ሮሜ 5:18።
9. ከምቲ ኣብ ሮሜ 5:16, 18 እተገልጸ፡ ኣምላኽ ንሰባት ንምጽዳቕ እንታይ እዩ ገይሩ፧
9 ኣብዚ እታ “ምጽዳቕ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እንታይ ትርጕም ሒዛ ኣላ፧ ሓደ ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሒዛቶ ዘላ ሓሳብ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ሕጋውነት እተልብስ ሕጋዊ ተምሳል እያ። ሓደ ሰብ ምስ ኣምላኽ ኣብ ዘለዎ ርክብ ንእተገብረ ለውጢ ደኣ እምበር፡ እቲ ሰብ ንዚገብሮ ውሽጣዊ ለውጢ ኣይኰነን እተመልክት። . . . ኣብቲ ተምሳል፡ ኣምላኽ ንተኸሳሲ ጽቡቕ ከም ዚብይነሉ ዳኛ ኰይኑ እዩ ተገሊጹ፣ እቲ ተኸሳሲ ዘይጽድቃዊ ተግባር ብምግባሩ ተኸሲሱ እዩ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ኣምላኽ ቀሪቡ። ኣምላኽ ግን ነቲ ተኸሳሲ ሓራ ኣውጽኦ።”
10. የሱስ፡ ደቂ ሰብ ንኺጸድቁ ዜኽእሎም መሰረት ምእንቲ ኼንብር፡ እንታይ እዩ ገይሩ፧
10 እቲ ጻድቕ “ፈራድ ኵላ ምድሪ” ንሓደ ሓጥእ ሰብ ኬጽድቖ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ዘፍ. 18:25) ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ምድሪ ብምልኣኽ፡ ንሰባት ንምጽዳቕ መሰረት ኣንበረ። የሱስ ከቢድ ፈተናታትን ላግጽን ግፍዕን እኳ እንተ ወረዶ፡ ምሉእ ብምሉእ ፍቓድ ኣቦኡ ፈጺሙ እዩ። ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ኺመውት ከሎ እውን ከይተረፈ፡ ንጽህናኡ ሓልዩ እዩ። (እብ. 2:10) የሱስ ነቲ ፍጹም ዝዀነ ሰብኣዊ ህይወቱ መስዋእቲ ብምግባር፡ ንዘርኢ ኣዳም ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኼውጽኦም ወይ ኪብጀዎም ዚኽእል በጃ ኸፈለ።—ማቴ. 20:28፣ ሮሜ 5:6-8።
11. እቲ ተመዓራራዪ በጃ ኣብ ምንታይ እተመስረተ እዩ፧
11 ጳውሎስ ኣብ ካልእ ጥቕሲ ነቲ እተኸፍለ መስዋእቲ፡ “ተመዓራራዪ በጃ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (1 ጢሞ. 2:6፡ NW) እቲ ምምዕርራይ ኣብ ምንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣዳም ብቢልዮናት ንዚቝጸሩ ዘርኡ ዘይፍጽምናን ሞትን ኣውሪስዎም እዩ። የሱስ ፍጹም ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ዘርኢ ኺህልውዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።a በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ህይወት የሱስ ምስ ህይወት እቶም ፍጹማት ዘርኡ ኪዀኑ ዚኽእሉ ብሓንሳእ ተደሚሩ፡ ምስ ኣዳምን ምስቶም ዘይፍጹማት ዘርኡን ዚመዓራረ መስዋእቲ ኪኸውን ከም ዚኽእል እዩ ዚሕሰብ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ዘርኢ የሱስ ኪዀኑ ዚኽእሉ ሰባት ክፍሊ እቲ በጃ ኸም ዚዀኑ ኣይገልጽን እዩ። ሮሜ 5:15-19፡ ብሞት “ሓደ ሰብኣይ” ናጻ ኽንወጽእ ከም እንኽእል እያ እትሕብር። እወ፡ እቲ የሱስ ዝነበሮ ፍጹም ህይወት ምስ ህይወት ኣዳም ዚመዓራረ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ንየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ኺትኰረሉ ዚግባእ። ኵሎም ሰባት ውህበት ህይወት ብኸምኡ ኪረኽቡ ዝኸኣሉ፡ የሱስ ክሳዕ ሞት እውን ከይተረፈ እዙዝ ብምዃንን ንጽህናኡ ብምሕላውን፡ “ሓንቲ ግብሪ ጽድቂ” ስለ ዝገበረ እዩ። (2 ቈረ. 5:14, 15፣ 1 ጴጥ. 3:18) እዚ ውጽኢት እዚ ኺርከብ ዝኸኣለ ግን ብኸመይ እዩ፧
ብበጃ እተረኽበ ምሕረት
12, 13. እቶም ዚጸድቁ ምሕረትን ፍቕርን ኣምላኽ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧
12 የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ወዱ ዘቕረቦ መስዋእታዊ በጃ ተቐቢልዎ እዩ። (እብ. 9:24፣ 10:10, 12) ኰይኑ ግን፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ እንተላይ እቶም እሙናት ሃዋርያቱ፡ ፍጹማት ኣይኰኑን ነይሮም። ንኸይእብሱ ኣበርቲዖም ይጽዕሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኵሉ ግዜ ኣይኰኑን ዚዕወቱ ነይሮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ሓጢኣት ወሪሶም ነበሩ። (ሮሜ 7:18-20) ኰይኑ ግን፡ ኣምላኽ ነዚ ኼዐርዮ ይኽእል ነበረ፣ ከምኡ ድማ ገበረ። ነቲ “ተመዓራራዪ በጃ” ተቐበሎ፣ ንጥቕሚ እቶም ሰብኣውያን ኣገልገልቱ ኼውዕሎ ኸኣ ፍቓደኛ ዀነ።
13 ኣምላኽ ንሃዋርያትን ንኻልኦትን ካብቲ በጃ ኸም ዚጥቀሙ ዝገበሮም፡ ሰናይ ግብርታት ስለ ዝገበሩ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ብምሕረትን ብፍቕርን ተደሪኹ እዩ ኸምኡ ገይሩ። ንሃዋርያት ኰነ ንኻልኦት፡ ካብቲ ዝወረስዎ ሓጢኣት ኪመሓሩ ኸም ዚኽእል ገይሩ ስለ ዝረኣዮም፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ተፈሪዱ ዝነበረ ፍርዲ ሰረዞ። ጳውሎስ፡ “ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን” በለ።—ኤፌ. 2:8።
14, 15. እቶም ኣምላኽ ዘጽደቖም እንታይ ዓስቢ እዮም ዚረኽቡ፧ እንታይከ ኺገብሩ ኣለዎም፧
14 እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ ንዝወረስካዮ ሓጢኣት ኰነ ንዝፈጸምካዮ ኣበሳ ይቕረ ብምባሉ እትረኽቦ ውህበት ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን እዩ! ሰባት ክርስትያናት ቅድሚ ምዃኖም ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ኣዝዩ ብዙሕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ክትጽብጽቦ ዜሸግር እዩ፣ ኰይኑ ግን፡ ኣምላኽ ብመሰረት በጃ ክርስቶስ ንሓጢኣቶም ይቕረ ኺብለሎም ይኽእል እዩ። ጳውሎስ፡ “እቲ ውህበት ጸጋ ግና ካብ ብዙሕ ኣበሳ ንምጽዳቕ መጸ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 5:16) ሃዋርያት ኰኑ ኻልኦት ነዚ ፍቕራዊ ውህበት ምስ ተቐበሉ ወይ ምስ ጸደቑ፡ ወትሩ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብእምነት ኬገልግልዎ ነበሮም። እዚኸ እንታይ ዓስቢ እዩ ዘለዎ፧ “እቶም ትርፊ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ኸኣ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ኪገዝኡ እዮም።” እወ፡ እቲ ውህበት ጽድቂ፡ እተፈልየ ውጽኢት እዩ ዘለዎ። ከመይሲ፡ በቲ ውህበት፡ ህይወት ይርከብ እዩ።—ሮሜ 5:17፣ ሉቃስ 22:28-30 ኣንብብ።
15 እቶም ነቲ ውህበት እተቐበሉ ስለ ዝጸደቑ፡ መንፈሳውያን ውሉዳት ኣምላኽ ይዀኑ እዮም። መዋርስቲ ክርስቶስ ከም ምዃኖም መጠን፡ ካብ ሞት ተንሲኦም ናይ ሓቂ መንፈሳውያን ውሉዳት ኣምላኽ ኪዀኑን ምስቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ “ኪገዝኡ”ን እዮም።—ሮሜ 8:15-17, 23 ኣንብብ።
ኣምላኽ ንኻልኦት ዘርኣያ ፍቕሪ
16. እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት፡ ውህበት ኪቕበሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
16 ኵሎም እቶም እምነት ዘርኣዩን ብተኣማንነት ንኣምላኽ ዘገልገሉን ክርስትያናት ኣይኰኑን ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ‘ዚገዝኡ።’ ብዙሓት ሰባት፡ ከምቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝነበሮም ዓይነት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ተስፋ እዩ ዘለዎም። ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ይገብሩ እዮም። ግናኸ ሕጂ እውን ከይተረፈ፡ ካብ ኣምላኽ ፍቕራዊ ውህበት ኪቕበሉን ተስፋ ምድራዊ ህይወት ረኺቦም ከም ጻድቃን ኪረኣዩን ይኽእሉዶ፧ እታ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ዝለኣኻ መልእኽቲ፡ ከም ጻድቃን ኪረኣዩ ኸም ዚኽእሉ ተረጋግጸልና እያ።
17, 18. (ሀ) ኣምላኽ ንእምነት ኣብርሃም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብኸመይ እዩ ርእይዎ፧ (ለ) የሆዋ ንኣብርሃም ከም ጻድቕ ገይሩ ዝቘጸሮ ብኸመይ እዩ፧
17 ጳውሎስ ነቲ ቐንዲ ኣብነት ዚኸውን ኣብርሃም እዩ ጠቒስዎ። ኣብርሃም፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ሕጊ ቕድሚ ምሃቡን ክርስቶስ ሰማያዊ ህይወት ዚርከበሉ መገዲ ቕድሚ ምኽፋቱን ዚነብር ዝነበረ ናይ እምነት ሰብ እዩ ነይሩ። (እብ. 10:19, 20) ብዛዕባኡ፡ “እታ ንኣብርሃም ወይስ ንዘርኡ፡ ወራስ ዓለም ምእንቲ ኪኸውን፡ እተዋህበቶ ተስፋ ብጽድቂ እምነት እያ እምበር፡ ብሕጊ ኣይኰነትን” ዚብል ነንብብ። (ሮሜ 4:13፣ ያእ. 2:23, 24) ስለዚ፡ ኣምላኽ ነቲ እሙን ዝነበረ ኣብርሃም ከም ጻድቕ ገይሩ ቘጺርዎ እዩ።—ሮሜ 4:20-22 ኣንብብ።
18 ኣብርሃም ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ኼገልግል ከሎ፡ ሓጢኣት ከቶ ኣይገበረን ማለት ኣይኰነን። ስለዚ፡ በዚ መዳይ እዚ ኺርአ ኸሎ፡ ጻድቕ ኣይነበረን። (ሮሜ 3:10, 23) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ደረት ዘይብሉ ጥበብ ስለ ዘለዎ፡ ነቲ ኣብርሃም ዘርኣዮ ሓለፍ ዝበለ እምነት ኰነ ነቲ ብእምነቱ ዝገበሮ ግብርታት ኣብ ግምት ኣእትይዎ እዩ። ኣብርሃም፡ ብሕልፊ ኣብቲ ብዘርኡ ኣቢሉ ኸም ዚመጽእ መብጽዓ እተገብረሉ “ዘርኢ” እምነት ኣሕዲሩ እዩ። እቲ ዘርኢ ድማ፡ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ኰነ። (ዘፍ. 15:6፣ 22:15-18) በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ መለኮታዊ ፈራዲ፡ “በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ” ኣቢሉ፡ ነቲ ቐደም እተገብረ ሓጢኣት ይቕረ ኺብል ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ፡ ኣብርሃም ኰነ ኻልኦት ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ናይ እምነት ሰባት፡ ተስፋ ትንሳኤ ኣለዎም።—ሮሜ 3:24, 25 ኣንብብ፣ መዝ. 32:1, 2።
ሎሚ ኸም ጻድቃን ዚረኣዩ ሰባት
19. ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝነበሮ ኣረኣእያ፡ ንልቢ እቶም ሎሚ ዘለዉ ሓያሎ ሰባት ዜረስርስ ስለምንታይ እዩ፧
19 እቲ ፈቃር ኣምላኽ ንኣብርሃም ከም ጻድቕ ገይሩ ምቝጻሩ፡ ንልቢ እቶም ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዜረስርስ እዩ። የሆዋ ንኣብርሃም፡ ልክዕ ከምቶም “ንክርስቶስ መዋርስቱ” ንኪዀኑ ብመንፈስ እተቐብኡ ሰባት ገይሩ ኣይኰነን ኣጽዲቕዎ። እዞም ውሱን ቍጽሪ ዘለዎም ጕጅለ፡ ‘ቅዱሳት ኪዀኑ ተጸዊዖምን’ “ውሉድ ኣምላኽ” ኰይኖምን እዮም። (ሮሜ 1:7፣ 8:14, 17, 33) ኣብርሃም “ፍቁር ኣምላኽ” ተባሂሉ እተጸውዐ፡ እቲ መስዋእታዊ በጃ ቕድሚ ምቕራቡ እዩ ነይሩ። (ያእ. 2:23፣ ኢሳ. 41:8) እሞኸ ኣምላኽ ነቶም ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኺነብሩ ተስፋ ዚገብሩ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧
20. ኣምላኽ ነቶም ሎሚ ኸም ኣብርሃም ጻድቃን ገይሩ ዚርእዮም እንታይ ትጽቢት እዩ ዚገብረሎም፧
20 እዚኣቶም ነቲ ‘ብበጃ የሱስ ክርስቶስ’ ኣቢልካ ኪርከብ ዚኽእል ሰማያዊ ህይወት ናይ ምርካብ “ውህበት ጽድቂ” ኣይተቐበሉን። (ሮሜ 3:24፣ 5:15, 17) ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣምላኽን ኣብ መሰናድዎታቱን እምነት ኣሕዲሮም፡ ንእምነቶም ከኣ ብሰናይ ግብሪ ኣርእዮም እዮም። ነዚ ዘርኣዩሉ ሓደ መገዲ፡ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽን ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብምምሃርን’ እዩ። (ግብ. 28:31) ስለዚ ኸኣ፡ የሆዋ ኸምቲ ንኣብርሃም ጻድቕ ገይሩ ዝቘጸሮ፡ ነዚኣቶም እውን ከምኡ ገይሩ ኺርእዮም ይኽእል እዩ። እዚኣቶም ዚቕበልዎ ውህበት፡ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ናይ ምምስራት ኣጋጣሚ ኪኸውን ከሎ፡ እዚ ድማ እቶም ቅቡኣት ካብ ዚቕበልዎ “ውህበት” እተፈልየ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ነቲ እተዋህቦም ውህበት ሞሳ የርእዩ እዮም።
21. ሳላ ፍቕርን ፍትሕን ኣምላኽ ዚርከብ ጥቕምታት እንታይ እዩ፧
21 ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ተስፋ እንተ ኣልዩካ፡ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ሓደ ሰብኣዊ ገዛኢ ብወዝቢ ብዝገበሮ ተግባር ኣይኰነን ተኸፊቱልካ። የግዳስ፡ ንጥበባዊ ዕላማ እቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ዜንጸባርቕ ምዃኑ ኣይትረስዕ። የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ተኸታታሊ ስጕምትታት ወሲዱ እዩ። እቲ ዝወሰዶ ስጕምትታት፡ ምስ ናይ ሓቂ ፍትሒ ዚቃዶን ፍቕሪ ኣምላኽ ዜንጸባርቕን እዩ። ጳውሎስ፡ “ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ” ኢሉ ኺዛረብ እምበኣር ሓቁ እዩ።—ሮሜ 5:8።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ንኣብነት፡ እቲ ምስ ዘርኢ እተተሓሓዘ ኣረኣእያ ኣብ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ፡ 2ይ ጥራዝ፡ ኣብ ገጽ 736 ሕጡብ ጽሑፍ 4ን 5ን እውን ተገሊጹ ነይሩ እዩ።
ትዝክሮዶ፧
• ዘርኢ ኣዳም እንታይ እዮም ወሪሶም፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት እዩ ዘለዎ፧
• ተመዓራራዪ በጃ እተኸፍለ ብኸመይ እዩ ነይሩ፧ ተመዓራራዪ ኺበሃል ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧
• ብውህበት ጽድቂ ዚርከብ ተስፋ እንታይ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ ኣዳም ሓጥአ። እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ የሱስ ድማ፡ “ተመዓራራዪ በጃ” ኸፈለ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ብየሱስ ክንጸድቕ ከም እንኽእል ምፍላጥናስ፡ ከመይ ዝበለ ብስራት ኰን እዩ!