ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 15/7 ገጽ 3
  • ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እትዳሎ ሕታም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እትዳሎ ሕታም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እትዳሎ ግምቢ ዘብዐኛ እተጀመረት ስለምንታይ እያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ሓዳስ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ እተገብረ ዜሐጕስ ለውጥታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ኣብ ሕታም መጽናዕቲ እተገብረ ለውጥታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 15/7 ገጽ 3

ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እትዳሎ ሕታም

ካብዛ ሕታም እዚኣ ኣትሒዙ፡ ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እትዳሎ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ንሓደ ዓመት ዚኸውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኸም እነዳሉ ኸነፍልጠኩም ንፈቱ። እታ ሕታም እቲኣ፡ ዓንቀጻት መጽናዕቲ እተጠቓልል ክትከውን ከላ፡ ካልኣዊ ዓንቀጻት ድማ ብመጠን እቲ ዚህሉ ቦታ ተመሪጹ ኺኣቱ እዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ንሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜድልዮም ኣገዳሲ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜማልእ ንተኣማመን ኢና። ስለምንታይ፧

እንግሊዝኛ ኣብ ከም ላይበርያ፡ ናይጀርያ፡ ኬንያ፡ ደሴታት ሰሎሞን፡ ጋና፡ ፊጂ፡ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዝኣመሰላ ሃገራት ዚነብሩ ኣሕዋትና ዚዛረብዎ ሓባራዊ ቛንቋ እዩ። ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ዚነብሩ ኣሕዋትና ኣብ ከከባቢኦም ብዘሎ ቛንቋ ወይ ቋንቋ ደቀባት ዚዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ኣገልግሎት ወፍርን ግን ኣዘውቲሮም እንግሊዝኛ ይጥቀሙ እዮም። ይኹን እምበር፡ እቲ ዚጥቀምሉ እንግሊዝኛ ኻብቲ ኣብ ጽሑፋትና እንጥቀመሉ ቕልል ዝበለ እዩ። ናብ እንግሊዝኛ ዚዝረበለን ሃገራት ዝገዓዙ ገሊኦም ኣሕዋት ድማ፡ እንግሊዝኛ ብዙሕ ዘይፈልጡ እኳ እንተ ዀኑ፡ በቲ ቛንቋ እዮም ዚጥቀሙ። ብቛንቋ ኣዲኦም ኣብ ዚካየድ ኣኼባታት ጉባኤ ኺካፈሉ እውን ኣይክእሉን እዮም።

እዋናዊ ዝዀነ እኹል መንፈሳዊ ምግቢ እንረኽበሉ ቐንዲ መገዲ፡ በቲ ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ሰሙናዊ ዚውሰድ ዓንቀጻት ኣቢልና ኢና። ስለዚ፡ እዚ ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ ዚዳሎ ሕታም፡ ኵሎም ኣሕዋት ካብዚ መጽናዕቲ እዚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺጥቀሙ፡ ዝቐለለ ሰዋስውን ኣቃውማ ምሉእ ሓሳባትን ዝሓዘ ሒደት ማህደረ-ቓላት ጥራይ እዩ ዚጥቀም። እዚ ሓድሽ ሕታም፡ ፍሉይ ገበር ኪህልዎ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብቲ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዚወጽእ ንኡስ ኣርእስትታትን ሕጡብ ጽሑፋትን ሕቶታት ድግማን ስእልታትን ምስቲ ኣብ ስሩዕ ሕታም ዚወጽእ ሕደ እዩ። ስለዚ፡ ኵሎም ኣሕዋት ንሓዲኡ ሕታም ሒዞም ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኺሳተፉ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ክልቲኡ ሕታማት ዚህሉ ኣቃውማ ቓላት ብኸመይ ከም ዚፈላለ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኻብ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ መጽናዕቲ እዛ ሕታም እዚኣ እተወስደ ኣብነት ርአ።

እዚ ሓድሽ መሰናድዎ እዚ፡ ንጸሎት እቶም ንየሆዋ፡ “ትእዛዛትካ ኽምህርሲ፡ ኣለብመኒ” ኢሎም ዝለመንዎ ሓያሎ ኣሕዋት ከም ዚምልስ ተስፋ ንገብር። (መዝ. 119:73) ስለዚ፡ እንግሊዝኛ ብዙሕ ዘይፈልጡ ኣሕዋትን ገሊኦም እንግሊዝኛ ተዛረብቲ ዝዀኑ ንኣሽቱ ቘልዑን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንዚግበር መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ጽቡቕ ገይሮም ኪዳለዉ ኸም ዚኽእሉ ርግጸኛታት ኢና። የሆዋ ንዅሎም ‘ኣሕዋት’ ስለ ዜፍቅሮም፡ ብ“እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ይህብ ብምህላዉ ነመስግኖ ኢና።​—1 ጴጥ. 2:17፣ ማቴ. 24:45።

ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ