ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ እተገብረ ዜሐጕስ ለውጥታት
1 ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት እዚ: ‘ካብ ጥሪ 2008 ኣትሒዙ ግምቢ ዘብዐኛ ኽልተ እተፈላለየ ሕታማት ኪህልዋ እዩ፣ እታ ሓንቲ ንህዝቢ: እታ ካልኣይቲ ድማ ንክርስትያናዊ ሕውነት ተባሂለን ክወጻ እየን!’ ዚብል ዜሐጕስ ምልክታ ንጉባኤታት ተነግረን። ‘እዘን ክልተ መጽሔታት እዚኣተን ፍልልየን እንታይ እዩ፧ እተፈላለየ ሕታማት ምግባር እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧ ዝዀነ ይኹን ሓድሽ ትሕዝቶታት ኪህልዎ ድዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።
2 እቲ ፍልልይ:- እታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ እትወጽእ ቀዳመይቲ ሕታም: ሕታም ህዝቢ ተባሂላ ኽትፍለጥ እያ። ኵሉ እቲ ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዚወጽእ ዓንቀጻት ናብ ህዝቢ ዘተኰረ ኪኸውን እዩ። እታ 15 ዝዕለታ ሕታም ድማ: ሕታም መጽናዕቲ ተባሂላ ኽትፍለጥ እያ: ንህዝቢ ግን ኣይክትብርከትን እያ። ንሓደ ወርሒ ዜድሊ ዅሉ ዓንቀጻት መጽናዕትን ርእሶም ንዝወፈዩ ክርስትያናት ዚኸውን ግቡእ ካልኣዊ ዓንቀጻትን ክትሕዝ እያ። እታ ሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ዘይኰነስ: ኣውራ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚኣምንዎ ሰባት ክትስሕብ እያ። በቲ ሓደ ሸነኽ: መጽሔት ንቕሑ! ንተጠራጠርትን ነቶም ካብ ክርስትና ወጻኢ ዝዀነ ሃይማኖት ዚስዕቡን ሓዊስካ ንዅሎም ሰባት ተባሂላ ኽትዳሎ እያ።
3 ጥቕምታት:- ኣብ ሕታም መጽናዕቲ: ድሕሪ ደጊም ከም እኒ “ፈላሚ” ዝኣመሰለ ስያመታት ንህዝቢ ብዚርድኦ መገዲ ምግላጹ ኣይኬድልን እዩ። እዚ ሕታም እዚ: ብፍላይ ንናይ የሆዋ መሰኻኽርን መንፈሳዊ ዕቤት ንዚገብሩ ዘለዉ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ዚኸውን ሓበሬታ ኺሕዝ እዩ። እታ ሕታም ህዝቢኸ፧ እቲ ኣርእስትታታን ኣገባብ ኣጸሓሕፋኣን ናብ ህዝቢ ዝቐንዐ ስለ ዝዀነ: ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ሰብ ነዛ መጽሔት እዚኣ ኻብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ ባህ ኢልዎ ኼንብባ ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ: ነፍሲ ወከፍ ናይ የሆዋ ምስክር ንነፍሲ ወከፍ ሕታም ብምንባቡ ኺጥቀም እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ሓንቲ ግምቢ ዘብዐኛ ምስ ሓንቲ ንቕሑ! ጥራይ ከነበርክት ስለ ዝዀንና: ንወርሒ ምሉእ እንጥቀመሉ ውጽኢታዊ ኣቀራርባታት ኪህልወና እዩ።
4 ሓድሽ ትሕዝቶታት:- ንሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛ ዚኸውን ሓድሽ ዜሐጕስ ትሕዝቶታት ተመዲቡ ኣሎ። ሓደ ኻብቲ ትሕዝቶ: ንመሰረታዊ ትምህርትታት ቅዱሳት ጽሑፋት ብኣዝዩ ቐሊል ኣገባብ ኪገልጽ እዩ። ካልእ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ንስድራቤታት ብኸመይ ከም ዚሕግዘን ኪገልጽ እዩ። ንመንእሰያት ዚኸውን ፕሮጀክት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኪወጽእ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሕታም: ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ዚምህረና ፍሉይ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዜጕልሕ ዓንቀጽ ኪህልዋ እዩ።
5 የሆዋ ነዚ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ እተገብረ ሓድሽ መሰናድዎ ኺባርኾ ጸሎትና እዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ ምስ መጽሔት ንቕሑ! ሓቢራ ንብዙሓት ብቑዓት ሰባት ነቲ ብስራት እተብጽሓሎም ይግበራ።—ማቴ. 10:11