ዕረፍቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧
“ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም አላ።”—እብ. 4:9።
1, 2. ካብቲ ዘፍጥረት 2:3 ሒዛቶ ዘላ ሓሳብ፡ እንታይ ክንርዳእ ንኽእል፧ እንታይ ሕቶታትከ ኺለዓል ይኽእል፧
ኣብታ ኣብ ዘፍጥረት እትርከብ ናይ መጀመርታ ምዕራፍ፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ምሳልያውያን መዓልትታት፡ ኣምላኽ ንምድሪ መንበሪት ሰብ ክትከውን ከም ዘዳለዋ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ እዘን መዓልትታት እዚኣተን፡ “ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ” ዚብል መዛዘሚ ኣሎ። (ዘፍ. 1:5, 8, 13, 19, 23, 31) ብዛዕባ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ከኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኵሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዝዐረፈ፡ ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን” ይብል።—ዘፍ. 2:3።
2 እታ ኣብዚ “ዐረፈ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ቀጻልነት ከም ዘለዋ ስለ እተመልክት፡ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ማለት እታ “መዓልቲ” ዕረፍቲ ኣምላኽ ክሳዕ እቲ ሙሴ ንኦሪት ዘፍጥረት ዝጸሓፈሉ 1513 ቅ.ክ. ትቕጽል ከም ዝነበረት ትሕብር። እሞኸ መዓልቲ ዕረፍቲ ኣምላኽ ክሳዕ ሕጂ እውን ትቕጽል ኣላ ድያ፧ ትቕጽል እንተ ኣልያ፡ ሎሚ ንሕና ናብኣ ኽንኣቱ ንኽእልዶ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ንዓና ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለዎ።
የሆዋ ገናዶ ‘ይዓርፍ’ ኣሎ እዩ፧
3. እቲ ኣብ ዮሃንስ 5:16, 17 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት የሱስ፡ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኽሳዕ ቀዳማይ ዘመን ትቕጽል ከም ዝነበረት ብኸመይ ይሕብር፧
3 እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኽሳዕ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. እውን ትቕጽል ከም ዝነበረት ዚሕብር ክልተ መርትዖታት ኣሎና። ቀዳማይ፡ የሱስ ነቶም ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ኸም ዕዮ ቘጺሮም ዝነቐፍዎ ተጻረርቱ ዝሃቦ መልሲ እስከ ንርአ። “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ፥ ኣነውን እዓዪ ኣሎኹ” ኢሉ መለሰሎም። (ዮሃ. 5:16, 17፡ ትርጕም 1990) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ የሱስ ብሰንበት ብምዕያዩ እዩ ተኸሲሱ ነይሩ። “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ” ኢሉ ኺዛረብ ከሎ፡ ነቲ ኽሲ እቲ ዚኸውን መልሲ እዩ ዚህብ ነይሩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንነቐፍቱ ኸምዚ እዩ ዚብሎም ነይሩ፦ ‘ኣነን ኣቦይን ሕደ ዕዮ ኢና እንዓዪ ዘለና። ኣቦይ ኣብታ ኣሽሓት ዓመታት ዝንውሓታ ሰንበት ይዓዪ ስለ ዘሎ፡ ኣነ እውን ብሰንበት ክዓዪ ይፍቀደለይ እዩ።’ በዚ ኸምዚ፡ የሱስ ንምድሪ ብዚምልከት፡ እታ ዓባይ መዓልቲ ዕረፍቲ ሰንበት፡ ወይ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ብግዜኡ ትቕጽል ከም ዝነበረት ኣመተ።a
4. ጳውሎስ፡ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ብግዜኡ ትቕጽል ከም ዝነበረት ዚሕብር እንታይ ተወሳኺ መርትዖ እዩ ዘቕረበ፧
4 ካልኣይ መርትዖ ኸኣ፡ ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ እተዛረቦ እዩ ዚርከብ። ጳውሎስ ብዛዕባ ዕረፍቲ ኣምላኽ ካብ ዘፍጥረት 2:2 ኺጠቅስ ከሎ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ንሕና እንአምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንአቱ ኢና” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 4:3, 4, 6, 9) ስለዚ፡ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ብግዜ ጳውሎስ እውን ትቕጽል ነይራ እያ። እታ መዓልቲ ዕረፍቲ፡ ክንደይ ዚኣክል እያ ኽትቅጽል ነይርዋ፧
5. ዕላማ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ እንታይ እዩ፧ እቲ ዕላማ እቲኸ መዓስ እዩ ምሉእ ብምሉእ ዚፍጸም፧
5 መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ዕላማ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኽንዝክር ኣሎና። ዘፍጥረት 2:3 ነቲ ዕላማ እቲ ኽትጠቅስ ከላ፡ “ኣምላኽ . . . ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን” ትብል። የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም እዩ ነታ መዓልቲ እቲኣ ‘ቐዲስዋ’ ወይ እተፈልየት ገይርዋ። እቲ ዕላማ እቲ ኸኣ፡ ምድሪ ንዓኣን ኣብኣ ንዘሎ ህይወትን ብዚከናኸኑ እዙዛት ሰብኡትን ኣንስትን ክትመልእ እዩ። (ዘፍ. 1:28) የሆዋ ኣምላኽን እቲ “ጐይታ ሰንበት” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን ነቲ ዕላማ እቲ ንምፍጻም እዮም ‘ክሳዕ ሕጂ ዚዓዩ ዘለዉ።’ (ማቴ. 12:8) መዓልቲ ዕረፍቲ ኣምላኽ፡ እቲ ዕላማ እቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ክሳዕ ዚፍጸም ክትቅጽል እያ።
‘ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲድካ ኣይትውደቕ’
6. እንታይ እዩ መለበሚ ዚዀነና፧ ካብኡኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
6 ዕላማ ኣምላኽ ንኣዳምን ንሄዋንን ብንጹር ተገሊጹሎም እኳ እንተ ነበረ፡ ምስቲ ዕላማ ኣይተሓባበሩን። ኣዳምን ሄዋንን፡ መገዲ ዘይተኣዛዝነት ዝሰዓቡ ናይ መጀመርታ ደቂ ሰብ እዮም ነይሮም። ካብኡ ንነጀው፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኻልኦት ሰባት በታ መገዲ እቲኣ ስዒቦም እዮም። እቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል እውን ከይተረፉ፡ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ተኸቲሎም እዮም። ብዘይካዚ እውን፡ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ገለ ኻባታቶም ኣብቲ ጥንታውያን እስራኤላውያን ዝወደቑሉ መጻወድያ ኸይወድቁ ኣጠንቂቕዎም እዩ። “ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ኽንአቱ ንጋደል” ኢሉ ጸሓፈሎም። (እብ. 4:11) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ንዘይተኣዛዝነት፡ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ምስ ዘይምእታው ከም ዘተሓሓዞ ነስተብህል። እዚ ንዓና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ ብእተወሰነ መዳይ ካብ ዕላማ ኣምላኽ እንተ ዓሊና፡ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ኣይንኣቱን ደዀን ንኸውን፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንዓና ኣዝዩ ስለ ዜገድሰና፡ ነታ ሕቶ ብስፍሓት ክንምርምራ ኢና። ሕጂ ግን፡ ነቲ መለበሚ ዚዀነና ተግባራት እስራኤላውያን ብምምርማር፡ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምእታው እንታይ ተወሳኺ ትምህርቲ ኽንረክብ ከም እንኽእል ንርአ።
“ናብ ዕረፍተይ ኣይኪአትዉን እዮም”
7. የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኼውጽኦም ከሎ፡ እንታይ ዕላማ እዩ ነይርዎ፧ ንሳቶምከ እንታይ ኪገብሩ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም ነይሩ፧
7 ብ1513 ቅ.ክ.፡ የሆዋ ብዛዕባ እስራኤላውያን ዘለዎ ዕላማ ንሙሴ ኣገልጋሊኡ ገለጸሉ። ኣምላኽ፡ “ካብ ኢድ ግብጻውያን ከድሕኖም ወሪደ አሎኹ፡ ካብታ ምድሪ እቲኣ [ግብጺ] ናብታ ጽብቕትን ርሕብትን ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ . . . ከደይቦም እየ” በለ። (ዘጸ. 3:8) ከምቲ የሆዋ ንኣቦሓጎኦም ኣብርሃም ተመባጺዑሉ ዝነበረ፡ ህዝቡ ምእንቲ ኺገብሮም ኢሉ እዩ “ኻብ ኢድ ግብጻውያን” ኣድሒንዎም። (ዘፍ. 22:17) ምስኡ ሰላማዊ ርክብ ንኺህልዎም ዜኽእል ሕግታት እውን ሃቦም። (ኢሳ. 48:17, 18) “ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም፡ ኪዳነይውን እንተ ሐሎኹም፡ ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ፡ ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም” ድማ በሎም። (ዘጸ. 19:5, 6) ስለዚ፡ እስራኤላውያን ምስ ኣምላኽ ፍሉይ ርክብ ኪህልዎም ዚኽእል፡ ቃሉ ኽሳዕ ዝሰምዑ ወይ ክሳዕ እተኣዘዙ ጥራይ እዩ።
8. እስራኤላውያን ንኣምላኽ እዙዛት እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ እንታይ ዓይነት ናብራ ምሃለዎም ነይሩ፧
8 እስራኤላውያን፡ ቃል ኣምላኽ እንተ ዚእዘዙ ነይሮም፡ እንታይ ኪረኽቡ ይኽእሉ ኸም ዝነበሩ እሞ ሕስብ ኣብሎ! የሆዋ ንግራውቶምን ንኣታኽልቲ ወይኖምን ንመጓሰኦምን ንማሎምን ምባረኸሎም ነይሩ። ጸላእቶም እውን ኣብ ልዕሊኦም ኣይምሰልጠኑን ነይሮም። (1 ነገስት 10:23-27 ኣንብብ።) መሲሕ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፡ ህዝቢ እስራኤል ብሮሜ ዚግዛእ ህዝቢ ዘይኰነስ፡ ርእሱ ኽኢሉ ዚመሓደር ኰይኑ ምተረኽበ ነይሩ። እስራኤል ንጐረባብታ ኣርኣያ እትኸውን መንግስቲ ምዀነት ነይራ፣ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ እዙዝ ምዃን ዜምጽኦ መንፈሳውን ስጋውን በረኸት ብጭቡጥ መርኣየት ነይራ።
9, 10. (ሀ) እስራኤላውያን ናብ ግብጺ ኺምለሱ ምድላዮም፡ ኣቕሊልካ ዘይርአ ጕዳይ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እስራኤላውያን ናብ ግብጺ እንተ ዚምለሱ ነይሮም፡ ኣምልኾኦም ብኸመይ ምተጸልወ፧
9 እስራኤላውያን ከመይ ዝበለ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዀን እዩ ተኸፊቱሎም ነይሩ! ምስ ዕላማ የሆዋ ተሰማሚዖም እንተ ዚመላለሱ ነይሮም፡ ንርእሶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መወዳእታኡ ንዅሎም ደቂ ሰብ በረኸት መምጽኡ ነይሮም። (ዘፍ. 22:18) ኰይኑ ግን፡ እቲ ዓለወኛ ወለዶ ብሓፈሻ፡ ኣብ ትሕቲ ቲኦክራስያዊ ግዝኣት ኣርኣያ እትኸውን መንግስቲ ንምቛም ግዲ ኣይነበሮን። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን፡ ናብ ግብጺ ኪምለስ ደለየ። (ዘሁልቍ 14:2-4 ኣንብብ።) እስራኤላውያን ናብ ግብጺ እንተ ዚምለሱ ነይሮም፡ እቲ ኣምላኽ ብዛዕባኦም፡ ኣርኣያ እትኸውን መንግስቲ ኬቝሙ ዝነበሮ ዕላማ ምተፈጸመዶ፧ ኣይምተፈጸመን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ኣብ ትሕቲ እቶም ኣረማውያን ገዛእቶም እንተ ዚኣትዉ ነይሮም፡ ሕጊ ሙሴ ኺስዕቡን ካብቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሕድገት ሓጢኣት ዝገበሮ መሰናድዎ ኺጥቀሙን ኣይምኸኣሉን ነይሮም። ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ስጋዊ ኣተሓሳስባ ወይ ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ ሽግር ዝነበሮም! የሆዋ ብዛዕባ እቶም ዓለወኛታት፡ “ነዚ ወለዶ እዚ ዀሬኹሉ እሞ፤ ኵሉ ሳዕ ብልቦም ይስሕቱ፡ መገደይ ግና ኣይፈልጥዎን፡ በልኩ። ብቝጥዓይ ድማ፤ ናብ ዕረፍተይ ኣይኪአትዉን እዮም፡ ኢለ መሐልኩ” ኺብል እምበኣር ሓቁ እዩ።—እብ. 3:10, 11፣ መዝ. 95:10, 11።
10 እቲ ነቓጽ ህዝቢ ናብ ግብጺ ኺምለስ ብምድላዩ፡ ነቲ ዝረኸቦ መንፈሳዊ በረኸት ኣኽቢሩ ኸም ዘይርእዮ፡ ኣብ ክንዳኡስ ሽጕርቲ ቓንጫን ቀይሕ ሽጕርትን ጻዕዳ ሽጕርትን ከም ዚሓሪ ኣርኣየ። (ዘሁ. 11:5) እቶም ዓለወኛታት፡ ከምቲ ዘየማሱ ኤሳው፡ ነቲ ኽቡር መንፈሳዊ ውርሻኦም ብጥዑም ምግቢ ኪቕይርዎ ድሉዋት እዮም ነይሮም።—ዘፍ. 25:30-32፣ እብ. 12:16።
11. ብግዜ ሙሴ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዘርኣይዎ ዘይተኣማንነት፡ ንዕላማ ኣምላኽ ብኸመይ ጸለዎ፧
11 እቲ ኻብ ግብጺ ዝወጸ ወለዶ እስራኤላውያን እምነት ዘይብሉ እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ግን ኣብቲ ዚቕጽል ወለዶ ብምትኳር፡ ዕላማኡ ንምፍጻም ብትዕግስቲ “ይዓዪ” ነበረ። ኣባላት እቲ ሓድሽ ወለዶ፡ ካብ ኣቦታቶም ብዝያዳ እዙዛት እዮም ነይሮም። ምስ ትእዛዝ የሆዋ ብምስምማዕ፡ ናብ ምድሪ ተስፋ ኣትዮም፡ ኪቈጻጸርዋ ጀመሩ። ኣብ እያሱ 24:31፡ “እስራኤል ከኣ፡ ብዅሉ ዘበን እያሱን ብዅሉ ዘበን እቶም ብድሕሪ እያሱ ነዊሕ ዝጸንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ኵሉ ግብሪ ዝፈለጡ ዓበይትን፡ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ” ዚብል ነንብብ።
12. ሎሚ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ክንኣቱ ኸም እንኽእል ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧
12 ይኹን እምበር፡ እቲ እዙዝ ወለዶ በብቝሩብ ሞይቱ ምስ ተወድአ፡ “ንእግዚኣብሄርን ነቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብሪ ዘይፈልጥ” ካልእ ወለዶ ተንስአ። “ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ ንበዓልውን ኣገልገሉ።” (መሳ. 2:10, 11) ኣብታ ምድሪ ተስፋ፡ ናይ ሓቂ ‘ዕረፍቲ’ ኣይረኸቡን። ብሰንኪ ዘይተኣዛዝነቶም፡ ምስ ኣምላኽ ነባሪ ሰላም ኣይገበሩን። ጳውሎስ ብዛዕባ ድሒሩ ዝነበረ እዋን ኪገልጽ ከሎ፡ “እያሱ [ንእስራኤላውያን] ኣዕሪፍዎም እንተ ዚኸውንሲ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ። እምብኣርሲ . . . ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም አላ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 4:8, 9) ኣብዚ፡ “ህዝቢ ኣምላኽ” ኪብል ከሎ፡ ብዛዕባ ክርስትያናት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ከምኡ ኺበሃል ከሎ፡ ክርስትያናት ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ኪኣትዉ ይኽእሉ ማለት ድዩ፧ እወ፡ ካብ ኣይሁድ ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ፡ ኵሎም ክርስትያናት ኪኣትዉ ይኽእሉ እዮም።
ገሊኦም ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ኣይኣትዉን እዮም
13, 14. (ሀ) ብግዜ ሙሴ፡ (ለ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣብ መንጎ ሕጊ ሙሴ ምሕላውን ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ምእታውን እንታይ ርክብ ነበረ፧
13 ጳውሎስ ነቶም እብራውያን ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ ገለ ኻባታቶም ምስቲ ዚግስግስ ዝነበረ ዕላማ ኣምላኽ ዘይተሓባበሩ ብምንባሮም ተሻቒሉ እዩ ነይሩ። (እብራውያን 4:1 ኣንብብ።) ብኸመይ እዮም ዘይተሓባበሩ ነይሮም፧ እቲ ዜገርም፡ ንሕጊ ሙሴ ብምሕላዎም እዩ ኺጽሕፈሎም ተደሪኹ። ቅድሚኡ፡ ንኣስታት 1,500 ዓመት፡ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ተሰማሚዑ ኺመላለስ ዚደሊ ዝዀነ ይኹን እስራኤላዊ፡ ነቲ ሕጊ እቲ ኽሕልዎ ነበሮ። የሱስ ምስ ሞተ ግን፡ እቲ ሕጊ ተኣልየ። ገሊኦም ክርስትያናት ነዚ ስለ ዘየስተውዓልዎ፡ ገሊኡ መዳያት እቲ ሕጊ ኺሕሎ ኸም ዚግባእ ይኣምኑ ነበሩ።b
14 ጳውሎስ ነቶም ነቲ ሕጊ ኺሕልዉ ቘሪጾም ዝነበሩ ክርስትያናት፡ እቲ የሱስ ከም ሊቀ ኻህናት መጠን ዚህቦ ኣገልግሎትን እቲ ሓድሽ ኪዳንን እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስን ካብቲ ቕድሚ ክርስትና ዝነበረ ንዕኡ ዜመልክት ስርዓት ከም ዚበልጽ ገለጸሎም። (እብ. 7:26-28፣ 8:7-10፣ 9:11, 12) ስለዚ፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዘሎ ምሕላው ሰሙናዊ ሰንበት ተበጊሱ፡ ብዛዕባ እቲ ናብ መዓልቲ ዕረፍቲ የሆዋ ናይ ምእታው ፍሉይ መሰል፡ “እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝአተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዐረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ አሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም አላ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 4:8-10) እቶም እብራውያን ክርስትያናት፡ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተመርኲሶም ብዚገብርዎ ግብሪ፡ ድሕሪ ደጊም ስምረት የሆዋ ኺረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ኺሓስቡ ኣይነበሮምን። ካብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ንደሓር፡ ኣምላኽ ነቶም ኣብ የሱስ ክርስቶስ ከም ዚኣምኑ ዜርእዩ፡ ብጸጋኡ ሞገሱ ሂብዎም እዩ።
15. ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ክንኣቱ እንተ ዄንና፡ ተኣዛዝነት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
15 እቶም ብግዜ ሙሴ ዝነበሩ እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ንኸይኣትዉ ዝዓገቶም እንታይ እዩ፧ ዘይተኣዛዝነት። ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ከይኣትዉ ዝዓገቶምከ እንታይ እዩ፧ ንዓታቶም እውን ዘይተኣዛዝነት። ሕጊ ሙሴ ዕላማኡ ኸም ዝፈጸመን የሆዋ ንህዝቡ ብኻልእ ኣንፈት ይመርሖ ኸም ዘሎን ኣየስተውዓሉን።
ሎሚ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ምእታው
16, 17. (ሀ) ሎሚ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ምእታው ኪበሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧
16 ሎሚ፡ ድሕነት ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ገሊኡ መዳያት ሕጊ ሙሴ ኺሕልዉ ኸም ዘለዎም ዚኣምኑ ክርስትያናት ኣይርከቡን እዮም። ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን፡ “ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን” ኢሉ ዝጸሓፈሎም መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ንጹር እዩ። (ኤፌ. 2:8, 9) ክርስትያናት ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ይኣትዉ ኺበሃል ከሎ ደኣ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ ነታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ማለት ነታ መዓልቲ ዕረፍቱ፡ ነቲ ምስ ምድሪ ዚተሓሓዝ ዕላማኡ ናብ ዜደንቕ ፍጻመ ንኼብጽሕ ኢሉ እዩ ፍልይቲ ዝገበራ። እምበኣር፡ ናብ ዕረፍቲ የሆዋ ኽንኣቱ ወይ ኣብ ዕረፍቱ ኽንሓብሮ እንኽእል፡ ምስቲ ብውድቡ ኣቢሉ ዚግለጽ ዘሎ ገስጋሲ ዕላማኡ ብተኣዛዝነት ብምዕያይ እዩ።
17 በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ነቲ በቲ ብጕጅለ ዝቘመ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ኣቢሉ ዚወሃበና መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ እነነኣእስን ብርእስና እንምራሕን እንተ ዄንና፡ ምስቲ ዚግለጽ ዘሎ ዕላማ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ኣይንኸይድን ኢና። እዚ ድማ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ሰላማዊ ርክብ ኣብ ሓደጋ እዩ ዜእትዎ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ኪጸልዎም ዚኽእል ገለ ዅነታት ክንርኢ ኢና። ንኽንእዘዝ ወይ ብርእስና ንኽንምራሕ እንገብሮ ውሳነ፡ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ኣብ ምእታው ብኸመይ ወሳኒ ኸም ዝዀነ ኽንመያየጥ ኢና።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ካህናትን ሌዋውያንን ብሰንበት ኣብ ቤተ መቕደስ ይዓዩ ነይሮም እዮም፣ ‘በደል ግን ኣይኰኖምን’ እዩ ነይሩ። የሱስ፡ ሊቀ ኻህናት እቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቤተ መቐደስ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንሰንበት ከይስዕር ኢሉ ኸይሰግአ መንፈሳዊ ዕዮኡ ኺዓዪ ይኽእል ነይሩ እዩ።—ማቴ. 12:5, 6።
b ድሕሪ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.፡ መዓልቲ ዕርቂ ኽሳዕ ምኽባር ዝበጽሑ ኣይሁድ ክርስትያናት ምንባሮም ወይ ዘይምንባሮም ኣይንፈልጥን ኢና። ከምኡ ዝገበሩ እንተ ነይሮም፡ ንመስዋእቲ የሱስ ኣኽብሮት ከም ዘይብሎም መርኣዩ። ኰይኑ ግን፡ ገሊኦም ኣይሁድ ክርስትያናት ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጠቒሱ ዘሎ ገሊኡ ስርዓታት ኣጥቢቖም ሓዝዎ።—ገላ. 4:9-11።
ንምስትንታን ዚኸውን ሕቶታት
• ዕላማ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ዕረፍቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧
• እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ትቕጽል ከም ዘላ ብኸመይ ንፈልጥ፧
• ብግዜ ሙሴ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኰኑ ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ከይኣትዉ ዝዓገቶም እንታይ እዩ ነይሩ፧
• ሎሚ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ምእታው ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ሎሚ ናብ ዕረፍቲ የሆዋ ኽንኣቱ እንኽእል፡ ምስቲ ብውድቡ ኣቢሉ ዚግለጽ ዘሎ ገስጋሲ ዕላማኡ ብተኣዛዝነት ብምዕያይ እዩ
[ኣብ ገጽ 26-27 ዘሎ ስእሊ]
ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ንኺኣትዉ፡ ሕጂ እውን እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧