ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w16 መስከረም ገጽ 13
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዕረፍቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ኣቲኻዶ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • እምነት ካብ ምጕዳል ተጠንቀቑ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
w16 መስከረም ገጽ 13
ኣደን ጓልን ኣብ ገነት ንዕምባባታት ማይ የስትያ

‘ቃል ኣምላኽ ህያው እዩ’

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኣብ እብራውያን 4:12፡ “ህያውን ዚዓይን” ተባሂሉ ዘሎ “ቓል ኣምላኽ” ንምንታይ የመልክት፧

እቲ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳብ ከም ዚሕብሮ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ “ቃል ኣምላኽ” ኪብል ከሎ ኸምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ እንረኽቦ ንዝኣመሰለ መልእኽቲ ወይ መግለጺ ዕላማ ኣምላኽ እዩ ዜመልክት ነይሩ።

እብራውያን 4:12 ኣብ ሕታማትና ብዙሕ ሳዕ እትጥቀስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ህይወት ሰባት ኪቕይር ሓይሊ ኸም ዘለዎ ንምሕባር እዩ፣ ከምኡ ምባልና እውን ግቡእ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንእብራውያን 4:12 ኣብ ከባቢኣ ንዘሎ ሰፊሕ ሓሳብ ኣብ ግምት ብምእታው ምምርማራ ጠቓሚ እዩ። ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት፡ ምስ ዕላማታት ኣምላኽ ኪተሓባበሩ እዩ ዚምሕጸኖም ነይሩ። መብዛሕትኡ እዚ ዕላማታት እዚ ኸኣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመዝጊቡ ነይሩ እዩ። ጳውሎስ ነቶም ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ዝወጹ እስራኤላውያን ከም ኣብነት ጠቒስዎም ኣሎ። ንሳቶም ናብታ ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ዚረኽቡላ ‘ጸባን መዓርን እተውሕዝ’ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ትጽቢት ነይርዎም እዩ።—ዘጸ. 3:8፣ ዘዳ. 12:9, 10።

እቲ ተስፋ እቲ፡ እተገልጸ ዕላማ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ እስራኤላውያን ድሕሪ ግዜ ልቦም ስለ ዘትረሩን ብእምነት ስለ ዘይተመላለሱን፡ መብዛሕትኦም ናብቲ ዕረፍቲ እቲ ኣይኣተዉን። (ዘሁ. 14:30፣ እያ. 14:6-10) ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ኣስዒቡ፡ “ናብ ዕረፍቱ [ዕረፍቲ ኣምላኽ] ንምእታው” ገና ተስፋ ኸም ዘሎ ገሊጹ ኣሎ። (እብ. 3:16-19፣ 4:1) እቲ “ተስፋ” እቲ፡ ክፍሊ እቲ እተገልጸ ዕላማ ኣምላኽ ምዃኑ ንጹር እዩ። ንሕና እውን ከም እብራውያን ክርስትያናት፡ ብዛዕባ እቲ ዕላማ ኽንፈልጥን ምስኡ ኽንተሓባበርን ንኽእል ኢና። ጳውሎስ እዚ ተስፋ እዚ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ምዃኑ ንምጕላሕ፡ ካብ ዘፍጥረት 2:2ን መዝሙር 95:11ን ጠቒሱ ኣሎ።

እቲ፡ “ናብ ዕረፍቱ [ዕረፍቲ ኣምላኽ] ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚተርፈልና” ዚብል ሓሳብ ንልብና ኺትንክፎ ኣለዎ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ናይ ምእታው ተስፋ ብሓቂ ኸም ዚፍጸም ንኣምን ኢና፣ ናብኡ ንምእታው ከኣ ስጕምትታት ወሲድና ኢና። ነዚ ግና፡ ሕጊ ሙሴ ንምሕላው ብምጽዓር ወይ ከኣ ብኻልእ ግብሪ ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ብምጽዓር ኣይኰንናን ጌርናዮ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብእምነት ብምምልላስን ምስቲ እተገልጸ ዕላማ ኣምላኽ ባህ ኢሉና ብምትሕብባርን ኢና ነዚ እንገብሮ። ብተወሳኺ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃሩን ዕላማ ኣምላኽ ኪፈልጡን ጀሚሮም እዮም። መብዛሕትኦም ከኣ ህይወቶም ኪቕይሩን ብእምነት ኪመላለሱን ተጠሚቖም ክርስትያናት ኪዀኑን ተደሪኾም እዮም። እቲ ዝገበርዎ ለውጢ፡ “ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን” ምዃኑ ብንጹር ዜረጋግጽ እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ዕላማ ኣምላኽ፡ ዛጊት ንህይወትና ጸልይዎ እዩ፣ ብሕጂ እውን እንተ ዀነ ኣብ ህይወትና ኺዓዪ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ