ንቘልዑ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪምህሮም ዚግባእ መን እዩ፧
“ተመሃሪ ኻብ መምህሩ ኣይበልጽን፡ ተምሂሩ ዝወድኤ ዅሉ ግና ከም መምህሩ እዩ ዚኸውን።”—ሉቃስ 6:40።
ገሊኦም ወለዲ፡ ንውሉዳቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ኪምህርዎም ብቕዓት ዘይብሎም ኰይኑ ይስምዖም። እኹል ትምህርቲ ስለ ዘይተማህሩ ወይ ብዛዕባ ሃይማኖት ብቑዕ ፍልጠት ስለ ዘይብሎም፡ ንፉዓት መምህራን ከም ዘይኰኑ ገይሮም ይሓስቡ ይዀኑ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ዘመዶም ወይ መራሒ ሃይማኖት ንደቆም ከም ዚምህሮም ይገብሩ።
ይኹን እምበር፡ ንቘልዑ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ሓቅታትን ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን ኪምህሮም ብቕዓት ዘለዎ መን እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዚብል መርምር፣ ሽዑ ነቲ ሓሳባት ምስቲ ተመራመርቲ ዝረኸብዎ ርኽበት ኣረኣእዮ።
ኣቦ እንታይ ግደ እዩ ዘለዎ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ “ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።”—ኤፌሶን 6:4።
ተመራመርቲ ዝረኸብዎ ርኽበት፦ ኣቦታት ድልዱል ሃይማኖታዊ እምነት እንተ ኣጥርዮም፡ እንታይ ጥቕሚ እዮም ዚረኸቡ፧ ብ2009 እተሓትመት ፋዘርስ ረሊጅየስ ኢንቮልቭመንት ኤንድ አርሊ ቻይልድሁድ ዘርእስታ ዓንቀጽ ከምዚ በለት፦ “ሰብኡት ኣብ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ዚገብርዎ ተሳትፎ፡ ንፉዓት ኣቦታት ንኪዀኑ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ሃይማኖት ንገሊኣቶም ውልቀ ሰባት፡ ማሕበራዊ ደገፍን መምርሕን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ህይወቶም ኪመርሑ ኸም ዚኽእሉ ዚሕብር ትምህርትታትን ስርዓታትን እውን ይህቦም እዩ።”
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣቦ ንደቁ ኣብ ምዕባይን ኣብ ምስልጣንን ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ የጕልሕ እዩ። (ምሳሌ 4:1፣ ቈሎሴ 3:21፣ እብራውያን 12:9) ኰይኑ ግና፡ እዚ ምኽሪ እዚ ሎሚ እውን ይዓዪ ድዩ፧ ብ2009 ዩኒቨርሲቲ ፍሎሪዳ ብዛዕባ እቲ ኣቦታት ኣብ ደቆም ዘለዎም ጽልዋ ዚገልጽ ጽሑፍ ኣሕቲሙ ነበረ። ተመራመርቲ ኣብቲ ጽሑፍ፡ ኣቦታት ኣብ ዕቤት ደቆም ብንጥፈት ዚካፈሉ እንተ ዀይኖም፡ እቶም ቈልዑ ሓለይቲ ኸም ዝዀኑን ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ዝሓሸ ግምት ከም ዚህልዎምን ገለጹ። ብዘይካዚ፡ ኣወዳት ጽቡቕ ጠባይ ኪህልዎም፡ ኣዋልድ ከኣ ዝሓሸ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኺህልወን ይኽእል እዩ። ብርግጽ እምበኣር፡ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ግዜና እውን ይዓዪ እዩ።
ኣደ ዘለዋ ግደ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፦ “ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።”—ምሳሌ 1:8።
ተመራመርቲ ዝረኸብዎ ርኽበት፦ ብ2006 ሃንድቡክ ኦቭ ቻይልድ ሳይኮሎጂ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣዴታት ብገምጋም ካብ 65 ክሳዕ 80 ሚእታዊት ዚኸውን ግዜአን ብቐጥታ ምስ ደቀን ስለ ዜሕልፋኦ፡ ካብ ኣቦታት ንላዕሊ እየን ምሳታቶም ግዜ ዜሕልፋ፣ እዚ መጠነ ዝምድና እዚ ኸኣ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ተመሳሳሊ እዩ” በለት። ሓንቲ ኣደ ኸምኡ ዓይነት ርክብ ካብ ሃለዋ እምበኣር፡ ዘረባኣን ተግባራን ኣረኣእያኣን ኣብ ዕቤት ውሉዳ ዓብዪ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ።
ኣቦን ኣደን ብሓባር ኰይኖም ንደቆም ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ ኺምህርዎም ከለዉ፡ እንተ ወሓደ ኽልተ ኽቡር ውህበት እዮም ዚህብዎም። ቀዳማይ፡ እቶም ቈልዑ ምስ ሰማያዊ ኣቦኦም ዕርክነት ንኺምስርቱ ዜኽእሎም ኣጋጣሚ ይረኽቡ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መላእ ህይወቶም ይጠቕሞም። ካልኣይ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ሸቶ ንምብጻሕ ብኸመይ ኪተሓባበሩ ኸም ዘለዎም ብኣብነት ይመሃሩ። (ቈሎሴ 3:18-20) ካልኦት ሰባት ንኣቦን ንኣደን ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ወለዲ እዮም ንደቆም ብዛዕባ ኣምላኽ ኪምህርዎምን ኣምላኽ ብዛዕባ ኣተኣላልያ ስድራ ቤት እንታይ ከም ዚብል ኬፍልጥዎምን ዘለዎም።
ይኹን እምበር፡ ወለዲ ንደቆም ብኸመይ እዮም ኪምህርዎም ዘለዎም፧ ኣየናይ ሜላ እዩ ብዝበለጸ ዚዓዪ፧