ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/9 ገጽ 4-6
  • ንዓለም ዚገዝኣ ዘሎ መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዓለም ዚገዝኣ ዘሎ መን እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዓለም ዚገዝኣ ዘሎ ደኣ መን እዩ፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ድያብሎስ ብሓቂ ዘሎ ኣካል ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ድያብሎስ ማሪታዊ እምነት ጥራይ ኣይኰነን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/9 ገጽ 4-6

ንዓለም ዚገዝኣ ዘሎ መን እዩ፧

ምናልባት ምስ መራሕቲ ጕጅለ ገበነኛታት ተራኺብካ ኣይትፈልጥን ትኸውን። ግናኸ የለዉን ማለት ድዩ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብውሕሉል መገዲ ንመንነቶም ኪሓብኡ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኖም እውን ዕዮኦም ኬሳልጡ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ እቲ ሓሽሽ ንምጥፋእ ዚግበር ውግእ፡ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ተግባር ምንዝርና፡ ከምኡውን ብዛዕባ ንሰባት ናይ ምሻጥ ንግድ ዚገልጽ ኣርእስተ ዜና ጋዜጣታት፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ገበነኛታት ከም ዘለዉ፡ ንጥፈታቶም ከኣ ሕማቕ ጽልዋን ዜስካሕክሕ ሳዕቤንን ከም ዘለዎ ዚሕብር እዩ። እቲ እቶም መራሕቲ ገበነኛታት ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ዜውርድዎ ጕድኣት፡ ብሓቂ ኸም ዘለዉ ዜርኢ እዩ።

እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰይጣን ናይ ሓቂ ኣካል ከም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ። ሰይጣን ልክዕ ከም ሓደ ሓያል ገበነኛ፡ ፍቓዱ ንምፍጻም ብ“ተኣምራት ሓሶትን” ብ“ጥበራ ዓመጻ”ን ይጥቀም እዩ። ብዘይካዚ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ “ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ።” (2 ተሰሎንቄ 2:9, 10፣ 2 ቈረንቶስ 11:14) በቲ ዜውርዶ ጕድኣት ከኣ፡ ብሓቂ ኸም ዘሎ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ሓደ ዘይርአን እኩይን መንፈሳዊ ፍጡር ምእማን የጸግሞም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ድያብሎስ እንታይ ከም ዚብል ቅድሚ ምምርማርና፡ ንብዙሓት ሰባት፡ ድያብሎስ ናይ ሓቂ ኣካል ከም ዝዀነ ንኸይኣምኑ ዚዕንቅፎም ግጉይ እምነታት እስከ ንርአ።

◼ “ከመይ ኢሉ እዩ እቲ ፈቃር ኣምላኽ ንድያብሎስ ኪፈጥሮ ዝኽእል፧” መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ከም ሕያዋይን ፍጹምን ገይሩ ስለ ዚገልጾ፡ እኩይን ተንኰለኛን ሕሱምን ፍጡር ከም ዝፈጠረ ዚገልጽ ሓሳብ ኣይወሓጠልካን ይኸውን። ከም ሓቂ ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጡር ከም ዝፈጠረ ኣይገልጽን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ፡ ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ፡ ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ” ይብል።​—ዘዳግም 32:4፣ መዝሙር 5:4።

ብቐንዱ ኼተሓሳስበና ዘለዎ፡ ሓደ ብኣምላኽ እተፈጥረ ፍጹም ፍጡር፡ ምስቲ ቕኑዕ ዝዀነ ነገር ዚጋጮ ተግባር ኪገብር ይኽእል እንተ ዀይኑ እዩ። ብመሰረቱ ኣምላኽ ንፍጡራቱ ኸም ሮቦት ገይሩ ዘይኰነስ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ከም ዚህልዎም ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። ስለዚ፡ ሓደ ፍጹምን ኣስተውዓልን ፍጡር፡ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ናይ ምግባር ምርጫ ኣለዎ። ከም ሓቂ እውን፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ዘለዎም ኣስተውዓልቲ ፍጡራት​—ሰባት ወይ መንፈሳውያን ፍጡራት​—ዚገብርዎ ተግባር ጥራይ እዩ ናይ ሓቂ ስነ ምግባራዊ ትርጕም ኪህልዎ ዚኽእል።

ስለዚ እምበኣር፡ ኣምላኽ ንፍጡራቱ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂብዎም ኬብቅዕ፡ እከይ ኪገብሩ እንተ መሪጾም ኪዓግቶም ኣይክእልን እዩ። የሱስ ብዛዕባ ድያብሎስ፡ “ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን” ኪብል ከሎ፡ ሰይጣን ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቱ ብዘይግቡእ ከም እተጠቕመሉ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (ዮሃንስ 8:44) እዚ ሓሳብ እዚ፡ እቲ ደሓር ድያብሎስ ዝዀነ ኣካል፡ ኣብ ፈለማ ፍጹም መንፈሳዊ ፍጡር ከም ዝነበረን ‘ኣብ ሓቂ ጸኒዑ’ ይመላለስ ምንባሩን ዚሕብር እዩ።a የሆዋ ኣምላኽ ንፍጡራቱ ስለ ዜፍቅሮምን ስለ ዚኣምኖምን እዩ ናይ ምምራጽ ናጽነት ከም ዚህልዎም ገይሩ ፈጢርዎም።​—ነታ፡ “ሓደ ፍጹም ፍጡር፡ ፍጽምናኡ ኼጥፍእ ይኽእልዶ፧” ዘርእስታ ኣብ ገጽ 6 ዘላ ሳጹን ርአ።

◼ “ድያብሎስ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ”፦ ገሊኣቶም ሰባት፡ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ እዮብ፡ ነዚ ዚድግፍ ሓሳብ ዘሎ ይመስሎም። ሓደ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርእይቶ ዚህብ ጽሑፍ፡ እቲ ድያብሎስ እተዛረቦ “ንምድሪ ዞይረያ . . . መጻእኩ” ዚብል ሓሳብ፡ ምስቲ ጥንታውያን ሰለይቲ ፋርስ ዚገብርዎ ዝነበሩ ዕዮ ኸም ዚመሳሰል ገለጸ፣ እዞም ሰለይቲ እዚኣቶም፡ ናብ እተፈላለየ ቦታታት ይጐዓዙን ናብ ንጉሶም ተመሊሶም ጸብጻብ የቕርቡን ነበሩ። (እዮብ 1:7) ይኹን እምበር፡ ድያብሎስ ብሓቂ ናይ ኣምላኽ ሰላዪ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ንኣምላኽ ‘ንምድሪ ዘይርዋ ኸም ዝመጸ’ ኺገልጸሉ መድለዮዶ፧ ብኣንጻሩ ግና፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ዚርከብ ጸብጻብ፡ ንድያብሎስ ከም ተሓባባሪ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ በቲ ሰይጣን ዚብል “ተጻራሪ” ዚትርጕሙ ስሙ እዩ ጸዊዕዎ ዘሎ፣ እዚ ኸኣ ቀንዲ ጸላኢ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዚሕብር እዩ። (እዮብ 1:6) ድያብሎስ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዚገልጽ ሓሳብ ደኣ እሞ ኻበይ እዩ መጺኡ፧

ካብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣትሒዙ፡ ኣቡኸሪፋዊ መጻሕፍቲ ኣይሁዳውያን፡ ንድያብሎስ፡ ምስ ኣምላኽ ከም ዚዋገ ግናኸ ንፍቓዱ ኸም ዚግዛእ ገይሩ እዩ ዚገልጾ ነይሩ። ከምቲ ጀፍሪ በርተን ራስል ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ኣብታ መፊስቶፍልስ እትበሃል መጽሓፉ ዝገለጾ፡ እቲ መራሒ ተሓድሶ ፕሮተስታንት ዝነበረ ማርቲን ሉተር፡ ንሰይጣን፡ ኣምላኽ “ንስፍራ ኣታኽልቱ ንምዅስኳስ ዚጥቀመሉ ጎዞሞ ወይ ጭዃሮ” ኸም ዝዀነ ገይሩ ይርእዮ ነበረ። ራስል ኣስዕብ ኣቢሉ ኸም ዝገለጾ፡ “እቲ ጭዃሮ ነቲ ጻህያይ ብምጥፋእ ይሕጐስ እዩ፣” ኰይኑ ግና፡ ኣብ ኢድ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ፍቓዱ እዩ ዚፍጽም። እቲ ጸኒሑ በቲ ፈረንሳዊ ናይ ሃይማኖት ምሁር ዝነበረ ጆን ካልቪን ተቐባልነት ዝረኸበ ትምህርቲ ሉተር፡ ፍትሒ ይናፍቑ ንዝነበሩ ብዙሓት ምእመናን ኣጕህይዎም እዩ። ከመይ ኢሉ እዩ እሞ እቲ ፈቃር ኣምላኽ፡ እከይ ኪህሉ ኻብ ምፍቃድ ሓሊፉ፡ ባዕሉ እከይ ከም ዚሰፍን ኪገብር ዚኽእል፧ (ያእቆብ 1:13) እዚ ሰረተ እምነት እዝን ኣብ መበል 20 ዘመን ዘጋጠመ ዜስካሕክሕ ፍጻመታትን፡ ንብዙሓት ሰባት ኣብ ኣምላኽን ኣብ ድያብሎስን ከም ዘይኣምኑ ገይርዎም እዩ።

◼ “ድያብሎስ ኣብ ውሽጢ ሰባት ንዘሎ እከይ ዜመልክት መጸውዒ ጥራይ ድዩ፧” ድያብሎስ ኣብ ውሽጢ ሰባት ንዘሎ እከይ ዜመልክት መጸውዒ ጥራይ ከም ዝዀነ ጌርና ንሓስብ እንተ ዄንና፡ ንገሊኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥቕስታት ክንርድኦ ኼጸግመና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ እዮብ 2:3-6 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ኣምላኽ ምስ መን እዩ ዚዘራረብ ነይሩ፧ ምስቲ ኣብ ውሽጢ እዮብ ዚርከብ ንእከይ ዜመልክት መጸውዒ ድዩ ዚዘራረብ ነይሩ፧ ወይ ከኣ ምስ ገዛእ ርእሱ ድዩ ዚዘራረብ ነይሩ፧ ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንእዮብ ኪንእዶ ድሕሪ ምጽናሕ፡ መሊሱ ኸኣ እዮብ በቲ ኣብ ውሽጡ ዚርከብ ንእከይ ዜመልክት መጸውዒ ኺፍተን ምፈቐደዶ፧ ከምኡ እንተ ዚገብር ነይሩ፡ እኩይ ምዀነ፣ “ኣብኡ . . . ዓመጻ የልቦን” ኪበሃል እውን ኣይምተኻእለን። (መዝሙር 92:15) ብኣንጻሩ ግና ኣምላኽ፡ ‘ኢዱ ዘርጊሑ’ ንእዮብ ኪጐድኦ ኣይፈተነን። ብንጹር እምበኣር፡ ድያብሎስ ኣብ ውሽጢ ሰባት ንዘሎ እከይ ዜመልክት መጸውዒ ጥራይ ኣይኰነን፣ ንኣሉታዊ ጐድኒ ባህርይ ኣምላኽ ዜመልክት እውን ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንርእሱ ጸላኢ ኣምላኽ ዝገበራ መንፈሳዊ ፍጡር እዩ።

ንዓለም ዚገዝኣ ዘሎ ደኣ መን እዩ፧

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ድያብሎስ ምእማን ከም ግዜኡ ዝሓለፎ ነገር ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ይኹን እምበር፡ ብዘይ ህልውና ድያብሎስ፡ ነዚ ዅሉ ዜጋጥም ዘሎ እከይ ክትገልጾ ኣጸጋሚ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንህልውና ድያብሎስ ዕሽሽ ምባል፡ ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ከም ዚነጽግዎን ንዝዀነ ይኹን ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን ከም ዚጥሕስዎን እዩ ዚገብር።

ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበረ ሻርል-ፒየር ቡድሌር ዝስሙ ገጣሚ፡ “ድያብሎስ ዚጥቀመሉ ዝበለጸ ሽጣራ፡ ከም ዘየለ ኼእምነና ብምፍታን እዩ” በለ። ድያብሎስ ንመንነቱ ብምሕባእ፡ ንህልውና ኣምላኽ ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ እዩ። ብሱሩኸ ድያብሎስ ዘየለ እንተ ዀይኑ፡ ኣምላኽ ጠንቂ ዅሉ እከይ ደይኰነን ዚኸውን፧ ከምኡ እንተ ዀይኑኸ፡ ድያብሎስ ሓሳብ ልቡ ደይኰነን ዚሰምረሉ፧

ድያብሎስ ዕላማኡ ንምፍጻም፡ ልክዕ ከም ሓለቓ ገበነኛታት ንናይ ሓቂ መንነቱ ይሓብእ እዩ። ዕላማኡ እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይአምኑ ኣዖሮ” ይብል።​—2 ቈረንቶስ 4:4።

ይኹን እምበር፡ ‘ኣምላኽ ነቲ ጠንቂ እዚ ዅሉ እከይን መከራን ዝዀነ ብምስጢር ዚንቀሳቐስ ገበነኛ እንታይ ኪገብሮ እዩ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። ነዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣምላኽ ነቲ ድያብሎስ ዘበገሶ ዕልወት ብኡንብኡ ዘየጥፈኦ ስለምንታይ ምዃኑ ኽትርዳእ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 ርአ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ድያብሎስ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ድዩ ወይስ ተጻራሪ ኣምላኽ፧

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሓደ ፍጹም ፍጡር፡ ፍጽምናኡ ኼጥፍእ ይኽእልዶ፧

ኣምላኽ ንኣስተውዓልቲ ፍጡራቱ ዚህቦም ፍጽምና፡ ተዛማዲ እዩ። ኣዳም ኪፍጠር ከሎ ፍጹም እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ብፈጣሪኡ እተገብረሉ ኣካላዊ ገደብ ግና ኬኽብሮ ነበሮ። ንኣብነት፡ ጐሓፍ፡ ጸጸር፡ ወይ ዕንጨይቲ እንተ በሊዑ፡ ኪሓምም ይኽእል ነበረ። ንሕጊ ስሕበት ዕሽሽ ብምባል ካብ ነዊሕ ጸድፊ እንተ ዘሊሉ እውን፡ ኪመውት ወይ ከቢድ ጕድኣት ኪወርዶ ይኽእል ነበረ።

ብተመሳሳሊ፡ ዝዀነ ይኹን ፍጹም ፍጡር​—ሰብ ወይ መልኣኽ—ነቲ ኣምላኽ ዘንበሮ ስነ ምግባራዊ ደረት እንተ ጥሒሱ፡ ኪጕዳእ ይኽእል እዩ። ሓደ ኣስተውዓሊ ፍጡር ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቱ ብዘይግቡእ እንተ ተጠቒምሉ፡ ብቐሊሉ ኣብ ጌጋን ሓጢኣትን ኪወድቕ ይኽእል እዩ።​—ዘፍጥረት 1:29፣ ማቴዎስ 4:4።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ