ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/9 ገጽ 7-9
  • እቲ ስዉር ገዛኢ ዓለም ተቓሊዑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ስዉር ገዛኢ ዓለም ተቓሊዑ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ርእሱ ገለጸ
  • ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ንተሓባበርቱ ሓይሊ ይህቦም
  • ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ናይ ሓቂ መንነቱ ኣርኣየ
  • ናይ መወዳእታ ጥፍኣት ድያብሎስ
  • ጸላኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ከምቲ የሱስ እተጻረሮ ‘ንድያብሎስ ተጻረሮ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ድያብሎስ ማሪታዊ እምነት ጥራይ ኣይኰነን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/9 ገጽ 7-9

እቲ ስዉር ገዛኢ ዓለም ተቓሊዑ

የሱስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ” በለ። ጸኒሑ እውን፡ ‘ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብኡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይብሉን’ ‘ከም እተፈርዶን’ ገለጸ። (ዮሃንስ 12:31፣ 14:30፣ 16:11) ብዛዕባ መን እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧

ነቲ የሱስ ብዛዕባ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” እተዛረቦ ነገራት ምስ መርመርና፡ ንኣቦኡ የሆዋ ኣምላኽ የመልክት ከም ዘይነበረ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ደኣ እሞ መን እዩ፧ ‘ናብ ወጻኢ ዚድርበን’ ‘ዚፍረድን’ ብኸመይ እዩ፧

“ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ርእሱ ገለጸ

ልክዕ ከምቲ ሓደ ዕሉል ገበነኛ ብሓይሉ ዚሕበን፡ ድያብሎስ እውን ነቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ኪፍትኖ ኸሎ፡ ከምኡ እዩ ገይሩ። ንየሱስ “መንግስትታት ኵላ ዓለም” ኣርኣዮ እሞ፡ “እዚ ስልጣን እዝን ብዘሎ ኽብረተንን ንኣይ ተውሂቡኒ እዩ እሞ፡ ኣነ ንዝደሌኹ እህቦ፡ ንኣኻውን ክህበካ እየ፡ ስለዚ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እንተ ሰገድካ፡ ኵሉ ናትካ ኪኸውን እዩ” በሎ።​—ሉቃስ 4:5-7።

ከምቲ ገሊኣቶም ዚብልዎ፡ ድያብሎስ ኣብ ውሽጢ ሰባት ንዘሎ እከይ ዜመልክት መጸውዒ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ነቲ ፈተና ብኸመይ ኢና ኽንገልጾ እንኽእል፧ የሱስ ብእኩይ ሓሳባት ወይ ደድሕሪ ጥምቀቱ ብዘጋጠሞ ጭንቀት ድዩ ዚፍተን ነይሩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ ደኣ እሞ፡ ከመይ ኢሉ እዩ “ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦን” ኪበሃል ዚከኣል፧ (1 ዮሃንስ 3:5) የሱስ ነቲ ድያብሎስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዘለዎ ሓይሊ ኣይከሓዶን፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ‘ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣን ቀታል ነፍስን ሓሳውን’ ከም ዝዀነ ተዛሪቡ እዩ።​—ዮሃንስ 14:30፣ 8:44።

ድያብሎስ ንክርስቶስ ካብ ዚፍትኖ ልዕሊ 60 ዓመት ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ንክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ድያብሎስ ዜሕድሮ ሓያል ጽልዋ ኼጠንቅቖም ከሎ፡ “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” በሎም። ኣብ ካልእ ጥቕሲ ኸኣ ብዛዕባ “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን” ተዛረበ። (1 ዮሃንስ 5:19፣ ራእይ 12:9) ብንጹር እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ዘይርአ መንፈስ ይገልጽ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ድያብሎስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ጽልዋ ዜሕድር፧

ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ንተሓባበርቱ ሓይሊ ይህቦም

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ክርስትያናት ንእምነት ዚገብርዎ ገድሊ ብዚምልከት ኪጽሕፍ ከሎ፡ ብዛዕባ እቶም ዝኸፍኡ ጸላእቲ ገሊጹ ነበረ። “እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን” በለ። (ኤፌሶን 6:12) ስለዚ፡ እዚ ቓልሲ እዚ፡ “ምስ ስጋን ደምን” ዘይኰነስ፡ ምስ “መናፍስቲ እከይ” ዚግበር ቃልሲ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ሰብኣዊ ቝጽጽር ወጻኢ እዩ።

ብመሰረት ገሊኡ ዘመናዊ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “መናፍስቲ እከይ” እትብል መግለጺት፡ ኣብ ውሽጢ ሰባት ንዘሎ እከይ እተመልክት መጸውዒት ዘይኰነትስ፡ ንብርቱዓት መንፈሳውያን ፍጡራት እያ እተመልክት። ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነታ መግለጺት ከምዚ ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ፦ “ኣብ ሰማያት ዘለዉ መንፈሳውያን ጭፍራ እከይ” (ሪቫይዝድ ስታንዳርድ ቨርዥን)፡ “ኣብ ሰማያት ዚርከቡ መንፈሳውያን ሰራዊት እከይ” (ዘ ጀሩሳሌም ባይብል)፡ “ኣብ ሰማያት ዘለዉ ልዕለ ሰብኣዊ ሓይልታት እከይ” (ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል)። ስለዚ፡ ድያብሎስ በቶም ልክዕ ከምኡ “መዓርጎም ዘይሐለዉ” ዓለወኛታት መላእኽቲ ኣቢሉ ንሓይሉ ይጥቀመሉ እዩ።​—ይሁዳ 6።

እታ ትንቢታዊት ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ዳንኤል፡ እቶም “ገዛእቲ ዓለም” ብኸመይ ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ንዓለም ይቈጻጸርዋ ኸም ዝነበሩ ትገልጽ እያ። ነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ እቶም ብ537 ቅ.ክ. ካብ ባርነት ባቢሎን ናብ የሩሳሌም እተመልሱ ኣይሁድ ኣዝዩ ስለ ዘተሓሳሰቦ፡ ንሰለስተ ሰሙን ምእንታኦም ጸለየ። እቲ ነቲ ነብዪ ምእንቲ ኼጸናንዖ ብኣምላኽ እተላእከ መልኣኽ ከኣ፡ ስለምንታይ ከም ዝደንጐየ ነገሮ። “እቲ መስፍን መንግስቲ ፋርስ ግና ዕስራን ሓደን መዓልቲ ተቓወመኒ” ድማ በሎ።​—ዳንኤል 10:2, 13።

እቲ ‘መስፍን ፋርስ’ መን እዩ፧ እቲ መልኣኽ ብዛዕባ እቲ ንዳንኤልን ንህዝቡን ዚድግፎም ዝነበረ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ሓደ መልኣኽ ኣብ ሓንቲ ለይቲ 185,000 ሓያላት ወተሃደራት ኪቐትል እናኸኣለ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ሓደ ሰብኣዊ ንጉስ ንሓደ መንፈሳዊ ፍጡር ንሰለስተ ሰሙን ኪቃወሞ ዚኽእል፧ (ኢሳይያስ 37:36) ስለዚ፡ እቲ ‘መስፍን ፋርስ’ ንሓደ ወኪል ድያብሎስ፡ ማለት ንሓደ ኣብ ልዕሊ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ስልጣን እተዋህቦ ጋኔን ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። እቲ መልኣኽ ኣምላኽ ጸኒሑ፡ እንደገና ምስ “መስፍን ፋርስ” ከም ዚዋጋእን ካልእ ጋኔን ዝዀነ መስፍን፡ ማለት “መስፍን ዮናኒ” ኸም ዚመጾን ገሊጹ ነይሩ እዩ።​—ዳንኤል 10:20።

እሞኸ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና ኽንበጽሕ እንኽእል፧ ዘይርኣዩ “ገዛእቲ ዓለም” ወይ ኣጋንንቲ ዝዀኑ መሳፍንቲ ኸም ዘለዉ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ቐንዲ ብዓል ስልጣን ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ኰይኖም ከኣ ንዓለም ከም ዚቈጻጸርዋ ኢና ኽንድምድም እንኽእል። ግናኸ ዕላማኦም እንታይ እዩ፧

ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ናይ ሓቂ መንነቱ ኣርኣየ

ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብታ ኣብ መወዳእታ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ራእይ፡ የሱስ ከም ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መጠን ንድያብሎስን ንኣጋንንቱን ከም ዚስዕሮም ገሊጹ ነይሩ እዩ፣ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ምስ ተሰጕጉ ብዛዕባ ዜጋጥም ሓደገኛ ዅነታት እውን ሓቢሩ ነይሩ እዩ። “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ፡ ወይለኹም” በለ።​—ራእይ 12:9, 12።

ድያብሎስ ብርቱዕ ቍጥዓኡ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ከምቲ እቶም ተስፋ ዝቘረጹ ገበነኛታት ነቲ ‘ግዛእ ወይ ኣዕኑ’ ዚብል ኣተሓሳስባ ዚስዕቡ፡ ንሱን ኣጋንንቱን እውን ንምድርን ንተቐማጦኣን ኬጥፍእዎም ቈሪጾም እዮም ዘለዉ። ድያብሎስ፡ ቍሩብ ግዜ ኸም ዘለዎ ስለ ዚፈልጥ፡ ነቲ ኣገዳሲ መዳይ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዝዀነን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ዚርከብን ንግዲ ብምጥቃም፡ ናይ ምዕዳግ መንፈስ ከም ዜስፋሕፍሕ ይገብር ኣሎ፣ ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ባህርያዊ ጸጋታት ይጽንቀቕን ከባቢ ይብከልን ደቂ ሰብ ኣብ ሓደጋ ይኣትዉን ኣለዉ።​—ራእይ 11:18፣ 18:11-17።

ካብ መጀመርታ ታሪኽ ደቂ ሰብ ኣትሒዙ፡ ድያብሎስ ሓይሊ ንምርካብ ዘለዎ ጽምኢ፡ ኣብ ፖለቲካን ሃይማኖትን ተራእዩ እዩ። መጽሓፍ ራእይ ንፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ድያብሎስ “ብዙሕ ስልጣን” ምስ ዝሃቦም ኣራዊት እያ እተመሳስሎም። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዘሎ ዜሕፍር ኪዳን ትገልጽ እያ፣ እቲ ኺዳን እቲ፡ መንፈሳዊ ዝሙት ከም ዝዀነ ኸኣ ትሕብር እያ። (ራእይ 13:2፣ 17:1, 2) ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ዘጋጠመ ግፍዕን ባርነትን ውግእን ዓሌታዊ ግጭትን ከምኡውን ብዛዕባ እቶም ብሰሩ ዝሞቱ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እሞ ሕሰብ። እቲ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ዘጋጠመ ዜስካሕክሕን ዜሰንብድን ፍጻመታት፡ ብሰባት ጥራይ እተገብረ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ወይስ እቶም ብዓይኒ ዘይርኣዩ መናፍስቲ እከይ ነቲ ፍጻመታት ይቈጻጸርዎ ስለ ዘለዉ እዩ ኣጋጢሙ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንነት እቲ ንሰብኣውያን መራሕትን ንሓይልታት ዓለምን ዚቈጻጸሮም ዘሎ ኣካል ብንጹር ይገልጽ እዩ። ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ፡ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ንባህርይ መራሒኡ የንጸባርቕን ነቲ ‘ግዛእ ወይ ኣዕኑ’ ዚብል ኣተሓሳስባ ይስዕብን ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ደቂ ሰብ ክሳዕ መዓስ እዮም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ድያብሎስ ኪሳቐዩ፧

ናይ መወዳእታ ጥፍኣት ድያብሎስ

ክርስቶስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ምድሪ ዚገብሮ ዝነበረ ንጥፈታት፡ ድያብሎስን ኣጋንንቱን ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዚጠፍኡ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ፡ ኣጋንንቲ ኸም ዘውጽኡ ምስ ነገርዎ፡ ንሱ፡ “ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ” በሎም። (ሉቃስ 10:18) ነዘን ቃላት እዚኣተን ኪዛረበን ከሎ፡ ነቲ ናብ ሰማይ ተመሊሱ ኸም ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መጠን ንገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዚስዕረሉ ኣጋጣሚ ብምሕሳብ ተሓጐሰ። (ራእይ 12:7-9) ብዛዕባ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እተገብረ ዓሚቝ መጽናዕቲ፡ የሱስ ብ1914 ወይ ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ሰማይ ከም እተዓወተ ይሕብር እዩ።a

ድያብሎስ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ ዚጠፍኣሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ይፈልጥ እዩ። ‘ብዘላ ዓለም ብእኡ ተታሒዛ እኳ እንተ ሃለወት፡’ ካብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ዝወጹ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ንመንፈሳዊ ዓይኖም ስለ ዘብርሃሎም፡ ነቲ ናይ ሓቂ መንነትን ውዲትን ድያብሎስ ኪፈልጡ ኽኢሎም እዮም። (2 ቈረንቶስ 2:11) ካብቲ ጳውሎስ ንክርስትያን ብጾቱ ዝጸሓፈሎም፡ “ኣምላኽ ሰላም ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ኪቕጥቅጦ እዩ” ዚብል ቃላት፡ ተስፋ ይረኽቡ እዮም።b—ሮሜ 16:20።

ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ድያብሎስ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ኪጠፍእ እዩ። ቅኑዓት ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ እቲ ፍቕራዊ ግዝኣት ክርስቶስ ኰይኖም፡ ንምሳልያዊ መርገጽ እግሪ ኣምላኽ፡ ማለት ንምድሪ ናብ ገነት ኪቕይርዋ እዮም። ዓመጽን ጽልእን ስስዐን ከኣ ንዘለኣለም ኪጠፍእ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን [እዩ]” ይብል። (ኢሳይያስ 65:17) እቶም ካብ ግዝኣት እቲ ስዉር ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ናጻ ዝወጹ ሰባት፡ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ዀን እዮም ኪረኽቡ!

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ እዚ ዕለት እዚ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 215 ክሳዕ 218 ዚርከብ መመላእታ ጽሑፍ ርአ።

b እተን ጳውሎስ ዝጸሓፈን ቃላት፡ ምስቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ዚርከብ ብዛዕባ ጥፍኣት ድያብሎስ ዚገልጽ ናይ መጀመርታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማምዓ እየን። ነቲ ፍጻመ ንምግላጽ ከኣ፡ “ምሕምሻሽ፡ ምድርዓም፡ ምስብባር” ዚብል ትርጕም ዘለዋ ናይ ግሪኽኛ ቓል እዩ ተጠቒሙ።—ቫይንስ ኮምፕሊት ኤክስፖዚቶሪ ዲክሽነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ቅኑዓት ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ፍቕራዊ ግዝኣት ክርስቶስ ኰይኖም፡ ንምድሪ ናብ ገነት ኪቕይርዋ እዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ