5 ኣምላኽ ንዅሉ ብቕንዕና ዚቐርበሉ ኣምልኾ ይቕበሎ እዩ እዝስ ሓቂ ድዩ፧
ንስኻ ዝሰማዕካዮ፦ “ልክዕ ከምቲ ናብ ሓደ ቦታ ንምብጻሕ ብእተፈላለየ መገዲ እንኸይድ፡ ናብ ኣምላኽ ንምብጻሕ እውን ብዙሕ መገድታት እዩ ዘሎ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናብ ኣምላኽ ዚመርሖ መገዲ ኼናዲ ኣለዎ።”
መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ፦ ንኣምላኽ ብቕንዕና ኸነምልኾ ስለ ዘሎና፡ ኣምሰሉን ግቡዛትን ክንከውን የብልናን። የሱስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣምላኽ ስለምንታይ ከም ዝነጸጎም ኪገልጸሎም ከሎ፡ “ከምቲ ጽሑፍ፤ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ . . . ዚብል፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ ተነበየ” በሎም። (ማርቆስ 7:6) ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ንኣምልኾና ኪቕበሎ እንተ ደሊና፡ ቅንዕና ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን።
የሱስ፡ ኣምልኾ እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ሰዓብቶምን ብዛዕባ ዝነበሮ ጕድለት ኪገልጽ ከሎ፡ ነቲ፡ “ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሀሩ፡ ብኸንቱ እዮም ዜምልኹኒ” ዚብል ቃላት ኣምላኽ ጠቐሰ። (ማርቆስ 7:7) ከም ሓቂ ኸኣ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ሰዓብቶምን ካብ መለክዒታት ኣምላኽ ንላዕሊ ንሃይማኖታዊ ልምዶም የቐድሙ ስለ ዝነበሩ፡ ኣምልኾኦም “ከንቱ” እዩ ነይሩ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናብ ኣምላኽ ዜብጽሕ እተፈላለየ መገዲ ኸም ዘሎ ዘይኰነስ፡ ሓንቲ መገዲ ጥራይ ከም ዘላ እዩ ዚምህር። ማቴዎስ 7:13, 14፡ “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፋሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚአትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ” ትብል።
ነቲ ሓቂ ምፍላጥካ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ፦ ኣብ ውድድር ማራቶን ክትወዳደር ኢልካ ንኣዋርሕ ድሕሪ ምልምማድካ፡ ቀዳማይ ኴንካ ነቲ ውድድር እኳ እንተ ወዳእካዮ፡ ከይፈለጥካ ሕጊ ስለ ዝጠሓስካ፡ ከይተሸለምካ ትተርፍ። ኵሉ እቲ ዝገበርካዮ ጻዕሪ ብላሽ እዩ ዚኸውን። ኣብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣምልኾ፡ ከምኡ ኼጋጥመና ይኽእልዶ፧
ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣምልኾና ምስ ስፖርታዊ ውድድር ብምምስሳል፡ “ሓደ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ዀይኑ ዚቃለስ፡ ከምቲ ሕጉ ገይሩ እንተ ዘይተቓለሰ፡ ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 2:5) ንሕና እውን ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ እንኽእል፡ “ከምቲ ሕጉ፡” ማለት በቲ ኣምላኽ ዚሰምሮ መገዲ ንመላለስ እንተ ዄንና እዩ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ጐያዪ ብዝደለዮ መገዲ ጐይዩ ኺሽለም ዘይጽበ፡ ንሕና እውን ብርእስና ናብ ኣምላኽ ዚመርሓና መገዲ ኽንመርጽ ኣይንኽእልን ኢና።
ንኣምላኽ ከነሐጕሶ እንተ ደሊና፡ ኣምልኾና ኻብ ዝዀነ ይኹን ብዛዕባኡ ዚንዛሕ ሓሶት ናጻ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ፡ “እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 4:23) ስለዚ እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ናብ ኣምላኽ ዚመርሕ ናይ ሓቂ መገዲ ኽንመሃር እንኽእል፡ ካብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።—ዮሃንስ 17:17።a
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 15 ርአ።
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ኣምላኽ በቲ ንሱ ዚሰምሮ መገዲ ኺምለኽ ከም ዘለዎ ዚምህራ፡ ኵለን ሃይማኖታት ድየን፧