‘ኣኽብሮት ዚግብኦም ተቓወምቲ’
ኣዶልፍ ሂትለር ቻንስለር ጀርመን ኰይኑ ኣብ ዚመርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸር ደብዳበታት ይመጾ ነበረ። ብ1945 ሩስያውያን ንኸባቢ በርሊን ምስ ተቘጻጸርዎ፡ ሓያሎ ደብዳበታት ናብ ሞስኮ ተወሲዱ ተኸዘነ። ሄንሪክ ኤብሊ ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ፡ ንሂትለር መን ከም ዝጸሓፈሉን ስለምንታይ ከም እተጻሕፈሉን ንምጽናዕ፡ ነቲ ኣብ መዛግብቲ ሞስኮ ዚርከብ ብኣሽሓት ዚቝጸር ደብዳበታት መርሚርዎ ነበረ። ነቲ ዝበጽሖ መደምደምታ ኸኣ ኣብታ ብሪፈ ኣን ሂትለር (ናብ ሂትለር እተላእከ ደብዳበታት) ዘርእስታ መጽሓፉ ኣሕተሞ።
ዶክተር ኤብሊ፡ “መምህራንን ተመሃሮን፡ ደናግልን ኣቕሽሽትን፡ ስራሕ ዘይብሎም ሰባትን ሰብ ዓብዪ ንግድን፡ ኣድሚራላትን ወተሃደራት ናዝን ንሂትለር ይጽሕፉሉ ነበሩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ገሊኣቶም ከም ካልኣይ ሳዕ እተወልደ መሲሕ ብምርኣይ የኽብርዎ ነበሩ፣ ገሊኣቶም ከኣ ከም ቀንዲ መግለጺ እከይ ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ” በለ። እሞኸ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ነቲ ናዚ ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ግፍዒ ዚቃወም ደብዳበ ንሂትለር ጽሒፎምሉዶ፧ እተወሰነ ደብዳበታት እኳ እንተ ጸሓፉሉ፡ ሒደትን ሓሓሊፍካን እዮም ዚጽሕፉ ነይሮም።
ይኹን እምበር፡ ኤብሊ ኣብቲ ኣብ ሞስኮ ዝነበረ መዛግብቲ፡ ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ጀርመን ካብ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ሂትለር እተላእከ ሓያሎ ደብዳበታት ዝሓዘ ፋይል ረኸበ፣ እቲ ደብዳበታት፡ ንተግባር ናዚ ዚቃወም ሓሳባት ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ኣብ 50 ሃገራት ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚወርድ ዝነበረ ግፍዒ ብምቅዋም፡ ንሂትለር ኣስታት 20,000 ናይ ተቓውሞ ደብዳበን ቴሌግራምን ለኣኹሉ። ከመይሲ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣሲሮም፡ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ኸኣ ተቐቲሎም ወይ ብሰንኪ እቲ ዝወረዶም ግፍዒ ሞይቶም እዮም። ዶክተር ኤብሊ ኺዛዝም ከሎ፡ “እዚ ቝጽሪ እዚ [ቍጽሪ እቶም ግዳያት ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ምስቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ግዳያት ስርዓት ናዚ ኺነጻጸር ከሎ፡ ሒደት እዩ። ይኹን እምበር፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብምኽንያት እቲ ብሓድነትን ብጽንዓትን ዝገበርዎ ተቓውሞ፡ ኣኽብሮት ይግብኦም እዩ” በለ።