ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/11 ገጽ 30-31
  • ካብ እቶን ሓዊ ድሒኖም!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ እቶን ሓዊ ድሒኖም!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ዘይተሓስበ ውጽኢት ዘምጽአ ውዲት ቅትለት!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንዘጋጠሞ ፈተና ተቓወመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ገነት ብኸመይ ከም ዝጠፍአት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/11 ገጽ 30-31

ንመንእሰያት

ካብ እቶን ሓዊ ድሒኖም!

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ቀንዲ ገጸ ባህርያት፦ ሲድራቅ፡ ሚሳቅ፡ ዓብድ-ኔጎ፡ ነቡካድነጻር

ጽማቝ፦ እምነት ሰለስተ እብራውያን መንእሰያት ተፈተነት።

1 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።​—ዳንኤል 3:1-30 ኣንብብ።

ቍጽሪ 3-7 ኸተንብብ ከለኻ “እተሰምዓካ” ድምጺ ግለጾ።

_______

እቲ እቶን ሓዊ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ግለጽ።

_______

ነቡካድነጻር፡ ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮ ሾብዓተ ኢድ ዝበለጸ ኼንድድዎ ኺእዝዝ ከሎ፡ እንታይ ዓይነት ስምዒት ዝነበሮ ይመስለካ (ቍጽሪ 19ን 20ን ደጊምካ ኣንብብ።)

_______

ነቲ ኣብቲ እቶን ዘሎ ራብዓይ ሰብ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ኸለኻ፡ እንታይ ከም ዚመስል ግለጽ። (ቍጽሪ 24ን 25ን ደጊምካ ኣንብብ።)

_______

ኣብ ቍጽሪ 16-18፡ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ንነቡካድነጻር ኪዛረብዎ ኸለዉ እንታይ ባህርያት ዘንጸባረቑ ይመስለካ፧

_______

2 ዝያዳ ምርምር ግበር።

በቲ ኽትረኽቦ እትኽእል ንምርምር ዚሕግዝ ናውቲ ጌርካ፡ ሓደ እመት ክንደይ ከም ዝዀነ ፍለጥ እሞ፡ እቲ ነቡካድነጻር ዝሰርሖ ምስሊ ቝመቱን ጐድኑን ክንደይ ከም ዝነበረ ግለጽ። (ቍጽሪ 1 ደጊምካ ኣንብብ።)

_______

ንቝጽሪ 19ን 20ን ምስ ቍጽሪ 28ን 29ን ከተረኣእዮ ኸለኻ፡ ነቡካድነጻር እንታይ ዓይነት ሰብ ዝነበረ ይመስል፧

_______

3 ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

ንሰበ ስልጣን ምኽባር።

_______

ኣብ እምነትካ ጽኑዕ ምዃን ዘለዎ ኣገዳስነት።

_______

ኣብ እዋን ፈተና የሆዋ ዚሕግዘና ምዃኑ።

_______

ተወሳኺ ኣወዓዕላ።

እምነትካ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እያ ኽትፍተን እትኽእል፧

_______

ታሪኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን፡ እሙን ንኽትከውን ብኸመይ እዩ ዚሕግዘካ፧

_______

4 ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

_______

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻልእ ጽሑፋት ንምርካብ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓትቶም ወይ ኣብ www.watchtower.org ከተንብብ ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ