“ሕጂ ስንክልቲ እየ፡ ንዘለኣለም ግና ኣይኰነን!”
ሳራ ቫን ደር ሞንድ ዘዘንተወቶ
ሰባት መብዛሕትኡ እዋን፡ “ሳራ፡ ገጽኪ ዅሉ ሳዕ ፍሽሑው እዩ። ወትሩ ሕጕስቲ ዝዀንኪ ስለምንታይ ኢኺ፧” ኢሎም ይሓትቱኒ እዮም። ኣነ ኸኣ፡ ፍሉይ ተስፋ ኸም ዘሎኒ እነግሮም። “ሕጂ ስንክልቲ እየ፡ ንዘለኣለም ግና ኣይኰነን!” እውን እብሎም።
ብ1974 ኣብ ፓሪስ፡ ፈረንሳ፡ እየ ተወሊደ። ክውለድ ከለኹ ጸገም ኣጋጠመኒ፣ ድሕሪ ግዜ ድማ መልመስቲ ሓንጐል ከም ዘሎኒ ተፈልጠ። ንመሓውረይ ከም ድላየይ ከንቀሳቕሶን ብንጹር ክዛረብን ኣይክእልን እየ። ሕማም ምንፍርፋር እውን ሓዘኒ፣ ብቐሊሉ ኸኣ ብሕማም እጥቃዕ ነበርኩ።
ጓል ክልተ ዓመት ከለኹ፡ ስድራ ቤትና ናብ ሜልቦርን፡ ኣውስትራልያ፡ ገዓዘት። ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ኣቦይ ንዓይን ንኣደይን ራሕሪሑና ኸደ። ንመጀመርታ እዋን ናብ ኣምላኽ ዝቐረብኩ ዀይኑ እተሰምዓኒ፡ ሽዑ እዩ ነይሩ። እታ ሓንቲ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነት ኣደይ፡ ኣዘውቲራ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ትወስደኒ ነበረት፣ ኣብኡ ድማ ኣምላኽ ከም ዜፍቅረንን ብዛዕባይ ከም ዚግደስን እመሃር ነበርኩ። ዋላ እኳ ዅነታትና እንተ ተቐየረ፡ እዚ ፍልጠት እዚ ምስቲ ኻብ ኣደይ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ፍቕርን ምጽንናዕን ተደሚሩ፡ ድሕንነት ንኺስምዓኒ ሓጊዙኒ እዩ።
ኣደይ፡ ናብ የሆዋ ብኸመይ ክጽሊ ኸም ዝኽእል እውን ምሂራትኒ እያ። ከም ሓቂ እኳ፡ ካብ ምዝራብ ንላዕሊ፡ ምጽላይ እዩ ዚቐለኒ። ከመይሲ፡ ክጽሊ ኸለኹ፡ ነቲ ዝዛረቦ ሓሳብ ብቓላት ንኽገልጾ ኽቃለስ ኣየድልየንን እዩ፣ ኣብ ኣእምሮይ ግና ዅሉ ንጹር እዩ ዚዀነለይ። ብንጹር ክዛረብ ስለ ዘይክእል፡ የሆዋ ንዅሉ እቲ ብውሽጠይ ይኹን ወታእታእ እናበልኩ ዝዛረቦ ቓላት ከም ዚርድኦ ምፍላጠይ፡ የሐጕሰኒ እዩ።—መዝ. 65:2።
ምስ ጸገማት ምቅላስ
ጓል ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ እቲ መልመስቲ እናኸፍአ ስለ ዝኸደ፡ ስንኩላን ኣብ እግሮም ዚግጠመሎም ሓጺን ክገብር ነበረኒ። ክኸይድ ከለኹ፡ ነነው ነነው እብል ነበርኩ። ጓል 11 ዓመት ምስ ኰንኩ እሞ ኸኣ፡ ብእግረይ ክኸይድ እውን ኣይክእልን እየ ነይረ። ድሕሪ ግዜ፡ ብዘይ እታ እተልዕለኒ ብኤለክትሪክ እትሰርሕ ማሽን፡ ናብ ዓራት ክድይብ ኰነ ኻብኡ ኽወርድ ኣይከኣልኩን፣ እታ ማሽን ካብ ዘለኽዎ ኣልዒላ ኣብታ ብኢደይ እናተቘጻጸርኩ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐሰላ ሞተር ዘለዋ ብሽክለታ ስንኩላን ተንብረኒ።
ሓድሓደ ግዜ፡ ስንክልናይ ኣመና ኺደቝሰኒ ኸሎ፡ ነታ፡ “በቲ ኽትገብሮ ዘይትኽእል ነገራት ኣይትጨነቕ። ኣብቲ ኽትገብሮ እትኽእል ጥራይ ኣተኵር” እትብል ናይ ስድራ ቤትና ጭርሖ እየ ዝዝክር። እዚ ኸኣ፡ ፈረስ ንኽጋልብ፡ ኣብ ባሕርን ብታንኳን ኣብ ዚግበር ውድድር ንኽካፈል፡ ኣብ ግዳም ድንኳን ተኺለ ንኽሓድር፡ ከምኡውን ብዙሓት ማካይን ኣብ ዘይብሉ ቦታታት ማኪና ንኽዝውር ሓጊዙኒ እዩ። ስነ ጥበብ ስለ ዝፈቱ፡ እስእልን ክዳን እሰፍን ድርዕቶ አዳሉን ሪካሞ እርክምን ስርሓት ካይላ እሰርሕን ነበርኩ።
ገሊኣቶም ሰባት ንስንክልናይ ምስ ረኣዩ፡ ብርእሰይ ንኣምላኽ ከምልኾ ዘይክእል ይመስሎም ነበረ። ጓል 18 ዓመት ከለኹ፡ ሓንቲ መምህረይ ንሃይማኖት ኣደይ ሓዲገ ኻብ ቤት ክወጽእ መኸረትኒ። መንበሪ ንኽረክብ ከም እትሕግዘኒ እውን ኣረጋገጸትለይ። ኣነ ግና፡ ንእምነተይ ከም ዘይሓድጎ፡ ካብ ቤት ክወጽእ እንተ ዀይነ ኸኣ፡ ብርእሰይ ክነብር ምስ ተዳለኹ ኸምኡ ኸም ዝገብር ነገርክዋ።
ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ከኣ፡ ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ኣፓርታማ ገዓዝኩ። ሕጂ፡ ዜድልየኒ ሓገዝን ዝምነዮ ዝነበርኩ ናጽነትን ብምርካበይ ሕጕስቲ እየ።
ዘይሓሰብክዎ ሕቶ መርዓ ቐረበለይ
ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ካልእ ናይ እምነት ፈተናታት እውን ኣጋጢሙኒ እዩ። ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ኸማይ ስንኩል መማህርተይ ሕቶ መርዓ ምስ ኣቕረበለይ፡ ኣዝየ ሰምበድኩ። ኣብ ፈለማ፡ ኣዝየ ተሓጐስኩ። ልክዕ ከም ካልኦት መንእሰያት ኣዋልድ፡ መጻምድቲ ኽረክብ እደሊ እየ። ኰይኑ ግና፡ ክልቴና ሓባራዊ ነገር ስለ ዘሎና፡ ማለት ክልቴና ስንኩላን ምዃንና ጥራይ፡ ንሓዳርና ሕጉስ ይገብሮ እዩ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ እቲ ወዲ ኸም ናተይ ዓይነት እምነት ኣይነበሮን። እምነትናን ንጥፈትናን ሸቶናን ነንበይኑ እዩ ነይሩ። ከመይ ኢልና ኢና ደኣ እሞ ብሓደ ኽንነብር እንኽእል፧ ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ንኣማኒ ዝዀነ ብጻይ ጥራይ ክንምርዖ ኸም ዘሎና ዚገልጽ ንጹር መምርሒ ኽእዘዝ ቈሪጸ እየ ነይረ። (1 ቈረ. 7:39) ስለዚ፡ ነቲ መንእሰይ ብሕያውነት፡ ንሕቶኡ ኸም ዘይተቐበልክዎ ነገርክዎ።
ክሳዕ ሎሚ፡ ቅኑዕ ምርጫ ዝገበርኩ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ብሓጐስ ከም ዝነብር ኣይጠራጠርን እየ። (መዝ. 145:16፣ 2 ጴጥ. 3:13) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ንየሆዋ እምንቲ ክኸውንን በዚ ሕጂ ዘለኽዎ ዅነታት ዓጊበ ኽነብርን ቈሪጸ እየ።
ነታ ኻብታ ሕጂ ዘለኽዋ ብሽክለታ ስንኩላን ዘሊለ ብምትንሳእ ከም ልበይ ዝጐይየላ መዓልቲ እናፍቓ እየ። ሽዑ ዓው ኢለ፡ “ስንክልቲ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ሕጂ ግና ንዘለኣለም ሓውየ እየ” ኽብል እየ።