መለኮታዊ ስምን ኣልፎንሶ ደ ዛሞራ ቕኑዕ ጽሑፍ ንምድላው ዝገበሮ ጻዕርን
ብ1492 እቶም ንጉስን ንግስትን ስጳኛ ዝነበሩ ፈርዲናንድን ኢዛቤላን ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ኣዋጅ ኣውጽኡ፦ “ኣብ መወዳእታ ሓምለ እዛ ዓመት እዚኣ፡ ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ ኸምኡውን ዕድሚኦም ብዘየገድስ፡ ኵሎም ኣይሁዳውያን፡ ማለት ኣወዳቶም፡ ኣዋልዶም፡ ግዙኣቶም፡ ኣግራዶም፡ ኰታስ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤት ካብ ኵሉ መንግስትናን ግዝኣትናን ኪወጹ ኣዚዝና ኣለና፣ ኪምለሱ እንተ ፈቲኖም ከኣ፡ ኣብኣ ይረኽብዋ።”
ብምኽንያት እዚ ኣዋጅ እዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ስጳኛ ዝነበረት ኣይሁዳዊት ስድራ ቤት፡ ወይ ካብ ስጳኛ ኽትወጽእ ወይ ከኣ ንሃይማኖታ ኽትቅይር ነበራ። ሓደ ዃን ደ ዛሞራ ዚብሃል ረቢ፡ ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ብምዃን ኣብታ ኣቦሓጎታቱ ንወለዶታት ዚነብሩላ ዝነበሩ ስጳኛ ምንባር ዚሓይሽ ኰይኑ ተሰምዖ። ኣይሁዳዊ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ንኣልፎንሶ ወዱ ኣብቲ ኣብ ዛሞራ ዝነበረ ውሩይ ቤት ትምህርቲ እብራይስጢ ኣምሂርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጸኒሑ ኣልፎንሶ ንላቲንን ንግሪኽኛን ንኣረማይስጥን ኣጸቢቑ መለኾ። ትምህርቱ ምስ ወድአ ኸኣ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳላማንካ፡ እብራይስጢ ኺምህር ጀመረ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ኣልፎንሶ ዝነበሮ ናይ ቋንቋ ኽእለት፡ ንብምሉኦም እቶም ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት ጠቒምዎም እዩ።
ብ1512 ዩኒቨርሲቲ ኣልካላ ደ ኤናሬስ ንኣልፎንሶ ደ ዛሞራ፡ ኣቦ መንበር መጽናዕትታት እብራይስጢ ኪኸውን መረጾ። ዛሞራ ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ውሩያት ምሁራት ስለ ዝነበረ፡ ካርዲናል ሄሜኔዝ ደ ሲስኔሮስ ዝስሙ መስራቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንዛሞራ፡ ነቲ ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ ቛንቋ ዚብሃል ኣገዳሲ ዕዮ ኣብ ምዕያይ ንኺሕግዝ ኣእመኖ። እዚ ሽዱሽተ ጥራዝ ዝነበሮ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ እብራይስጢ፡ ግሪኽኛ፡ ላቲን፡ ከምኡውን እተወሰነ ኽፋል ኣረማይስጢ ዘጠቓለለ ቕዱስ ጽሑፍ እዩ ነይሩ።a
ማሪያኖ ሬቢልያ ሪኮ ዚብሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር፡ ብዛዕባ እቲ ዕዮ ኺገልጽ ከሎ፡ “ካብቶም ኣብቲ ካርዲናል [ሲስኔሮስ] ዚመርሖ ዝነበረ ዕዮ እተሳተፉ ሰለስተ ሃይማኖቶም ዝቐየሩ ኣይሁዳውያን፡ ኣልፎንሶ ደ ዛሞራ ውሩይ እዩ ነይሩ፣ እዚ ብሰዋስውን ብፍልስፍናን ክኢላ ዝነበረን ንታልሙድ ኣጸቢቑ ዚፈልጦ ዝነበረን ሰብኣይ፡ ናይ ላቲንን ግሪኽኛን እብራይስጥን ኣረማይስጥን ምሁር እውን እዩ ነይሩ” በለ። ሪኮ በቲ ዛሞራ ዝገበሮ መጽናዕትታት ተደሪኹ፡ ቅኑዕ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው፡ ብዛዕባ በዅሪ ቛንቋታት ሰፊሕ ፍልጠት ከም ዜድሊ ደምደመ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ መጀመርታ መበል 16 ዘመን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍልጠት ኪውስኽ ዚጽዕሩ ዝነበሩ ሰባት ኰነ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ዛሞራ ዝነበረሉ ግዜን ቦታን ኣዝዩ ሓደገኛ ስለ ዝነበረ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍልጠት ከም ዚሰፍሕ ምግባር ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ናይ ስጳኛ ፍርዲ መናፍቓን ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ እዩ በጺሑ ነይሩ፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከኣ ነቲ ናይ ላቲን ቩልጌት ጥራይ እያ ኸም “ቅቡል” ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ገይራ እትርእዮ ነይራ። ኰይኑ ግና፡ ካብ ማእከላይ ዘመን ኣትሒዙ፡ ናይ ካቶሊክ ምሁራት ድሮ ንጕድለት እቲ ናይ ላቲን ቩልጌት ኣስተብሂሎምሉ ነይሮም እዮም። ኣብ መጀመርታ መበል 16 ዘመን ከኣ፡ ኣልፎንሶ ደ ዛሞራን ካልኦትን ነዚ ምእንቲ ኼመሓይሽዎ፡ ዕዮ ጀመሩ።
‘ንምድሓን፡ ትርጕም የድሊ’
ካብቲ ዛሞራ ዝዓየዮ ዕዮ እቲ ኣዝዩ ህቡብ፡ ነቲ መብዛሕትኡ እዋን ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋትን ነቲ ናብ ላቲን እተተርጐመ ጽሑፍን ዝሓዘ ሕታም እዩ ነይሩ። ዛሞራ ነዚ ሕታም እዚ፡ ነቲ ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ ቛንቋ ኣብ ምድላው ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ሓሲቡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ኻብቲ ዘዳለዎ ኢደ ጽሑፍ፡ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ማድሪድ፡ ስጳኛ፡ ዚርከብ ኤል ኤስኮርያል ዚብሃል ቤተ መጻሕፍቲ ይርከብ እዩ። እዚ ኢደ ጽሑፍ እዚ፡ G-I-4 ብዚብል ስም እዩ ተመዝጊቡ ዚርከብ፣ ብእብራይስጢ እተዳለወ ምሉእ መጽሓፍ ዘፍጥረትን ቃል ብቓሉ ናብ ላቲን እተተርጐመ በይነ መስመራዊ (ኢንተርሊንየር) ትርጕምን ዝሓዘ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ መቕድም ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ኣህዛብ ኪድሕኑ እንተ ዀይኖም፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ካልእ ቋንቋታት ኪትርጐም ኣለዎ። . . . ስለዚ፡ እቶም እሙናት ቃል ብቓሉ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ኪህልዎም ኣገዳሲ ዀይኑ ስለ እተሰምዓና፡ ንነፍሲ ወከፍ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ምስኣ እትመሳሰል ናይ ላቲን ቃል ሂብናያ ኣለና።” ከም ሓቂ ኸኣ፡ ኣልፎንሶ ደ ዛሞራ ውሩይ ናይ እብራይስጢ ምሁር ስለ ዝነበረ፡ ካብ እብራይስጢ ናብ ላቲን ናይ ምትርጓም ብቕዓት ነይርዎ እዩ።
‘መንፈሰይ መዕረፊ ኺረክብ ኣይከኣለን’
ብሓደ መዳይ፡ ኣብ መበል 16 ዘመን ዝነበረት ስጳኛ ንኸም ብዓል ዛሞራ ዝኣመሰሉ ምሁራት እትምሽእ ቦታ እያ ነይራ። ኣብ ማእከላይ ዘመን፡ ስጳኛ ማእከል ባህሊ ኣይሁድ ኰይና ነበረት። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “እታ ኣብ ማእከላይ ዘመን ብሰዓብቲ እምነት ምስልምናን ኣይሁድን መሊኣ ዝነበረት ስጳኛ፡ ካብተን ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ዝነበራ ኻልኦት ሃገራት ንላዕሊ፡ ብዙሓት ዓሌታትን ሃይማኖታትን ዝነበሩላ ሃገር እያ ነይራ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ማእከላይ ዘመን ዝነበረ ስልጣነ ስጳኛ፡ ብሃይማኖታውን ብስነ ጽሑፋውን ብስነ ጥበባውን ብስነ ህንጻውን መዳይ ኪዓቢ ኸኣለ።”
ኣብ ስጳኛ ብዙሓት ኣይሁድ ስለ ዝነበሩ፡ ብዙሕ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት እብራይስጢ ኺርከብ ይከኣል ነይሩ እዩ። ኣብ ብዙሕ ክፋላት ስጳኛ ዚነብሩ ኣይሁዳውያን ጸሓፍቲ፡ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ ንህዝቢ ምእንቲ ኼንብቡሎም ኢሎም፡ ነቲ ኢደ ጽሑፋት ብትግሃት ቀዲሖምዎ ነይሮም እዮም። ላዛረስ ጎልድሽሚት ኣብታ ዘ አርልየስት ኢዲሽንስ ኦቭ ዘ ሄብሪው ባይብል ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “እቲ ብስጳንኛን ብፖርቱጋልኛን እተዳለወ ናይ ፔንታቱክ ሕታም ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ምንጪ እዚ ሕታም እዝን ካልእ ብምሁራት እተዳለወ ብዙሐ ቛንቋን ዝዀነ ኢደ ጽሑፋት እውን፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውያን ምሁራት ብልክዕነቱ ፍሉጥ እዩ ነይሩ” በለ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግና፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪትርጕምዎ ዚደልዩ ዝነበሩ ሰባት፡ ምጽራር ኬንጸላሉ ጀመረ። ብ1492 ብንጉስ ፈርዲናንድን ብንግስቲ ኢዛቤላን ዚምርሑ ካቶሊካውያን ሰራዊት፡ ነቲ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝነበሩሉ ኸባቢ ተቘጻጸርዎ። ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፡ ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ እቲ ንጉስን እታ ንግስትን፡ ኵሎም ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ካብ ስጳኛ ኺስጐጉ ኣዘዙ። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ከኣ፡ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና እውን ካብ ስጳኛ ኺስጐጉ ዚእዝዝ ኣዋጅ ወጸ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ እምነት ካቶሊክ፡ ሃገራዊ ሃይማኖት ስጳኛ ዀነ፣ ካልኦት ሃይማኖታት ግና ኣይተፈቕደለንን።
እሞኸ እዚ ሓድሽ ኵነታት እዚ፡ ንዕዮ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ጸለዎ፧ ነቲ ኣልፎንሶ ደ ዛሞራ ዘሕለፎ ተመክሮ እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። እዚ ኣይሁዳዊ ምሁር እዚ፡ ዋላ እኳ ሃይማኖቱ ቐይሩ ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ እንተ ዀነ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ስጳኛ ግና ንድሕረ ባይታኡ ዕሽሽ ኪብልዎ ኣይደለዩን። ካርዲናል ሲስኔሮስ ነቲ ናይ ብዙሐ ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ነቶም እምነቶም ዝቐየሩ ኣይሁድ ብምጥቃሙ፡ ገሊኣቶም ተጻረርቲ ነቐፍዎ። እዚ ኸኣ ንዛሞራ ኣጕሃዮ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማድሪድ ኣብ ዚርከብ ሓደ ኢደ ጽሑፍ፡ “ኵሎም ኣዕሩኸይ ዝጠንጠኑንን ዝጸልኡንን ብምዃነይ፡ ጸላእተይ ከኣ ስለ ዝዀኑ፡ ንመንፈሰይ ወይ ንኣእጋረይ ዚኸውን መዕረፊ ኽረክብ ኣይከኣልኩን” ኢሉ መረረኡ ገለጸ።
ሓደ ኻብቶም ቀንዲ ጸላእቲ ዛሞራ፡ እቲ ሊቀ ጳጳሳት ቶሊዶ ዝነበረን ጸኒሑ ቐንዲ ቐታሊ መናፍቓን ዝዀነን ዃን ታቤራ እዩ ነይሩ። ዛሞራ በቲ ታቤራ ዜውርደሉ ዝነበረ መጥቃዕቲ ተስፋ ኻብ ምቝራጹ እተላዕለ፡ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ጥርዓኑ ኣቕረበ። እታ ደብዳበ ብኸፊል ከምዚ ትብል፦ “ብጹእነቶም፡ ኪሕግዙናን ካብቲ ጸላኢና ዝዀነ ዶን ዃን ታቤራ . . . ኬድሕኑናን ንልምን ኣለና። በብመዓልቱ ኸየቋረጸ ብዙሕን ዜጕህን ጸበባ የውርደልና ኣሎ። . . . ከምቶም ንማሕረዲ ዚዅብኰቡ እንስሳታት ገይሩ ስለ ዚርእየና፡ ኣብ ከቢድ ስቓይ ኢና ዘለና። . . . ብጹእነቶም ነዚ ናብኦም እነቕርቦ ዘለና ጥርዓን እንተ ኣቕሊቦምሉ፡ ‘ያህወህ ህድኣት ኪህቦም፡ እግሮም እውን ኣይኪዕንቀፍን እዩ።’ (ምሳሌ 3:23)”b
ኣልፎንሶ ደ ዛሞራ ዝሓደጎ ውርሻ
እዚ ዅሉ መጥቃዕቲ እናሃለወ ኽነሱ፡ ዕዮ ዛሞራ ቐጺሉን ንብዙሓት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቒምዎምን እዩ። ዋላ እኳ ዛሞራ ንቕዱሳት ጽሑፋት ናብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዚዝረበሉ ዝነበረ ቛንቋ እንተ ዘይተርጐሞ፡ ንኻልኦት ተርጐምቲ ግና እዚ ዘይብሃል ደገፍ እዩ ገይሩሎም። ነቲ ዝገበሮ ኣበርክቶ ንኽንርድኦ፡ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክልተ ጕጅለ ምሁራት ከም ዚምርኰስ ክንዝክር ኣሎና። ብቐዳምነት፡ ነቲ ብበዅሪ ቛንቋታት፡ ማለት ነቲ ብእብራይስጥን ብኣረማይስጥን ብግሪኽኛን እተጻሕፈ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ቅዳሓት ዜጽንዑን በቲ ቛንቋታት እተዳለወ ጽፉፍን ቅኑዕን ሕታም ዜሰናድዉን ምሁራት ኪህልዉ ኣለዎም። ድሕሪኡ፡ ሓደ ተርጓሚ ነቲ በቶም ምሁራት እተሰናደወ ሕታም ተጠቒሙ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪትርጕሞ ይጅምር።
ኣልፎንሶ ደ ዛሞራ ነቲ ብ1522 ኣብቲ ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ ቛንቋ እተሓትመ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ዘዳለዎን ዘጻፈፎን ቀንዲ ምሁር እዩ ነይሩ። (እቲ ኣብቲ ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ ቛንቋ ዝነበረ ብእብራይስጥን ብላቲንን ዘዳለዎ ማህደረ ቓላትን ሰዋስው እብራይስጥን እውን፡ ንድኻም ተርጐምቲ ኣቕሊልዎ እዩ።) እቲ ብግዜ ዛሞራ ዝነበረ ኢራስመስ እውን፡ ምስቲ መብዛሕትኡ እዋን “ሓድሽ ኪዳን” ዚብሃል ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ብዚተሓሓዝ፡ ተመሳሳሊ ዕዮ ዓይዩ እዩ። እዚ ብእብራይስጥን ብግሪኽኛን እተሰናደወ ጽፉፍ ሕታም ምስ ተዳለወ ኸኣ፡ ካልኦት ተርጐምቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ተራ ህዝቢ ዚጥቀመሉ ቛንቋ ኺትርጕምዎ ኸኣሉ። ዊልያም ቲንደል ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ እንግሊዝኛ ኣብ ዝተርጐመሉ እዋን፡ ካብቶም ነቲ ኣብ ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ ቛንቋ ዝነበረ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ እተጠቕሙሉ ናይ መጀመርታ ተርጐምቲ ዀነ።
ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ኺዝርጋሕ ዝኸኣለ፡ ከም ዛሞራ ዝኣመሰሉ ንቕዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠትና ንኼዕብይዎ ኢሎም ህይወቶም ዝወፈዩ ሰባት ሳላ ዝገበርዎ ጻዕሪ እዩ። ከምቲ ዛሞራ ዝበሎ፡ ሰባት ኪድሕኑ ዚኽእሉ፡ ንቓል ኣምላኽ ዚርድእዎን ዚስዕብዎን እንተ ዀይኖም ጥራይ እዩ። (ዮሃንስ 17:3) እዚ ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ሰባት ኪርድእዎ ዚኽእሉ ቛንቋ ኺትርጐም ከም ዘለዎ ዚሕብር እዩ፣ ከመይሲ፡ ከምኡ እንተ ተገይሩ ጥራይ እዩ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንልብን ንኣእምሮን ሰባት ኪትንክፍ ዚኽእል።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ ቛንቋ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 2004 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 28-31 ርአ።
b ዛሞራ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሮም ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን፡ መዓርግ ዘይኰነስ፡ መለኮታዊ ስም ምጥቃሙ ዜገርም እዩ። ኣብቲ ናብ ስጳንኛ እተተርጐመ ንሱ ዝጸሓፎ ጥርዓን፡ እታ ስም፡ “ያህወህ” ተባሂላ ኣላ። ኣብቲ በዅሪ ላቲን ብኸመይ ከም እተጻሕፈት ግና ኣይንፈልጥን ኢና። ዛሞራ ንመለኮታዊ ስም ብኸመይ ከም ዝተርጐሞን ብኸመይ ከም እተጠቕመሉን ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ ገጽ 19 ዘላ፡ “ንመለኮታዊ ስም ምትርጓሙ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]
ንመለኮታዊ ስም ምትርጓሙ
እቲ ምሁርን እብራውን ዝነበረ ኣልፎንሶ ደ ዛሞራ ንመለኮታዊ ስም እተጠቕመሉ መገዲ ኣቓልቦ ዚስሕብ እዩ። ከምቲ ኣብዚ ስእሊ ዚርአ ዘሎ፡ ኣብ ሕድጋት እቲ ንሱ ዘዳለዎ ናይ እብራይስጥን ላቲንን በይነ መስመራዊ ትርጕም ኦሪት ዘፍጥረት፡ ስም ኣምላኽ፡ “ጂሆቫ” ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ።
ዛሞራ ነቲ መለኮታዊ ስም ከም ዘለዎ ኸም እተቐበሎ ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብ መበል 16 ዘመን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቀንዲ ቛንቋታት ኤውሮጳ ኣብ እተተርጐመሉ እዋን፡ ብዙሓት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ፊደላት ወይ ምስኡ ዚመሳሰል ካልእ ፊደላት እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም፣ ዊልያም ቲንደል (እንግሊዝኛ፡ 1530)፡ ዜባስትያን ሙኒስተ (ላቲን፡ 1534)፡ ፒየር-ሮበር ኦሊቬታን (ፈረንሳይኛ፡ 1535)፡ ካስዮዶሮ ደ ሬና (ስጳንኛ፡ 1569) እውን ከምኡ እዮም ገይሮም።
በዚ ኸምዚ ዛሞራ ሓደ ኻብቶም ኣብ መበል 16 ዘመን ንመለኮታዊ ስም እተጠቕሙሉ ቐዳሞት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት ኰነ። ብቐደሙ እውን እቲ መለኮታዊ ስም ብሰፊሑ ንኸይፍለጥ ዕንቅፋት ዝዀነ፡ ኣይሁዳውያን፡ ስም ኣምላኽ ኪድመጽ የብሉን ዚብል ማሪታዊ እምነት ስለ ዘሕደሩ እዩ ነይሩ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ንናይ ላቲን ቩልጌት ዝተርጐሞ ጀሮም ዝኣመሰሉ ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ህዝበ ክርስትያን፡ ነቲ መለኮታዊ ስም፡ “ጐይታ” ወይ “ኣምላኽ” ብዚብል መዓርግ ተክእዎ።
[ስእሊ]
እቲ ዛሞራ እተጠቕመሉ “ጂሆቫ” ዚብል ናይተን ናይ እብራይስጢ ቴትራግራማተን ስግረ ፊደል ኣቕሪብካ ኺርአ ኸሎ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ንጉስን ንግስትን ስጳኛ ብ1492 ዘውጽእዎ ኣዋጅ
[ምንጪ]
Decree: Courtesy of the Archivo Histórico Provincial, Ávila, Spain
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ዩኒቨርሲቲ ኣልካላ ደ ኤናሬስ
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ቀዳማይ ገጽ እቲ ዛሞራ ዘዳለዎ በይነ መስመራዊ ትርጕም