ኣብርሃም ናይ እምነት ሰብ
ኣብርሃም ኣብቲ ጭውጭው ዝበለ ምሸት፡ ኣብ ደገ ደው ኢሉ ነበረ። ናብ ላዕሊ ቕንዕ ኢሉ ነቲ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማይ ኪርኢ ኸሎ፡ ነቲ ዘርኡ ኽንድቲ እቶም ከዋኽብቲ ኸም ዚዀኑ ዚገልጽ መብጽዓ ኣምላኽ ዘኪርዎ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘፍጥረት 15:5) እቶም ከዋኽብቲ ንኣብርሃም፡ ብዓይኒ ዚርኣዩ መዘኻኸሪ መብጽዓ የሆዋ እዮም ነይሮም። ውሕስነት እውን እዮም ዚዀንዎ ነይሮም። ከመይሲ፡ የሆዋ ነቲ ኣዝዩ ሰፊሕ ዩኒቨርስን ነቲ ኣብኡ ዘሎ ዅሉ ነገራትን ኪፈጥር ዜኽእሎ ሓይሊ ኻብ ሃለዎ፡ ንኣብርሃምን ንሳራንከ ውሉድ ኪህቦም ኣይክእልንዶ፧ ኣብርሃም ከምዚኣ ዓይነት እምነት እያ ነይራቶ።
እምነት እንታይ እያ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “እምነት” እትብል ቃል፡ ብዛዕባ ሓደ ዘይረኣኻዮ ነገር ብጽኑዕ ምእማን ማለት እያ። እዚ እምነት እዚ ኸኣ፡ ኣብ ድልዱል መርትዖ እተመርኰሰ እዩ። ብኣምላኽ ዚኣምን ሰብ፡ መብጽዓታት የሆዋ ብርግጽ ከም ዚፍጸም ስለ ዚኣምን፡ ኣብ ፍጻመታት እቲ መብጽዓ እዩ ዜተኵር።
ኣብርሃም እምነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ኣብርሃም ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ከም ዚኣምን ኣርኣየ። ነቲ ኣምላኽ ዝኣተዎ፡ እተፈልየ ቦታ ኸም ዜርእዮ ዚገልጽ መብጽዓ ኸም ዚፍጽሞ ብምትእምማን፡ ብእምነት ነታ እተወልደላ ዓዲ ሓዲጉ ወጸ። ዘርኡ ኣብ መወዳእታ ንምድሪ ከነኣን ከም ዚወርስዋ ብምትእምማን፡ ኣብታ ዓዲ ብእምነት ተመላለሰ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንይስሃቅ ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል ብምትእምማን፡ ንወዱ ብተኣዛዝነት ኪስውኦ ፈተነ።—እብራውያን 11:8, 9, 17-19።
ኣብርሃም ኣብ ሕሉፍ ዘይኰነስ ኣብ መጻኢ ኣተኰረ። ኣብርሃምን ሳራን ኣብ ኡር ዝነበሮም ናብራ ኻብቲ ኣብ ከነኣን ዝነበሮም ናብራ ዝመሽአ እኳ እንተ ነበረ፡ ‘ብዛዕባ እታ ዝወጹላ ሃገር ኣይሓስቡን እዮም ነይሮም።’ (እብራውያን 11:15) የግዳስ፡ ኣብቲ ንሳቶምን ዘርኦምን ዚረኽብዎ በረኸት ኣምላኽ እዮም ዜተኵሩ ነይሮም።—እብራውያን 11:16።
እምነት ኣብርሃም ድልዱል መሰረት ነይርዋዶ፧ እሂናይ ደኣ! የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ መብጽዓኡ ፈጸሞ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ዘርኢ ኣብርሃም፡ እስራኤላውያን ተባሂሎም ዚጽውዑ ህዝቢ ዀኑ። ድሕሪ ግዜ፡ እስራኤላውያን ኣብታ የሆዋ ንኣብርሃም እተመባጽዓሉ ሃገር ከነኣን ኪነብሩ ጀመሩ።—እያሱ 11:23።
ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ የሆዋ ንመብጽዓታቱ ኸም ዚፍጽሞ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ዋላ እኳ ገሊኡ መብጽዓታት ብሰብኣዊ ዓይኒ ኺርአ ኸሎ ዘይከኣል እንተ መሰለ፡ “ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ።”—ማቴዎስ 19:26።
እቲ ኣብርሃም ዝሓደጎ ኣብነት፡ ኣብ ሕሉፍ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ መጻኢ እንረኽቦ ነገራት ከነተኵር ከም ዘሎና እውን ይምህረና እዩ። ሓደ ጄሰን ዝስሙ መንእሰይ፡ ከምኡ ኺገብር ከም ዘለዎ ተማሂሩ እዩ። ብሰንኪ እቲ ዝሓዞ ዜማስን ሕማም፡ ምሉእ ብምሉእ ለሚሱ እዩ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ሕሉፍ እሓስብ እየ። ንገሊኡ ንኣሽቱ ዚመስል ጕዳያት፡ ማለት ንሰበይተይ ኣማንዳ ኸም ምሕቋፍ ንዝኣመሰለ ነገራት ኣዝየ እየ ዝናፍቖ።”
ይኹን እምበር፡ ጄሰን፡ የሆዋ ንመብጽዓታቱ ኸም ዚፍጽሞ ምሉእ እምነት ኣለዎ፣ ምድርና ድሕሪ ሓጺር እዋን ናብ ገነት ከም እትቕየር፡ እሙናት ሰባት ከኣ ምሉእ ጥዕና ሃልይዎም ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ እውን ይኣምን እዩ።a (መዝሙር 37:10, 11, 29፣ ኢሳይያስ 35:5, 6፣ ራእይ 21:3, 4) ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ዝበለጸ እዋን ገና ይመጽእ ከም ዘሎ ንርእሰይ ወትሩ አዘኻኽራ እየ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ፡ ውጥረትን ጭንቀትን ጓህን ጸጸትን ንዘለኣለም ኪጠፍእ እዩ” በለ። ከመይ ዝኣመሰለ ኸም ናይ ኣብርሃም ዓይነት ኣብነት እምነት ኰን እዩ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ እታ እትመጽእ ምድራዊት ገነት ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3ን 7ን 8ን ርአ።