ንኣወንታዊ መንፈስ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዓቅቦ
“ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን።”—ፊል. 4:23።
በዚ ዚስዕብ መዳያት ጌርና፡ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጥዑይ መንፈስ ከነስፍን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ምስ ኣሕዋትና ብምሕባር
ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኣት ብምክፋል
ብዛዕባ ሓደ እተፈጸመ ኸቢድ ኣበሳ ብምንጋር
1. እተን ኣብ ፊልጲን ቲያቲራን ዝነበራ ጉባኤታት እተናእዳ ስለምንታይ እየን፧
እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ብስጋ ድኻታት እኳ እንተ ነበሩ፡ ብልግሲ ዚህቡን ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ፍቕሪ ዜርእዩን ነበሩ። (ፊል. 1:3-5, 9፣ 4:15, 16) ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ናባታቶም ዝጸሓፋ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ መልእኽቱ ኺዛዝማ ኸሎ፡ “ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊል. 4:23) እቶም ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ክርስትያናት እውን ተመሳሳሊ መንፈስ ስለ ዝነበሮም፡ እቲ ግርማ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ፡ “ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ትዕግስትኻን፡ እቲ ግብርኻውን ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ኸም ዚበዝሕ፡ እፈልጥ አሎኹ” በሎም።—ራእ. 2:19።
2. ነቲ ጉባኤና እተርእዮ መንፈስ ኣብ ምዕቃብ እጃምና ኸነበርክት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ሎሚ ዘለዋ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነናተን መንፈስ ወይ ዓብላሊ ኣረኣእያ ኣለወን። ገሊአን ጉባኤታት፡ ብፍላይ በቲ ዜርእያኦ ምዉቕ ፍቕሪ እየን ዚፍለጣ። ገሊኣተን ከኣ፡ በቲ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዚገብራኦ ቕንኣት ዝመልኦ ደገፍን በቲ ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለወን ዓብዪ ኣኽብሮትን እየን ዚፍለጣ። ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኣወንታዊ መንፈስ እንተ ኣማዕቢልና፡ ኣብ ሓድነት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እጃምና ነበርክት፣ መንፈሳዊ ዕቤት እታ ጉባኤ ኸኣ ይውስኽ። (1 ቈረ. 1:10) ብኣንጻሩ ግና፡ ኣሉታዊ መንፈስ እንተ ኣልዩና፡ እታ ጉባኤ ብመንፈሳዊ መዳይ ክትብዕዝዝን ናይ ኣገልግሎት ቅንኣታ ኺንክን ይኽእል እዩ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን፡ ኣብታ ጉባኤ ዚፍጸም ኣበሳ ሸለል ኪብሃል ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 5:1፣ ራእ. 3:15, 16) ኣብ ጉባኤኻ እንታይ ዓይነት መንፈስ እዩ ዘሎ፧ ኣብ ጉባኤኻ ኣወንታዊ መንፈስ ምእንቲ ኺሰፍን፡ ብውልቅኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ኣወንታዊ መንፈስ ከም ዚሰፍን ግበር
3, 4. ‘ንየሆዋ ኣብ ዓብዪ ማሕበር ከነመስግኖ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ንየሆዋ፡ “ኣብ ዓብዪ ማሕበር ኤመስግነካ፡ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝቢ እውድሰካ” ኢሉ ዘመረሉ። (መዝ. 35:18) እዚ ጸሓፍ መዝሙር እዚ፡ ምስ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኰይኑ ንየሆዋ ኻብ ምውዳስ ድሕር ኣይበለን። ሰሙናዊ ኣኼባታት ጉባኤ፡ እንተላይ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ሓሳብ ብምሃብን ብዛዕባ እምነትና ብምግላጽን መንፈስ ቅንኣት ንኸነርኢ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ስለዚ፡ ኵላትና ንገዛእ ርእስና፡ ‘ነቲ ኣብ ኣኼባታት እንረኽቦ ሓሳብ ናይ ምሃብ ፍሉይ መሰል ምሉእ ብምሉእ እጥቀመሉዶ ኣለኹ፧ ጽቡቕ ገይረ እዳሎን ትርጕም ዘለዎ ሓሳብን እህብዶ ኣለኹ፧ ርእሲ ስድራ ቤት ከም ምዃነይ መጠን፡ ደቀይ ሓሳብ ምእንቲ ኺህቡ ኣቐዲመ አዳልዎምን ብናታቶም ኣበሃህላ ንኺምልሱ እምህሮምን ኣለኹዶ፧’ ኢልና ኽንሓትታ ኣሎና።
4 እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት፡ “ልበይ ኣንቂዱ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ልበይ ኣንቂዱ፡ ክዝምርን ከመስግንን፡ እየ” ብምባል፡ ንዘንቀደ ልቢ ምስቲ ንየሆዋ እንዝምሮ መዝሙር ኣተሓሓዞ። (መዝ. 57:7) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዚዝመር መዝሙር፡ ‘ንየሆዋ ብዘንቀደ ልቢ ንኽንዝምረሉን ንኸነመስግኖን’ ዜኽእለና ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ንገሊኡ መዝሙራት ዘይንፈልጦ እንተ ዄንና፡ ንምንታይ ኣብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እንገብረላ ምሸት ዘይንለማመደሉ፧ ‘ብህይወትና ኸለና ንየሆዋ ኽንዝምረሉ፡ ክሳዕ ዘለና ኸኣ ከነመስግኖ’ ቘራጽነት ንግበር።—መዝ. 104:33።
5, 6. ተቐበልቲ ኣጋይሽን ለጋሳትን ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ከምኡ ምግባርናኸ ኣብታ ጉባኤ እንታይ እዩ ዜስፍን፧
5 ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ፍቕሪ ዝሰፈኖ መንፈስ ከም ዚህሉ ኽንገብር እንኽእለሉ ኻልእ መገዲ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብምእንጋድ እዩ። ጳውሎስ ኣብታ ናብ እብራውያን ዝጸሓፋ መልእኽቱ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ፡ “ፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕ። . . . ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ” ዚብል ማዕዳ ሃበ። (እብ. 13:1, 2) ንገየሽቲ ሓለውትን ንኣንስቶምን ወይ ከኣ ነቶም ኣብ ጉባኤና ዚርከቡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ምዕዳም፡ ሓደ ኻብቲ ጋሻ ኽንቅበል እንኽእለሉ ዝበለጸ መገዲ እዩ። ሓድሓደ ግዜ እውን፡ መበለታት፡ ብንጽል ወላዲ ዝቘማ ስድራ ቤታት፡ ወይ ከኣ ካልኦት ውልቀ ሰባት፡ ምሳና ንኺምገቡ ወይ ከኣ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትና ንኺካፈሉ ኽንዕድሞም ንኽእል ኢና።
6 ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ንኻልኦት ክርስትያናት፡ “ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ” ኺምዕዶም መምርሒ ሃቦ። (1 ጢሞ. 6:17-19) ጳውሎስ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ ለጋሳት ኪዀኑ እዩ ዚምሕጸኖም ነይሩ። ኣብ ጽንኩር ቍጠባዊ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ለጋሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። ከምዚ ኽንገብር እንኽእለሉ ሓደ መገዲ፡ ንኻልኦት ናብ ኣገልግሎት ወይ ናብ ኣኼባታት ብማኪና ብምውሳድ እዩ። እቶም ከምኡ ዚግበረሎምከ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧ ምናልባት ነቲ ኣመና እናኸበረ ዚኸይድ ዘሎ ናይ ነዳዲ ወጻኢታት ንምሽፋን ዚከኣሎም ብምግባር፡ ሞሳኦም ኬርእዩን ኣብታ ጉባኤ ኣወንታዊ መንፈስ ከም ዚሰፍን ኪገብሩን ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝያዳ ግዜ ምስ እነሕልፍ፡ ዚድለዩን ዚፍቀሩን ኰይኑ ደይኰነን ዚስምዖም፧ “ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት” ሰናይ ንገብረሎምን ግዜናን ሃብትናን ተጠቒምና ንሕግዞምን እንተ ዄንና፡ ንዕኦም ዘላትና ፍቕሪ ኸም እትዓምቝ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ምዉቕን ኣወንታውን መንፈስ ከም ዚሰፍን ኢና እንገብር።—ገላ. 6:10።
7. ምስጢር ምዕቃብ፡ ኣብታ ጉባኤ ጽቡቕ መንፈስ ከም ዚሰፍን ኪገብር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
7 ነቲ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ዘሎና ማእሰር ፍቕሪ ኼደልድሎ ዚኽእል ካልእ ረቛሒ ድማ፡ ምሕዝነትን ምዕቃብ ምስጢርን እዩ። (ምሳሌ 18:24 ኣንብብ።) ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ፡ ነቲ ንሓድሕዶም ዚዛረቡሉ ውልቃዊ ጕዳያት ብምስጢር እዮም ዚሕዝዎ። ኣሕዋትና ብዛዕባ ውሽጣዊ ሓሳባቶምን ስምዒቶምን ምስ ዚነግሩና፡ ምስጢሮም ከም ዘይነውጽኣሎም ከኣ ርግጸኛታት እንተ ዀይኖም፡ ነቲ ድሮ ኣብ መንጎና ዝነበረ ማእሰር ፍቕሪ መሊሱ እዩ ዜደልድሎ። ምስጢር ዚዕቅብ እሙን ዓርኪ ብምዃን፡ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ልክዕ ከም ሓንቲ ፍቕሪ ዝዓሰላ ስድራ ቤት ከም እትኸውን ንግበር።—ምሳ. 20:19።
ብቕንኣት ኣገልግል
8. ሰብ ሎዲቅያ እንታይ ምኽሪ እዩ ተዋሂብዎም፧ ስለምንታይከ፧
8 የሱስ ኣብታ ናብ ሎዲቅያ ኣብ ዝነበረት ጉባኤ ዝለኣኻ መልእኽቲ፡ “ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘይምዃንካ፡ ግብርኻ እፈልጥ አሎኹ። ብኻ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምዀንካ። ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ” በለ። (ራእ. 3:15, 16) ሰብ ሎዲቅያ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብቕንኣት ኣይካፈሉን እዮም ነይሮም። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዝነበረ ርክብ እውን ጸልይዎ ኪኸውን ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ የሱስ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ “ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖም እቐጽዖምውን እየ። ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ” ዚብል ምኽሪ ዝሃቦም።—ራእ. 3:19።
9. ብዛዕባ ወፍሪ ኣገልግሎት ዘሎና ኣረኣእያ፡ ንመንፈስ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧
9 ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጥዑይን ኣወንታውን መንፈስ ምእንቲ ኺሰፍን፡ ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ብቕንኣት ክንካፈል ኣሎና። እታ ጉባኤ እተወደበትሉ ሓደ ዕላማ እውን፡ ነቶም ኣብ ክልና ዚርከቡ ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ውልቀ ሰባት ንምድላይን ብመንፈስ ንምህናጽን እዩ። ስለዚ፡ ልክዕ ከም የሱስ፡ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ብውዕዉዕ መንፈስ ክንካፈል ኣሎና። (ማቴ. 28:19, 20፣ ሉቃ. 4:43) ንኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት እናዓበየ እንተ ኸይዱ፡ ከም “መዓይይቲ ኣምላኽ” መጠን ዝያዳ ሓድነት ኪህልወና እዩ። (1 ቈረ. 3:9) ካልኦት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ንእምነቶም ኪጣበቑላን ንመንፈሳዊ ነገራት ዘለዎም ሞሳ ኺገልጹን ክንርኢ ኸለና፡ ብዝያዳ ኸነፍቅሮምን ከነኽብሮምን ኢና እንድረኽ። ብዘይካዚ፡ ‘ሓቢርና’ ምግልጋልና፡ ንሓድነት እታ ጉባኤ ኣገዳሲ እዩ።—ጸፎንያስ 3:9 ኣንብብ።
10. ኣገልግሎትና ኸነመሓይሽ እንገብሮ ጻዕሪ ኣብ መንፈስ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ጽልዋ እዩ ዜሕድር፧
10 ኣገልግሎትና ንኸነመሓይሽ እንገብሮ ጻዕሪ፡ ኣብ ካልኦት ጽቡቕ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ክንግደሰሎም ከለና ኸምኡውን ንልቢ ሰማዕትና ብውጽኢታዊ መገዲ ንምትንካፍ ምምሕያሽ ክንገብር ከለና፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ውዕዉዕ ስምዒት ኪህልወና እዩ። (ማቴ. 9:36, 37) እቲ ንሕና እነርእዮ ውዕዉዕ ስምዒት ናብ መገላግልትና እውን ኪሓልፍ ይኽእል እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ነንበይኖም ዘይኰነስ፡ በብኽልተ ገይሩ እዩ ንኺሰብኩ ልኢኽዎም። (ሉቃ. 10:1) ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት፡ ንሓድሕዶም ኪተባብዑን ኪስልጥኑን ኢሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣገልግሎቶም ብውዕዉዕ ስምዒት ንኺፍጽምዎ ኢሉ እውን እዩ። ምስ ቀናኣት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከነገልግል ብምኽኣልናስ ኣይነማስወሉንዶ፧ እቲ ዜርእይዎ ውዕዉዕ መንፈስ የተባብዓናን ኣብ ዕዮ ስብከት ንኽንቅጽል ይሕግዘናን እዩ።—ሮሜ 1:12።
ካብ ምጕርምራምን ካብ ኣበሳን ርሓቕ
11. ብግዜ ሙሴ ዝነበሩ ገሊኦም እስራኤላውያን እንታይ ዓይነት መንፈስ እዩ ነይርዎም፧ እዚኸ እንታይ ሳዕቤን ነበሮ፧
11 እስራኤላውያን ከም ህዝቢ መጠን ካብ ዚውደቡ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት፡ ቅሬታ ኼስምዑን ኬጕረምርሙን ጀመሩ። እዚ ኸኣ ካብ የሆዋን ካብ ተወከልቱን ከም ዚዓልዉ ገበሮም። (ዘጸ. 16:1, 2) ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ካብቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ እስራኤላውያን፡ ሒደት ጥራይ እዮም ንምድሪ ተስፋ ብዓይኖም ርእዮምዋ። ሙሴ እውን እንተ ዀነ፡ በቲ ኣብ ማሕበር እስራኤል ዝነበረ ሕማቕ መንፈስ ሓሪቑ ብእተዛረቦ ዘረባ፡ ናብ ምድሪ ተስፋ ኸይኣቱ ተኸልከለ። (ዘዳ. 32:48-52) ሎሚኸ ንሕና ኻብ ኣሉታዊ መንፈስ ምእንቲ ኽንርሕቕ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
12. መጕረምረምቲ ኸይንኸውን ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
12 መጕረምረምቲ ኸይንኸውን ክንጥንቀቕ ኣሎና። ትሑታትን ንስልጣን እነኽብርን ምዃንና ኺሕግዘና ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ መን ከም እንመሓዞ እውን ክንፈልጥ ኣሎና። ብዘይካዚ፡ እቲ እንመርጾ መዘናግዒ ሕማቕ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ከኣ ምስቶም ንስርዓታት ጽድቂ ዋላ ሓንቲ ተገዳስነት ዘይብሎም መሳርሕትናን መማህርትናን ብዙሕ ግዜ ነሕልፍ እንተ ዄንና፡ ጕድኣት ኬስዕበልና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ምስቶም ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ወይ ከኣ ምስቶም ብርእሶም ኪምርሑ ዚደልዩ ሰባት ንዘሎና ርክብ ደረት ክንገብረሉ ኣሎና።—ምሳ. 13:20።
13. እቲ ብሰንኪ ምጕርምራም ኪመጽእ ዚኽእል ብልሹው ጽልዋ፡ እንታይ ካልእ መንፈሳዊ ጕድኣት እዩ ኼስዕብ ዚኽእል፧
13 እቲ ብሰንኪ ምጕርምራም ኪመጽእ ዚኽእል ብልሹው ጽልዋ፡ ካልእ መንፈሳዊ ጕድኣት እውን ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ምጕርምራም ንሰላምን ሓድነትን እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺዘርጎ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ነጕረምርም እንተ ዄንና፡ ንስምዒቶም ንጐድኦ ጥራይ ዘይኰንናስ፡ ንዕኦም ብምክፋእን ብምጽራፍን እውን ኣብ ሓጢኣት ክንወድቕ ንኽእል ኢና። (ዘሌ. 19:16፣ 1 ቈረ. 5:11) ገሊኦም ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ዝነበሩ መጕረምረምቲ ሰባት፡ “ንጕይትነት የቃልሉ፡ ንመዓርጋት ክብሪውን ይጸርፉ” ነበሩ። (ይሁ. 8, 16) ብዛዕባ እቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ሰብኡት ምጕርምራም፡ ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይሰምሮን እዩ።
14, 15. (ሀ) ነቲ ብሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና እተፈጸመ ኣበሳ ዕሽሽ እንተ ኢልናዮ፡ ንጉባኤና ብኸመይ እዩ ኺጸልዋ ዚኽእል፧ (ለ) ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ብምስጢር ሓጢኣት ይፍጽም ከም ዘሎ እንተ ፈሊጥና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
14 ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ብምስጢር ሓጢኣት ይፍጽም ከም ዘሎ፡ ማለት ኣልኮላዊ መስተ የብዝሕ፡ ስእለ ጽዩፍ ይርኢ፡ ወይ ከኣ ርኹስ ኣነባብራ ይነብር ከም ዘሎ እንተ ፈሊጥና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ኤፌ. 5:11, 12) ነቲ ኸቢድ ኣበሳ ዕሽሽ ክንብሎ እንተ ፈቲንና፡ እቲ ብዘይ ዕንቅፋት ዚወርድ ዝነበረ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኪዕገትን ሰላም ጉባኤና ኺዝረግን ይኽእል እዩ። (ገላ. 5:19-23) እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስትያናት፡ ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከሎም ኬርሕቕዎ ነበሮም፣ ሎሚ እውን ንሕና ነቲ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ጥዑይን ኣወንታውን መንፈስ ምእንቲ ኽንዕቅቦ፡ ንዝዀነ ይኹን ሕማቕ ጽልዋ ኻብታ ጉባኤ ኸነርሕቖ ኣሎና። እሞኸ ንሰላም እታ ጉባኤ ንምዕቃብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
15 ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፡ ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ብፍላይ ከኣ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዛዕባ ስምዒቶምን ሓሳቦምን ምስ ዚነግሩና፡ ምስጢር ክንዕቅብ ኣሎና። ከመይሲ፡ ምስጢር ካልእ ሰብ ምውጻእ፡ ጌጋን ጐዳእን እዩ። ይኹን እምበር፡ ከቢድ በደል እንተ ተፈጺሙ፡ ነቶም ነቲ ጕዳይ ናይ ምርኣይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት፡ ማለት ንሽማግለታት ጉባኤ ኽንነግሮም ኣሎና። (ዘሌዋውያን 5:1 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ኣበሳ ኸም ዝፈጸመ እንተ ፈሊጥና፡ ናብ ሽማግለታት ኪኸይድን ሓገዞም ኪደልን ከነተባብዖ ኣሎና። (ያእ. 5:13-15) ኣብ ውሽጢ እተወሰነ እዋን ከምኡ እንተ ዘይገይሩ ግና፡ ባዕልና ኼድና ንሽማግለታት ክንነግሮም ኣሎና።
16. ንሽማግለታት ብዛዕባ ሓደ እተፈጸመ ኸቢድ ኣበሳ ምንጋርና፡ ንመንፈስ እታ ጉባኤ ኺዕቅቦ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
16 እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብመንፈሳዊ መዳይ ጽቡቕ ሃዋህው ዝሰፈና ኽትከውን ኣለዋ፣ ንሕና ድማ ንሽማግለታት ብዛዕባ ሓደ እተፈጸመ ኸቢድ ኣበሳ ብምንጋር ከነዕቍባ ንኽእል ኢና። እቶም ሽማግለታት ነቲ ኣባሲ ናብ ልቡ ኺምለስ እንተ ሓጊዞምዎ፡ እቲ ኣባሲ ድማ ነቲ እተዋህቦ ተግሳጽን መአረምታን ተቐቢሉ እንተ ተነሲሑ፡ መንፈስ እታ ጉባኤ ኣብ ሓደጋ ኣይኣቱን እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኸቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና እንተ ዘይተነሲሑ፡ ነቲ ብሽማግለታት እተዋህቦ ፍቕራዊ ምኽሪ ድማ እንተ ዘይተቐቢልዎ፡ እንታይ እዩ ኺግበር ዘለዎ፧ “ንጥፍኣት” ኪወሃብ፡ ማለት ኪውገድ ኣለዎ፣ ከምኡ እንተ ተገይሩ፡ እቲ ሕማቕ ጽልዋ ኻብ መንጎና ይርሕቕ፣ መንፈስ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸኣ ይዕቀብ። (1 ቈረንቶስ 5:5 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ንመንፈስ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምእንቲ ኽንዕቅቦ፡ ነፍሲ ወከፍና ግቡእ ስጕምቲ ኽንወስድ፡ ምስ ኣካል ሽማግለታት ክንተሓባበር፡ ከምኡውን ብዛዕባ ድሕንነት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኽንሓስብ ኣሎና።
“ሕብረት መንፈስ” ከም ዚህሉ ግበር
17, 18. “ሕብረት መንፈስ” ከም ዚህሉ ምእንቲ ኽንገብር፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
17 ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ፡ ‘ብትምህርቲ ሃዋርያት ጸኒዖም ስለ ዝነበሩ፡’ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓድነት ኪህሉ ኸኣለ። (ግብ. 2:42) ነቲ በቶም ሽማግለታት ዚወሃቦም ዝነበረ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽርን መምርሕን ኣኽቢሮም ይርእይዎ ነበሩ። ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት እውን ምስ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ስለ ዚተሓባበሩ፡ ኵሎም ኣባላት ጉባኤ፡ ሓድነት ከም ዚህልዎም ዚገብር መተባብዕን ሓገዝን ይረኽቡ እዮም። (1 ቈረ. 1:10) ነቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚመጽእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትእዛዛት ንግዝኦ፡ ነቲ ብሽማግለታት ዚወሃበና መምርሒታት ድማ ንስዕቦ እንተ ዄንና፡ ‘ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርና ንሕልዎ ኸም ዘለና’ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—ኤፌ. 4:3።
18 ሃየ እምበኣር፡ ነቲ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ጥዑይን ኣወንታውን መንፈስ ንዓቅቦ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ‘ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብርግጽ ምስ መንፈስና ኪኸውን እዩ።’—ፊል. 4:23።
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
ትርጕም ዘለዎ ሓሳብ ንኽትህብ ብምድላው፡ ኣብ ጉባኤኻ ኣወንታዊ መንፈስ ንኺሰፍን ኣበርክቶ ትገብር ዲኻ፧
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ንመዝሙራትና ኽትመልኮ ብምጽዓር፡ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣወንታዊ መንፈስ ንኺሰፍን ኣበርክቶ ግበር