እንታይ ዓይነት መንፈስ ኢኹም እተርእዩ?
1 ጳውሎስ ነታ ናብ ፊልጲ ዝለኣኻ ደብዳበ ከምዚ ብዝብል ምትብባዕ ደምደማ:- “ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን።” (ፊል. 4:23) ኣብ ምስባኽ ብዝነበሮም ናይ ሓቂ ተገዳስነት ከምኡውን በቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዝነበሮም ምዉቕን ፍቕራውን ሓልዮት ንኢድዎም ኢዩ።—ፊል. 1:3–5፣ 4:15, 16
2 ከምኡ ዝበለ መንፈስ ኣብ ጉባኤና ከነንጸባርቕ ድሌትና ክኸውን ኣለዎ። ኩላትና ትግሃትን ሕያውነትን ምቕባል ኣጋይሽን ከነርኢ ኸሎና: ተዓዘብቲ ብቐሊሉ ክርእይዎ ዝኽእሉ መንፈስ ክፈጥር ይኽእል ኢዩ። ኣወንታውን ፍቕራውን ዝኾነ መንፈስ: ሕብረትን መንፈሳዊ ዕቤትን የምጽእ። (1 ቈረ. 1:10) ኣሉታዊ መንፈስ ከኣ ምጅጃውን ጐቦ ልቢ ምዃንን የምጽእ።—ራእ. 3:15, 16
3 ሽማግለታት መሪሕነት ይወስዱ:- ሽማግለታት ኣብ መንጎኦምን ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤን ሰናይን ኣወንታውን መንፈስ ንኸምጽኡ ሓላፍነት ኣለዎም። ስለምንታይ? ምኽንያቱ እታ ጉባኤ ብናቶም ኣረኣእያን ጠባይን ክትጽሎ ትኽእል ኢያ። ኣብ ኣገልግሎት ትጉሃት ዝኾኑ: ብፍሕሹው ገጽን ብምዉቕ ዘረባን ሰላም ዝብሉና: ካብ መድረኽ ወይ ከኣ ብብሕቲ ምኽሪ ክህቡ ኸለዉ ኸኣ ኣወንታውያንን ሃነጽትን ዝኾኑ ሽማግለታት ስለ ዘለዉና መማሰውቲ ኢና—እብ. 13:7
4 ርግጽ ኢዩ ኩላትና ነታ ጉባኤ ምሕዝነት እተርኢ: ተቐባሊት ጋሻ: ትግህትን መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዋን ንኽንገብራ ግዴና ክንገብር ኣሎና። በብብሕትና ኣብቲ ምስ ካልኦት እንገብሮ ሕብረት ዉዕዉዕ ስምዒትን ፍቕርን ከነርኢ ንኽእል ኢና። (1 ቈረ. 16:14) ኣብ መንጎና ብምኽንያት ዕድመ: ዘርኢ: ትምህርቲ: ወይ ከኣ ቁጠባዊ ኵነታት: ፍልልይ ክህሉ ኣይግብኦን ኢዩ። (ምስ ኤፌሶን 2:21 ኣነጻጽሮ።) ብምኽንያት ተስፋና: ኣብ ኣገልግሎት: መንፈስ ናይ ሓጐስ: ለጋስ ምቕባልን ትግሃትን ከነርኢ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 12:13፣ ቈሎ. 3:22, 23
5 ኵሎም ምሳና ዝሓብሩ: ሓደስቲውን ሓዊስካ: ክጋየሹ የብሎምን: ከምኡውን ኣብ ሕውነት ዘሎ ፍቕርን ተወፋይነትን ከስተማቕርዎ ኣለዎም። ብኣገልግሎትናን ሰናይ ክርስትያናዊ ባህርያት ብምንጽብራቕናን እታ ጉባኤ ‘ዓንድን ደጋፊትን ናይ ሓቂ’ ከም ዝኾነት መረጋገጺ ንህብ። (1 ጢሞ. 3:15) በቲ ንልብናን ናይ ኣእምሮ ሓይልናን ዝሕሉ “ሰላም ኣምላኽ” ከኣ: መንፈሳዊ ድሕንነት ክንረክብ ኢና። (ፊል. 4:6, 7) ኵልና: ነቲ የሆዋ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዝሃበና ዘይንበቕዖ ሕያውነት ዘረጋግጸልና ዓይነት መንፈስ: ንኸነርኢ ብትግሃት ንጽዓር።—2 ጢሞ. 4:22