ናይ ህጹጽነት መንፈስካ ኣይተጥፍእ
“ነቲ ቓል እናመሃርካ . . . ትጋህ።”—2 ጢሞ. 4:2፡ ትርጕም 1990።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ዝሰበኹ ስለምንታይ እዮም፧
ናይ ህጹጽነት መንፈስና ኽንሕሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ህጹጽ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
1, 2. ምስቲ ‘ብትግሃት ክንምህር’ ወይ ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ክንሰብኽ እተዋህበና ትእዛዝ ብዚተሓሓዝ፡ እንታይ ሕቶታት ኪለዓል ይኽእል፧
ህይወት ሰብ ኣብ ምድሓን ዚዓይዩ ሰባት፡ ብናይ ህጹጽነት መንፈስ እዮም ዚሰርሑ። ንኣብነት፡ መጥፋእቲ ሓዊ፡ ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ኸም ዘሎ ስለ ዚግንዘቡ፡ ናብቲ ጕድኣት ዝወረዶ ኸባቢ ብቕልጡፍ እዮም ዚኸዱ።
2 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን፡ ሰባት ንኺድሕኑ ኽንሕግዞም ኢና እንደሊ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ እተዋህበና መዝነት ኣርዚንና ኢና እንርእዮ። ኰይኑ ግና፡ ብሃውሪ ኣይኰናን እነገልግል። እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ፡ “ነቲ ቓል እናመሃርካ . . . ትጋህ” ዚብል ማዕዳ ደኣ እሞ እንታይ ማለት እዩ፧ (2 ጢሞ. 4:2፡ ትርጕም 1990) ብትግሃት ወይ ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ክንሰብኽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ዕዮና ህጹጽ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧
ስብከትና ህጹጽ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
3. ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚህብዎ ምላሽ፡ እንታይ እዩ ዜምጽኣሎም፧
3 ዕዮ ስብከትና ብኸመይ ንህይወት ሰባት ኬድሕን ከም ዚኽእል ክትሓስብ ከለኻ፡ ንኻልኦት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትነግሮም ትድረኽ ትኸውን። (ሮሜ 10:13, 14) ቃል ኣምላኽ፡ “ነቲ ረሲእ ድማ፡ ብርግጽ ሞት ክትመውት ኢኻ፡ እንተ በልክዎ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ሓጢኣቱ እንተ ተመልሰ፡ ፍርድን ጽድቅንውን እንተ ገበረ፡ . . . ንሱ ርግጽ ብህይወት ኪነብር፡ ኣይኪመውትን ከኣ እዩ። እቲ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ሓጢኣቱ ኣይኪዝከረሉን” ይብል። (ህዝ. 33:14-16) በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚምህሩ ሰባት፡ “ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ” ዚብሎም።—1 ጢሞ. 4:16፣ ህዝ. 3:17-21።
4. ክሕደት ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ስብከት ህጹጽ ዝገበሮ ስለምንታይ እዩ፧
4 ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብትግሃት ወይ ከኣ ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ኪሰብኽ ዝመዓዶ ስለምንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽንርዳእ፡ ኣብ ከባቢ እታ ፍረ ነገር ዝሓዘት ጥቕሲ ንዘሎ ሓሳባት እስከ ንመርምሮ። ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ብዅሉ ዓቕሊ ነቲ ቓል እናመሃርካ ብእዋን ራህዋን ብእዋን ጸበባን ትጋህ፥ ኣረድእ፥ ገሥጽ፥ ምኸር። ከመይ ኣእዛኖም ኣሳሕይዎም ደኣ ነቲ ኺሰምዕዎ ዚትምነዩ ነገር ዚነግርዎም መምህራን ኪእክቡ እምበር ነቲ ሓቂ ዝኾነ ትምህርቲ ዘይሰምዑሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ። እወ፥ ኣእዛኖም ሓቂ ኸይሰምዕ ዓጽዮም ናብ ጽውጽዋይ ኬድህቡ እዮም።” (2 ጢሞ. 4:2-4፡ ትርጕም 1990) የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ ክሕደት ከም ዜስፋሕፍሕ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 13:24, 25, 38) ስለዚ፡ ክርስትያናት ብናይ ሓሶት ትምህርቲ ተሳሒቦም ምእንቲ ኸይታለሉ፡ ጢሞቴዎስ ንቓል ኣምላኽ፡ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን እንተ ዀነ ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ኪሰብኮ ነበሮ። ከመይሲ፡ ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ እዩ ነይሩ። ሎሚኸ፧
5, 6. ኣብ ኣገልግሎትና እንታይ ህቡብ ኰይኑ ዘሎ ሓሳባት እዩ ዜጋጥመና፧
5 ኣብዚ እዋን እዚ፡ ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝወጸ ኽሕደት፡ ዓብዩን ኣስፋሕፊሑን እዩ ዘሎ። (2 ተሰ. 2:3, 8) ሎሚ ንኣእዛን ሰባት ዜሳሕዮም ወይ ባህ ዜብሎም ዘሎ ትምህርትታት እንታይ እዩ፧ ኣብ ብዙሕ ቦታታት፡ ትምህርቲ ፍልቀት ልክዕ ከም ሃይማኖታዊ ትምህርቲ፡ ብውዕዉዕ ስምዒት እዩ ዚወሃብ ዘሎ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ፍልቀት ብስነ ፍልጠታዊ ቛንቋ ዚዝረበሉ ርእሰ ነገር እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ኻልኦት ሰባትን ዘለዎም ኣረኣእያ ዚጸሉ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ሃይማኖት ኰይኑ ኣሎ። ካልእ ህቡብ ዚኸውን ዘሎ ትምህርቲ ኸኣ፡ ‘ኣምላኽ ብዛዕባና ስለ ዘይግደስ፡ ንሕና እውን ብዛዕባኡ ኽንግደስ ኣየድልየናን እዩ’ ዚብል ትምህርቲ እዩ። እዚ ትምህርትታት እዚ ንሰባት ዚስሕቦምን ናብ መንፈሳዊ ድቃስ ዚመርሖምን ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ክልቲኡ እቲ ትምህርትታት፡ “ዚጸባጸበካ ኣካል ስለ ዘየለ፡ ዝደለኻዮ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ” ዚብል መልእኽቲ ስለ ዜመሓላልፍ እዩ። እዚ መልእኽቲ እዚ ኸኣ እዩ ንኣእዛን ብዙሓት ሰባት ዜሳሕዮም ወይ ባህ ዜብሎም ዘሎ።—መዝሙር 10:4 ኣንብብ።
6 ይኹን እምበር፡ ካልእ ንኣእዛን ሰባት ዜሳሒ ነገራት እውን ኣሎ። ገሊኦም ናብ ቤተ ክርስትያን ዚኸዱ ሰባት፡ ‘ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርካ፡ ኣምላኽ የፍቅረካ እዩ’ ዚብልዎም መምህራን እዮም ዚደልዩ። ኣቕሽሽትን ፓስተራትን ከኣ፡ ጽምብልን ቅዳሴን ንግደትን ምስልን በረኸት ኣምላኽ ከም ዜምጽእ ብምዝራብ፡ ንኣእዛን ሰባት ዜሳሒ ወይ ባህ ዜብል ነገራት ይዛረቡ እዮም። እቶም ምእመናን ግና፡ ዘለውዎ ዅነታት ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ኣይፈልጡን እዮም። (መዝ. 115:4-8) ይኹን እምበር፡ ካብ መንፈሳዊ ድቃስ ኪበራበሩን ነቲ ናይ ሓቂ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ እንተ ሓጊዝናዮም፡ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ጥቕሚ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
ብህጹጽ ምስባኽ እንታይ ማለት እዩ፧
7. ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ንዓዪ ኸም ዘለና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
7 ሓደ መጥባሕቲ ዚገብር ጥንቁቕ ሓኪም፡ ህይወት እቲ ሕሙም ኣብ ሓደጋ ስለ ዘሎ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዕዮኡ ኼተኵር ኣለዎ። ንሕና እውን ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ኣብ ዕዮና ነተኵር እንተ ዄንና፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ንሰባት ኬገድሶም ዚኽእል ጕዳያት፡ ሕቶታት፡ ወይ ሓበሬታታት ንሓስብ እንተ ዄንና፡ ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ንዓዪ ኸም ዘለና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ናይ ህጹጽነት መንፈስ እንተ ኣልዩና፡ ነቶም ኪሰምዑና ዚኽእሉ ሰባት ምእንቲ ኽንረኽቦም፡ መደብና ንኸነተዓራሪ ኽንድረኽ ኢና።—ሮሜ 1:15, 16፣ 1 ጢሞ. 4:16።
8. መብዛሕትኡ እዋን፡ ናይ ህጹጽነት መንፈስ ከም ዘሎና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
8 ቀዳምነት ኪወሃቦ ዘለዎ ነገራት ብምስራዕ እውን፡ ናይ ህጹጽነት መንፈስ ከም ዘሎና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (ዘፍጥረት 19:15 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ውጽኢት መርመራኻ ምስ ተቐበልካ፡ ሓኪምካ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ፡ “ኵነታትካ ዘየላቡ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ብዛዕባ እዚ ሕማምካ ገለ ኽትገብር ኣሎካ” ኢሉካ ንበል። ከምኡ ምስ በለካ፡ ልክዕ ከም ሓደ ብቕልጡፍ ዚኸይድ ኣባል መጥፋእቲ ሓዊ፡ ሸበድበድ እናበልካ ኣይትኸይድን ኢኻ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ነቲ እቲ ሓኪም ዚህበካ ምኽሪ ሰሚዕካ ናብ ቤትካ ብምኻድ፡ ብዛዕባ እቲ ቐዳምነት ክትህቦ ዘሎካ ነገራት ኢኻ ኣዕሚቝካ እትሓስብ።
9. ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ሰቢኹ እዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧
9 ነቲ ጳውሎስ ንሽማግለታት ኤፌሶን ዝነገሮም ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣውራጃ እስያ ዝገበሮ ዕዮ ስብከት ዚገልጽ ሓሳብ ብምንባብ፡ ጳውሎስ ናይ ህጹጽነት መንፈስ ከም ዝነበሮ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 20:18-21 ኣንብብ።) ካብታ ኣብ ኣውራጃ እስያ ዝኣተወላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ኣብ በቤት እናኸደ ንሰባት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይነግሮም ነበረ። ብዘይካዚ፡ ንኽልተ ዓመት “ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጢራኖስ” መደረ የቕርብ ነበረ። (ግብ. 19:1, 8-10) ብንጹር እምበኣር፡ እቲ ዝነበሮ ናይ ህጹጽነት መንፈስ ንልማዱ ጸልይዎ እዩ። ‘ኣገልግሎትና ብትግሃት’ ወይ ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ክንፍጽም ዚወሃበና ምኽሪ፡ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ንኽንገብር ዚጠልብ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ንዕዮ ስብከት ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክንህቦ ኣሎና።
10. ቅድሚ 100 ዓመት ዝነበሩ ክርስትያናት ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ምስባኾም ዜሐጕሰና ስለምንታይ እዩ፧
10 ቅድሚ 1914 ዝነበረት ሓንቲ ንእሽቶ ጕጅለ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ዝገበረቶ ጻዕሪ፡ ናይ ህጹጽነት መንፈስ እንታይ ማለት ምዃኑ ይሕብረና እዩ። ኣባላት እታ ጕጅለ ሒደት እኳ እንተ ነበሩ፡ ንህጹጽነት እቲ ዝነበሩሉ እዋን ስለ እተረድእዎ፡ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብውዕዉዕ ስምዒት ይፍጽምዎ ነበሩ። ነቲ ዚቐርብ ዝነበረ ስብከታት፡ ብኣማእታት ኣብ ዚቝጸራ ጋዜጣታት ኣሕተምዎ፣ “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ዚብሃል ተንቀሳቓሲ ሕብራዊ ስእልታት ኣዳልዮም ድማ ኣቕረቡ። በዚ ኸምዚ፡ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኬካፍልዎም ከኣሉ። ብህጹጽነት እንተ ዘይሰብኩ ነይሮም፡ መብዛሕትና ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይምሰማዕናን ኔርና።—መዝሙር 119:60 ኣንብብ።
ናይ ህጹጽነት መንፈስካ ኸይተጥፍእ ተጠንቀቕ
11. ንገሊኦም ክርስትያናት ናይ ህጹጽነት መንፈሶም ከም ዜጥፍኡ ዝገበሮም እንታይ እዩ፧
11 ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ነገራት እንተ ኣስጊሉ፡ ንኣገዳስነት ዕዮ ስብከት ኪርስዖ ይኽእል እዩ። ስርዓት ሰይጣን፡ ብብሕታዊ ጕዳያትን ብዘየድሊ ነገራትን ከም እንወሓጥ ኪገብረና እዩ ተዳልዩ። (1 ጴጥ. 5:8፣ 1 ዮሃ. 2:15-17) ንኣገልግሎት የሆዋ ቐዳምነት ዚህብዎ ዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት፡ ናይ ህጹጽነት መንፈሶም ኣጥፊኦም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ዴማስ ዝስሙ ‘መተዓይይቲ’ ጳውሎስ፡ በቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮ ስርዓት ኣቓልቦኡ ተሰርቀ። ነቶም ኣብ ጸገም ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኣብ ክንዲ ዜተባብዖም፡ ንጳውሎስ ጠንጢንዎ ኸደ።—ፊሞ. 23, 24፣ 2 ጢሞ. 4:10።
12. ሎሚ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ተኸፊቱልና ዘሎ፧ ኣብ መጻኢኸ እንታይ ንዘለኣለም ዚቕጽል ኣጋጣሚ እዩ ኪኽፈተልና፧
12 ናይ ህጹጽነት መንፈስና ኽንሕሉ እንተ ዄንና፡ ነቲ ደድሕሪ ተድላ ንኽንጐዪ ዚፍትነና ነገራት ክንቃለሶ ኣሎና። ‘ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ፡’ ኣበርቲዕና ኽንጽዕር ኣሎና። (1 ጢሞ. 6:18, 19) እቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚህሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ኣብ ባህ ዜብለና ንጥፈታት ንኽንካፈል ዜኽእለና ንዘለኣለም ዚቕጽል ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍተልና ርግጸኛታት ኢና። እቲ ሎሚ ተኸፊቱልና ዘሎ ንሰባት ካብ ኣርማጌዶን ኪድሕኑ ናይ ምሕጋዝ ኣጋጣሚ ግና፡ ተመሊሱ ኣይመጽእን እዩ።
13. ሕጂ ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ናይ ህጹጽነት መንፈስና ኽንሕሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
13 ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ብመንፈስ ደቂሶም እኳ እንተ ኣለዉ፡ ናይ ህጹጽነት መንፈስና ንኸይነጥፍእ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ንሕና እውን ኣብ ሓደ እዋን ብምሳልያዊ መገዲ ኣብ ጸልማት ደቂስና ኸም ዝነበርና ኽንዝክር ኣሎና። ኰይኑ ግና፡ ካብ ድቃስ ተበራቢርና፡ ከምቲ ጳውሎስ ዝገለጾ ኸኣ፡ ክርስቶስ ኣብሪሁልና እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ጸወርቲ ብርሃን ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ረኺብና ኢና። (ኤፌሶን 5:14 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ቅንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዐዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (ኤፌ. 5:15, 16) ስለዚ፡ እዚ ዘለናሉ እዋን ክፉእ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ብመንፈስ ንቑሓት ክንከውን ዚሕግዘና ንጥፈታት ዚኸውን ‘ግዜ ንዓድግ።’
ኣብ ኣገዳሲ እዋን ኢና እንነብር ዘለና
14-16. ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ህጹጽ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
14 ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ወትሩ ህጹጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ሎሚ ግና ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣገዳሲ እዩ። ካብ 1914 ንነጀው፡ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተገልጸ ብዙሕ ነገራት ዝሓቘፈ ትእምርቲ ይፍጸም ኣሎ። (ማቴ. 24:3-51) ድሕነት ደቂ ሰብ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ እተን ሓያላት ዚብሃላ ሃገራት ውዕል እኳ እንተ ገበራ፡ ገና ግና ንኺትኰስ እተዳለወ ኣስታት 2,000 ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኣለወን። ሰበ ስልጣናት ከኣ፡ ብዛዕባ “ዝጠፍአ” ኑክልየሳዊ ባእታታት ብተደጋጋሚ ይዛረቡ እዮም። ገለ ኻብዚ ባእታታት እዚ ኣብ ኢድ ኣሸበርቲ ኣትዩዶ ይኸውን፧ ገሊኦም ተዓዘብቲ፡ ሓደ ኣሸባሪ ብዝጀመሮ ውግእ፡ ደቂ ሰብ ብቐሊሉ ኺጸንቱ ኸም ዚኽእሉ ይገልጹ እዮም። ይኹን እምበር፡ ንህልውና ደቂ ሰብ ኣብ ሓደጋ ዜእትዎ፡ ውግእ ጥራይ ኣይኰነን።
15 ዘ ላንሰት እትብሃል መጽሔትን ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደንን ብ2009 ዘውጽእዎ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ “ኣብዚ ዘለናሉ መበል 21 ዘመን፡ ለውጢ ዅነታት ኣየር፡ ብደረጃ ዓለም ንጥዕና ኣብ ስግኣት ዜእቱ ዀይኑ ኣሎ። ለውጢ ዅነታት ኣየር ኣብ ጥዕና ዘለዎ ሳዕቤን፡ ነቶም ኣብ ዚቕጽል ዓሰርተታት ዓመታት ዚህልዉ ሰባት ኪጸልዎም ይኽእል እዩ፣ ንጥዕና ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ድማ ብዝያዳ ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ እዩ።” ከምኡ ኼጋጥም ዚኽእል፡ ጽፍሒ ባሕሪ ኺውስኽ ከሎ፡ ድርቅን ምዕልቕላቕ ማይን ተላባዒ ሕማምን ህቦብላ ንፋስን ኬጋጥም ከሎ፡ ከምኡውን ነቲ ዚጽንቀቕ ዘሎ ሃብቲ ምድሪ ንምቍጽጻር ውግእ ኪካየድ ከሎ እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ ውግእን ባህርያዊ ሓደጋን ንስልጣነ ኣብ ሓደጋ እዩ ኣእትይዎ ዘሎ።
16 ገሊኦም ሰባት፡ ኑክልየሳዊ ውግእ ንኺለዓል ዘሎ ተኽእሎ፡ እቲ “ትእምርቲ” ንኺፍጸም መገዲ ዚኸፍት ኰይኑ ይስምዖም። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ንቐንዲ ትርጕም እቲ ትእምርቲ ኣይርድእዎን እዮም። ንብዙሕ ዓመታት፡ ክርስቶስ ነጊሱ ኸም ዘሎን መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኣመና ኸም ዝቐረበን ዚሕብር ፍጻመታት ርኢና ኢና። (ማቴ. 24:3) እቲ የሱስ ዝገለጾ ትእምርቲ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብንጹር ይፍጸም ኣሎ። ሕጂ ሰባት ካብ መንፈሳዊ ድቃስ ዚበራበሩሉ እዋን እዩ። ኣገልግሎትና ድማ ንኺበራበሩ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ።
17, 18. (ሀ) እዚ ዘለናሉ “ዘመን” ዚጸልወና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ነቲ ሰባት ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ኣረኣእያ ኪቕይሮ ዚኽእል እንታይ እዩ፧
17 ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ንኸነርእን ነቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ክንዓዮ ዝሃበና ዕዮ ስብከት ንኽንዛዝሞን፡ ሓጺር ግዜ እዩ ተሪፉና ዘሎ። እቲ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ሮሜ ንዝነበሩ ክርስትያናት ዝበሎም ነገራት፡ ንዓና ዓብዪ ትርጕም እዩ ዘለዎ፣ ንሱ፡ “ምድሓን ካብቲ ዝአመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ አሎ እሞ፡ ሕጂ ካብ ድቃስ እትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ” በለ።—ሮሜ 13:11።
18 እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚፍጸም ዘሎ ፍጻመታት፡ ንሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ብመንፈስ ዜድልዮ ነገራት ከም ዚግደስ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት ድማ፡ ሰብኣውያን መንግስትታት ንቝጠባዊ ጸገማት፡ ንኑክልየሳዊ ስግኣት፡ ንዓመጽ፡ ወይ ከኣ ንኣከባብያዊ ዕንወት ኬወግዳኦ ኸም ዘይከኣላ ኺሓስቡ ኸለዉ፡ ደቂ ሰብ ሓገዝ ከም ዜድልዮም ይግንዘቡ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ስድራ ቤቶም ዜጋጥሞም ነገራት፡ ማለት ብምኽንያት ጸገማት ጥዕና፡ ፍትሕ፡ ወይ ሞት ዜፍቅርዎ ሰብ፡ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ኪግንዘቡ ይጅምሩ እዮም። ኣብ ኣገልግሎት ክንካፈል ከለና፡ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ኢና እንሕግዞም።
ብናይ ህጹጽነት መንፈስ እተደረኹ
19, 20. ናይ ህጹጽነት መንፈስ ንብዙሓት ክርስትያናት ኣነባብራኦም ኪቕይሩ ዝደረኾም ብኸመይ እዩ፧
19 ብዙሓት ክርስትያናት ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ተደሪኾም፡ ኣብ ኣገልግሎት ዚገብርዎ ተሳትፎ ኣስፊሖም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ኤኳዶር ዚነብሩ መንእሰያት ሰብ ሓዳር፡ ነቲ ብ2006 እተገብረ “ጥዕይቲ ዓይኒ ትሃልኹም” ዘርእስቱ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ምስ ሰምዑ፡ ናብራኦም ኬቕልሉ ወሰኑ። ነቲ ዘየድልዮም ነገራት ኣብ ጽሑፍ ኣስፈርዎ፣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ድማ፡ ካብ ሰለስተ መደቀሲ ዘለዎ ኣፓርታማ ናብ ሓንቲ መደቀሲ ዘለዋ ኣፓርታማ ገዓዙ፣ እተወሰነ ነገራት ሸይጦም ከኣ፡ ካብ ዕዳ ናጻ ዀኑ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ጀመሩ፣ ሓላው ወረዳኦም ናብ ሓንቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩላ ጉባኤ ኺግዕዙ ሓሳብ ምስ ኣቕረበሎም ድማ፡ ከምቲ ዝበሎም ገበሩ።
20 ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዚነብር ሓደ ሓው ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኣነን ሰበይተይን ኣብቲ ብ2006 እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ኣብ እተኻፈልናሉ እዋን፡ ካብ እንጥመቕ 30 ዓመት ጌርና ነበርና። ናብ ቤትና ኽንምለስ ከለና ድማ፡ ነቲ ናብራና ኸነቕልል እተዋህበ ምኽሪ ብኸመይ ክንትግብሮ ኸም እንኽእል ተዘራረብና። (ማቴ. 6:19-22) ሰለስተ ኣባይትን መሬትን ምሹኣት ማካይንን ጃልባን ተንቀሳቓሲት ቤትን ነበረና። ዓሺና ኸም ዝነበርና ተገንዘብና፣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽንጅምር ከኣ ሸቶ ገበርና። ብ2008 ምስታ ኣቐዲማ ፈላሚት ዝነበረት ጓልና ዄንና ስሩዓት ፈለምቲ ዀንና። ምስ ኣሕዋትና ተቐራሪብና ምዕያይና ኣዝዩ ኣሐጒሱና እዩ። ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት እውን ከነገልግል ክኢልና ኢና። ብዘይካዚ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ምግልጋል፡ ናብኡ ኸም እንቐርብ ገይሩና እዩ። ልዕሊ ዅሉ ዜሐጕሰና ግና፡ ሰባት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ኺሰምዕዎን ኪርድእዎን ከለዉ ዚስምዖም ናይ ሓጐስ ስምዒት እዩ።”
21. ኣየናይ ፍልጠት እዩ ንተግባር ዚድርኸና፧
21 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ፡ ኣብ “መዓልቲ ፍርድን . . . ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን” ከም ዚድምሰስ ንፈልጥ ኢና። (2 ጴጥ. 3:7) እቲ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዘሎና ፍልጠት፡ ብዛዕባ ዓብዪ መከራን ብዛዕባ እታ ድሕሪኡ እትመጽእ ሓዳስ ዓለምን ብቕንኣት ንኽንእውጅ ይድርኸና እዩ። ንሰባት ናይ ሓቂ ተስፋ ምእንቲ ኸነስንቖም፡ ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ክንዓዪ ኢና። ኣብዚ ህጹጽ ዕዮ እዚ ምሉእ ብምሉእ ብምስታፍ፡ ንኣምላኽን ንሰባትን ዘላትና ፍቕሪ ኸነርኢ ኢና።