ንስብከት ብዚምልከት ናይ ህጽጹነት መንፈስ እነማዕብለሉ መገድታት
ናይ ህጽጹነት መንፈስ ኪምዕብል ዚግብኦ እዩ፣ ካብ መወዳእታ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ንኽንድሕን ከኣ እዚ መንፈስ እዚ የድልየና እዩ። ኣብዚ ዚስዕብ መዘኻኸሪታት ብምቕላብ፡ ናይ ህጽጹነት መንፈስና ኸነደልድሎ ንኽእል ኢና።
ብዛዕባ እታ መንግስቲ ኣዘውቲርካ ጸሊ።—ማቴ. 6:10።
መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ብምንባብ፡ ልብኻ ሓሉ።—እብ. 3:12።
ንግዜኻ ብጥበብ ተጠቐመሉ።—ኤፌ. 5:15, 16፣ ፊል. 1:10።
“ትኵርቲ” ዓይኒ ትሃሉኻ። ኣቓልቦኻ ብዓለማዊ ትምኒታት ከይትሰሓብ ድማ ተጠንቀቕ።—ማቴ. 6:22, 25፣ 2 ጢሞ. 4:10።
ንፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብንቕሓት ተኸታተሎ።—ማር. 13:35-37።
ናይ ህጽጹነት መንፈስ ምሓዝና፡ ኣብቲ ኺዛዘም ቀሪቡ ዘሎ ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ንኽንካፈል ይድርኸና!—ዮሃ. 4:34, 35።