ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/04 ገጽ 1
  • ናይ ህጹጽነት ስምዒት ይሃልኹም!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ህጹጽነት ስምዒት ይሃልኹም!
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ህጹጽነት መንፈስካ ኣይተጥፍእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ነቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒትካ ሓልዎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንስብከት ብዚምልከት ናይ ህጽጹነት መንፈስ እነማዕብለሉ መገድታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • መወዳእታ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ ኣበርቲዕካ ምምስካር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 11/04 ገጽ 1

ናይ ህጹጽነት ስምዒት ይሃልኹም!

1 የሱስ ዕዮ ኣቦኡ ንምፍጻም ኣብ ምድሪ ዚጸንሓሉ ግዜ ውሱን ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 9:4) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ኣገልግሎቱ ንምፍጻም ብናይ ህጽጹነት ስምዒት ዝዓየየ: ንደቀ መዛሙርቱ እውን ብተመሳሳሊ ስምዒት ንኺዓዩ ዘሰልጠኖም። (ሉቃ. 4:42-44፣ 8:1፣ 10:2-4) ንስጋዊ ምሾት ካልኣይ ቦታ እዩ ዚህቦ ነይሩ። (ማቴ. 8:20) ከምዚ ስለ ዝገበረ ኸኣ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ኺፍጽም ከኣለ።—ዮሃ. 17:4

2 ውሱን ግዜ:- ነቲ ብስራት “ኣብ ብዘላ ዓለም” ንምስባኽ እተዋህበ ግዜ እውን ውሱን እዩ። (ማቴ. 24:14) ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ ምጽንቃቕ ናይ መወዳእታ ዘመን ንነብር ምህላውና እዩ ዚገልጽ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ እቶም “ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን . . . ብመቕጻዕቲ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት . . . ኪቕጽዑ እዮም።” (2 ተሰ. 1:6-9) እዚ ፍርዲ እዚ ብድንገት ኪመጽእ እዩ። (ሉቃ. 21:34, 35፣ 1 ተሰ. 5:2, 3) ሰባት ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ከም ዘለዉ ኺርድኡ ኣለዎም። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ግዜ ኸለዎም ስምረት የሆዋ ኺደልዩ ኽንሕግዞም ሓላፍነትና እዩ።—ጸፎ. 2:2, 3

3 ዝከኣለና ምግባር:- ኣገልገልቲ ኣምላኽ “እቲ ዘመን ሓጺር” ምዃኑ ስለ ዚፈልጡ ንዕዮ ስብከት እዮም ቀዳምነት ዚህቡ። (1 ቈረ. 7:29-31፣ ማቴ. 6:33) ገሊኦም ኣሕዋት ኣብ ኣገልግሎት ዘለዎም ተሳታፍነት ምእንቲ ኼዕብዩ ኢሎም ቍጠባዊ ረብሓታት ኪረኽብሉ ዚኽእሉ ኣጋጣሚታት ወይውን ብሕታዊ ዋኒኖም ሓዲጐም እዮም። (ማር. 10:29, 30) ካልኦት ከኣ ዋላ እኳ ፈተናታት እንተ ኣጋጠሞም ‘ብዕዮ ጐይታ ዕዙዛት’ ኰይኖም ቀጺሎም እዮም። (1 ቈረ. 15:58) ብዙሓት ከኣ ነግፈረግ ከይበሉ ንዓሰርተታት ዓመታት ነቲ ብስራት ብጋህዲ ሰቢኾም እዮም። (እብ. 10:23) የሆዋ ንዅሉ እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዚኽፈል መስዋእትታት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ።—እብ. 6:10

4 ንዕዮ ስብከት ሓዊስካ ህይወትና ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ኸም እተተኵር ምግባር ንመዓልቲ የሆዋ ኣብ ኣእምሮና ኣቕሪብና ኸም እንሕዛ ኺገብረና ይኽእል እዩ። ብናይ ሰይጣን ዓለም ንኸይንስሕት የዕቍበና: ነቲ ብቕዱስ ተግባር ንኽንመላለስ ዝገበርናዮ ውሳኔ ድማ የጽንዓልና። (2 ጴጥ. 3:11-14) ብርግጽ እምበኣር: ኣገልግሎትና ብናይ ህጽጹነት ስምዒት ምስ እንዓዪ ንህይወትናን ንህይወት እቶም ዚሰምዑናን ከነድሕን ንኽእል ኢና።—1 ጢሞ. 4:16

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ