ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/3 ገጽ 30-31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስእለ ጽዩፍ ስእለ ጽዩፍ
    ንቕሑ!—2013
  • ስእለ ጽዩፍ—ጕድኣት ዘይብሉ ድዩ ወይስ ሓደገኛ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ስለምንታይ እየ ኻብ ስእለ-ጽዩፍ ክርሕቕ ዘሎኒ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ካብ መጻወድያ ሰይጣን ንምምላጥ ዜኽእል ዕቝባ ብኸመይ ንረክብ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/3 ገጽ 30-31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ስእለ ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ኣመል ዘለዎ ክርስትያን፡ ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽሳዕ ምውጋድ ኪበጽሕ ይኽእል ድዩ፧

▪ እወ፡ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መጽሔታት፡ ኣብ ፊልምታት፡ ኣብ ቪድዮታት፡ ኰነ ኣብ ኢንተርነት ብጽሑፍን ብስእልን ዚቐርብ ኵሉ ዓይነት ስእለ ጽዩፍ ከነወግዶ ኸም ዘሎና ዜጕልሕ እዩ።

ስእለ ጽዩፍ ኣብ ዓለም ኣብ ኵሉ ቦታ እዩ ተዘርጊሑ ዘሎ። ብምኽንያት ኢንተርነት ድማ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብቐሊሉ እዩ ዚርከብ፣ ቍጽሪ እቶም በዚ ዚልከፉ ሰባት ከኣ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ገሊኦም መንእሰያትን ዓበይትን፡ ስእለ ጽዩፍ ዚረኣየሉ ወብ ሳይት ብዘይፍላጥ ከፊቶም እዮም። ገሊኣቶም ግና፡ ኣብ ቤት ወይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኰይኖም ብሕቡእ ኪርእዩ ኸለዉ ስለ ዘይስከፉ፡ ደይመደይ ኢሎም እዮም ዚኸፍትዎ። እዚ ንክርስትያናት ሓደገኛ ዝዀነ ግና ስለምንታይ እዩ፧

ሓደገኛ ዝዀነሉ መሰረታዊ ምኽንያት ኣብቲ የሱስ፡ “ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ” ብምባል ዝሃቦ ሓሳብ ተጠቒሱ ኣሎ። (ማቴ. 5:28) ሓቂ እዩ፡ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ብመውስቦ ዚግበር ንቡር ጾታዊ ርክብ፡ ግቡእን ባህ ዜብልን እዩ። (ምሳ. 5:15-19፣ 1 ቈረ. 7:2-5) ስእለ ጽዩፍ ግና ነዚ ንምትብባዕ ዘይኰነስ፡ ነቲ የሱስ ዘጠንቀቖ ርኹስ ሓሳባት ዜለዓዕል ብዕሉግ ጾታዊ ርክብ ንምትብባዕ እዩ ዚዳሎ። ስለዚ እምበኣር፡ ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ፡ ምስቲ፡ “ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፤ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ” ዚብል መለኮታዊ መምርሒ ዚጻረር እዩ።—ቈሎ. 3:5።

ሓደ ክርስትያን ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ጥራይ ስእለ ጽዩፍ እንተ ርእዩኸ፧ ኵነታቱ ምስቲ ንሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መዝሙር ዝዀነ ኣሳፍ ዘጋጠሞ ሓደገኛ ዅነታት ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ኣሳፍ፡ “ኣነ ግና ኣእጋረይ ሰንከልከል ንምባል፡ ስጕምተይ ንምንድልሃጽ ቀሪበ ነበርኩ” በለ። ሓደ ክርስትያን ጥራሕ ነብሱ ዝዀነ ሰብ ወይ ከኣ መጻምድቲ ኺምንዝሩ ኸለዉ ምስ ዚርኢ፡ ከመይ ኢሉ እዩ እሞ ንጹህ ሕልና ሒዙ ምስ ኣምላኽ ሰላም ኪህልዎ ዚኽእል፧ ኣሳፍ እውን “ምሉእ መዓልቲ ተሰቅየ፡ ንግሆ ንግሆውን ተቐጺዔ እየ” ምባሉ ሰላም ከም ዘይነበሮ ዚሕብር እዩ።—መዝ. 73:2, 14።

ስእለ ጽዩፍ ዚርኢ ክርስትያን፡ ኪነቅሕን መንፈሳዊ ሓገዝ ኪደልን ይግባእ። እዚ ሓገዝ እዚ፡ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እዩ ዚርከብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣሕዋተየ፡ ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያን፡ ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ” ይብል። (ገላ. 6:1) ነቲ ሰብ እቲ፡ ሓደ ወይ ክልተ ሽማግለታት ዜድልዮ ሓገዝ ኪህብዎ ይኽእሉ እዮም። ንሳቶም፡ የሆዋ ‘ነቲ ሕሙም ከም ዜድሕኖ’ ብምትእምማን ኪጽልዩሉ ይኽእሉ እዮም። ሓጢኣቱ ድማ “ኪሕደገሉ እዩ።” (ያእ. 5:13-15) እቶም ስእለ ጽዩፍ ካብ ምርኣይ ኪቝጠቡ ሓገዝ እተዋህቦም ሰባት፡ ልክዕ ከምቲ ኣሳፍ ዝበሎ፡ “ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ” ኺብሉ ይኽእሉ እዮም።—መዝ. 73:28።

ይኹን እምበር፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ሓጢኣት ዝገበሩ ገሊኦም ሰባት፡ “ካብቲ ዝገበርዎ ርኽሰትን ምንዝርን ዕብዳንን” ከም ዘይተነስሑ ገሊጹ ኣሎ።a (2 ቈረ. 12:21) ፕሮፌሰር ማርቪን ኣር. ቪንሰንት፡ ብዛዕባ እታ “ርኽሰት” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል፡ ንርስሓት፡ ወይ ንሕስረት ከም እተመልክት ገሊጹ ኣሎ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ገሊኡ ስእለ ጽዩፍ ጥራሕ ነብሰን ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ወይ ከኣ ሰብኣይን ሰበይትን ምንዝር ኪፍጽሙ ኸለዉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ግብረ ሰዶም (ሕደ ጾታ ዘለዎም ሰባት ዚገብርዎ ጾታዊ ርክብ)፡ ብጕጅለ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ምስ እንስሳ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ምስ ቈልዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ብጕጅለ ዚገብር ምግሳስ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዚፍጸም ጭካነ፡ ጾታዊ ባህጊ ንምርዋይ ኢልካ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ሰባት ዚወርድ ስቓይ ዝኣመሰለ ዜስገድግድ ዓይነት ጽዩፍ ተግባራት ዜርኢ እዩ። ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ገለ ሰባት፡ “ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ . . . ድንዙዛት ኰይኖምውን ብስስዔ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቁ” ኢሉ ኣሎ።—ኤፌ. 4:18, 19።

ጳውሎስ፡ ኣብ ገላትያ 5:19 እውን ብዛዕባ “ርኽሰት” ጠቒሱ ኣሎ። ሓደ እንግሊዛዊ ምሁር፡ “ርኽሰት” ንዘይባህርያዊ ህርፋን ጾታዊ ርክብ ከም ዜመልክት ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ኣቐዲምና እተመያየጥናሉ ዓይነት ስእለ ጽዩፍ ኣዝዩ ዜፈንፍን ብምዃኑ ዘይባህርያዊ ህርፋን ከም ዜለዓዕል ኵሎም ክርስትያናት ይኣምኑሉ እዮም። ጳውሎስ ኣብ ገላትያ 5:19-21፡ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ርኽሰት “ዚገብሩ” ሰባት “ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” ገሊጹ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር፡ ሓደ ሰብ ኣዝዩ ዜፈንፍንን ዜስገድግድን ዓይነት ስእለ ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ወልፊ እንተ ኣልይዎ እሞ፡ ምናልባት እውን ብተደጋጋሚ ንነዊሕ እዋን ዚርኢ እንተ ዀይኑ፡ ተነሲሑ እንተ ዘየቋሪጽዎ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺነብር ኣይክእልን እዩ። ንጽህናን መንፈስን እታ ጉባኤ ምእንቲ ኺሕሎ ኺውገድ ኣለዎ።—1 ቈረ. 5:5, 11።

ዜፈንፍንን ዜስገድግድን ዓይነት ስእለ ጽዩፍ ዚርእዩ ዝነበሩ እሞ ናብ ሽማግለታት ቀሪቦም መንፈሳዊ ሓገዝ ዝረኸቡ ገሊኦም ሰባት፡ ኣብ ህይወቶም ዓብዪ ለውጢ ኸም ዝገበሩ ምፍላጥና ዜሐጕስ እዩ። የሱስ ኣብ ጥንታዊት ሳርዴስ ንዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት፡ “ነቶም ኪሞቱ ኢሎም ዘለዉ ኻልኦትውን ኣበርትዓዮም። ደጊም ከመይ ጌርካ ኸም እተቐበልካን ከም ዝሰማዕካን ዘክር፡ ሐልዎ ተነሳሕውን። እንተ ዘይነቓሕካ ግና፡ . . . በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካውን ኣይክትፈልጥን ኢኻ” በሎም። (ራእ. 3:2, 3) ሓደ ሰብ እንተ ተነሲሑ ኻብ ሓዊ ኺምንጠል ይኽእል እዩ።—ይሁ. 22, 23።

ቅድሚ ዝኣገረ ግና፡ ነፍሲ ወከፍና ናብ ጥቓ እዚ ሓደገኛ ዅነታት ገጽና ኸይንቐርብ ክንጥንቀቕ ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ! እወ፡ ካብ ኵሉ ዓይነት ስእለ ጽዩፍ ክንርሕቕ ቈራጽነት ክንገብር ይግባእ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ መንጎ “ርኽሰትን ምንዝርን ዕብዳንን” እንታይ ፍልልይ ከም ዘሎ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 2006 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 29-31 ርአ።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ስእለ ጽዩፍ ዚርኢ ክርስትያን፡ ኪነቅሕን መንፈሳዊ ሓገዝ ኪደልን ይግባእ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ