ሎሚ ክርስትያናት እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧
ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ፖለቲካ ኣይኣትዉን እዮም። ስለምንታይ፧ ኣብነት የሱስ ስለ ዚስዕቡ እዮም። የሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኺዛረብ ከሎ፡ ‘ኣነ ኻብ ዓለም ኣይኰንኩን’ በለ። ብዛዕባ ሰዓብቱ ኸኣ፡ “ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ። (ዮሃንስ 15:19፣ 17:14) ክርስትያናት ኣብ ፖለቲካ ኺኣትዉ ዘይብሎም ስለምንታይ ምዃኑ እስከ ገለ ምኽንያታት ንርአ።
1. ዓቕሚ ደቂ ሰብ ድሩት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደቂ ሰብ ንገዛእ ርእሶም ባዕሎም ኪመርሑ ኸም ዘይክእሉን ከምኡ ናይ ምግባር መሰል ከም ዘይብሎምን ይገልጽ እዩ። ነብዪ ኤርምያስ፡ “እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ” ጽሒፉ ነይሩ እዩ።—ኤርምያስ 10:23።
ልክዕ ከምቲ ደቂ ሰብ ብናይ ገዛእ ርእሶም ብርታዐ ጥራይ ኪነፍሩ ዘይተፈጥሩ፡ ንገዛእ ርእሶም ንኼመሓድሩ እውን ኣይተፈጥሩን። ዴቪድ ፍሮምኪን ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ብዛዕባ ድሩትነት ሰብኣውያን መንግስትታት ኪገልጽ ከሎ፡ “መንግስትታት ብሰባት ዝቘማ እየን፣ ስለዚ፡ ዘይፍጹማትን መጻኢአን ዘይፍለጥን እየን። ሓይሊ እኳ እንተ ሃለወን፡ ሓይለን ግና ድሩት እዩ” በለ። (ዘ ኰስችን ኦቭ ጋቨርንመንት) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ወዲ ሰብ ከይንውከል ኬጠንቅቐና እምበኣር ሓቁ እዩ።—መዝሙር 146:3።
2. ኣብዚ እዋን እዚ፡ እኩያት መናፍስቲ ጽልዋ የሕድሩ እዮም። ሰይጣን ንየሱስ ግዝኣት ዓለም ከም ዚህቦ ምስ ነገሮ፡ የሱስ፡ ሰይጣን መንግስትታት ኵላ ዓለም ናይ ምሃብ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣይከሓደን። የግዳስ፡ ጸኒሑ ንሰይጣን፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ጸውዖ። እተወሰነ ዓመታት ጸኒሑ እውን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰይጣን፡ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ጸውዖ። (ዮሃንስ 14:30፣ 2 ቈረንቶስ 4:4) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ “እቲ ቕልስና . . . ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ኤፌሶን 6:12) ብሓቂ እምበኣር፡ እኩያት መናፍስቲ እዮም ንዓለም ዚገዝእዋ ዘለዉ። እዚ ሓቂ እዚ፡ ነቲ ብዛዕባ ፖለቲካ ዘሎና ኣረኣእያ ኺጸልዎ ዚግባእ ብኸመይ እዩ፧
ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ መነጻጸሪ እሞ ሕሰብ፦ ልክዕ ከምቲ ንኣሽቱ ጀላቡ ብሓያል ማዕበል ናብዝን ናብትን ዚድፍኣ፡ ፖለቲካዊ ስርዓት ደቂ ሰብ እውን ብሓያላትን ብእኩያትን መናፍስቲ እዩ ዚድፋእ። ብዘይካዚ፡ ኣብተን ጀላቡ ዘለዉ ባሕረኛታት ነቲ ሓያል ማዕበል ኣንፈቱ ኬቐይርዎ ኣይክእሉን እዮም፣ ፖለቲከኛታት እውን እንተ ዀኑ፡ ንጽልዋ እቶም ሓያላት መናፍስቲ ናይ ምቕያር ዓቕሚ የብሎምን። እዞም መናፍስቲ እዚኣቶም፡ ንደቂ ሰብ ከም ዘይዕረዩ ገይሮም ኬበላሽውዎምን ኣብ ልዕሊ ምድሪ መዓት ኬምጽኡን ቈሪጾም እዮም ተላዒሎም ዘለዉ። (ራእይ 12:12) ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ለውጢ ኺመጽእ ዚኽእል፡ ካብ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ብዚሕይል ኣካል፡ ማለት ብየሆዋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ።—መዝሙር 83:18፣ ኤርምያስ 10:7, 10።
3. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እዮም ዚድግፉ። የሱስን ደቀ መዛሙርቱን፡ ኣምላኽ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ኣብ ልዕሊ ምልእቲ ምድሪ እትገዝእ መንግስቲ ኣብ ሰማይ ከም ዜቕውም ይፈልጡ ነበሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ መንግስቲ እዚኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ እዩ ዚጽውዓ፣ ንጉስ እዛ መንግስቲ እዚኣ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ኸኣ ይሕብር እዩ። (ራእይ 11:15) እታ መንግስቲ ንዅሎም ደቂ ሰብ ስለ እትጸልዎም፡ የሱስ ኪምህር ከሎ፡ ኣብ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ኣተኰረ። (ሉቃስ 4:43) ብዘይካዚ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢሎም ኪጽልዩ መሃሮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ በታ መንግስቲ እቲኣ ኣቢሉ እዩ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ብርግጽ ዚፍጸም።—ማቴዎስ 6:9, 10።
ንሰብኣውያን መንግስትታትከ እንታይ ኬጋጥመን እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንግስትታት “ኵላ ዓለም” ከም ዚጠፍኣ እዩ ዚሕብር። (ራእይ 16:14፣ 19:19-21) ሓደ ሰብ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ፖለቲካዊ ስርዓታት ደቂ ሰብ ከም እተጥፍኦ ዚኣምን እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ስርዓታት ኣይድግፎን እዩ። ከመይሲ፡ ነተን ንጥፍኣት እተመጠዋ ሰብኣውያን መንግስትታት ዚድግፈን እንተ ዀይኑ፡ ምስ ኣምላኽ እዩ ዚጻረር።
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ፖለቲካ ዘይኣትዉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ነቲ ዚነብሩሉ ማሕበረሰብ ንምምሕያሽ ዋላ ሓንቲ ኣይጽዕሩን እዮም ማለት ድዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንምልሳ ኢና።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ስለ ዚድግፉ፡ ፖለቲካዊ ለውጢ ኼምጽኡ ኣይጽዕሩን እዮም