እቲ ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧
ብዙሓት ሰባት ይጽልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ገሊኣቶም ግና ብህልውና ኣምላኽ ይጠራጠሩ እዮም። ስለምንታይ እዮም ግና ዚጠራጠሩ፧ ምናልባት ኣብዛ ዓለም ብዙሕ መከራ ስለ ዚርእዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንስኻኸ፡ ‘ኣምላኽ ስለምንታይ እዩ መከራ ኪህሉ ፈቒዱ፧’ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧
ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡ ከምዚ ሕጂ ዘለውዎ፡ ዘይፍጹማትን ብመከራ ዚሳቐዩን ገይሩ ድዩ ፈጢርዎም፧ መቸም ደቂ ሰብ ብመከራ ኺሳቐዩ ንዚደሊ ኣምላኽ ከነኽብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ዚስዕብ እስከ ሕሰበሉ፦ ንሓንቲ ሓዳስ ማኪና ብኣድንቖት እናዞርካ ኽትርእያ ኸለኻ፡ ብሓደ ሸነኻ ኸም እተጨፍለቐት ኣስተብሂልካ፣ እቶም ሰብ ትካል ነታ ማኪና ኸምኡ ገይሮም ከም ዝሰርሕዋ ጌርካ ምሓሰብካዶ፧ ኣይፋልካን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ እቶም ሰብ ትካል ነታ ማኪና “ጽቡቕ” ገይሮም ከም ዝሰርሕዋ፡ ግናኸ ሓደ ሰብ ወይ ሓደ ነገር ነታ ማኪና ኸም ዝጨፍለቓ ኢኻ እትድምድም።
ብተመሳሳሊ፡ በቲ ኣብ ተፈጥሮ ዚርአ ዜስተንክር ስርዓትን ንድፍን እኳ እንተ ተደነቕና፡ ነቲ ንደቂ ሰብ መከራ ዜውርደሎም ዘሎ ዕግርግርን ብልሽውናን ምስ ረኣና፡ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና እንበጽሕ፧ ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ፍጹማት ገይሩ ኸም ዝፈጠሮም፡ ግናኸ ባዕላቶም ንርእሶም ከም ዝጐድኡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። (ዘዳግም 32:4, 5) እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ኣምላኽ ነቲ ጕድኣት ከም ዜዐርዮ፡ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ከኣ ናብ ፍጽምና ኸም ዜብጽሖም ተመባጺዑ ኣሎ። ስለምንታይ እዩ ግና ክንድዚ ዚኣክል ነዊሕ ግዜ ኺጽበ ኣድልይዎ፧
ስለምንታይ እዩ ኽንድዚ ዚኣክል ነዊሕ ግዜ ኣድልዩ፧
እቲ ምኽንያት፡ ምስቲ፡ ‘ንደቂ ሰብ ኪገዝኦም ዘለዎ መን እዩ፧’ ዚብል ሕቶ ዚተሓሓዝ እዩ። የሆዋ ንደቂ ሰብ፡ ንገዛእ ርእሶም ኪገዝኡ ኣይኰነን ፈጢርዎም። ከመይሲ፡ ንሱ እዩ ገዛኢኦም ኪኸውን ነይርዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ” ይገልጽ እዩ። (ኤርምያስ 10:23) እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቶም ናይ መጀመርታ ሰባት፡ ካብ ግዝኣት ኣምላኽ ንምዕላው መረጹ። በቲ ተግባሮም ድማ ሓጥኣን ኰኑ። (1 ዮሃንስ 3:4) ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ፍጽምናኦም ኣጥፍኡ፣ ኣብ ገዛእ ርእሶምን ኣብ ልዕሊ ዘርኦምን ድማ ጕድኣት ኣውረዱ።
የሆዋ፡ ደቂ ሰብ ንኣሽሓት ዓመታት ንገዛእ ርእሶም ኪገዝኡ እኳ እንተ ፈቐደሎም፡ ከምኡ ኺገብሩ ኸም ዘይክእሉ ግና ኣብ ታሪኽ ተራእዩ እዩ። ኵለን ሰብኣውያን መንግስትታት፡ መከራ የምጽኣ እየን። ውግእን ገበንን ዘይፍትሓዊ ተግባራትን ሕማምን ከተወግድ ዝኸኣለት መንግስቲ የላን።
ኣምላኽ ነቲ ዝወረደ ጕድኣት ዜወግዶ ብኸመይ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ከም ዜምጽእ ይመባጻዕ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:13) እቶም ብናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ምምራጽ ናጽነት ተጠቒሞም ንሓድሕዶም ዚፋቐሩን ንኣምላኽ ዜፍቅሩን ሰባት ጥራይ እዮም ኣብታ ሓዳስ ዓለም ዚነብሩ።—ዘዳግም 30:15, 16, 19, 20።
ብዘይካዚ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብታ ኣዝያ እትቐርብ ዘላ “መዓልቲ ፍርዲ፡” ኣምላኽ ንመከራን ነቶም መከራ ዜምጽኡን ከም ዜወግዶም ይገልጽ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:7) ድሕሪኡ፡ እቲ ብኣምላኽ እተሸመ ገዛኢ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ፡ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ኪገዝኦም እዩ። (ዳንኤል 7:13, 14) ግዝኣት የሱስ እንታይ ኪዓምም እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ይብል።—መዝሙር 37:11።
የሱስ ሰማያዊ ንጉስ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንዅሉ እቲ ብሰንኪ ደቂ ሰብ ካብቲ ‘ፈልፋሊ ህይወት’ ዝዀነ የሆዋ ብምዕላዎም ዝመጸ ጕድኣት፡ እንተላይ ንሕማምን ንእርጋንን ንሞትን ኬወግዶ እዩ። (መዝሙር 36:9) ንዅሎም እቶም ንፍቕራዊ ግዝኣቱ ዚቕበልዎ ሰባት ከኣ ኬሕውዮም እዩ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ፡ እዚ ዚስዕብ መብጽዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም እዩ፦
◼ “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ፡ ሕማቕ እየ፡ [“ሕሙም እየ፡” ትርጕም 1990] ኣይብልን፡ እቲ ኣብኣ ዚነብር ህዝቢ ኣበሳኡ ተሐዲጉሉ እዩ።”—ኢሳይያስ 33:24።
◼ “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4።
ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነቲ ንዅሉ መከራ ኸም ዜጥፍኦ ዝኣተዎ መብጽዓ ኺፍጽሞ ምዃኑ ምፍላጥናስ ዜጸናንዕ ደይኰነን፧ ኣምላኽ ንግዜኡ መከራ ኺህሉ እኳ እንተ ፈቐደ፡ ንጸሎትና ኸም ዚሰምዖ ግና ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።
ኣምላኽ ኣሎ። ነቲ ብስቓይን ብጓህን እተቕርቦ ጸሎት ድማ ኪሰምዖ ይኽእል እዩ። ኵሉ እቲ ዜጠራጥረካን ዜሳቕየካን ነገራት ተወጊዱ፡ ተሓጒስካ ኽትነብር ከለኻ ንኺርኢ ይህንጠ እዩ።