ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/7 ገጽ 8-10
  • ነቲ ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል ቅረቦ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል ቅረቦ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ መርትዖ ባዕልኻ መርምሮ
  • እቲ ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ክትጽሊ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ናብ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትቐርብ
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/7 ገጽ 8-10

ነቲ ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል ቅረቦ

ብዙሓት ብኣምላኽ ከም ዚኣምኑ ዚዛረቡ ሰባት፡ ብዛዕባ እምነቶም ኪገልጹ ኣይክእሉን እዮም። ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኺህሉ ኸም ዝፈቐደን ሃይማኖት መብዛሕትኡ ግዜ ሕማቕ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑን ኪገልጹ ኣይክእሉን እዮም። ናብቲ መንነቱ ዘይርድእዎ ኣምላኽ ኪጽልዩ ጥራይ እዮም ዚኽእሉ።

ንስኻ ግና ካባታቶም ንላዕሊ ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ ትኽእል ኢኻ። ንእምነትካ ኣብቲ ንኣምላኽ ከም እተፍቅሮን ኣኽቢርካ ኸም እትርእዮን ዚገብረካ ምርዳእ ክትሃንጻ ትኽእል ኢኻ። ከመይሲ፡ ናይ ሓቂ እምነት ኣብ መርትዖ እተመርኰሰት እያ። (እብራውያን 11:1) ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንተ ተማሂርካ፡ ክትፈልጦን ከም ፈታዊኻ ኸተዘራርቦን ትኽእል ኢኻ። ቀጺልና እስከ ብዛዕባ እቶም ብህልውና ኣምላኽ እናተጠራጠሩ ኽነሶም ናብኡ ዚጽልዩ ዝነበሩ ሰባት ንርአ።

◼ እታ ኣብታ ናይ መጀመርታ ዓንቀጽ እተጠቕሰት ፓትሪሻ። “ሓደ መዓልቲ፡ ምስ ዓሰርተ ዚዀኑ ፈተውተይ ከለኹ፡ ብዛዕባ ሃይማኖት ኬዕልሉ ጀመሩ። ኣነ ኸኣ፡ እቲ ብህልውና ኣምላኽ ዘይኣምን ኣቦይ ምስ ሓንቲ ናብ ቤትና ዝመጸት ናይ የሆዋ ምስክር ዚገብርዎ ዝነበሩ ምይይጥ ከይሰምዕ ኢለ ኸም ዝመጻእኩ ነገርክዎም። ሓደ ኻብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ፈተውተይ ድማ፡ ‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር እኮ ቕኑዓት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም’ በለ።

“ሓንቲ ኻብተን መሓዙተይ ከኣ፡ ‘ስለምንታይ እሞ ናብቲ ዚገብርዎ ኣኼባ ኼድና ዘይነረጋግጽ፧’ በለት። ከምቲ ዝበለቶ ኸኣ ገበርና። ኣብ ፈለማ ተጠራጢርና እኳ እንተ ነበርና፡ ገሌና ግና፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጠባዮም ጥዑም ስለ ዝዀነ ጥራይ ንእከብ ነበርና።

“ይኹን እምበር፡ ሓደ ሰንበት፡ ንኣረኣእያይ ዝቐየሮ ሓሳብ ሰማዕኩ። እቲ ተዛራባይ፡ ሰባት ስለምንታይ ብመከራ ኸም ዚሳቐዩ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ደቂ ሰብ ኣብ ፈለማ ፍጹማት ከም ዝነበሩ፡ ሓጢኣትን ሞትን ከኣ ብሰንኪ ሓደ ሰብኣይ ናብ ኵሎም ደቂ ሰብ ከም ዝሓለፈ፡ ቅድሚኡ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ብዘይካዚ፡ እቲ ተዛራባይ፡ ደቂ ሰብ ናብቲ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ዘጥፍኦ ፍጽምና ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ሞት የሱስ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ገለጸ።a (ሮሜ 5:12, 18, 19) ብኡብኡ ዅሉ ነገር ተረድኣኒ። ‘ብዛዕባና ብሓቂ ዚግደስ ኣምላኽ ኣሎ ማለት እዩ’ ኢለ ድማ ሓሰብኩ። ነቲ ዚገብሮ ዝነበርኩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቀጸልክዎ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ እዋን፡ ናብ ሓደ ብሓቂ ዘሎ ኣካል ክጽሊ ኸም ዝኽእል ተገንዘብኩ።”

◼ እቲ ኣብታ ናይ መጀመርታ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ኣለን። “ሓደ መዓልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤተይ መጹ፣ ሰበይተይ ድማ ብዛዕባ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር እንታይ ከም ዚብሉ ኽትፈልጥ ስለ ዝደለየት፡ ኪኣትዉ ነገረቶም። ኣነ ግና በዚ ሓረቕኩ። ስለዚ፡ ነቶም ኣጋይሽ ኣብ ሳሎን ሓዲገ፡ ንሰበይተይ ናብ ክሽነ ሒዘያ ኸድኩ እሞ፡ ‘በጃኺ ኢለኪ እስከ ዓሻ ኣይትኹኒ። ነቲ ዚብልዎ ዘለዉ ኽትኣምንዮ ኣይትኽእል ኢኺ’ በልክዋ።

“ንሳ ኸኣ፡ ‘በል ኪድ እሞ፡ ከም እተጋገዩ ኣረጋግጸሎም’ በለትኒ።

“ሓቂ እዩ፡ ከም እተጋገዩ ኸረጋግጸሎም ኣይከኣልኩን። ንሳቶም ግና ብሕያውነት ኣዘራረቡኒ፣ ህይወት ብፍጥረት ድያ መጺኣ ወይስ ብፍልቀት ብዛዕባ ዚብል ሓሳብ እትገልጽ መጽሓፍ ድማ ሃቡኒ። እቲ ኣብታ መጽሓፍ እተገልጸ ሓሳብ፡ ርትዓውን ድልዱል መሰረት ዘለዎን ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽፈልጥ ከም ዘሎኒ ወሰንኩ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመርኩ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓሳባት፡ ካብቲ ቕድሚኡ ብዛዕባ ሃይማኖት ዝሓስቦ ዝነበርኩ ነገራት እተፈልየ ምዃኑ ተገንዘብኩ። ብዛዕባ የሆዋ እናተመሃርኩ ብዝኸድኩ መጠን፡ ናይ ልበይ ኣውጺአ ናብኡ ኽጽሊ ጀመርኩ። ዘይጽቡቕ ኣረኣእያታት ስለ ዝነበረኒ፡ ምእንቲ ኺሕግዘኒ፡ እጽሊ ነበርኩ። የሆዋ ንጸሎተይ ዝመለሶ ዀይኑ ድማ እዩ ዚስምዓኒ።”

◼ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚነብር ኣንድሪው። “ብዛዕባ ስነ ፍልጠት ጽኑዕ ርእይቶታትን ዓብዪ ተገዳስነትን እኳ እንተ ነበረኒ፡ ንኽልሰ ሓሳብ ፍልቀት ግና፡ ካልኦት ሰባት ከም ቅኑዕ ገይሮም ስለ ዚርእይዎ ጥራይ እየ ዝኣምነሉ ነይረ። ብምኽንያት እቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ሕማቕ ነገራት፡ ኣብ ኣምላኽ ኣይኣምንን እየ ነይረ።

“ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ግዜ፡ ‘ኣምላኽ እንተ ኣልዩ፡ ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ክፈልጥ እደሊ እየ። ስለምንታይ እዩ ግና ክንድዚ ገበንን ውግእን ዘሎ፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመኒ ኸሎ፡ ሓገዝ ደልየ እጽሊ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንመን እዛረቦ ኸም ዘለኹ ግና ኣይፈልጥን እየ ነይረ።

“ድሕሪኡ፡ ሓደ ሰብ ንሰበይተይ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት እዛ ዓለም እዚኣስ ክትቅጽል ድያ? ዘርእስታ ትራክት ሃባ። መብዛሕትኡ እዋን፡ እዛ ሕቶ እዚኣ ተተሓሳስበኒ ነበረት። ‘ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልስታት ምምርማሩ ጥቕሚ ይህልዎ ደዀን ይኸውን፧’ ኢለ ድማ ሓሰብኩ። ጸኒሑ፡ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ኸለኹ፡ ሓደ ሰብ፡ ዘ ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ፧b (መጽሓፍ ቅዱስ—ቃል ኣምላኽ ድዩ ወይስ ቃል ሰብ፧) ዘርእስታ መጽሓፍ ሃበኒ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ቅኑዕ ስነ ፍልጠት ከም ዚሰማማዕ ምስ ተገንዘብኩ፡ ብዛዕባኡ ብዝያዳ ኽፈልጥ ዘሎኒ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ስለዚ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓለይ ከም ዚኽእል ምስ ነገረኒ፡ ተሰማማዕኩ። ንዕላማ የሆዋ እናተረዳእክዎ ብዝኸድኩ መጠን፡ የሆዋ ጋህዲ እናዀነለይ መጸ፣ ብጸሎት ኣቢለ ብናጽነት ክዛረቦ ዝኽእል ኰይኑ ኸኣ ተሰምዓኒ።”

◼ ኣብ ለንደን እትነብር ሰዓቢት ፕሮቴስታንት ኰይና ዝዓበየት ጃን። “ብሰሪ ግብዝና ሃይማኖታትን ምብዛሕ መከራን፡ ብዛዕባ ሃይማኖት ዝነበረኒ ተገዳስነት ጠፍአ። ነቲ ኣብ ኮለጅ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ትምህርቲ እውን ኣቋረጽክዎ፣ ገንዘብ ምእንቲ ኽረክብ ከኣ፡ ጊታር ክጻወትን ክደርፍን ጀመርኩ። ኣብቲ እዋን እቲ ድማ እየ ምስ ፓት ተፋሊጠ። ንሱ እውን እንተ ዀነ፡ ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ኰይኑ እኳ እንተ ዓበየ፡ ብዛዕባ ሃይማኖት ኣይግደስን እዩ ነይሩ።

“ብዛዕባ ምብራቓዊ ሃይማኖታት ተገዳስነት ምስ ዝነበሮም ብዙሓት ትምህርቶም ዘቋረጹ ሰባት ኴንና፡ ኣብ ሓደ ሰብ ዘይነብረሉ ቤት ንቕመጥ ነበርና። ንነዊሕ ሰዓታት ብዛዕባ ትርጕም ህይወት ከነዕልል ነምሲ ነበርና። ኣነን ፓትን ኣብ ኣምላኽ ዘይንኣምን እኳ እንተ ነበርና፡ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ ‘ሓይሊ’ ዘሎ ዀይኑ ይስምዓና ነበረ።

“ናይ ሙዚቃ ስራሕ ከነናዲ ኢልና ናብ ሰሜን ዓዲ እንግሊዝ ምስ ገዓዝና፡ ወድና ተወልደ። ሓደ ምሸት፡ ወድና ምስ ሓመመ፡ ናብቲ ዘይኣምነሉ ዝነበርኩ ኣምላኽ ክጽሊ ጀመርኩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ምስ ፓት ዝነበረና ርክብ ንፋስ ስለ ዝኣተዎ፡ ንወድና ሒዘዮ ኸድኩ። ምናልባት ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል እንተሎ ኢለ ድማ፡ ምእንቲ ኺሕግዘኒ እንደገና ጸለኹ። ኣነ እየ ዘይፈለጥኩ ደኣ እምበር፡ ፓት እውን ጸልዩ ነይሩ እዩ።

“ጸኒሑ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ፓት ከይዶም፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወሰነ ግብራዊ ምኽሪ ኣርኣይዎ። ድሕሪኡ ፓት ንዓይ ደወለለይ እሞ፡ ብሓባር ኴንና ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ሓተተኒ። ነዊሕ ከይጸናሕና ኸኣ፡ ንኣምላኽ ከነሐጒሶ እንተ ደሊና፡ ንሓዳርና ሕጋዊ ኽንገብሮ ኸም ዘሎና ተገንዘብና። ርክብና ኣብ ሰንኰፍ ስለ ዝነበረ፡ ከምኡ ምግባር ኣዝዩ ኸበደና።

“ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተፈጸመን መከራ ዜጋጥም ዘሎ ስለምንታይ ምዃኑን መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃንናን ብዝያዳ ኽንፈልጥ ደለና። ቀስ ብቐስ፡ ኣምላኽ ከም ዚግደሰልናን ከምቲ ንሱ ዝበለና ኽንገብር ከም ዘሎናን ተገንዘብና። ተመርዓና ድማ። እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ጥበብ፡ ሰለስተ ውሉዳት ንኸነዕቢ ሓጊዙና እዩ። የሆዋ ንጸሎትና ዝሰምዖ ዀይኑ እዩ ዚስምዓና።”

ነቲ መርትዖ ባዕልኻ መርምሮ

እቶም ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሱ፡ ልክዕ ከም ካልኦት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣይተታለሉን ነይሮም፣ ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኺህሉ ኸም ዝፈቐደ ድማ ፈለጡ። ንነፍሲ ወከፎም የሆዋ ብሓቂ ጸሎት ከም ዚሰምዕ ዘእመኖም፡ ቅኑዕ ምርዳእ መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ኣስተብሂልካዶ፧

ነቲ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ዚገልጽ መርትዖ ኽትምርምሮ ትደሊዶ፧ ብዛዕባ የሆዋ እቲ ሓቂ ንኽትፈልጥን ናብቲ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ኣካል ብኸመይ ክትቀርብ ከም እትኽእል ንኽትመሃርን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።—መዝሙር 65:2።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ እቲ ሞት የሱስ ዘለዎ ናይ ምብጃው ዓቕሚ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 5 ርአ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ንዕላማ የሆዋ እናተረዳእክዎ ብዝኸድኩ መጠን፡ የሆዋ ጋህዲ እናዀነለይ መጸ፣ ብጸሎት ኣቢለ ብናጽነት ክዛረቦ ዝኽእል ኰይኑ ኸኣ ተሰምዓኒ”

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ሓቂ እምነት ኣብ መርትዖን ኣብቲ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ንኽንፈልጥ ዘሎና ባህግን እተመርኰሰት እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ