እቲ ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል መን እዩ፧
ጸሎት ዚሰምዕ እንተ ኣልዩ፡ ፈጣሪ ኪኸውን ኣለዎ። ካብቲ ንሓንጎል ሰብ ዝሰርሖ ፈጣሪ ሓሊፉ እሞ ንሓሳብካ ኼንብቦ ዚኽእል መን እዩ፧ ንጸሎት ኪምልሶን ንደቂ ሰብ ኪሕግዞምን ዚኽእልከ መን እዩ፧ ኰይኑ ግና፡ ‘ኣብ ፈጣሪ ምእማን ርትዓዊ ድዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።
ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ፈጣሪ ንምእማን፡ ንዘመናዊ ስነ ፍልጠት ክትነጽጎ ዘሎካ ዀይኑ ይስምዖም። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ምስ ስነ ፍልጠት ከም ዘይቃዶ ዚገልጽ ሓሳብ፡ ሓቂ ኣይኰነን። ነዚ ዚስዕብ ሓበሬታ እስከ ንርአ።
◼ ብዛዕባ ኣብ 21 ህቡባት ዩኒቨርሲቲታት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከቡ 1,646 ፕሮፌሰራት እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ ሲሶ ዚዀኑ ጥራይ እዮም፡ “ኣብ ኣምላኽ ኣይኣምንን እየ” ኢሎም ሓሳቦም ገሊጾም።
እዚ ሓበሬታ እዚ፡ ሓያሎ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ብህልውና ኣምላኽ ከም ዚኣምኑ ዚሕብር እዩ።
ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዚሕብር መርትዖ
ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል ከም ዘሎ ንዚሕብር መርትዖ፡ ብዓይኒ ዕሙተይ ዲና ኽንቅበሎ ዘሎና፧ ኣይፋልናን። እምነት፡ ብዓይኒ ዕሙተይ ምእማን ማለት ኣይኰነትን። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እምነት፡ “ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ [“መርትዖ፡” NW] እያ” እዩ ዚብል። (እብራውያን 11:1) ንኣብነት፡ ንሞገድ ራድዮ ብዓይንኻ ኽትርእዮ ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀንካ፡ ሞባይልካ ምዕያያ ግና፡ እቲ ድምጺ ዜመሓላልፍ ሞገዳት ከም ዘሎ ዜርኢ ንጹር መርትዖ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል ብዓይንና ኽንርእዮ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ከም ዘሎ ንዚሕብር መርትዖታት ክንምርምሮ ንኽእል ኢና።
ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ዚሕብር መርትዖ ኻበይ ክንረክብ ንኽእል፧ ንኸባቢና ኽንርኢ ጥራይ እዩ ዜድልየና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ፡ እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ” ይብል። (እብራውያን 3:4) እዚ ሓሳብ እዚ ርትዓዊ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ምናልባት ብዛዕባ ምዕሩይነት ዩኒቨርስ፡ ብዛዕባ መበቈል ህይወት፡ ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ ነገራት ንላዕሊ ሕልኽልኽ ዝበለ ሓንጎል ሰብ ክትሓስብ ከለኻ፡ ካብ ደቂ ሰብ ልዕል ዝበለ ኣካል ከም ዘሎ ትኣምን ትኸውን።a
ይኹን እምበር፡ ፍጥረት ብዛዕባ ኣምላኽ ኪምህረና ዚኽእል ነገራት ድሩት እዩ። ንፍጥረት ብምዕዛብ ጥራይ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ከተረጋግጽ ምጽዓር፡ ስጕሚ ናይ ሓደ ናብ ቤትካ ዚመጽእ ዘሎ ሰብ ጥራይ ምስ ምስማዕ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ናብ ኣፋፌት ቤትካ ዝመጸ ሰብ ከም ዘሎ እኳ እንተ ፈለጥካ፡ መን ምዃኑ ንምፍላጥ፡ ነቲ ማዕጾ ኽትከፍቶ ኣሎካ። ብተመሳሳሊ፡ ንመንነት እቲ ዅሉ ዝፈጠረ ኣካል ንምፍላጥ፡ ተወሳኺ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና።
መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ፍልጠት ኣምላኽ ኪመርሓና ዚኽእል ማዕጾ እዩ። ነቲ ማዕጾ ኸፊትካ ነቲ ኣብኡ ዚርከብ ዝርዝራዊ ትንቢታትን ንፍጻመታቱን ብምምርማር፡ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ዚገልጽ መርትዖ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።b ብዘይካዚ፡ እቲ ኣምላኽ ምስ ሰባት ብዛዕባ ዝነበሮ ርክብ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ንባህርይ እቲ ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል ይገልጾ እዩ።
እቲ ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል እንታይ ይመስል፧
እቲ ጸሎት ዚሰምዕ፡ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ከም ዝዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ፣ ንስኻ እውን ነዚ ኣካል እዚ ኽትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። ቀደሙ እውን እንተ ዀነ፡ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል እዩ ኺሰምዕን ኪርዳእን ዚኽእል። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣታ ጸሎት እትሰምዕ፡ ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ” ዚብል ሓሳብ ንረክብ ምዃንናስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! (መዝሙር 65:2) ኣምላኽ ነቶም ብእምነት ናብኡ ዚጽልዩ ይሰምዖም እዩ። ስም እውን ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ነቶም ረሲኣን ርሑቖም እዩ፡ ንጸሎት ጻድቃን ግና ይሰምዖ” ይብል።—ምሳሌ 15:29።
የሆዋ ስምዒት ዘለዎ ኣምላኽ እዩ። “ኣምላኽ ፍቕርን” “ሕጉስ ኣምላኽ”ን እዩ። (2 ቈረንቶስ 13:11፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:11፡ NW) እከይ ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ እዋን እንታይ ከም እተሰምዖ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ብልቡ ድማ ጐሀየ” ይብል። (ዘፍጥረት 6:5, 6) ኣምላኽ ንሰባት ብመከራ ገይሩ ኸም ዚፍትኖም ዚገልጽ ሓሳብ ጌጋ እዩ። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ረሲእነት ካብ ኣምላኽ ይርሐቕ” እዩ ዚብል። (እዮብ 34:10) ይኹን እምበር፡ ‘ኣምላኽ፡ ኵሉ ዚኽእል ፈጣሪ እንተ ዀይኑ፡ መከራ ኪቕጽል ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።
የሆዋ ንደቂ ሰብ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂብዎም እዩ፣ እዚ ኸኣ እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይሕብረና እዩ። ነቲ ኣብ ህይወትና እንገብሮ ምርጫ ኣኽቢርና ደይኰንናን እንርእዮ፧ እቲ ዜሕዝን ግና፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብዘይ ግቡእ ስለ ዚጥቀሙሉ፡ ኣብ ገዛእ ርእሶምን ኣብ ካልኦትን ጕድኣት ኣውሪዶም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶ ኣርዚንና ኽንሓስበሉ ኣሎና፦ ኣምላኽ ነቲ ደቂ ሰብ ዘለዎም ናጽነት ከይተንከፈ ንመከራ ዜጥፍኦ ብኸመይ እዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ ዚቕጽል ዓንቀጽ ክንምርምራ ኢና።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ዚገልጽ ዝርዝር ሓሳባት እንተ ደሊኻ፡ ነታ ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ ዘርእስታ ብሮሹርን ነታ ኢዝ ዘር ኤ ክሪኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ ዘርእስታ መጽሓፍን ርአ፣ ክልቲአን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ እየን።
b እታ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ ዘርእስታ ብሮሹርን እታ ዘ ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ፧ ዘርእስታ መጽሓፍን፡ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ ዀይነን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ንዚሕብር መርትዖታት ንኽትምርምሮ ኺሕግዛኻ እየን።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]
ብህልውና ኣምላኽ ከም እትጠራጠር ዝገበረካ፡ ሃይማኖት ድዩ፧
እቲ ዜሕዝን፡ ንብዙሓት ሰባት፡ ጸሎት ዚሰምዕ ሕያዋይ ኣካል ምህላዉ ኸም ዚጠራጠሩ ዚገብሮም፡ ሃይማኖት እዩ። ሃይማኖት ኣብ ውግእን ኣብ ግብረ ሽበራን ዚካፈል ምዃኑ፡ ንህስያ ህጻናትን ከኣ ዕሽሽ ዚብሎ ምዃኑ፡ ነቶም ጸሎተኛታት ዝዀኑ ሰባት እውን እንተ ዀነ፡ “ብኣምላኽ ኣይኣምንን እየ” ኸም ዚብሉ ገይርዎም እዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሃይማኖት ሕማቕ ጽልዋ ዜሕድር ስለምንታይ እዩ፧ እኩያት ሰባት ብስም ሃይማኖት ሕማቕ ነገራት ስለ ዚገብሩ እዩ። ካልኦት ሓይልታት ንክርስትና ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ብምእታው ሕማቕ ነገራት ከም ዚገብሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያን ሓለውቲ፡ “ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም” ኢልዎም ነይሩ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30።
ኣምላኽ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ይጸልኣ እዩ። እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብ“ደም . . . ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉ” ተሓታቲት ከም ዝዀነት እዩ ዚገልጽ። (ራእይ 18:24) ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንሰባት ብዛዕባ እቲ ፍቕሪ ዝዀነ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ስለ ዘይትምህሮም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብደም ገበነኛ እያ።—1 ዮሃንስ 4:8።
እቲ ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል ነቶም ግዳያት ጨቋኒ ሃይማኖት ዝዀኑ ሰባት ይርሕርሓሎም እዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣምላኽ በታ ንደቂ ሰብ ዘላቶ ፍቕሪ ተደሪኹ፡ ብየሱስ ገይሩ ንዅሎም ግቡዛት ሃይማኖታውያን ኪፈርዶም እዩ። የሱስ፡ “በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰንናን፧ . . . ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ” በለ።—ማቴዎስ 7:22, 23።