ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር
መንፈሳውያን ፍጡራት ብኸመይ እዮም ዚጸልዉና፧
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።
1. መላእኽቲ መን እዮም፧
መላእኽቲ ኣብ ሰማይ ዚነብሩ መንፈሳውያን ፍጡራት እዮም። ካብ ሰብኣዊ ህይወት ዝለዓለ ህይወት ኣለዎም። እቲ ንባዕሉ መንፈስ ዝዀነ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ንምድሪ ቕድሚ ምፍጣሩ ንመላእኽቲ ፈጠሮም። (እዮብ 38:4, 7፣ ማቴዎስ 18:10) የሆዋ ብሚልዮናት ብዚቝጸሩ እሙናት መላእኽቲ ተኸቢቡ ይርከብ።—መዝሙር 103:20, 21፣ ዳንኤል 7:9, 10 ኣንብብ።
2. መላእኽቲ ንሰባት ይሕግዝዎምዶ፧
መላእኽቲ ንሓደ ሎጥ ዚብሃል ጻድቕ ሰብኣይ ሓጊዞምዎ እዮም። ሎጥ ኣብታ ኣምላኽ ብምኽንያት እከይ እቶም ተቐማጦኣ ኼጥፍኣ ዝወሰነ ኸተማ እዩ ዚነብር ነይሩ። ክልተ መላእኽቲ ድማ፡ ንሎጥን ንስድራ ቤቱን ኪሃድሙ ነገርዎም። ገሊኦም ሰባት ነቲ መጠንቀቕታ ኸም ዋዛ ገይሮም ስለ ዝረኣይዎ፡ ዕሽሽ በልዎ። ሎጥን ደቁን ግና፡ ነቲ ኣምላኽ ብመላእኽቲ ኣቢሉ ዝሃቦም መጠንቀቕታ ስለ እተኣዘዙ፡ ካብቲ ጥፍኣት ኪድሕኑ ኽኢሎም እዮም።—ዘፍጥረት 19:1, 13-17, 26 ኣንብብ።
ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሎሚ መላእኽቲ ንዕዮ እቶም ብተኣማንነት ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብኩ ዘለዉ ሰባት ብምምራሕ፡ ንሰባት ይሕግዝዎም ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:14) እቲ ብስራት መጠንቀቕታ እውን ዝሓዘ እዩ። ልክዕ ከምቲ ንሎጥ እተዋህቦ ዓይነት መጠንቀቕታ ስለ ዝዀነ፡ ብዋዛ ዚርአ ኣይኰነን። ብመላእኽቲ ኣቢሉ እዩ ኻብ ኣምላኽ ዚመጽእ።—ራእይ 1:1፣ 14:6, 7 ኣንብብ።
ኣምላኽ፡ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ ንኼበራትዓና ብመላእኽቲ ኺጥቀም ይኽእል እዩ። ንየሱስ ምእንቲ ኼበርትዖ፡ ብሓደ መልኣኽ ተጠቒሙ እዩ።—ሉቃስ 22:41-43 ኣንብብ።
ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣምላኽ ንመላእኽቲ ብኻልእ መገዲ፡ ማለት ነቶም ጠንቂ መከራ ዝዀኑ እኩያት ሰባት ንምጥፋእ ኪጥቀመሎም እዩ። እዚ ኸኣ ንደቂ ሰብ፡ ዜሐጕስ ራህዋ ኼምጽኣሎም እዩ።—2 ተሰሎንቄ 1:6-8 ኣንብብ።
3. ኣጋንንቲ ዚጸልዉና ብኸመይ እዮም፧
ከምቲ ኣብ ምድሪ ሓያሎ ሰባት ንኣምላኽ ብዘይምእዛዞም ሕማቕ ዝገበሩ፡ ኣብ ሰማይ ዚርከቡ ሓያሎ መላእኽቲ እውን ካብ ኣምላኽ ዓልዮም እዮም። (2 ጴጥሮስ 2:4) እቶም ዘይእዙዛት መላእኽቲ፡ ኣጋንንቲ ተባሂሎም ይጸውዑ። ካብዚኣቶም እቲ ቐንዲ ሰይጣን ዲያብሎስ እዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንደቂ ሰብ የስሕትዎም ኣለዉ።—ራእይ 12:9 ኣንብብ።
ሰይጣን ንብልሹዋት ነጋዶን ንሰብኣውያን መንግስትታትን ንናይ ሓሶት ሃይማኖትን ተጠቒሙ፡ ንሰባት ይጸልዎምን ካብ ኣምላኽ ከም ዚርሕቁ ይገብሮምን ኣሎ። ስለዚ፡ ሰይጣን በቲ ንደቂ ሰብ ዜሳቕዮም ዘሎ ዘይፍትሓዊ ተግባራትን ዓመጻን መከራን ተሓታቲ እዩ።—1 ዮሃንስ 5:19 ኣንብብ።
4. ኣጋንንቲ ንሰባት ዜስሕትዎም ብኸመይ እዮም፧
ሰይጣን፡ ምዉታት መናፍስቲ ዀይኖም ምስ ሰባት ከም ዚዘራረቡ ብምምሃር ንሓያሎ ሰባት ኣታሊሉ እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምዉታት ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘይገብሩ እዩ ዚገልጽ። (መክብብ 9:5) መብዛሕትኡ ግዜ ግና ኣጋንንቲ ናይ ሓደ እነፍቅሮ ዝሞተ ሰብ ድምጺ ኣምሲሎም ንሰባት የታልልዎም እዮም። (ኢሳይያስ 8:19) ኣጋንንቲ በቶም መንፈስ ጥንቆላ ዘለዎምን ብቘጸራ ኸዋኽብትን ገይሮም ንሰባት የታልልዎም እዮም። ቃል ኣምላኽ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ክንርሕቕ የጠንቅቐና እዩ። ስለዚ፡ ምስ ኣጋንንትን ምስ ስሒራዊ ተግባራትን ምትሕሓዝ ዘለዎ ንብረት እንተ ደኣ ኣልዩና፡ ከነወግዶ ኣሎና።—ዘዳግም 18:10, 11፣ ግብሪ ሃዋርያት 19:19 ኣንብብ።
ንየሆዋ ነፍቅሮ እንተ ደኣ ዄንና፡ ንኣጋንንቲ እንፈርሃሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብልናን። ንቓል ኣምላኽ ነጽንዖን ንትግብሮን እንተ ዄንና፡ ንዲያብሎስ ብምጽራር ንኣምላኽ ክንቀርቦ ንኽእል ኢና። የሆዋ ኻብ ናይ ኣጋንንቲ ዚበልጽ ሓይሊ ኣለዎ። እቶም እሙናት መላእኽቱ፡ ኣብ ዜድልየና እዋን ኬበራትዑና ይኽእሉ እዮም።—መዝሙር 34:7፣ ያእቆብ 4:7, 8 ኣንብብ።
ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 10 እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።