ሕቶታት ኣንበብትና
ትምባኾ ምትካኸይ ወይ ዘይምትካኸይ ንኣምላኽ ብሓቂዶ የገድሶ እዩ፧
▪ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍርያት ትምባኾ ዚገልጽ ሕጊ ስለ ዘየሎ፡ ሓደ ቕኑዕ ሰብ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕቶ ይሓትት ይኸውን፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ብዘይምህላዉ ግና፡ ሓሳባት ኣምላኽ ብዛዕባዚ እንታይ ምዃኑ ንኽትፈልጥ ዜጸግም እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጽሑፍ’ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣምላኽ ንጥዕናና ብኸመይ ክንሕልዎ ኸም ዚደልየና ዚገልጽ ንጹር ስርዓታትን ሓሳባትን ሒዙ ኣሎ። ብቐዳምነት፡ ተመራመርቲ ብዛዕባ እቲ ትንባኾ ኣብ ጥዕና ሰባት ዜሕድሮ ጽልዋ እንታይ ምዃኑ ዝሃብዎ ሓሳባት ንርአ። ቀጺልና፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስዚ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ክንምርምር ኢና።
ትምባኾ ንጥዕና እቲ ዜትክኽ ሰብ ዚጐድእን ጠንቂ ሞትን እዩ። ካብቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚሞቱ ሓሙሸተ ሰባት፡ እቲ ሓደ ብሰንኪ ትንባኾ እዩ ዚመውት። ኣብታ ሃገር እቲኣ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብቶም “ብሰንኪ ኣልኮላዊ መስተ፡ ሓሽሽ፡ ቅትለተ ሰብ፡ ርእሰ ቕትለት፡ ሓደጋ ማኪና፡ ከምኡውን አይድስ” ዚሞቱ ጠቕላላ ሰባት ንላዕሊ ብሰንኪ ትንባኾ ዝሞቱ ሰባት ከም ዝበዝሑ፡ ናሽናል ኢንስቲቱት ኦን ድራግ ኣብዩዝ (ሃገራዊ ትካል ሓሽሽ) ዚብሃል ትካል ገሊጹ ኣሎ።
ትምባኾ ዜትክኹ ሰባት ንኻልኦት እውን ይጐድኡ እዮም። ምስ ሽጋራ ዜትክኹ ሰባት እናነበርካ ኸይተጐዳእካ ኽትተርፍ ኣይትኽእል ኢኻ። ካልኦት ዘትከኽዎ ትኪ ሽጋራ ዚስሕቡ ሰባት፡ ብመንሽሮ ሳንቡእን ብሕማም ልብን ንኺትሓዙ ዘለዎም ኣጋጣሚ ብ30 ሚእታዊት ኣቢሉ ይዛይድ እዩ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ከኣ፡ ሓኻይም ሽጋራ ምትካኽ ካልእ ተዛዋዋሪ ሓደጋ እውን ከም ዜስዕብ ፈሊጦም ኣለዉ። እዚ ኸኣ፡ ቀመማት እቲ ሽጋራ ብትኪ ኣቢሉ ኣብ ክዳውንትን ምንጻፍን ካልእ ነገራትን ምስ ዓረፈ ነዊሕ ዚጸንሕ ምዃኑ እዩ። እዚ መርዛም ቀመማት እዚ፡ ብፍላይ ንቘልዑ ጥዕናኦም ኪጐድኦምን ነቲ ትምህርቲ ናይ ምቕሳም ዓቕሞም ኬዳኽሞን ይኽእል እዩ።
ትምባኾ፡ ወልፊ የትሕዝ። ትንባኾ ነቲ ዜትክኾ ሰብ ባርያኡ እዩ ዚገብሮ። ተመራመርቲ ኸም ዚኣምኑሉ፡ ወልፊ እቲ ቐንዲ ቐመም ትምባኾ ዝዀነ ኒኮቲን፡ ሓደ ኻብቲ ብቐሊሉ ዘይገድፍ ኣሸጋሪ ዓይነት ወልፊ እዩ።
ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስዚ ኣብ ላዕሊ እተዋህበ ሓሳባት ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧ ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ነጥብታት ርአ፦
ኣምላኽ ንህይወት ኣኽቢርና ኽንሕዛ ይደልየና። ኣምላኽ ኣብቲ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ እቶም ንዕኡ ኼሕጕሱ ዚደልዩ ሰባት ንህይወት ሰብ ኬኽብሩ ኸም ዘለዎም ሓቢሩ ኣሎ። (ዘዳግም 5:17) እስራኤላውያን ኣብ ዙርያ ናሕሲ ኣባይቶም መጋረዲ፡ ወይ ከኣ ሕጽር ዝበለ ሓጹር መንደቕ ኪነድቁ ተኣዚዞም ነበሩ። ስለምንታይ፧ ናሕሶም ጸፊሕ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ከም መንበሪ እውን ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም። እቲ መንደቕ ድማ ንኣባላት ስድራ ቤቶምን ንኻልኦት ሰባትን፡ ወዲቖም ንኸይጕድኡ ወይ ከይሞቱ የዕቍቦም ነበረ። (ዘዳግም 22:8) ብዘይካዚ፡ እስራኤላውያን እንስሳታቶም ንሰባት ምእንቲ ኸይጐድኡ፡ ኪጥንቀቑ ነበሮም። (ዘጸኣት 21:28, 29) ስለዚ፡ ትምባኾ ዜትክኽ ሰብ፡ ንመሰረታዊ ስርዓት እዚ ሕጋጋት እዚ ስለ ዚጥሕስ፡ ጥዕናኡ ፈትዩ ይጐድእ። ብተወሳኺ፡ በቲ ዜትክኾ ትኪ ንጥዕና እቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሰባት እውን ይጐድእ እዩ።
ኣምላኽ ንዕኡን ንብጻይናን ከነፍቅር ይደልየና። የሱስ ክርስቶስ፡ ሰዓብቱ ነተን ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት ኪእዘዝወን ከም ዘለዎም ገሊጹ ኣሎ። ንኣምላኽ ብምሉእ ልቦምን ነፍሶምን ሓሳቦምን ሓይሎምን ኬፍቅርዎ፡ ንብጾቶም ከኣ ከም ነፍሶም ገይሮም ኬፍቅርዎም ይግባእ። (ማርቆስ 12:28-31) ህይወት፡ ውህበት ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ትምባኾ ዜትክኽ ሰብ ነዚ ውህበት እዚ ኣቕሊሉ ይርእዮ፡ ንኣምላኽ ከኣ ከም ዘየፍቅሮ ይሕብር። (ግብሪ ሃዋርያት 17:26-28) ንኻልኦት እውን ከቢድ ጕድኣት ኬስዕበሎም ስለ ዚኽእል፡ ንብጻዩ ኸም ዜፍቅር ኪዛረብ ኣይክእል እዩ።
ኣምላኽ ካብ ርኹስ ልማዳት ክንርሕቅ ይደልየና። መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት፡ “ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ” ርእሶም ኬንጽሁ ይመኽሮም። (2 ቈረንቶስ 7:1) ትምባኾ ንሓደ ሰብ ከም ዜርክሶ ንጹር እዩ። እቶም ንኣምላኽ ምእንቲ ኼሐጕሱ ኢሎም ትምባኾ ምትካኽ ኬቋርጹ ዚደልዩ ሰባት፡ ከቢድ ብድሆ እዩ ዘለዎም። ኰይኑ ግና፡ ብሓገዝ ኣምላኽ፡ ካብዚ ዜርክስ ወልፊ እዚ ኺላቐቑ ይኽእሉ እዮም።