ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 143
  • ምትካኽ ሽጋራ ሓጢኣት ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምትካኽ ሽጋራ ሓጢኣት ድዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ማሪዋና ወይ ካልእ ሓሽሽ ንምዝንጋዕ ኢልካ ብዛዕባ ምውሳድ እንታይ ይብል፧
  • ትምባኾ ምትካኸይ ወይ ዘይምትካኸይ ንኣምላኽ ብሓቂዶ የገድሶ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ኣምላኽ ንምትካኽ ሽጋራ ብኸመይ ይርእዮ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተጣበቕቲ ትምባኾ ዓጀውጀው ዝመልአ ባላንቺናታት ይሰዱ
    ንቕሑ!—1999
  • ብሚልዮናት ዝቝጸር ህይወት ከም ትኪ ይበንን ኣሎ
    ንቕሑ!—1999
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 143
ሽጋራ የትክኽ

ምትካኽ ሽጋራ ሓጢኣት ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምትካኽa ወይ ካልእ ኣጠቓቕማ ትምባኾ ኣይገልጽን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንጥዕና ዚጐድእን ርኹስን ልማዳት ከም ዚጸልእ ዚገልጽ መሰረታዊ ስርዓታት ኣሎ፣ ስለዚ፡ ንምትካኽ ሽጋራ ኸም ሓጢኣት እዩ ዚቘጽሮ።

  • ኣኽብሮት ህይወት። ‘ኣምላኽ ንዅሉ፡ ህይወትን ትንፋስን ይህብ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 17:24, 25) ህይወት ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት ስለ ዝዀነ፡ ከም ምትካኽ ዝኣመሰለ ንዕምሪ ህይወትና ዜሕጽር ዝዀነ ይኹን ነገር ክንገብር የብልናን። ኣብ መላእ ዓለም ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ጠንቂ ሞት ምትካኽ እዩ።

  • ፍቕሪ ብጻይ። “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።” (ማቴዎስ 22:39) ኣብ ከባቢኻ ሰባት ከለዉ ምትካኽ፡ መግለጺ ፍቕሪ ኣይኰነን። እቶም ካልኦት ዜትክኽዎ ትኪ ብተደጋጋሚ ዚስሕቡ ሰባት፡ ገለ ካብቲ ንኣትከኽቲ ዜጥቅዕ ሕማም የጥቅዖም እዩ።

  • ቅድስና። “ንሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ቅቡልን መስዋእቲ ጌርኩም [ኣቕርብዎ]።” (ሮሜ 12:1) “ብፍርሃት ኣምላኽ ናብ ፍጹም ቅድስና እናበጻሕና፡ ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ።” (2 ቈረንቶስ 7:1) ምትካኽ ዘይባህርያዊ እዩ፣ ቅዱሳን፡ ማለት ንጹሃትን ጽሩያትን ክንከውን ምስ እተዋህበና ትእዛዝ እውን ዚጻረር እዩ። ትምባኾ ዜትክኹ ሰባት፡ እቲ ኣብቲ ትኪ ዘሎ መርዛም ነገራት ንጥዕናኦም ከም ዚጐድኦ እናፈለጡ እዮም ከምኡ ዚገብሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ማሪዋና ወይ ካልእ ሓሽሽ ንምዝንጋዕ ኢልካ ብዛዕባ ምውሳድ እንታይ ይብል፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ማሪዋና ዀነ ኻልእ ሓሽሽ ብስም እተጠቕሰ ነገር ኣይንረክብን ኢና። እንተዀነ ግና፡ ንምዝንጋዕ ኢልካ ኸምዚ ዝኣመሰለ ወልፊ ዜትሕዝ ነገራት ምጥቃም ግቡእ ከም ዘይኰነ ዚገልጽ መሰረታዊ ስርዓታት ኣሎ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ስርዓታት፡ እዚ ዚስዕብ ስርዓታት እውን ኣብዚ መዳይ እዚ ይዓዪ እዩ፦

  • ንኣእምሮና ኽንቈጻጸሮ ኣሎና። “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ . . . ኣእምሮኻ ኣፍቅሮ።” (ማቴዎስ 22:37, 38) “ቀልብኹም ኣጸቢቕኩም ሓልዉ።” (1 ጴጥሮስ 1:13) ሓደ ሰብ ሓሽሽ ምስ ዚወስድ ንኣእምሮኡ ምሉእ ብምሉእ ኪቈጻጸሮ ኣይክእልን እዩ፣ ሓሽሽ ዚወስዱ ብዙሓት ሰባት ውሉፋት እዮም ዚዀኑ። ኣእምሮኦም ኣብ ክንዲ ኣብ ዚሃንጽ ነገራት፡ ሓሽሽ ኣብ ምርካብን ኣብ ምውሳድን እዩ ዜተኵር።—ፊልጲ 4:8።

  • ንዓለማዊ ሕግታት ክንእዘዝ ኣሎና። “ንመንግስትታትን ንሰበ ስልጣንን ኪእዘዙ . . . ኣዘኻኽሮም።” (ቲቶስ 3:1) ኣብ ብዙሕ ሃገራት ዘሎ ሕጊ፡ ሰባት ሓሽሽ ከይወስዱ ጽኑዕ ቍጽጽር ይገብር እዩ። ስለዚ፡ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ እንተ ደሊና፡ ንሰበ ስልጣን ክንእዘዞም ኣሎና።—ሮሜ 13:1።

ትምባኾን ጥዕናኻን

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ዓዓመት ዳርጋ ሽዱሽተ ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ትምባኾ ብዜስዕቦ ሕማማት ይሞቱ እዮም፣ ካብዚኣቶም እቶም 600,000 ዚዀኑ ሽጋራ ዘየትክኹ ዀይኖም ካልኦት ዜትክኽዎ ትኪ ብምስሓቦም ዝሞቱ እዮም። ምትካኽ ትምባኾ ንጥዕና እቶም ዜትክኹን ንጥዕና እቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉን ብኸመይ ከም ዚጐድእ እስከ ንርአ።

መንሽሮ። ትኪ ትምባኾ፡ ልዕሊ 50 ንመንሽሮ ዜቃልዕ ቀመማት ኣለዎ። ብመሰረት ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ኸኣ፡ “ጠንቂ ልዕሊ 90 ሚእታዊት መንሽሮ ሳንቡእ” ትኪ ትምባኾ እዩ። ትኪ ትምባኾ ኣብ ካልእ ኣካላት እውን መንሽሮ የስዕብ እዩ፣ ገለ ካብዚ ድማ ኣፍ፡ ጕርጉማ፡ ሻሕለለ፡ ጐረሮ፡ ሳጹን ድምጺ፡ ጸላም ከብዲ፡ ላልሽ፡ ፍሕኛ ኺጥቀስ ይከኣል።

ሕማም ኣካላት ምስትንፋስ። ትኪ ትምባኾ፡ ከም ነድሪ ሳንቡእን ኢንፍሉወንዛን ዝኣመሰለ ሕማም ኣካላት ምስትንፋስ የስዕብ እዩ። ካልኦት ዜትክኽዎ ትኪ ኣዘውቲሮም ዚስሕቡ ቘልዑ፡ ካብ ካልኦት ብዝያዳ ንኣዝማ፡ ንሕዱር ሰዓል፡ ንሕማም ሳንቡእ ይቃልዑ እዮም።

ሕማም ልቢ። ኣትከኽቲ፡ ወቕዒ ኼጋጥሞም ወይ ሕማም ልቢ ኺሕዞም ዝሰፍሐ ዕድል ኣሎ። ኣብ ትኪ ትምባኾ ዚርከብ ካርቦን ሞኖኦክሳይድ ካብ ሳንቡእ ብቐሊሉ እዩ ናብ ደም ዚኣቱ፡ ኣብ ደም ኣትዩ ድማ ንኦክስጅን ይትክኦ። እዚ ኸኣ ኣብ ደም ሕጽረት ኦክስጅን ስለ ዜስዕብ፡ ልቢ ንሰብነትና ኦክስጅን ምእንቲ ኸተብጽሕ ኢላ ኣበርቲዓ ትዓዪ።

ኣብ ጥንሲ ዜሕድሮ ጽልዋ። ኣብ እዋን ጥንሲ ዜትክኻ ኣንስቲ፡ ቅድሚ እዋነን ኪወልዳ፡ ትሑት ክብደት ዘለዎም ቈልዑ ኺወልዳ፡ ወይ ከም ስንጣቕ ከንፈር ዝኣመሰለ ናይ ውልደት ጸገማት ዘለዎም ቈልዑ ኺወልዳ ይኽእላ እየን። እቶም ቈልዑ ኸኣ ጸገማት ኣካላት ምስትንፋስ ኬጋጥሞም ወይ ብሃንደበት ኪሞቱ ይኽእሉ እዮም።

a እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ምትካኽ፡ ንትኪ ትምባኾ ኻብ ሽጋራ፡ ካብ ሲጋር፡ ካብ ፒፓ፡ ወይ ቃሊም ስሒብካ ናብ ሳንቡእ ምእታው የመልክት። ይኹን እምበር፡ እቲ ቐሪቡ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ንምስፋፍ ትምባኾ፡ ንምሽታት ትምባኾ፡ ኒኮቲን ንዘለዎ ኤለክትሮኒክ ሽጋራ፡ ወይ ንኻልእ ተመሳሳሊ ፍርያት እውን ይምልከቶ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ