ከም ዜጋ መንግስቲ ኣምላኽ ኴንካ ንበር
“ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን።”—ፊል. 1:27።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ዚኽእሉ መን እዮም፧
ንቛንቋን ንታሪኽን ንሕግታትን መንግስቲ ኣምላኽ ብዚምልከት፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ንስርዓታት ኣምላኽ ከም ዜፍቅርዎ ኼርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
1, 2. እቲ ጳውሎስ ንኣባላት እታ ኣብ ፊልጲ ዝነበረት ጉባኤ ዝሃቦም ምኽሪ ፍሉይ ኣገዳስነት ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧
ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣባላት እታ ኣብ ፊልጲ ዝነበረት ጉባኤ፡ “ንብረትኩም ንወንጌል . . . ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን” ኢሉ ኣተባብዖም። (ፊልጲ 1:27 ኣንብብ።) እዛ ናይ ግሪኽኛ ሓረግ እዚኣ፡ ሰብ ፊልጲ ኸም ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ኪነብሩ ኸም ዘለዎም እውን ትሕብር እያ። እታ ሓረግ እቲኣ፡ ነታ ኣብ ፊልጲ ዝነበረት ጉባኤ ፍሉይ ኣገዳስነት ነበራ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ፊልጲ ሓንቲ ኻብተን ብሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ እተመርጻን ተቐማጦአን ዜግነት ሮሜ እተዋህቦምን ከተማታት እያ ነይራ። ኣብ ፊልጲን ኣብ መላእ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜን ዝነበሩ ሮማውያን፡ ብዜግነቶም ይዀርዑ ነበሩ፣ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሮሜ ኸኣ ፍሉይ ዕቝባ ይግበረሎም ነበረ።
2 ኣባላት እታ ኣብ ፊልጲ ዝነበረት ጉባኤ ዚሕበኑሉ ኻልእ ዝዓበየ ምኽንያት ነበሮም። እተቐብኡ ክርስትያናት ከም ምዃኖም መጠን፡ ዜጋታት “ሰማያት” ከም ዝዀኑ፡ ጳውሎስ ኣዘኻኸሮም። (ፊል. 3:20) ዜጋታት ሓደ ሰብኣዊ ሃጸያዊ ግዝኣት ዘይኰነስ፡ ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ እዮም ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ዕቝባን ጥቕምን ኪረኽቡ ይኽእሉ ነበሩ።—ኤፌ. 2:19-22።
3. (ሀ) ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ዚረኽቡ መን እዮም፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧
3 እቲ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ኸም ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ኪነብሩ ዝሃቦም ማዕዳ፡ ብቐንዱ ነቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ ሰባት እዩ ዚምልከት። (ፊል. 3:20) ይኹን እምበር፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ይምልከቶም እዩ። ስለምንታይ፧ ኵሎም ርእሶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ንሓደ ንጉስ፡ ማለት ንየሆዋ እዮም ዜገልግሉ፣ ሓደ ዓይነት ስርዓት ድማ እዮም ዚስዕቡ። (ኤፌ. 4:4-6) ሎሚ ሰባት ዜጋታት ሓንቲ ሃብታም ሃገር ኪዀኑ ኣበርቲዖም ይጽዕሩ እዮም። ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን ግዳ ኽንደይ ኣብዚሕና ኽንጽዕር ዘይግብኣና! ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ዘሎና ሞሳ ብዝያዳ ምእንቲ ኺዓምቝ፡ ዜጋ ሰብኣዊ መንግስቲ ንምዃን ኪማላእ ዘለዎ ብቕዓታት ምስቲ ዜጋ መንግስቲ ኣምላኽን ንምዃን ኪማላእ ዘለዎ ብኸመይ ከም ዚመሳሰል እስከ ንርአ። ድሕሪኡ፡ ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ኴንና ኽንቕጽል እንተ ደሊና ኽንገብሮ ብዛዕባ ዘሎና ሰለስተ ነገራት ክንምርምር ኢና።
ዜግነት ንምርካብ ዜድሊ ብቕዓታት
4. እቲ ጽሩይ ቋንቋ እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ‘እንዛረቦ፧’
4 ቋንቋ ተምሃር። ገሊአን ሰብኣውያን መንግስትታት፡ እቶም ዜጋታተን ኪዀኑ ዚደልዩ ሰባት ነቲ ቐንዲ ቛንቋአን ኪመሃርዎ ይደልያ እየን። እቶም ሰባት፡ ዜግነት ምስ ተዋህቦም እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ ሓድሽ ቋንቋ ምእንቲ ኺመልክዎ ንዓመታት ይጽዕሩ እዮም። ንሕግታት ሰዋስው ብቕልጡፍ እኳ እንተ ፈለጥዎ፡ ነቲ ቓላት ብቕኑዕ መገዲ ንኼድምጽዎ ግና ግዜ ኺወስደሎም ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ጽሩይ ከናፍር” ኢሉ ዚጽውዖ ቛንቋ ኺመሃርዎ ኣለዎም። (ጸፎንያስ 3:9 ኣንብብ።) እዚ ቛንቋ እዚ እንታይ እዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንኣምላኽን ንዕላማኡን ዚምልከት ሓቂ እዩ። ኣካይዳና ምስ ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ኪሰማማዕ ከሎ፡ በቲ ጽሩይ ከናፍር ወይ ጽሩይ ቋንቋ ንዛረብ ኣለና ማለት እዩ። ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንመሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ቀልጢፎም ኪመሃርዎን ኪጥመቑን ይኽእሉ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ጥምቀት እውን እንተ ዀነ፡ በቲ ጽሩይ ቋንቋ ብዝሓሸ መገዲ ‘ንኺዛረቡ’ ኺጽዕሩ ኣለዎም። ብኸመይ፧ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት ኣብ ህይወቶም ብምትግባር።
5. ብዛዕባ ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ኽንመሃር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
5 ታሪኽ ኣጽንዕ። ዜጋ ሓንቲ ሰብኣዊት መንግስቲ ኪኸውን ዚደሊ ሰብ፡ ብዛዕባ ታሪኽ እታ መንግስቲ ኺመሃር የድልዮ ይኸውን። ብተመሳሳሊ፡ እቶም ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ዚደልዩ ሰባት፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺመሃሩ ዚከኣሎም ኪገብሩ ኣለዎም። ነቲ እቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዜገልግሉ ዝነበሩ ደቂ ቆራሕ ዝሓደግዎ ኣብነት እስከ ንርአ። ደቂ ቆራሕ ንየሩሳሌምን ነቲ ኣብኣ ዝነበረ ናይ ኣምልኾ ቦታን ይፈትውዎ ነበሩ፣ ብዛዕባ ታሪኽ እታ ኸተማ ምዝራብ ከኣ የሐጕሶም ነበረ። እቲ ቦታ ኣምልኾ እተሰርሓሉ ኣእማንን ካልእ ነገራትን ዘይኰነስ፡ እታ ኸተማን እቲ እትውክሎ ዝነበረት ነገራትን እዩ ኣዝዩ ዜደንቖም ነይሩ። ከመይሲ፡ የሩሳሌም ማእከል ጽሩይ ኣምልኾ ስለ ዝነበረት፡ “ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ” ዝዀነ የሆዋ እያ ነይራ። ኣብኡ እዩ ብዛዕባ ሕግታት የሆዋ ዚገልጽ ትምህርቲ ዚውሃብ ነይሩ። የሆዋ ነቶም ብእኡ ዚግዝኡ ዝነበሩ ህዝቢ እዩ ሳህሉ ዝገለጸሎም። (መዝሙር 48:1, 2, 9, 12, 13 ኣንብብ።) ንስኻኸ ኸማታቶም ብዛዕባ ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ኸተጽንዕን ንኻልኦት ክትነግርን ትብህግዶ፧ ብዛዕባ ውድብ የሆዋን የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዚድግፎምን ብዝያዳ ብእተመሃርካ መጠን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ጋህዲ ኽትኰነልካ እያ። እዚ ኸኣ ነቲ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትሰብኽ ዘሎካ ባህጊ ብዝያዳ ኼደልድሎ እዩ።—ኤር. 9:24፣ ሉቃ. 4:43።
6. የሆዋ፡ ንሕግታትን ንስርዓታትን መንግስቲ ኣምላኽ ክንፈልጦን ክንሕልዎን ምጽባዩ ርትዓዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
6 ሕግታት ፍለጥ። ሰብኣውያን መንግስትታት ንዜጋታተን፡ ሕግታት ሃገረን ኪፈልጡን ኪሕልውዎን ይደልያኦም እየን። የሆዋ ነቲ ዅሎም ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ዚመሓደሩሉ ሕግታትን ስርዓታትን ክንፈልጦን ክንሕልዎን እንተ ተጸበየ እምበኣር ርትዓዊ እዩ። (ኢሳ. 2:3፣ ዮሃ. 15:10፣ 1 ዮሃ. 5:3) መብዛሕትኡ እዋን፡ ሰብኣዊ ሕግታት ጐደሎን ዘይሚዛናውን እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ “ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ።” (መዝ. 19:7) እሞኸ ብሕግታት ኣምላኽ ንፍሳህን ንቓሉ በብመዓልቱ ነንብቦን ዲና፧ (መዝ. 1:1, 2) ንሕግታት ኣምላኽ ክንፈልጦ እንኽእለሉ እንኮ መገዲ፡ ነቲ ሕግታት እንተ ኣጽኒዕናዮ ጥራይ እዩ። ነዚ ዕዮ እዚ ኻልእ ሰብ ኪገብረልና ኣይክእልን እዩ።
ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ንስርዓታት ኣምላኽ የፍቅርዎ
7. ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ በየናይ ዝለዓለ ስርዓት እዮም ዚምርሑ፧
7 ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ኴንና ኽንቅጽል እንተ ደሊና፡ ንስርዓታት ኣምላኽ ክንፈልጦ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከነፍቅሮ እውን ኣሎና። ብዙሓት ዜጋታት ሰብኣውያን መንግስትታት፡ ምስ ሕግታትን ስርዓታትን እታ ዚነብሩላ ሃገር ከም ዚሰማምዑ ይዛረቡ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ንገሊኡ ሕግታት እንተ ዘይፈትዮምዎ፡ እሞ ኸኣ ዚርእዮም ሰብ እንተ ዘየልዩ፡ ሕጊ የፍርሱ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት፡ ‘ንሰብ ባህ ኬብሉ እዮም ዚደልዩ።’ (ቈሎ. 3:22) ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ግና፡ ብዝለዓለ ስርዓት እዮም ዚምርሑ። ሰብ ይርኣየና ኣይርኣየና ብዘየገድስ፡ ንሕግታት ኣምላኽ፡ ተሓጕስና ኢና እንሕልዎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ነቲ ሓጋግ ሕጊ ነፍቅሮ ኢና።—ኢሳ. 33:22፣ ሉቃስ 10:27 ኣንብብ።
8, 9. ንሕግታት ኣምላኽ ብሓቂ ተፍቅሮ እንተ ዄንካ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧
8 ንሕግታት ኣምላኽ ብሓቂ ተፍቅሮ እንተ ዄንካ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧ ከም ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ብዛዕባ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ምርጫ ዀይኑ ዚስምዓካ ጕዳይ ምኽሪ ኺውሃበካ ኸሎ፡ እንታይ ምላሽ ከም እትህብ እስከ መርምር። ዜጋ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሚ ምዃንካ፡ ብዛዕባ ኣከዳድናኻ ኣይትግደስን ወይ ዘይግቡእ ክዳን ትኽደን ኔርካ ትኸውን። ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ እናዓበየት ምስ ከደት ግና፡ ንዕኡ ብዜኽብር መገዲ ኽትክደን ከም ዘሎካ ፈሊጥካ። (1 ጢሞ. 2:9, 10፣ 1 ጴጥ. 3:3, 4) ሕጂ ሕንኪ ዘለዎ ኽዳን እትኽደን ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሽማግለ፡ ኣከዳድናኻ ንሓያሎ ኣስፋሕቲ ባህ ከም ዘይብሎም እንተ ዚነግረካ፡ እንታይ ምላሽ ምሃብካ፧ ምኽኒት ከተቕርብ፡ ክትሓርቕ፡ ወይ ብድርቅና ኽትኣቢ ምፈተንካዶ፧ ቀንዲ መሰረት ሕጊ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣስኣሰር ክርስቶስ ምስዓብ እዩ። (1 ጴጥ. 2:21) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ኪገልጽ ከሎ፡ “ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብሎ ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ንብጻዩ ምእንቲ ኺሀንጾ፡ ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 15:2, 3) ሓደ ብሱል ክርስትያን፡ ንሰላም እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንምዕቃብ ኢሉ፡ ንሕልና ኻልኦት ኪጐድእ ዚኽእል ነገራት ኣይገብርን እዩ።—ሮሜ 14:19-21።
9 ካልእ ክልተ ኣገደስቲ ጕዳያት እስከ ንርአ፣ ንሱ ኸኣ ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያትን ብዛዕባ ሓዳርን ዘሎና ኣረኣእያ እዩ። እቶም ገና ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ዘይኰኑ ሰባት፡ ግብረ ሶዶም ምግባር ይድግፉ፡ ስእለ ጽዩፍ ጕድኣት ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዖም፡ ከምኡውን ንዝሙትን ንፍትሕን ከም ብሕታዊ ጕዳይ ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ። ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ግና፡ ንኸምዚ ዝበለ ዕሽነት ዝመልኦን ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ዘተኰረን ኣረኣእያ ሓዲጎምዎ እዮም። ብዙሓት ክርስትያናት ርኹስ ኣነባብራ ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ሕጂ ግና ንጾታዊ ጕዳያትን ንሓዳርን ከም ውህበት ኣምላኽ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ነቲ ልዑል ስርዓታት የሆዋ ኣኽቢሮም ይርእይዎ እዮም፣ እቶም ጾታዊ ርኽሰት ዚፍጽሙ ሰባት ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ኸም ዘይበቕዑ ድማ ብምሉእ ልቦም ይኣምኑ እዮም። (1 ቈረ. 6:9-11) ይኹን እምበር፡ ልቢ ጐራሕ ምዃኑ እውን ይግንዘቡ እዮም። (ኤር. 17:9) ስለዚ፡ ነቲ ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ምእንቲ ኺስዕቡ ዚውሃቦም ንጹር መጠንቀቕታ ብሞሳ ይቕበልዎ እዮም።
ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ንዚውሃቦም መጠንቀቕታ የቕልቡሉ
10, 11. መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዋናዊ መጠንቀቕታ እዩ ዚህብ፧ ንስኻኸ ብዛዕባ እቲ መጠንቀቕታ እንታይ ይስምዓካ፧
10 ሰብኣውያን መንግስትታት ንጥዕና ኺጐድእ ብዛዕባ ዚኽእል ምግብን ኣፋውስን መጠንቀቕታ ይህባ እየን። ሓቂ እዩ፡ ኵሉ ምግብን ኣፋውስን ጐዳኢ እዩ ማለት ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ዓይነት ምግቢ ወይ ፈውሲ ጐዳኢ እንተ ዀይኑ፡ መንግስቲ ንዜጋታቱ ንምዕቋብ ሚዛናዊ መጠንቀቕታ ይህብ እዩ። እቲ መንግስቲ ኸምኡ እንተ ዘይገይሩ፡ ብሸለልትነት ተሓታቲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንስነ ምግባርን ንመንፈሳዊ ሓደጋታትን ዚምልከት እዋናዊ መጠንቀቕታ ይህብ እዩ። ንኣብነት፡ ኢንተርነት ምስ ካልኦት ክትራኸበሉን ክትመሃረሉን ክትዘናግዓሉን እትኽእል ጠቓሚ ንዋት ኰይኑ ኣሎ። ውድብ ኣምላኽ እውን ብኢንተርነት ብምጥቃም ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ይዓምም ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ብዙሕ ወብ ሳይት ብስነ ምግባራዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ሓደገኛ እዩ። ስእለ ጽዩፍ ዚረኣየሉ ወብ ሳይታት፡ ንመንፈሳዊ ጥዕና ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣመና ሓደገኛ እዩ። ንዓሰርተታት ዓመታት፡ እቲ ብጕጅለ ዝቘመ እሙን ባርያ ብዛዕባ እዚ ወብ ሳይታት እዚ ኣጠንቂቑና እዩ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ጥዕናና ንኽንሕሉ ዚሕግዝ መጠንቀቕታ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ!
11 ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ብልዑል ጥንቃቐ እንተ ተጠቒምካሉ ጠቓሚ ኪኸውን ዚኽእል ኣዝዩ ህቡብ ዚኸውን ዘሎ ወብ ሳይታት ኣሎ። እዚ “ማሕበራዊ መራኸቢ” ዚብሃል ወብ ሳይታት እዚ፡ ጐዳኢ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሓደ ሰብ ናብ ሕማቕ ዕርክነት ኬቃልዖ ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 15:33) ውድብ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ እዚ ወብ ሳይታት እዚ ሚዛናዊ መጠንቀቕታ ኺህብ እምበኣር ሓቁ እዩ። ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን በቲ እሙን ባርያ ተሓቲሙ ዝወጸ ንኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ዚምልከት ጽሑፋት ኣንቢብካዮዶ፧ ነዚ ጽሑፋት እዚ ኸየንበብካ ነቲ ወብ ሳይታት ምጥቃም ክሳዕ ክንደይ ዘይጥበባዊ ዀን እዩ!a ከምኡ ምግባር፡ ብዛዕባ ሓደ ፈውሲ ንእተዋህበ መጠንቀቕታ ኸየንበብካ ነቲ ፈውሲ ኸም ምውሳድ እዩ።
12. ንመጠንቀቕታ ዕሽሽ ምባል ዕሽነት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
12 እቶም ነቲ ብእሙን ኣስተውዓሊ ባርያ እተዋህበ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ዚብልዎ ሰባት፡ ውዒሎም ሓዲሮም ንርእሶምን ነቶም ዜፍቅርዎም ሰባትን ይጐድኡ እዮም። ገሊኣቶም ስእለ ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ወልፊ ሒዝዎም ወይ ከኣ ርኽሰት ፈጺሞም እዮም፣ የሆዋ ነቲ ዚገብርዎ ነገራት ከም ዘይርእዮ ብምሕሳብ ከኣ ገዛእ ርእሶም ኣታሊሎም እዮም። ንኣካይዳና ኻብ የሆዋ ኽንሓብኦ ኸም እንኽእል ጌርና ኽንሓስብሲ ኽሳዕ ክንደይ ዕሽነት ኰን እዩ! (ምሳ. 15:3፣ እብራውያን 4:13 ኣንብብ።) ኣምላኽ ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ኪሕግዞም ስለ ዚደሊ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ተወከልቱ ንኺሕግዝዎም ይድርኾም እዩ። (ገላ. 6:1) ይኹን እምበር፡ ልክዕ ከምቲ ሰብኣውያን መንግስትታት ንሓደ ገበን ዝፈጸመ ዜጋ ዜግነቱ ዜሕድጋኦ፡ የሆዋ እውን ንሓደ ንስርዓታቱ ኣፍሪሱ ዘይንሳሕ ሰብ ዜግነቱ ኼሕድጎ ይኽእል እዩ።b (1 ቈረ. 5:11-13) ኰይኑ ግና፡ መሓሪ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ዚንስሑን ኣካይዳኦም ዚቕይሩን ሰባት፡ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ኪህልዎምን ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ኪቕጽሉን ይኽእሉ እዮም። (2 ቈረ. 2:5-8) ንኸምዚ ዝበለ ፈቃር ንጉስ ምግልጋልሲ ኸመይ ዝኣመሰለ ኽብሪ ዀን እዩ!
ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ንትምህርቲ ኣኽቢሮም ይርእይዎ
13. ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ንትምህርቲ ሞሳኦም ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧
13 ብዙሓት ሰብኣውያን መንግስትታት ንዜጋታተን ንምምሃር ኣበርቲዐን ይጽዕራ እየን። ዜጋታተን ምንባብን ምጽሓፍን ኪመሃሩሉ ዚኽእሉ ኣብያተ ትምህርቲ ይሃንጻን ግብራዊ ትምህርቲ ይምህራን እየን። ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ነቲ ኣብያተ ትምህርቲ የማስዉሉ እዮም፣ ምንባብን ምጽሓፍን ተማሂሮም ገዛእ ርእሶም ብቝጠባዊ መዳይ ምእንቲ ኺድግፉ ድማ ኣበርቲዖም ይጽዕሩ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኸም ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ዚረኽብዎ ትምህርቲ ብዝያዳ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። የሆዋ በታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ፡ ምንባብን ምጽሓፍን የተባብዕ እዩ። ወለዲ ንንኣሽቱ ደቆም ኬንብቡሎም ይተባብዑ እዮም። እቲ እሙን ባርያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን የሕትም። እዚ መጽሔታት እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሓሳባት ዝሓዘ ሓያሎ ገጻት ኣለዎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኽልተ ገጽ ዚኸውን እንተ ኣንቢብካ፡ ካብቲ ኻብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚመጽእ ትምህርቲ ብቐጻሊ ኽትጥቀም ኢኻ።
14. (ሀ) እንታይ ስልጠና ኢና እንረክብ፧ (ለ) ነየናይ ብዛዕባ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚገልጽ ርእይቶ ኢኻ ኽትትግብሮ ኽኢልካ፧
14 ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ይስልጥኑ እዮም። ንኣብነት፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ንልዕሊ 60 ዓመት ንተመሃሮ፡ ውጽኢታውያን መምህራን ቃል ኣምላኽ ንኪዀኑ ኣሰልጢንዎም እዩ። ንስኻኸ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ተመዝጊብካዶ፧ ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ እቲ እሙን ባርያ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣምልኾ ስድራ ቤት ክንገብር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕሊሑ እዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ንስድራ ቤት የደልድላ እዩ። እሞኸ ነቲ ኣብ ጽሑፋትና ዝወጸ ርእይቶታት ክትትግብሮ ኽኢልካዶ፧c
15. ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝበለጸ እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ዘሎና፧
15 ዜጋታት ሰብኣውያን መንግስትታት፡ ካልኦት ሰባት ንፖለቲካዊ ውድቦም ምእንቲ ኺድግፉሎም፡ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ እውን እንተ ዀነ ጐስጓስ ይገብሩ እዮም። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ እውን፡ ኣብ መገዲ ይኹን ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኸም ዚድግፉ የርእዩ እዮም። ከምቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ መጽናዕቲ እተገልጸ፡ እታ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ብዝርጋሐ ቐዳማይ ቦታ ሒዛ ኣላ። ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝበለጸ ፍሉይ መሰል እዩ። እሞኸ ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኣት ትካፈልዶ ኣለኻ፧—ማቴ. 28:19, 20።
16. ንፉዕ ዜጋ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧
16 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ንምድሪ ኽትገዝኣ እያ። መንፈሳዊ ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ በብመዓልቱ ዜድልየና ነገራት እውን ከተመሓድር እያ። እሞኸ ኣብቲ እዋን እቲ ንፉዕ ዜጋ መንግስቲ ኣምላኽ ክትከውን ዲኻ፧ ከምኡ ኸም እትኸውን ሕጂ ኸተርኢ ኣሎካ። ንዅሉ እቲ በብመዓልቱ እትገብሮ ውሳነታት፡ ንኽብሪ የሆዋ ግበሮ፣ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ከም ንፉዕ ዜጋ መንግስቲ ኣምላኽ ኴንካ ትነብር ከም ዘለኻ ኸተርኢ ኢኻ።—1 ቈረ. 10:31።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ ሕታማት ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ርአ፦ ሓምለ 2011፡ ገጽ 24-27፣ ነሓሰ 2011፡ ገጽ 10-13፣ ለካቲት 2012፡ ገጽ 3-9።
b ናይ 15 መጋቢት 2012 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 30-31 ርአ።
c ናይ 15 ነሓሰ 2011 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 6-7፡ ከምኡውን ናይ ጥሪ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ገጽ 3-6 ርአ።
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ነቲ ብዛዕባ ኢንተርነት ዚውሃብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መጠንቀቕታ ተቕልበሉ ዲኻ፧
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ልክዕ ከም ደቂ ቆራሕ፡ ብንጹህ ኣምልኾን ብታሪኹን ትሕጐስ ዲኻ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
እታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብሩላ ምሸት ንዓኻን ነቶም እተፍቅሮም ሰባትን፡ ንፉዓት ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ክትገብረኩም ትኽእል እያ