ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb16 ሰነ ገጽ 8
  • መንግስቲ ኣምላኽ—ጕዕዞ 100 ዓመት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንግስቲ ኣምላኽ—ጕዕዞ 100 ዓመት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “መንግስትኻ ትምጻእ”—ሚልዮናት ዚደጋግምዋ ጸሎት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ከም ዜጋ መንግስቲ ኣምላኽ ኴንካ ንበር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ድያ ዘላ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
mwb16 ሰነ ገጽ 8

ክርስትያናዊ ህይወት

መንግስቲ ኣምላኽ—ጕዕዞ 100 ዓመት

መጕልሒ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መደረታት ንምፍላጥ ፖስተራት ይጥቀሙ፡ ተምሃሮ ጊልዓድ ኪምሃሩ ኸለዉ፡ ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ እተኣከቡ ሰማዕቲ

እቶም ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ዚደልዩ ሰባት፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ዓሚማቶ ዘላ ነገራትን ንኺምሃሩ ዚከኣሎም ኪገብሩ ኣለዎም። ስለምንታይ፧ እዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ከም ዘላ ንዘለዎም እምነት የደልድላ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺነግሩ እውን ንልቦም የለዓዕሎ። (መዝ 45:1፣ 49:3) ነታ መንግስቲ ኣምላኽ—ጕዕዞ 100 ዓመት ዘርእስታ ቪድዮ ኽትርእያ ኸለኻ፡ መልሲ እዘን ዚስዕባ ሕቶታት ክትረክብ ፈትን፦

  1. “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ነቶም ዝረኣይዋ ሰባት በረኸት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

  2. ረድዮ ነቲ ብስራት ናብ ሰባት ንምብጻሕ ዝሓገዘ ብኸመይ እዩ፧

  3. ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ፡ እንታይ ካልእ ሜላታት እዩ ዚዝውተር ነይሩ፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧

  4. ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ንኣገልግሎት ዚኸውን ስልጠና እተመሓየሸ ብኸመይ እዩ፧

  5. ንተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዚኸውን እንታይ ግብራዊ ስልጠና እዩ እተዳለወ፧

  6. ዓበይቲ ኣኼባታት ንህዝቢ የሆዋ ኣብ ምምሃር እንታይ ግደ እዩ ዘለዎ፧

  7. መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ከም ዘላ ዜረጋግጸልካ እንታይ እዩ፧

  8. ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ደገፍ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ካብ 24 ጥቅምቲ 2016 እትጅምር ሰሙን ኣትሒዙ፡ እታ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ” ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ጉባኤ ኽትጽናዕ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ