ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 79
  • መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ድያ ዘላ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ድያ ዘላ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብና ድያ ዘላ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መንግስቲ ኣምላኽ
    ንቕሑ!—2013
  • መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ድያ ዘላ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 79
ቃል ብቓሉ ኣብኡ መንግስቲ ኽትህሉ ኸም ዘይትኽእል ዜርኢ ሰብነት

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ድያ ዘላ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣይፋልን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ክርስትያናት እትህሉ ዅነት ኣይኰነትን።a መጽሓፍ ቅዱስ ንዓኣ፡ “መንግስተ ሰማያት” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ብሓቂ ኣበይ ከም ዘላ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 4:17፡ ትርጉም 1956) መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ መንግስቲ እዚኣ ብሓቂ ኻብ ሰማይ ከም እትገዝእ መንግስቲ ገይሩ ብኸመይ ከም ዚገልጻ እስከ ንርአ።

  • መንግስቲ ኣምላኽ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከም ዚኸውን ንምግባር ዜኽእል ገዛእትን ተገዛእትን ሕግታትን ስልጣንን ኣለዋ።—ማቴዎስ 6:10፣ ራእይ 5:10።

  • መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ “ዅሎም ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን” ምድሪ ኽትገዝእ እያ። (ዳንኤል 7:13, 14) ስልጣን ግዝኣታ ኸኣ ብቐጥታ ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ መጺኡ እምበር፡ ካብ ተገዛእታ ዝመጸ ኣይኰነን።—መዝሙር 2:4-6፣ ኢሳይያስ 9:7።

  • የሱስ ንእሙናት ሃዋርያቱ፡ ምስኡ ኣብ መንግስተ ሰማይ ‘ኣብ ዝፋን ከም ዚቕመጡ’ ነጊርዎም እዩ።—ሉቃስ 22:28, 30።

  • መንግስቲ ኣምላኽ ጸላእቲ ኣለውዋ፣ ንጸላእታ ድማ ከተጥፍኦም እያ።—መዝሙር 2:1, 2, 8, 9፣ 110:1, 2፣ 1 ቈረንቶስ 15:25, 26።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንግስተ ሰማያት ኣብ ልብኻ ኸም ዘላ፡ ማለት ብልቢ ሰብ ኣቢላ ኸም እትገዝእ ኣይምህርን እዩ። እንተዀነ ግና፡ “ቃል መንግስቲ” ወይ “ብስራት መንግስቲ” ንልብና ኺጸልዎ ኸም ዚኽእልን ኪጸልዎ ኸም ዚግባእን ይገልጽ እዩ።—ማቴዎስ 13:19፣ 24:14።

“መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም አላ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

ገሊኦም ሰባት በቲ ኣብ ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሉቃስ 17:21 ዘሎ መንግስቲ ኣምላኽ ኣበይ ከም እትርከብ ዚገልጽ ሓሳብ ይደናገሩ እዮም። ንኣብነት፡ እቲ ብ1956 እተዳለወ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም አላ” ይብል እዩ። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ብልክዕ ምእንቲ ኽንርድኣ፡ ነቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና።

ገለ ኻብቶም ንየሱስ እተጻረርዎ መራሕቲ ሃይማኖት

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ እቶም ተረርትን ቀተልቲ ነፍስን ዝነበሩ ተጻረርቲ ኣይነበረትን

የሱስ ነቶም ምስኡ ዚጻረሩን ጸኒሖም ኣብ ምቕታሉ ኢዶም ዘእተዉን ፈሪሳውያን ዚብሃሉ መራሕቲ ሃይማኖት እዩ ዚዛረቦም ነይሩ። (ማቴ. 12:14፣ ሉቃ. 17:20) መንግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ ተሪር ልቦም ክትህሉስ ትኽእል ድያ፧ የሱስ ንዓታቶም፡ “ውሽጥኹም . . . ግብዝናን ጥሕሰት ሕግን ዝመላእኩም ኢኹም” ኢልዎም እዩ።—ማቴ. 23:27, 28።

ካልእ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሱስ ኣብ ሉቃስ 17:21 እተዛረቦ ቓላት ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ብልክዕ ተርጒምዎ ኣሎ፦ “መንግስቲ ኣምላኽ ምሳኻትኩም ኣላ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ ኮንተምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን) “መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መንጎኹም ኣላ” ኢሉ ብልክዕ ተርጒምዎ ኣሎ። (ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ እግረ ጽሑፍ) የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን፡ መንግስተ ሰማያት “ምሳኻትኩም” ወይ “ኣብ መንጎኹም ኣላ” ኺብሎም ከሎ፡ ኣብታ መንግስቲ ንጉስ ኪኸውን እተሸመ ንሱ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ቅድሚኦም ደው ኢሉ ኸም ዘሎ እዩ ዚሕብሮም ነይሩ።—ሉቃ. 1:32, 33።

a ብዙሓት ሃይማኖታት ክርስትና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ዝዀነት ይምህራ እየን። ንኣብነት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትርከብ ሳውዘርን ባብቲስት ኮንቨንሽን እትብሃል ጕጅለ ሃይማኖት ንመንግስቲ ኣምላኽ ፡ “ኣብ ልብን ህይወትን ውልቀ ሰባት እትርከብ ግዝኣት ኣምላኽ” ኢላ ገሊጻታ ኣላ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ድማ ኣብታ ጂሰስ ኦቭ ናዝሬት ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ብሰማዒት ልቢ እያ እትመጽእ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ