መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብና ድያ ዘላ፧
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ኣብታ ጂሰስ ኦቭ ናዝሬት ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ብሰማዒት ልቢ እያ እትመጽእ” በለ። ገሊኦም ንመንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ውሽጢ ንየሱስ ክርስቶስ እተቐበለን ዝኣመነን ሰብ ዚፍጠር ለውጢ ኸም እተመልክት ገይሮም እዮም ዚርእይዋ። እሞኸ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ሓደ ሰብ ዚገብሮ ለውጢ ድያ እተመልክት፧ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘ኣብ ልብና ድያ ዘላ፧’
መንግስቲ ኣምላኽ ንየሱስ ኣገዳሲት እያ ነይራ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት፡ መንግስቲ ኣምላኽ “ሕመረት ስብከት የሱስ” ከም ዝነበረት ገሊጹ እዩ። የሱስ ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዜገልግለሉ ዝነበረ ብተዛማዲ ሓጺር እዋን፡ “ወንጌል መንግስቲ . . . እናሰበኸ” ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ዘይሩ እዩ። (ማቴዎስ 4:23) ብትምህርትታቱን ብተኣምራቱን ኣቢሉ ድማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትበሃል ከላ፡ ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ከም እተቐበሎን ከም ዚእዘዞን ዘይኰነስ፡ ካብኡ ንላዕሊ ኸም እተመልክት ኣነጸረ። መንግስቲ ኣምላኽ ንግዝኣትን ንፍርድን ንዘለኣለማዊ በረኸትን እተጠቓልል እያ።
ግዝኣትን ፍርድን
ኣብ መወዳእታ ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ፡ ኣደ እቶም ንየሱስ ዚቐርብዎ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ዝዀኑ ያእቆብን ዮሃንስን ናብኡ መጺኣ፡ “እዞም ክልተ ደቀይ ኣብታ መንግስትኻ ሓደ ብየማንካ፡ ሓደ ብጸጋምካ ኪቕመጡ፡ በል” ኢላ ለመነቶ። (ማቴዎስ 20:21) ኣብ ልቢ ደቃ ብዛዕባ ዝነበረ ነገር ትዛረብ ከም ዘይነበረት ንጹር እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሰባት ምስ የሱስ ኰይኖም ዜመሓድርዎ ግዝኣት ከም ዜጠቓልል ስለ እተረድአት፡ ደቃ ኣብኡ ግደ ኺህልዎም ደለየት። ወረግ የሱስሲ ነቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ፡ ኣብታ መንግስቱ ምስኡ ‘ኣብ ዝፋናት ከም ዚቕመጡን ከም ዚፈርዱን’ ተመባጺዕሎም እዩ። (ሉቃስ 22:30) እምበኣር፡ ሰዓብቲ የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ናይ ሓቂ ግዝኣት፡ ማለት ከም ምምሕዳር ገይሮም እዮም ዚርእይዋ ነይሮም።
ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ሰባት፡ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሓደ ሰብ ንዚገብሮ ለውጢ ኸም እተመልክት ድዮም ዚርድኡ ነይሮም፡ ወይስ ካብኡ ንላዕሊ እዮም ዚጽበዩ ነይሮም፧ ቀቅድሚ በዓል ፋስጋ 33 ድ.ክ.፡ የሱስ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ኪኣቱ ኸሎ፡ ብዙሕ ህዝቢ፡ “ሆሳእና [“ሕጂ ኣድኅን፡” ትርጕም 1990፡ እግረ-ጽሑፍ] ንወዲ ዳዊት” እናበሉ ተቐበልዎ። (ማቴዎስ 21:9) ስለምንታይ እዮም ከምኡ ኢሎም፧ የሱስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ከም ዝዀነ፡ ኣምላኽ ከኣ ንዕኡ “ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት” ከም ዚህቦ፡ ማለት ዘለኣለማዊት መንግስቲ ኸም ዚህቦ ፈሊጦም ምንባሮም ዜጠራጥር ኣይኰነን። እታ መንግስቲ ንእተምጽኦ ድሕነትን ሰላምን ፍትሕን ብሃንቀውታ ይጽበዩ ነይሮም እዮም።—ሉቃስ 1:32፣ ዘካርያስ 9:9።
ዘለኣለማዊ በረኸት
ብዛዕባ ኣገልግሎት የሱስ ብዙሕ ተገዳስነት ዘይነበሮም ሰባት እውን ከይተረፉ፡ ብዛዕባ ሓደ ኻብ ትምህርትታቱ ፍልጠት ነይርዎም እዩ። የሱስ ኪቕተል ከሎ ምስኡ እተሰቕለ ገበነኛ፡ “ጐይታይ፡ ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ” ኢሉ ለመኖ። የሱስከ እንታይ ኢሉ መለሰሉ፧ ነቲ ኣብ ኣጋ ሞቱ ዝነበረ ሰብኣይ፡ “ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ” ኢሉ ተመባጽዓሉ።—ሉቃስ 23:42, 43።
የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ መንግስቲ ኸም ዚቕበል፡ እቲ ገበነኛ ይኣምን ምንባሩ ርዱእ እዩ። የሱስ ነዚ ሰብኣይን ንኻልኦት ሚልዮናት ሰባትን ካብ ምዉታት ናይ ምትንሳእን ንኪቕየር ናይ ምሕጋዝን ክእለት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ድሌት እውን ኣለዎ። እወ፡ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ስልጣን ስለ እተዋህቦ፡ በታ መንግስቲ ኣቢሉ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዚርከቡ ደቂ ሰብ ዘለኣለማዊ በረኸት ኬምጽኣሎም እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29።
ኣብ ውሽጦም ዝነበረት መንግስቲ
የሱስ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም አላ” ዝበለ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ሉቃስ 17:21 እየን ዚርከባ። ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነታ “ኣብ ውሽጥኹም” እትብል ሓረግ “ኣብ ማእከልኩም” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። (ንኣብነት፡ ኣብ ትርጕም 1990 እግረ-ጽሑፍ ርአ።) የሱስ ከምኡ ኺብሎም ከሎ ግን እንታይ ማለት እዩ ነይሩ፧
ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን ዚበሃሉ ተጻረርቲ ዝዀኑ መራሕቲ ሃይማኖት እዩ ዚዛረቦም ነይሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ብዛዕባ መሲሕን ብዛዕባ መንግስቱን ናይ ገዛእ ርእሶም ትጽቢት ነበሮም። መሲሕ ንኣይሁድ ካብ ሮማውያን ሓራ ምእንቲ ኼውጽእን ንእስራኤል መንግስቲ ምእንቲ ኺመልስን ኢሉ፡ ከም ግርማዊ ንጉስ ኰይኑ “ብደበና ሰማይ” ኪመጽእ እዮም ዚጽበዩ ነይሮም። (ዳንኤል 7:13, 14) የሱስ ግን፡ “መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ” ብምባል ከም እተጋገዩ ሓበሮም። ወሲኹ እውን፡ “መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም አላ” በሎም።—ሉቃስ 17:20, 21።
የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይምህርን ንሱ ባዕሉ ንጉስ እታ መብጽዓ እተገብረላ መንግስቲ ኸም ዝዀነ ዚሕብር ተኣምራት ይገብርን እኳ እንተ ነበረ፡ ፈሪሳውያን ግን ንጹህ ልብን ናይ ሓቂ እምነትን ስለ ዘይነበሮም፡ ብዝያዳ ተጻረርዎ። የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ኣይኣመኑን። ስለዚ ኸኣ፡ የሱስ፡ እታ በቲ እተሸመ ንጉስ እትውከል መንግስቲ ኣምላኽ፡ ‘ኣብ ማእከሎም’ ከም ዝነበረት ነገሮም። ኣብ ውሽጦም ኬናድይዋ ኣይኰነን ሓቢርዎም።a የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ቅድሚኦም ቈይሞም ነበሩ። የሱስ ከኣ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዚ ምሳኻትኩም ኣላ” በሎም።—ሉቃስ 17:21፡ ኮንተምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን።
ኣብ ልብኻ ኣገዳሲ ቦታ ዘለዋ መንግስቲ
መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ሓጥኣን ደቂ ሰብ እትርከብ እኳ እንተ ዘይኰነት፡ ኣብ ልብና ኣገዳሲ ቦታ ኺህልዋ ይግባእ። የሱስ ብትምህርትታቱን ብተኣምራቱን ገይሩ፡ ሰማዕቱ ኣብቲ ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ዜምጽእ ጽድቂ ዝሰፈኖ ምምሕዳር ልባዊ እምነት ንኼሕድሩ ጽዒሩ እዩ። ኣብ ህይወቶም ጽቡቕ ጽልዋ ዚገብር እምነት ኪህልዎም እዩ ዚደሊ ነይሩ። “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ኪጽልዩ እውን ምሂርዎም እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) ብዙሓት ካብ ሰማዕቱ ብቓላቱ ስለ እተተንከፉ፡ እምነት ኣሕዲሮም እዮም፣ እዚ ኸኣ፡ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ንየሱስ ንኺስዕብዎ ደሪኽዎም እዩ።
ከምዚኣ ዓይነት እምነት ክትህልወካ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ የሱስ ነቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ውሩይ ስብከት፡ “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም” ኢሉ እዩ ጀሚርዎ። (ማቴዎስ 5:3፡ NW) እሞኸ ምስቶም ነዛ መጽሔት እዚኣ ዝሃቡኻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቢርካ ስለምንታይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይትገብር፧ ከምኡ ምስ እትገብር፡ ኣብ ብሕታዊ ለውጢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅኑዕን ፍትሓውን ግዝኣት፡ ማለት ኣብታ ንዅሉ ሰላምን ደሓንን እተምጽእ መንግስቲ ተስፋ ኽትገብር ኢኻ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a “ኣብ ውሽጥኹም” ዚብላ ቓላት፡ የሱስ ንፈሪሳውያን ይዛረብ ከም ዝነበረ ዜመልክታ እየን። መቸም የሱስ፡ እቶም ፈሪሳውያን ለውጢ ኸም ዝገበሩ ወይ ከኣ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቦም ከም እተቐበልዋ ማለቱ ኣይነበረን።
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ እቶም ነቓጻትን ቀተልቲ ሰብን ዝዀኑ ተጻረርቲ የሱስ ነይራ ድያ፧