ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/8 ገጽ 16-19
  • ሓድነትን ዜደንቕ ውጥናትን ዚጐልሓሉ ኣኼባ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓድነትን ዜደንቕ ውጥናትን ዚጐልሓሉ ኣኼባ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ መክሲኮ ዝመጸ ጽቡቕ ጸብጻብ
  • ካብ ጃፓን ዝመጸ እዋናዊ ሓበሬታ
  • ሕጋዊ ዓወታት
  • ዕዮ ህንጸት
  • ካብቲ ዚጓዝም ኣንበሳ ተጠንቀቑ
  • ነቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዘሎካ ግደ ኣማስወሉ
  • ክርስትያናት ንቓል ኣምላኽ የኽብርዎ
  • ኣብ ስልጠናን ኣገልግሎትን እተገብረ ዜደንቕ ምትዕርራይ
  • ታሪኻዊ ኣኼባ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ሓደስቲ ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ብፍቕሪ ዝሓበሩ ጸብጻብ ዓመታዊ ኣኼባ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ሎሚ ንህዝቢ ኣምላኽ ዚመርሖም ዘሎ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/8 ገጽ 16-19

ጸብጻብ ዓመታዊ ኣኼባ

ሓድነትን ዜደንቕ ውጥናትን ዚጐልሓሉ ኣኼባ

ዓመታዊ ኣኼባ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቨንያ፡ ወትሩ ዜሐጕስ ኣጋጣሚ እዩ። ቀዳም 1 ጥቅምቲ 2011 እተገብረ መበል 127 ዓመታዊ ኣኼባ እውን ከምኡ እዩ ነይሩ። ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብቲ ኣብ ጀርሲ ሲቲ፡ ኒው ጀርሲ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣኪቦም ነበሩ።

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ገራት ሎሽ ነቶም ሕጉሳት ተኣከብቲ፡ ‘እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም’ በሎም። ነቶም ካብ 85 ዝዀና ሃገራት ዝመጹ ኣኼበኛታት፡ ፍሉይ ዓለምለኻዊ ሓድነት ከም ዘለዎም ሓበሮም። ከምዚ ዓይነት ሓድነት ጽቡቕ ምስክርነት ይህብን ንየሆዋ የኽብሮን እዩ። ኣብቲ ኣኼባ እውን እንተ ዀነ፡ እታ ሓድነት እትብል ቃል ብተደጋጋሚ ትጥቀስ ነበረት።

ካብ መክሲኮ ዝመጸ ጽቡቕ ጸብጻብ

ቀዳማይ ክፋል እቲ መደብ፡ ሓድነት ህዝቢ የሆዋ ዜርኢ እዩ ነይሩ። ባልታሳር ፐርላ ንሰለስተ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል መክሲኮ፡ ብዛዕባ እተን ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር መክሲኮ እተጠርነፋ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ዚርከባ ሽዱሽተ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ምእንቲ ኺገልጹ፡ ቃለ መጠይቕ ገበረሎም። ብምኽንያት እዚ ለውጢ እዚ፡ ስድራ ቤት-ኤል መክሲኮ ኻብ እተፈላለየ ባህልን ሃገራትን ብዝመጹ ኣሕዋትን ኣሓትን መሊኣ ኣላ። እዚ ኸኣ፡ እቶም ኣሕዋት ንሓድሕዶም ንኺተባብዑ ኣኽኢልዎም እዩ። ኣምላኽ ብዓብዪ መደምሰስ ገይሩ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ነቲ ሃገራዊ ዶባት ከም ዝደምሰሶ ጌርካ ኺርአ ይኽእል እዩ።

ኣብተን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ዝነበረለን ሃገራት ዘለዉ ኣስፋሕቲ፡ ብምኽንያት እቲ እተገብረ ለውጢ ኻብ ውድብ የሆዋ ዝረሓቑ ዀይኑ ምእንቲ ኸይስምዖም፡ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ምስ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር መክሲኮ ብቐጥታ ኽትራኸበሉ እትኽእል ኢ-መይል ተዋህባ።

ካብ ጃፓን ዝመጸ እዋናዊ ሓበሬታ

ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጃፓን ዝመጸ ጄምስ ሊንቶን፡ እቲ ኣብ መጋቢት 2011 ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድርን ሱናሚን ነቶም ጃፓናውያን ኣሕዋትና ብኸመይ ከም ዝጸለዎም ገለጸ። ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ፍቑራቶምን ንብረቶምን ስኢኖም እዮም። ካብቲ ጕድኣት ዝወረዶ ኸባቢ ርሒቖም ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቶም እተጐድኡ ኣሕዋት ልዕሊ 3,100 ኣባይቲ ረኺቦምሎምን ብኣማእታት ዚቝጸራ ተሽከርከርቲ ወፍዮምን እዮም። ምስ ኮሚተ ኸባብያዊ ህንጸት ኰይኖም ዚሰርሑ ዝነበሩ ወለንተኛ ሰራሕተኛታት፡ ንኣባይቲ ኣሕዋት እንደገና ንምህናጽ ብዘይምቍራጽ ሰሪሖም እዮም። ኣብ እተመደብዎ ንምዕያይ ፍቓደኛታት ዝነበሩ ልዕሊ 1,700 ዚዀኑ ወለንተኛታት እውን ነበሩ። ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጸት ሓንቲ ጕጅለ ወለንተኛታት እትርከቦም 575 ዚዀኑ ወለንተኛታት፡ ኣብ ዳግመ ህንጻ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተኻፊሎም እዮም።

ይኹን እምበር፡ ብዝያዳ ኣብ መንፈሳውን ስምዒታውን ጥዕና እቶም እተጐድኡ ኣሕዋትን ኣሓትን እዩ ኣትኵሮ ተገይሩ ነይሩ። ልዕሊ 400 ሽማግለታት ኣብ ዕዮ ጕስነት ዓይዮም እዮም። ክልተ ሓለውቲ ዞባ ኻብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናብቲ ባህርያዊ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ብምኻድ ነቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ምጽንናዖም፡ ኣመሓዳሪ ኣካል እውን ነቶም ኣሕዋት ከም ዚግደሰሎም ዜርኢ እዩ ነይሩ። ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኣይዎ ተገዳስነት እውን፡ ኣዝዩ ዜጸናንዕ እዩ ነይሩ።

ሕጋዊ ዓወታት

ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብሪጣንያ ዝመጸ ስቴፈን ሃርዲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተረኽበ ሕጋዊ ዓወታት ኪገልጽ ከሎ፡ ኵሉ ሰብ ተመሲጡ ይሰምዕ ነበረ። ንኣብነት፡ መንግስቲ ፈረንሳ ነቶም ኣብ ፈረንሳ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ 82 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ቀረጽ ኪኸፍሉ ሓቲቱ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ፡ መንግስቲ ፈረንሳ ነቲ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ዚምልከት ዓንቀጽ 9 ኤውሮጵያዊ ውዕል ከም ዝጠሓሰ ብምግላጽ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ፈረደሎም። ኣብ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ እተገልጸ ቓላት፡ እቲ መንግስቲ ፈረንሳ ዘበገሶ ጕዳይ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ከም ዘይነበረ ዚሕብር እዩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ውሳነ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል እዩ ነይሩ፦ “ንሓደ ሃይማኖት ፍቓድ ዘይምሃብ፡ ከም ዜቋርጽ ምግባር፡ ከምኡውን ነቲ ሃይማኖት ዜስተናዕቕ ቓላት ምጥቃም፡ ነቲ ኣብ ዓንቀጽ 9 እቲ ውዕል ተገሊጹ ዘሎ መሰል ከም ምትዕንቓፍ ጌርካ እዩ ዚርአ።”

ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ኣብቲ ንኣርመንያ ዚምልከት ጕዳይ እውን፡ ንዓና እዩ ፈሪዱልና። ካብ 1965 ኣትሒዙ፡ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ፡ ውዕል ኤውሮጳ ንውልቀ ሰባት ካብ ግዴታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከም ዘየዕቍቦም እዩ ዚኣምን ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ፡ ውዕል ኤውሮጳ፡ “ብረዚንን ብዘይስገርን ምኽንያት ተደሪኾም ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ንዘይደልዩ” ሰባት መሰሎም ከም ዚሕልወሎም ዚገልጽ ውሳነ ሃበ። እዚ ውሳነ እዚ፡ ንኣርመንያ ኸምኡውን ንኸም ብዓል ኣዘርባጃንን ቱርኪን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ መሰል ዜጋታተን ኬኽብራ ዚግድድ እዩ።

ዕዮ ህንጸት

ካብኡ ቐጺሉ፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ጋይ ፒርስ መደረ ኣቕረበ፣ ኵሎም ተኣከብቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዝኣት ኒው ዮርክ ዚግበር ዘሎ ዕዮ ህንጸት ኪፈልጡ ኸም ዚደልዩ ድማ ገለጸ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዎልኪልን ኣብ ፓተርሰንን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተዓደገ ኣብ ዎርዊክን ታክሲዶን፡ ኒው ዮርክ ዚግበር ዘሎ ዕዮ ዚሕብር ቪድዮ ኸኣ ኣፋለጠ። እቲ ኣብ ዎልኪል ዚስራሕ ዘሎ ብ2014 ዚዛዘም ሓድሽ መንበሪ፡ ልዕሊ 300 መንበሪ ኣባይቲ ኸም ዚህልዎ ተሓበረ።

ኣብ ዎርዊክ 100 ሄክታር ኣብ ዝምስፋሑ ቦታ ንምህናጽ መደብ ከም ዝወጸ ተገልጸ። ሓው ፒርስ፡ “ንዎርዊክ ብዚምልከት ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ርግጸኛታት እኳ እንተ ዘይኰንና፡ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብኡ ንምግዓዝ ዜኽእል ህንጸት ንምጅማር መደብ ተገይሩ ኣሎ” በለ። ብሰሜናዊ ሸነኽ ዎርዊክ 10 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዚርከብ 20 ሄክታር መሬት፡ ነቲ ዕዮ ህንጸት ዚኸውን ማሽናትን ናውቲ ህንጸትን ዚቕመጠሉ ቦታ ኺህሉ እውን መደባት ይግበር ኣሎ። ሓው ፒርስ፡ “ፍቓድ ህንጸት ምስ ረኸብና፡ ብምሉኡ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ንኽንዛዝሞ ተስፋ ንገብር። ድሕሪኡ ኣብ ብሩክሊን ዘሎ ንብረት ኪሽየጥ እዩ” በለ።

ሓው ፒርስ፡ “ኣመሓዳሪ ኣካል ብዛዕባ ምቕራብ ብርቱዕ ጸበባ ዘለዎ ኣረኣእያ ቐዪሩ ድዩ፧” ኢሉ ሓተተ። ነዚ ባዕሉ ኺምልሶ ኸሎ፡ “ፈጺሙ ኣይቀየረን። ብርቱዕ ጸበባ ንመደባትና እንተ ዀሊፍዎ፡ ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰና” በለ።

ካብቲ ዚጓዝም ኣንበሳ ተጠንቀቑ

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ስቴፈን ለት፡ ብዛዕባ እታ፡ “ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ። ድያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዚውሕጦ ደልዩ፡ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ” እትብል 1 ጴጥሮስ 5:8 ገለጸ። ሓው ለት ከም ዝገለጾ፡ ነቲ ኣንበሳ ዘለዎ እተፈላለየ ባህርያት ምስ እንምርምሮ፡ እቲ ጴጥሮስ ንድያብሎስ ንምግላጽ እተጠቕመሉ ምሳሌ ብቑዕ ምዃኑ እዩ ዚሕብረና።

ኣናብስ ካብ ሰባት ንላዕሊ ሓያላትን ቅልጡፋትን እዮም፣ ስለዚ፡ ብናይ ገዛእ ርእስና ብርታዐ ጥራይ ምስ ሰይጣን ክንቃለስ ወይ ካብኡ ኽንሃድም ኣይንኽእልን ኢና። ሓገዝ የሆዋ የድልየና እዩ። (ኢሳ. 40:31) ኣንበሳ ሰላሕ ኢሉ እዩ ዚሃድን፣ ስለዚ፡ ካብቲ ሰይጣን ንግዳያቱ ዜናድየሉ መንፈሳዊ ጸልማት ክንርሕቕ ኣሎና። ልክዕ ከምቲ ኣንበሳ ንሓንቲ ዘይትጓዳእ ዓጋዜን ወይ ንሓንቲ ዝደቀሰት ንእሽቶ ኣድጊ በረኻ ዚቐትላ፡ ሰይጣን እውን ጨካን ስለ ዝዀነ፡ ኪቐትለና እዩ ዚደሊ። ብዘይካዚ፡ ከምቲ ኣንበሳ ንግዳያቱ ሓንቲ ኸየትረፈ ዚበልዖም፡ መንፈሳውያን ግዳያት ሰይጣን እውን “ካብ ቀዳማዮምሲ ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዚኸውን።” (2 ጴጥ. 2:20) ስለዚ፡ ንሰይጣን ክንቃወሞን ምስቲ እተመሃርናዮ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንጠብቕን ኣሎና።—1 ጴጥ. 5:9።

ነቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዘሎካ ግደ ኣማስወሉ

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ሳሙኤል ሀርድ፡ “ኵላትና ኣብ ቤት የሆዋ ግደ ኣሎና” በለ። ኵሎም ክርስትያናት ኣብ “ቤት” ኣምላኽ፡ ማለት ኣብቲ ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ የሱስ ንየሆዋ ኸነምልኸሉ እንኽእል መሰናድዎ ዝዀነ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ ግደ ኣለዎም። ነዚ ግደ እዚ ኸም ፍሉይ መሰል ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኣሎና። ልክዕ ከም ዳዊት፡ ‘ምሉእ ዕድሜና ኣብ ቤት የሆዋ ኽንነብር ንደሊ ኢና።’—መዝ. 27:4።

ሓው ሀርድ ካብ መዝሙር 92:12-14 ብምጥቃስ፡ “የሆዋ ኸም እንልምልም ዚገብረና ብኸመይ እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። “ኣምላኽ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ምሾት ይህበናን የዕቍበናን ዜርዊ ማይ ሓቂ የስትየናን እዩ። ስለ እቲ ዚገብረልና ነገራት ነመስግኖ” ድሕሪ ምባሉ፡ ነቶም ሰማዕቲ፡ “ንሓጺር እዋን ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለም ኣብ ቤት የሆዋ ዓጊብና ንንበር” ብምባል ተማሕጸኖም።

ክርስትያናት ንቓል ኣምላኽ የኽብርዎ

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ዴቪድ ስፕለይን፡ ነታ ቐጺላ ዝነበረት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንቓል ኣምላኽ ወትሩ ኸም ዜኽብርዎ እትገልጽ መደረ ኣቕረበ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ምስ ግዝረት ዚተሓሓዝ ጕዳይ ንምፍታሕ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተወከሉ። (ግብ. 15:16, 17) ይኹን እምበር፡ ኣብ ካልኣይ ዘመን ዝነበሩ ብናይ ግሪኽ ፍልስፍና ዝሰልጠኑ ስመ ክርስትያን፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንላዕሊ ንናይ ግሪኽ ፍልስፍና ኣኽቢሮም ኪርእይዎ ጀመሩ። ጸኒሑ ድማ፡ ገሊኦም ሰባት ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብትምህርትታት እቶም ኣበው ኢሎም ዚጽውዕዎም ሰባትን ብርእይቶታት ሃጸያት ሮሜን ተክእዎ፣ ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ብዙሕ ናይ ሓሶት ሰረተ እምነት ጀመረ።

ሓው ስፕለይን፡ የሱስ ኣብ ሓደ ምሳሌኡ ንሓቂ ዚጣበቑላ ናይ ሓቂ ቕቡኣት ክርስትያናት ኵሉ ሳዕ ኣብ ምድሪ ኸም ዚህልዉ ገሊጹ ምንባሩ ሓበረ። (ማቴ. 13:24-30) ብዛዕባ መንነት እቶም ቅቡኣት ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ እምነታትን ተግባራትን ኰኒኖምዎ እዮም። ገለ ኻባታቶም ንምጥቃስ፦ ኣብ ታሽዓይ ዘመን ዝነበረ ሊቀ ጳጳሳት ኣጎባርድ ብዓል ልዮን፡ ጴጥሮስ ብዓል ብርዊ፡ ሄንሪ ብዓል ሎዛን፡ ኣብ መበል 12 ዘመን ዝነበረ ቫልደስ (ወይ ዋልዶ)፡ ኣብ መበል 14 ዘመን ዝነበረ ጆን ዊክሊፍ፡ ኣብ መበል 16 ዘመን ዝነበረ ዊልያም ቲንደል፡ ከምኡውን ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበሩ ሄንሪ ግሪውን ጆርጅ ስቶርስን። ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይድግፍዎን ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም መሰረት ሓቂ ገይሮም ይርእይዎን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ነታ፡ “ቃልካ ሓቂ እዩ” እትብል ዮሃንስ 17:17 ጥቕሲ ዓመት 2012 ክትከውን መሪጽዋ።

ኣብ ስልጠናን ኣገልግሎትን እተገብረ ዜደንቕ ምትዕርራይ

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ኣንቶኒ ሞሪስ ምስ ሚስዮናውያንን ፍሉያት ፈለምትን ተተሓሒዙ ብዛዕባ እተገብረ ምትዕርራይ ዚገልጽ ምልክታ ኣቕረበ። ካብ መስከረም 2012 ጀሚሩ፡ ንክርስትያን ሰብ ሓዳር ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተመርጻ ሃገራት ኪግበር እዩ። እዚ ኸኣ ንኣትኵሮ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዚቕይር ኪኸውን እዩ። እቶም ካብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ጊልዓድ ዚስልጥኑ ሰባት፡ ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝነበሩ፡ ማለት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጊልዓድ ዘይሰልጠኑ ሚስዮናውያን፡ ፍሉያት ፈለምቲ፡ ገየሽቲ ሓለውቲ፡ ወይ ቤት-ኤላውያን ኪዀኑ እዮም። እቶም ተመረቕቲ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ብምዃን፡ ኣብ ዕዮ መገሻ ብምክፋል፡ ወይ ከኣ ንክርስትያን ጉባኤታት ኣብ ዕዮ ስብከት ኬተባብዑ ናብ ዚኽእሉሉ ብዙሓት ተቐማጦ ዘለውዎ ቦታታት ብምኻድ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ምብርታዕን ኣብ ምጽናዕን ኪዓይዩ እዮም።

ተወሰኽቲ ፍሉያት ፈለምቲ ኣብ ርሑቕን ግሉልን ከባቢታት፡ ሓድሽ ክሊ ኪኸፍቱ እዮም። ካብ 1 ጥሪ 2012 ጀሚሩ፡ ካብ ንንጽል ኣሕዋት ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን ካብ ንክርስትያን ሰብ ሓዳር ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን እተመረቑ ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ግዜያውያን ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም ኪምደቡን ኣብ ርሑቕ ቦታታት ሓድሽ ክሊ ኪኸፍቱን ንዕዮ ስብከት ኬስፍሑን እዮም። ኣብ ዓመት ሓደ ምደባ እናተዋህቦም ንሰለስተ ዓመት ምስ ኣገልገሉ፡ እቶም ውጽኢታውያን ዝዀኑ ነባሪ ምደባ ኺወሃቦም እዩ።

ዓመታዊ ኣኼባ 2011 ዜሐጕስ እዋን እዩ ነይሩ። የሆዋ ነቲ ንዕዮ ስብከትና ብዝያዳ ንምዕያይን ንሕውነትና ብዝያዳ ንምድልዳልን ተባሂሉ እተገብረ ሓድሽ መሰናድዎታት ኪባርኾ፡ ኵሉ ኸኣ ንዕኡ ኽብርን ውዳሰን ኬምጽኣሉ ንምነ።

[ኣብ ገጽ 18, 19 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ብዝያዳ ኽንፈልጠን ክኢልና

ሓደ ኽፋል እቲ መደብ፡ ካብተን ትሽዓተ ኣንስቲ እቶም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ዝነበሩ ኣሕዋት ዝዀና ኣሓት፡ ነተን ሓሙሽተ እተገብረለን ቃለ መጠይቕ እዩ ነይሩ። እተን ኣሓት፡ ማሪና ሲድሊክን ኢዲት ሱተርን መሊታ ጃራዝን መልባ ባሪን ሲድኒ ባርበርን ኰይነን፡ ብኸመይ ሓቂ ኸም ዝሰምዓን ብኸመይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ዝጀመራን ኣዘንተዋ። ነፍሲ ወከፈን ብዛዕባ ዘሕለፋኦ ጽቡቕ እዋናት፡ ብዛዕባ ሰብኡተን ዚዝክራኦ ነገራት፡ ከምኡውን ምስ ሰብኡተን ኰይነን ብዛዕባ ዝረኸባኦ በረኸት ገለጻ። ድሕሪኡ፡ እታ፡ “እሙናት ኣንስቲ፡ ክርስትያን ኣሓት” ዘርእስታ መዝሙር ቍጽሪ 86 ተዘመረት፣ እዚ ኸኣ ነቲ ቓለ መጠይቕ ብምዕሩግ መገዲ ዛዘሞ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

(ላዕሊ) ዳንየልን ማሪናን ሲድሊክ፣ ግራንትን ኢዲትን ሱተር፣ ቴኦዶርን መሊታን ጃራዝ

(ታሕቲ) ሎይድን መልባን ባሪ፣ ኬሪን ሲድኒን ባርበር

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ካርታ]

(For fully formatted text, see publication)

ሽዱሽተ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር መክሲኮ ተጠርኒፈን

መክሲኮ

ጓተማላ

ሆንዱራስ

ኤል ሳልቫዶር

ኒከራግዋ

ኮስታ ሪካ

ፓናማ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ውጥን እቲ ኣብ ዎርዊክ፡ ኒው ዮርክ ኪስራሕ እተሓስበ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ