ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/9 ገጽ 16-17
  • ኣብ መዓልቲ ፍርዲ እንታይ እዩ ኼጋጥም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ መዓልቲ ፍርዲ እንታይ እዩ ኼጋጥም፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መዓልቲ ፍርድን ብድሕሪኡን
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • መዓልቲ ፍርዲ እንታይ እያ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ናይ ኣምላኽ መዓልቲ ፍርዲ—እቲ ዘሐጕስ ውጽኢቱ!
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/9 ገጽ 16-17

ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር

ኣብ መዓልቲ ፍርዲ እንታይ እዩ ኼጋጥም፧

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።

1. መዓልቲ ፍርዲ እንታይ እያ፧

ከምቲ ኣብዛ ኣብ የማን ዘላ ስእሊ ዚርአ ዘሎ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ብቢልዮናት ዚቝጸራ ነፍሳት ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ኣምላኽ ቀሪበን፡ በቲ ቕድሚ ሕጂ ዝገበራኦ ተግባር ከም ዚፍረዳ፡ ብመሰረት እቲ ፍርዲ ኸኣ ገሊአን ነፍሳት ዓስበን ረኺበን ናብ ሰማይ፡ ገሊኣተን ከኣ ምእንቲ ኺሳቐያ ናብ ገሃነም እሳት ከም ዝኸዳ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዕላማ መዓልቲ ፍርዲ፡ ንሰባት ካብ ዘይፍትሓዊ ነገራት ንምድሓን ምዃኑ እዩ ዚገልጽ። (መዝሙር 96:13) ኣምላኽ ንየሱስ፡ ንደቂ ሰብ ፍትሒ ዜምጽኣሎም ፈራዲ ምእንቲ ኪኸውን ሸይምዎ ኣሎ።—ኢሳይያስ 11:1-5፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:31 ኣንብብ።

2. መዓልቲ ፍርዲ፡ ፍትሒ እተምጽእ ብኸመይ እያ፧

እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ዝነበረ ኣዳም፡ ደይመደይ ኢሉ ኻብ ኣምላኽ ምስ ዓለወ፡ ንዅሎም ዘርኡ ኣደዳ ሓጢኣትን መከራን ሞትን ገበሮም። (ሮሜ 5:12) ነዚ ዘይፍትሓዊ ተግባር እዚ ንምዕራይ፡ የሱስ ብቢልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ካብ ሞት ኬተንስኦም እዩ። መጽሓፍ ራእይ፡ እዚ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ ከም ዚፍጸም ትሕብር እያ።—ራእይ 20:4, 11, 12 ኣንብብ።

እቶም ካብ ሞት ዚትንስኡ ሰባት፡ ብመሰረት እቲ ቐደም ዝገበርዎ ዘይኰነስ፡ እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 20 ተገሊጹ ዘሎ “መጻሕፍቲ” ምስ ተገንጸለ ብዚገብርዎ ተግባር እዮም ዚፍረዱ። (ሮሜ 6:7) ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ዝገለጾ፡ እቶም ካብ ሞት ተንሲኦም ብዛዕባ ኣምላኽ ኪመሃሩ ኣጋጣሚ ዚረኽቡ ሰባት፡ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን” ዜጠቓልሉ እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ኣንብብ።

3. መዓልቲ ፍርዲ እንታይ እያ ኽትዓምም፧

እቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ከይፈለጥዎን ከየገልገልዎን ዝሞቱ ሰባት፡ ንኺልወጡን ሰናይ ንኺገብሩን ኣጋጣሚ ኺወሃቦም እዩ። ተለዊጦም ሰናይ እንተ ገይሮም፡ ትንሳኤኦም፡ “ትንሳኤ ህይወት” ኪኸውን እዩ። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ዚትንስኡ ሰባት፡ መገድታት የሆዋ ኺምሃሩ ኣይኪደልዩን እዮም። ናይዞም ሰባት እዚኦም ትንሳኤ፡ “ትንሳኤ ፍርዲ” ኪኸውን እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ ኢሳይያስ 26:10፣ 65:20 ኣንብብ።

ኣብ መወዳእታ እታ ንሽሕ ዓመት እትጸንሕ መዓልቲ ፍርዲ፡ የሆዋ ነቶም እዙዛት ደቂ ሰብ ናብቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ፍጽምና ኺመልሶም እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:24-28) እዝስ ነቶም እዙዛት ሰባት ከመይ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ! ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፈተና፡ ኣምላኽ ንሰይጣን ድያብሎስ ካብቲ ንሽሕ ዓመት ተኣሲሩሉ ዝነበረ መዓሙቝ ኪፈትሖ እዩ። ሽዑ ሰይጣን እንደገና ንሰባት ካብ የሆዋ ኼርሕቖም ኪፍትን እዩ፣ እቶም ዚነጽግዎ ግና፡ ኣብ ምድሪ ተሓጒሶም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።—ኢሳይያስ 25:8፣ ራእይ 20:7-9 ኣንብብ።

4. ንደቂ ሰብ እትጠቅም ካልእ መዓልቲ ፍርዲ ኣየነይቲ እያ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “መዓልቲ ፍርዲ” እትብል መግለጺት፡ ምስቲ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ዚጠፍኣሉ ፍጻመ ብምትሕሓዝ እውን ይጥቀመላ እዩ። እዛ መዓልቲ ፍርዲ እዚኣ፡ ልክዕ ከምቲ ብመዓልቲ ኖህ ንብምሉኡ እቲ ሽዑ ዝነበረ እኩይ ወለዶ ዘጥፍኦ ማይ ኣይሂ፡ ብሃንደበት እያ እትመጽእ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ እቲ እናቐረበ ዚመጽእ ዘሎ ጥፍኣት እቶም “ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባት፡” ነቲ “ጽድቂ ዚነብረሉ” ኣብ ምድሪ ዚህሉ ሓድሽ ሕብረተሰብ መገዲ ዚጸርግ እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:6, 7, 13 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ገጽ 213-215 እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

“ናይ መወዳእታ ፍርዲ፡” ብጉስታቭ ዶር፡ 1832-1883

[ምንጪ]

Engravings by Doré

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ