ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/5 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መዓልቲ ፍርዲ እንታይ እያ፧
  • ኣብ መዓልቲ ፍርዲ እንታይ እዩ ኼጋጥም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • መዓልቲ ፍርድን ብድሕሪኡን
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • መዓልቲ ፍርዲ እንታይ እያ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/5 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መዓልቲ ፍርዲ እንታይ እያ፧

ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብተን ሽሕ ዓመት ኣብ ዚህሉ ትንሳኤ እንደገና ኽትሓብር ከላ

መዓልቲ ፍርዲ እተሐጕስ መዓልቲ እትኸውን ስለምንታይ እያ፧

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንህዝቡ ኻብ ዘይፍትሓዊ ነገራት ንምድሓን መሳፍንቲ ወይ ፈረድቲ ይጥቀም ነበረ። (መሳፍንቲ 2:18) መዓልቲ ፍርዲ፡ እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ ዝዀነ የሆዋ ንደቂ ሰብ ካብ ዘይፍትሓዊ ነገራት ዜድሕነላ እተሐጕስ መዓልቲ ኸም ዝዀነት እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ።—መዝሙር 96:12, 13፣ ኢሳይያስ 26:9 ኣንብብ።

ኣምላኽ ንህያዋንን ንምዉታትን ፍትሒ ምእንቲ ኼውጽእ ንየሱስ ሸይምዎ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:42፣ 17:31) ሓያሎ ሰባት ንኣምላኽ ከይፈለጡ እዮም ሞይቶም። ኣብ መዓልቲ ፍርዲ፡ እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኺፈልጥዎን ኬፍቅርዎን፡ የሱስ ኬተንስኦም እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ኣንብብ።

መዓልቲ ፍርዲ ንሽሕ ዓመት እትቕጽል ስለምንታይ እያ፧

ኣብተን ሽሕ ዓመት፡ ምዉታት ኪትንስኡ እዮም። (ራእይ 20:4, 12) መገድታት ኣምላኽ ንኺመሃሩን ንኺእዘዝዎን ድማ፡ ግዜ ኼድልዮም እዩ። ከምቲ ብዙሓት ሰባት ዚብልዎ ዘይኰነስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ብመሰረት እቲ ድሕሪ ትንሳኤኦም ዚገብርዎ ነገራት ከም ዚፍረዱ እዩ ዚገልጽ።—ሮሜ 6:7 ኣንብብ።

ብተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መዓልቲ ፍርዲ፡ እተን ሽሕ ዓመት ቅድሚ ምጅማረን ብሃንደበት ከም እትመጽእ እዩ ዚገልጽ። ከምቲ ኣብ ቀዳሞት ዓንቀጻት እዛ ሕታም እዚኣ እተገልጸ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ‘መወዳእታ’ ተባሂላ እውን ትፍለጥ እያ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም እኩያትን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎምን ሰባት ኬጥፍኦም እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:7) ስለዚ እምበኣር፡ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ኸነርኢ ኣሎና።—2 ጴጥሮስ 3:9, 13 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 213 ርአ።

ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ