ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/1 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘይፍትሓውነት ኬጋጥመካ ኸሎ እንታይ ክትገብር ይግባእ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ፍትሒ ንምርካብ ዚቐርብ ጥርዓንሲ ተሰማዕነት ኪረክብ ድዩ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንዜጋጥመካ ዘይፍትሓዊ ተግባር ክትጻወሮ ትኽእል ኢኻ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • “ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ ኣሎ፧”
    ንየሆዋ ቕረቦ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/1 ገጽ 16
ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ደቃ ብኽቱር ደኽነት ክትነብር ከላ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ኣምላኽ ብዓይኒ ዘይርአ መንፈስ እዩ። ንሰማይን ንምድርን ንዅሎም ህያዋን ፍጥረታትን ዝፈጠሮም ንሱ እዩ። መጀመርታ ስለ ዘይብሉ ግና፡ ንዕኡ ዝፈጠሮ የልቦን። (መዝሙር 90:2) ኣምላኽ፡ ሰባት ኬናድይዎን ብዛዕባኡ እቲ ሓቂ ኺፈልጡን ይደሊ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:24-27 ኣንብብ።

ንኣምላኽ ብስሙ ኽንፈልጦ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ነገራት ብምስትንታን፡ ገሊኡ ባህርያቱ ኺፍለጥ ይከኣል እዩ። (ሮሜ 1:20) ብዚግባእ ምእንቲ ኽንፈልጦ ግና፡ ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዖ ኣሎና። ከመይሲ፡ ነቲ ተፈታዊ ባህርያት ኣምላኽ ንኽንፈልጦ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።—መዝሙር 103:7-10 ኣንብብ።

ኣምላኽ ብዛዕባ ዘይፍትሓውነት እንታይ ይስምዖ፧

እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ፡ ዘይፍትሓዊ ነገራት ይጸልእ እዩ። ንደቂ ሰብ ድማ ብመልክዑ እዩ ፈጢርዎም። (ዘዳግም 25:16) ብኸምኡ ኸኣ ኢና መብዛሕትና ዘይፍትሓዊ ነገራት እንጸልእ። ኣምላኽ በቲ ዜጋጥም ዘሎ ዘይፍትሓዊ ነገራት ተሓታቲ ኣይኰነን። ንሱ ንደቂ ሰብ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂብዎም እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ እተዋህቦም ናጽነት ብዘይ ግቡእ ብምጥቃም፡ ዘይፍትሓዊ ነገራት ይገብሩ እዮም። እዚ ኸኣ ንልቢ የሆዋ የጕህዮ እዩ።—ዘፍጥረት 6:5, 6፣ ዘዳግም 32:4, 5 ኣንብብ።

የሆዋ ፍትሒ ስለ ዚፈቱ፡ ንዘይፍትሓዊ ነገራት ስቕ ኢሉ ኣይኪርእዮን እዩ። (መዝሙር 37:28, 29) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅሉ ዘይፍትሓዊ ነገራት ከም ዜጥፍኦ ይመባጻዕ እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:7-9, 13 ኣንብብ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ፍትሒ ኸም ዜስፍን ይመባጻዕ

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 1 እዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

ካብ www.pr418.com ከተራግፎ ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ