ዓንቀጽ መጽናዕቲ 37
መዝሙር 114 “ተዓገሱ”
ዘይፍትሓውነት ኬጋጥመካ ኸሎ እንታይ ክትገብር ይግባእ፧
“ፍትሒ ተጸበየ፣ እንሆ ግና፡ ዘይፍትሓውነት።”—ኢሳ. 5:7።
ኣትኵሮ
ዘይፍትሓውነት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንየሆዋ ባህ ብዜብሎ መገዲ ምላሽ ምእንቲ ኽንህብ ካብ የሱስ እንረኽቦ ትምህርቲ።
1-2. ብዙሓት ሰባት ዘይፍትሓዊ ነገራት ኬጋጥሞም ከሎ እንታይ እዮም ዚገብሩ፧ ንሕናኸ እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓስብ እንኽእል፧
ዘይፍትሓውነት ኣብ ዝሰፈና ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ሰባት ብምኽንያት ቍጠባዊ ደረጃኦም፡ ጾታኦም፡ ትውልዶም፡ ዓሌቶም፡ ኰታስ ብእተፈላለየ ብዙሕ ምኽንያታት ይግፍዑ እዮም። ብሰንኪ እቲ ስሱዓት ሃብታማት ነጋዶ ወይ ብልሹዋት ሰበ ስልጣን ዝገበርዎ ውሳነ ይጕድኡ እዮም። እዝን ካልእ ዘይፍትሓውነትን ንዅላትና ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ይጸልወና እዩ።
2 እምበኣር፡ ሎሚ ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዘይፍትሓውነት እንተ ተቘጥዑ ዜገርም ኣይኰነን። ኵላትና ውሕስነትን ፍትሕን ኣብ ዝሰፈና ዓለም ኢና ኽንነብር እንደሊ። ስለዚ፡ ገሊኦም ሰባት ኣብቲ ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእ ዚግበር ቃልሲ ይሳተፉ እዮም። ፊርማ ይእክቡ፡ ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ይሳተፉ፡ ምእንቲ ፍትሒ ኸም ዚቃለሱ ቓል ንዝኣተዉ ፖለቲካውያን መራሕቲ እውን ይድግፉ እዮም። ንሕና ክርስትያናት ግና ‘ካብ ዓለም ከም ዘይኰንና’፡ ነታ ንዅሉ ዘይፍትሓውነት እተወግድ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ክንጽበያ ኸም ዚግባእ ተማሂርና ኢና። (ዮሃ. 17:16) ይኹን እምበር፡ ሰብ ኪግፋዕ ክንርኢ ኸለና ንጕሂ፡ ካብኡ ሓሊፍና እውን ንቝጣዕ ኢና። ስለዚ፡ ‘እንታይ እየ ኽገብር ዘሎኒ፧ ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዘሎ ዘይፍትሓውነት ገለ ኽገብርዶ ኣይግባእን፧’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ የሆዋን የሱስን ብዛዕባ ዘይፍትሓውነት እንታይ ከም ዚስምዖም እስከ ንርአ።
የሆዋን የሱስን ዘይፍትሓውነት ይጸልኡ
3. ዘይፍትሓውነት ኬጋጥመና ኸሎ ምቝጣዕና ኼገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧ (ኢሳይያስ 5:7)
3 ዘይፍትሓውነት ስለምንታይ ከም ዚርብሸና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። የሆዋ ብመልክዑ ኸም ዝፈጠረና፡ ‘ጽድቅን ፍትሕን እውን ከም ዚፈቱ’ ተሓቢሩ ኣሎ። (መዝ. 33:5፣ ዘፍ. 1:26) ንሱ ዘይፍትሓዊ ነገራት ከቶ ኣይገብርን እዩ፣ ዝዀነ ይኹን ካልእ ከምኡ ኺገብር እውን ኣይደልን እዩ። (ዘዳ. 32:3, 4፣ ሚክ. 6:8፣ ዘካ. 7:9) ንኣብነት፡ ብግዜ ነብዪ ኢሳይያስ፡ የሆዋ፡ “ኣውያት” እቶም ብደቂ ዓዶም ዚግፍዑ ዝነበሩ ብዙሓት እስራኤላውያን ሰሚዑ እዩ። (ኢሳይያስ 5:7 ኣንብብ።) ነቶም ንሕጉ ብተደጋጋሚ ዕሽሽ ዝበሉን ንኻልኦት ዚገፍዑን ሰባት እውን ቀጺዕዎም እዩ።—ኢሳ. 5:5, 13።
4. ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ሓደ ዛንታ ብዛዕባ እቲ የሱስ ንዘይፍትሓውነት ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ይነግረና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
4 የሱስ እውን ከም የሆዋ ፍትሒ ይፈቱ፡ ዘይፍትሓውነት ከኣ ይጸልእ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ግዜ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ኣጓነፎ። የሱስ ነቲ ሰብኣይ ስለ ዝደንገጸሉ ኣሕወዮ። እቶም ሕሱማት መራሕቲ ሃይማኖት ግና ካብዚ እተፈልየ ስምዒት እዩ ነይርዎም። እቲ ውጹዕ ሰብኣይ ብዛዕባ እቲ ዝረኸቦ ሓገዝ ዋላ ሓንቲ ኣይዓጀቦምን። የግዳስ፡ እቲ ብዛዕባ ሕጊ ሰንበት ዝነበሮም ተሪር ኣተረጓጕማ ኺሕሎ እዮም ዚደልዩ ነይሮም። እሞ ደኣ የሱስ ብዛዕባኦም እንታይ ተሰምዖ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “በቲ ትሪ ልቦም ጕህዩ” ኢሉ ይምልሰልና።—ማር. 3:1-6።
መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንውጹዓት ይድንግጹሎም እኳ እንተ ዘይነበሩ፡ የሱስ ግና ይድንግጸሎም ነበረ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)
5. ብሰንኪ ዘይፍትሓውነት ብዛዕባ ዚስምዓና ቝጥዓ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧
5 የሆዋን የሱስን ብዘይፍትሓዊ ተግባራት ዚቝጥዑ ኻብ ኰኑ፡ ንሕና እውን እንተ ተቘጣዕና ጌጋ ኣይኰነን። (ኤፌ. 4:26) ይኹን እምበር፡ ዋላ እውን ብብቑዕ ምኽንያት ኣብ እንቝጥዓሉ እዋን፡ እዚ ንዘይፍትሓውነት ፍታሕ ከም ዘይከውን ክንዝክር ኣሎና። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ንነዊሕ ግዜ ዚቕጽል ቍጥዓ እንተ ኣሕዲርና፡ ወይ ንቝጥዓና ዘይንቈጻጸሮ እንተ ዄንና፡ ብስምዒታውን ብኣካላውን መዳይ ክንጕዳእ ንኽእል ኢና። (መዝ. 37:1, 8፣ ያእ. 1:20) እሞ ደኣ ዘይፍትሓውነት ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ካብ የሱስ ክንምሃር ንኽእል ኢና።
የሱስ ዘይፍትሓውነት ምስ ኣጋጠሞ እንታይ ገይሩ፧
6. የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እንታይ ዘይፍትሓዊ ነገራት እዩ ዚግበር ዝነበረ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
6 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዓብዪ ዘይፍትሓዊ ነገር ርእዩ እዩ። ተራ ህዝቢ ብመራሕቲ ሃይማኖት ብኸመይ ከም ዚጭቈኑ ርእዩ እዩ። (ማቴ. 23:2-4) ሰበ ስልጣን ሮሜ ነቶም ህዝቢ ብኸመይ ከም ዚጭቍንዎም እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዙሓት ኣይሁድ ካብ ሮሜ ናጻ ኺወጹ ይደልዩ ነይሮም እዮም። ገሊኦም ጥሩፋት ከኣ ምእንቲ እዚ ይቃለሱ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ የሱስ ማሕበራዊ ለውጢ ንምግባር ቃልሲ ኣይጀመረን፡ ኣብቲ ኸምኡ ዝኣመሰለ ምንቅስቓሳት እውን ኣይተሳተፈን። እቶም ህዝቢ ኼንግስዎ ኸም ዝደለዩ ምስ ፈለጠ፡ ካባታቶም ተፈልየ።—ዮሃ. 6:15።
እቶም ህዝቢ ንየሱስ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳይ ኬእትውዎ ምስ ፈተኑ፡ ንሱ ኻባታቶም ተፈልየ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)
7-8. የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንዘይፍትሓውነት ንምውጋድ ጻዕሪ ዘይገበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ዮሃንስ 18:36)
7 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንዘይፍትሓውነት ምእንቲ ኼወግድ ኢሉ ምስቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ስርዓት ፖለቲካ ተሓባቢሩ ኣይዓየየን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ደቂ ሰብ ገዛእ ርእሶም ንምምሕዳር መሰል ኰነ ኽእለት ከም ዘይብሎም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (መዝ. 146:3፣ ኤር. 10:23) ብዘይካዚ እውን፡ ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ዘይፍትሓውነት ኬወግድዎ ኣይክእሉን እዮም። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ፣ እዚ ቐታል ነፍሲ ዝዀነ መንፈሳዊ ፍጡር እዚ ኸኣ ንብዙሓት ሰባት ዘይፍትሓዊ ነገራት ኪገብሩ ይጸልዎም እዩ። (ዮሃ. 8:44፣ ኤፌ. 2:2) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ዘይፍጽምና ስለ ዝወረስና፡ እቶም ብጽቡቕ ሓሳብ ተደሪኾም ዚመላለሱ ሰባት እኳ ዅሉ ሳዕ ፍትሓውያን ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም።—መክ. 7:20።
8 ንዘይፍትሓውነት ካብ ሱሩ እተወግዶ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ግዜኡን ጕልበቱን ብዛዕባ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ኣብ ምብሳርን’ እዩ ኣውዒልዎ። (ሉቃ. 8:1) ነቶም “ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን” ከኣ መወዳእታ ብልሽውናን ግፍዕን ከም ዚመጽእ ኣረጋጊጹሎም እዩ። (ማቴ. 5:6፣ ሉቃ. 18:7, 8) ይኹን እምበር፡ እዚ ነገር እዚ ብማሕበራዊ ለውጢ ኣይኰነን ዚመጽእ። የግዳስ፡ በታ “ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” እተባህለላ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ እዩ ዚመጽእ።—ዮሃንስ 18:36 ኣንብብ።
ዘይፍትሓውነት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ኣብነት የሱስ ስዓብ
9. መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ንዅሉ ዘይፍትሓውነት ከም እተወግዶ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧
9 ሎሚ፡ ካብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዚበዝሕ ዘይፍትሓውነት ኢና እንርኢ ዘለና። ጠንቂ እቲ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዘሎ ዘይፍትሓውነት ግና ኣይተቐየረን፣ ሰይጣንን ኣብ ትሕቲ ጽልዋኡ ዘለዉ ዘይፍጹማት ሰባትን እዮም ጠንቂ ዀይኖም ዘለዉ። (2 ጢሞ. 3:1-5, 13፣ ራእ. 12:12) እንተዀነ ግና፡ ንሕና እውን ከም የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ንዘይፍትሓውነት ካብ ሱሩ ኸም እተወግዶ ንፈልጥ ኢና። ነታ መንግስቲ እቲኣ ምሉእ ብምሉእ ስለ እንድግፋ ኸኣ፡ ንዘይፍትሓውነት ንምቅላስ ኣብ ዚግበር ሰላማዊ ሰልፍታትን ካልእ ጻዕርታትን ኣይንሳተፍን ኢና። ተመክሮ ስቴሲa ዝስማ ሓብቲ እስከ ንርአ። ስቴሲ ሓቂ ቕድሚ ምፍላጣ፡ ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዚግበር ጻዕርታት ብስሩዕ ትሳተፍ ነበረት። ብዛዕባ እቲ እትገብሮ ዝነበረት ግና ጥርጣረታት ኪሓድራ ጀመረ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ዝሳተፈሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ኣብ ቅኑዕ ወገን እንተ ኣልየ ሕቶ ይልዓለኒ ነይሩ። ሕጂ ንመንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝድግፍ ግና፡ ኣብ ቅኑዕ ወገን ከም ዘለኹ እፈልጥ እየ። የሆዋ ኻባይ ንላዕሊ ንዅሎም ግዳያት ጭቈና ኸም ዚቃለሰሎም እፈልጥ እየ።”—መዝ. 72:1, 4።
10. ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእ ዚግበር ምንቅስቓሳት ምስቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 5:43-48 ዝሃቦ ምኽሪ ዘይቃዶ ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
10 እቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእ ዚግበር መብዛሕትኡ ምንቅስቓሳት ብርእስኻ ናይ ምሕዳርን ናይ ምረትን መንፈስ ስለ ዘለዎ፡ ምስቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነትን ምስ ትምህርትታቱን ኣይቃዶን እዩ። (ኤፌ. 4:31) ንኣብነት፡ ጄፍሪ ዝስሙ ሓው፡ “ሰላማዊ ምንቅስቓስ ዚመስል ዝነበረ ሰልፊ ኣብ ውሽጢ ሒደት ካልኢት ናብ ዓመጻን ዘረፋን ኪቕየር ከም ዚኽእል እፈልጥ እየ” ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ። የሱስ ግና ንዅሎም ሰባት ብፍቕሪ ኽንሕዞም ከም ዚግባእ፡ ዋላ እውን ነቶም ምሳና ዘይሰማምዑን ዚሰጕጉናን ሰባት ብፍቕሪ ኽንሕዞም ከም ዚግባእ ምሂሩ እዩ። (ማቴዎስ 5:43-48 ኣንብብ።) ክርስትያናት ከም ምዃና መጠን፡ ካብቲ የሱስ ምስ ዝሓደገልና ኣብነት ዘይቃዶ ዘበለ ነገራት ክንርሕቕ ንጽዕር ኢና።
ካብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጕዳያት ገለልትነትና ንምሕላው፡ ቈራጽነት ኪህልወና ኣለዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)
11. ንምንቅስቓሳት ማሕበራዊ ለውጢ ኸይንድግፍ ቈራጽነት ጌርና ኽነስና፡ እንታይ ፈተና እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧
11 መንግስቲ ኣምላኽ ንዘይፍትሓውነት ነባሪ ፍታሕ ከም እትገብረሉ ንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ዘይፍትሓዊ ነገር ኣብ ልዕሌና ኺፍጸም ከሎ ግና፡ ኣብነት የሱስ ምስዓብ ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ግዳይ ኣድልዎ ብዛዕባ ዝዀነት ጃኒያ እስከ ንሕሰብ። ንሳ ኸምዚ ብምባል ትእመን፦ “ነዲረ እየ ነይረ። ውሽጠይ ተጐዲአ ስለ ዝነበርኩ ድማ፡ ሕነ እቲ ዘይፍትሓውነት ኪፍደየለይ እየ ደልየ ነይረ። ድሕርዚ፡ ምስ ዓሌትነትን ኣድልዎን ንዚቃወም ምንቅስቓስ ክድግፍ ሓሲበ። ከምኡ ምግባር፡ ቍጥዓይ ብግቡእ ዝገልጸሉ መገዲ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ።” ድሕሪ ግዜ ግና፡ ጃኒያ ለውጥታት ክትገብር ከም ዜድልያ ኣስተውዓለት። ስለዚ ብዛዕባኡ ኸምዚ ትብል፦ “ካልኦት ንኣተሓሳስባይ ኪቕልስዎ እየ ዝፈቅድ ነይረ፣ እምንቶይ ድማ ኣብ የሆዋ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰብ ክገብር እዮም ዚጸልዉኒ ነይሮም። ስለዚ፡ ምስቲ ምንቅስቓስ ዝነበረኒ ዅሉ ርክብ ክበትኽ ወሲነ።” እምበኣር፡ ሓድሓደ ግዜ ብግቡእ ምኽንያት እኳ እንተ ተቘጣዕና፡ በዚ ተላዒልና ግና ነቲ ኻብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጕዳያት እዛ ዓለም ገለልተኛታት ንምዃን ዝገበርናዮ መትከል ከነበላሹ የብልናን።—ዮሃ. 15:19።
12. እንታይ ከም እነንብብ፡ እንታይ ከም እንሰምዕ፡ ወይ እንታይ ከም እንርኢ መረጽቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
12 እሞ ደኣ ነቲ ብሰንኪ ዘይፍትሓውነት ዚስምዓና ቝጥዓ ንምቍጽጻር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ብዙሓት ሰባት እንታይ ከም ዜንብቡን እንታይ ከም ዚሰምዑን እንታይ ከም ዚርእዩን መረጽቲ ብምዃኖም ተጠቒሞም እዮም። ገሊኡ ዓይነት ማሕበራዊ መራኸቢ ዘይፍትሓውነት ዜጐሃህር፡ ማሕበራዊ ለውጥታት ኪግበር ድማ ዜተባብዕ ነገራት እዩ መሊእዎ ዘሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ማዕከናት ዜና ሚዛኑ ብዘይሓለወ መገዲ እየን ጸብጻባት ዜቕርባ። ዋላ እውን ብዛዕባ ሓደ ዘይፍትሓዊ ተግባር ጸብጻብ ምስ ሰማዕና፡ ኣብቲ ነገር እቲ ምትኳር እንታይ ይዓብስ፧ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ንነዊሕ ግዜ እንተ ኣኰማሲዕናዮ፡ ብዘየድሊ ኽንበሳጮ ወይ ተስፋ ኽንቈርጽ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 24:10) እቲ ዝገደደ ድማ፡ ኣብታ ንዅሉ ዘይፍትሓውነት ፍታሕ እተምጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ኣትኵሮ ኸነጥፍእ ንኽእል ኢና።
13. ጽቡቕ ልማድ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዘይፍትሓውነት ግቡእ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
13 ጽቡቕ ልማድ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ምስትንታንን፡ ዘይፍትሓውነት ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ክንገብር ከም ዚግባእ ክንፈልጥ ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት፡ ኣሊያ ዝስማ ሓብቲ በቲ ኣብ ማሕበረ ሰባ ዚወርድ ግፍዒ ኣመና ተረበሸት፣ እቶም ገፋዕቲ ብተግባሮም ተሓተቲ ኸም ዘይኰኑ ዀይኑ እውን ተራእያ። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ትብል፦ “ሓንሳእ ኮፍ ኢለ ‘የሆዋ ነዚ ጸገማት እዚ ኸም ዚፈትሖስ ብሓቂዶ እኣምን እየ፧’ ኢለ ገዛእ ርእሰይ ክሓትት ነይሩኒ። ኣብቲ እዋን እቲ ድማ፡ ንእዮብ 34:22-29 ኣንቢበያ። እተን ፍቕድታት እቲአን ከኣ፡ ዋላ ሓደ ኻብ የሆዋ ኸም ዘይሕባእ ኣዘኻኺረናኒ። ንሱ ጥራይ እዩ ፍጹም ፍትሒ ዘለዎ፣ ንሱ ጥራይ እዩ ንዅሉ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ዜዐርዮ።” ይኹን እምበር፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ፍትሒ ኸተምጽእ እናተጸበና፡ ሕጂ ዘይፍትሓውነት ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧
ሕጂ ብዛዕባ ዘይፍትሓውነት እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
14. ነቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ምእንቲ ኸይንውስኸሉ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ (ቈሎሴ 3:10, 11)
14 ነቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ዘይፍትሓዊ ነገር ክንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ንኸውን፣ ንተግባራትና ግና ክንቈጻጸሮ ንኽእል ኢና። ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ፡ ብፍቕሪ ብምምልላስ ንየሱስ ኢና ኽንመስሎ እንጽዕር። ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ድማ ንኻልኦት ሰባት፡ እንተላይ ነቶም ዘይፍትሓዊ ተግባር ዚገብሩ፡ ብኣኽብሮት ክንሕዞም ትድርኸና እያ። (ማቴ. 7:12፣ ሮሜ 12:17) ንዅሉ ሰብ ብለውሃትን ብፍትሕን ክንሕዝ ከለና፡ የሆዋ ባህ ይብሎ እዩ።—ቈሎሴ 3:10, 11 ኣንብብ።
15. ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ምንጋር፡ ኣብዚ ሕጂ ዚፍጸም ዘሎ ዘይፍትሓውነት እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧
15 ምስ ዘይፍትሓውነት ንምቅላስ ክንገብሮ እንኽእል ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገር፡ ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ምንጋር እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ፡ “ፍልጠት የሆዋ” ንሓደ ቝጡዕን ዓማጽን ዝነበረ ሰብ ናብ ለዋህን ሰላም ዚፈቱን ሰብ ኪቕይሮ ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 11:6, 7, 9) ንኣብነት፡ ጀማል ዚብሃል ሰብ ሓቂ ቕድሚ ምፍላጡ፡ ምስ ሓደ ጨቋኒ ኢሉ ዝኣመነሉ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምቅላስ ምስ ተቓወምቲ ተጸምበረ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ንሰባት ብሓይሊ ኽትቅይሮም ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣነ ብሓይሊ ኣይተቐየርኩን፣ በቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተምሃርክዎ ሓቂ ግና ተቐዪረ እየ።” ጀማል በቲ እተማህሮ ነገር ተደሪኹ ቓልሲ ደው ኬብል ወሰነ። ብዙሓት ሰባት ህይወቶም በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ብእተቐየረ መጠን፡ ኣብ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ዚሳተፉ ሰባት እናወሓዱ እዮም ዚኸዱ።
16. ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ክትነግር እትደሊ ስለምንታይ ኢኻ፧
16 ንሕና እውን ከም የሱስ፡ ንዘይፍትሓውነት ነባሪ ፍታሕ እተምጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ንሰባት ክንነግር ንደሊ ኢና። እዚ ተስፋ እዚ ንግፉዓት ኬተባብዖም ይኽእል እዩ። (ኤር. 29:11) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ስቴሲ ኸምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “ሓቂ ምፍላጠይ፡ ዘይፍትሓውነት ኣብ ዝርእየሉን ኣብ ልዕለይ ኣብ ዝፍጸመሉን እዋን እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ ኽፈልጥ ሓጊዙኒ እዩ። የሆዋ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ኣቢሉ የጸናንዓና እዩ።” ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዘይፍትሓውነት ከም ዚውገድ ዚገልጽ ዜጸናንዕ መልእኽቲ ንኻልኦት ንምንጋር፡ ንስኻ ገዛእ ርእስኻ ብጽቡቕ ክትዳሎ ኣሎካ። ንሓቅነት እዚ ኣብዛ ዓንቀጽ ዘሎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ብዝያዳ ብዝኣመንካሉ መጠን፡ እቲ ጕዳይ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕ ኪልዓል ከሎ ብሜላ ምስ ሰባት ንምምይያጥ ብዝያዳ ኢኻ እትዕጠቕ።b
17. የሆዋ ነዚ ሕጂ ዘሎ ዘይፍትሓውነት ምእንቲ ኽንጻወሮ ብኸመይ እዩ ዚሕግዘና ዘሎ፧
17 ሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኽሳዕ ዝዀነ፡ ዘይፍትሓዊ ነገራት ከም ዜጋጥመና ንፈልጥ ኢና። ንሱ ኽሳዕ ‘ዚድርበ’ ንጽበ እኳ እንተ ኣለና፡ ሕጂ ግና ረዳኢ ኣልቦ ወይ ተስፋ ኣልቦ ኣይኰንናን። (ዮሃ. 12:31) የሆዋ ብቕዱሳት ጽሑፋት ኣቢሉ ዘይፍትሓውነት ስለምንታይ ከም ዝበዝሐ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ዘይፍትሓውነት ዜስዕበልና ጭንቂ ኸመይ ከም ዚስምዖ እውን ገሊጹልና ኣሎ። (መዝ. 34:17-19) ብወዱ ኣቢሉ ድማ፡ ሕጂ ዘይፍትሓውነት ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ክንገብር ከም ዚግባእ፡ ከምኡ እውን ኣብ ቀረባ ግዜ መንግስቱ ንዘይፍትሓውነት ሓንሳእ ንሓዋሩ ብኸመይ ከም እተወግዶ ምሂሩና እዩ። (2 ጴጥ. 3:13) እምበኣር፡ ነቲ ምድሪ “ብፍትሕን ብጽድቅን” እትመልኣሉ እዋን ብሃንቀውታ እናተጸበና፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ንስበኽ።—ኢሳ. 9:7።
መዝሙር 158 “ኣይኪድንጕን’ዩ!”
a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።
b ኣብታ ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር ዘርእስታ ብሮሹር፡ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ሀ፡ ነጥቢ 24-27 እውን ርአ።