ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/10 ገጽ 4-5
  • ብልሽውና ዚቕጽል ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብልሽውና ዚቕጽል ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብልሽውና ኬኽትም እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተስፋ ናይ ሓንቲ ብልሽውና ዘይብላ ዓለም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • ብልሽውና ኣመና ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/10 ገጽ 4-5

ብልሽውና ዚቕጽል ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

“ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ አሎ።”​—መክብብ 8:9።

ስሱዕ ነጋዳይ

እዚ ሓሳብ እዚ፡ ንታሪኽ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ብልክዕ እዩ ዚገልጾ። ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ፡ በቲ ዜጋጥም ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ መከራን ስቓይን ተሓታቲ እዩ። ኣብ ኵሉ ዘመናት፡ ካብ ቅንዕና ተበጊሶም ፍትሒ ዝሰፈኖ ሕብረተሰብ ኪምስርቱ ዚደልዩ ዝነበሩ ሰባት፡ ብሰንኪ ስስዐን ብልሽውናን ጻዕሮም ፈሺሉ እዩ። ስለምንታይ፧ ብልሽውና ኽሳዕ ሕጂ ዚቕጽል ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ብሰንኪ እዚ ዚስዕብ ሰለስተ ጐዳኢ ጽልዋታት እዩ።

1. ጽልዋ ሓጢኣት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኵላትና ትሕቲ ሓጢኣት ምዃንና’ ብንጹር ይገልጽ እዩ። (ሮሜ 3:9) ሓጢኣት ልክዕ ከም ሓደ ዘይሓዊ ተወርሶኣዊ ሕማም፡ ‘ኣባና ሓዲሩ እዩ ዘሎ።’ ንኣሽሓት ዓመታት ድማ ልክዕ ከም ንጉስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ‘ይገዝእ’ ኣሎ። ‘ሕጉ’ ኸኣ ብቐጻሊ ኣባና ይዓዪ እዩ። ብዙሓት ሰባት ብምኽንያት ሓጥእ ዝንባለ፡ ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ የተኵሩ እዮም፣ ወይ ከኣ ንኻልኦት ብምጕዳእ ስጋዊ ሃብቲ ኼጥርዩ ወይ ስልጣን ኪሕዙ ይጽዕሩ እዮም።—ሮሜ 5:21፣ 7:17, 20, 23, 25።

2. ጽልዋ እዛ እንነብረላ ዘለና እክይቲ ዓለም

መለለዪ ዓለምና፡ ስስዐን ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ምድላይን ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ሃዋህው ዚነብሩ ገሊኦም ሰባት፡ ካብ ካልኦት ፍሉያት ኪዀኑ ይኸብዶም እዩ። በቲ ስስዐ ዝመልኦ ህርፋን ተደሪኾም ድማ፡ ጽምኢ ስልጣን የሕድሩ። ካብቲ ብሓቂ ዜድልዮም ንላዕሊ ዝዀነ ገንዘብን ንብረትን ኬጥርዩ ይምነዩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ነዚ ዅሉ ንምርካብ፡ ቀጠፍጠፍ ዚብሉ ምዃኖም እዩ። ነቲ ጐዳኢ ጽልዋ ኣብ ክንዲ ዚጻረርዎ፡ ‘ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ እቶም ብዙሓት እዮም ዚስዕቡ።’—ዘጸኣት 23:2።

3. ጽልዋ ሰይጣን ድያብሎስ

እቲ ዓለወኛ መንፈሳዊ ፍጡር ዝዀነ ሰይጣን፡ ‘ንብዘላ ዓለም የስሕታ ኣሎ።’ (ራእይ 12:9) ንደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ገይሩ፡ ነቲ ንሱ ዚደልዮ ነገራት ኪገብሩ እዩ ዚደሊ። ነቲ ሓደ ሰብ ስጋዊ ምሾትን ሃብትን ንምርካብ ኪህልዎ ዚኽእል ባህርያዊ ባህጊ ብውሕልነት ብምጥቃም፡ ነቲ ሰብ መታለሊ ኸም ዚኸውን ኪገብሮ ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር፡ ሰይጣን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ምርኢት ብገመዳት ዚንቀሳቐስ ባምቡላ ኸም ድላዩ ኺጻወተልና ይኽእል እዩ ማለት ድዩ፧ ነቲ መልሲ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ